ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧—1ይ ክፋል፦ ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧

ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧—1ይ ክፋል፦ ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧

 ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧

 ኣምላኽ ንዅሉ ኸም ዝፈጠሮ ዲኻ እትኣምን፧ ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይትን እውን ከምኡ እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ግና ህይወትን ዩኒቨርስን ብዘይ ፈጣሪ፡ ብፍልቀት ከም ዝመጸ ወይ ባዕሉ በብቝሩብ ከም ዝማዕበለ እዮም ዚኣምኑ።

 ትፈልጥዶ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለዉ ሰባት፡ ነቲ ዚድግፍዎ ሓሳብ ስለምንታይ ከም ዚኣምኑሉ ኣጸቢቖም ከይፈለጡ እዮም እንታይ ከም ዚኣምኑ ተሃዊኾም ዚዛረቡ።

  •   ገሊኦም ሰባት ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ፍጥረት ስለ እተማህሩ ጥራይ እዮም ነዚ ዚኣምኑሉ።

  •   ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ፍልቀት ስለ እተማህሩ ጥራይ እዮም ነዚ ዚኣምኑሉ።

 እዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት እዚ፡ ብዛዕባ ፍጥረት ዘሎካ እምነት ኬደልድለልካን ኪገልጸልካን እዩ። ፈለማ ግና፡ ንርእስኻ መሰረታዊ ሕቶ ኽትሓትት ኣሎካ፦

 ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧

 እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብኣእምሮኻ’ ኽትጥቀም የተባብዓካ እዩ። (ሮሜ 12:1) ስለዚ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኣብዚ ዚስዕብ ነገራት ጥራይ ኪስረት የብሉን፦

  •  ስምዒት (ዝለዓለ ሓይሊ ኸም ዘሎ ይስምዓኒ እዩ)

  •  ጽልዋ ኻልኦት (ሃይማኖተኛታት ኣብ ዝዀኑ ማሕበረ ሰብ እየ ዝነብር)

  •  ጸቕጢ (ወለደይ ብኣምላኽ ከም ዝኣምን ገይሮም እዮም ኣዕብዮምኒ፡ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ሽግር ክኣቱ እየ)

 ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ብብሕትኻ ኽትኣምነሉ ኣሎካ፣ ነዚ እምነት እዚ ዚኸውን ብቑዕ ምኽንያታት እውን ኪህልወካ ኣለዎ።

 ስለዚ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ንዓኻ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧ “መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧—ብኣምላኽ ምእማን” ዘርእስታ ቪድዮ እምነትካ ንምህናጽ ክትሕግዘካ እያ። ካልኦት መንእሰያት ነታ ሕቶ እቲኣ ብኸመይ ከም ዚምልስዋ ምፍላጥ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

 “ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ሰብነትና ዚውሃብ ትምህርቲ ኽሰምዕ ከለኹ፡ ኣምላኽ ብዘይ ጥርጥር ከም ዘሎ የእምነኒ እዩ። ኵሉ ኣካላት ሰብነትና፡ ዋላ እውን እቲ ዝደቐቐ፡ ነናቱ ዕዮ ኣለዎ፣ ንዓና ኸይተፈለጠና ኸኣ እዩ ዕዮኡ ዚገብር። ሰብነትና ብሓቂ መስተንክር እዩ!”—ተሬሳ።

 “ዓብዪ ህንጻ፡ ዓባይ መርከብ፡ ወይ ማኪና ኽርኢ ኸለኹ፡ ‘ነዚ መን ሰሪሕዎ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ እሓትት እየ። ኣስተውዓልቲ ሰባት እዮም ማኪና ኺሰርሑ ዚኽእሉ፣ ማኪና ኽትንቀሳቐስ እንተ ዀይና፡ ኣዝዩ ብዙሕ ንኣሽቱ ኣካላት እታ ማኪና ብልክዕ ኪዓዪ ኣለዎ። ንማካይን ነዳፊ እንተ ኣልይወን፡ ሰባት እውን ነዳፊ ኣለዎም።”—ሪቻርድ።

 “ንኣዝዩ ንእሽቶ ኽፋል ዩኒቨርስ ምእንቲ ኽንርድኦ እኳ ኣዝዮም ኣስተውዓልቲ ሰባት ካብ ኣድለዩ፡ ንዩኒቨርስ ናብ ህልውና ንምምጻእ ምስትውዓል ከም ዘየድሊ ጌርካ ምሕሳብ ፍጹም ዕሽነት እዩ!”—ካረን።

 “ንስነ ፍልጠት ብዝያዳ ብዘጽናዕክዎ መጠን፡ ፍልቀት ክትኣምኖ ዘይከኣል ኰይኑ እዩ ተራእዩኒ። ንኣብነት፡ ኣብ ተፈጥሮ ብዛዕባ ዘሎ ልክዕ ሕሳብን ብዛዕባ ፍሉይነት ደቂ ሰብን ሓሲበ፣ መን ምዃንናን ካበይ ከም ዝመጻእናን ናበይ ንኸይድ ከም ዘለናን ክንፈልጥ ከም እንደሊ እውን ሓሲበሉ። ፍልቀት ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ምስ እንስሳታት ኣተሓሒዙ እዩ ኺገልጾ ዚፍትን፣ ደቂ ሰብ ፍሉያት ዝዀኑሉ ምኽንያት ግና ኪገልጽ ኣይከኣለን። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ካብ ኣብ ፍጥረት ምእማን ንላዕሊ፡ ኣብ ፍልቀት ምእማን ዝያዳ ‘እምነት’ ይሓትት።”—ኣንቶኒ።

 ብዛዕባ እምነተይ ብኸመይ ክገልጽ እኽእል፧

 ኣብ ዘይትርእዮ ነገር ብምእማንካ መማህርትኻ እንተ ኣላጊጾምልካ፡ እንታይ ክትብል ትኽእል፧ ፍልቀት ብስነ ፍልጠት ከም “እተረጋገጸ” ገይሮም እንተ ተዛሪቦምኻ፡ እንታይ ኢልካ ኽትምልስ ትኽእል፧

 ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ እትኣምነሉ ነገር ርግጸኛ ኹን። ብእምነትካ ኣይትፍራህ ወይ ኣይትሕፈር። (ሮሜ 1:16) ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እውን ዘክር፦

  1.   በይንኻ ኣይኰንካን፣ ብዙሓት ሰባት ብኣምላኽ ይኣምኑ እዮም። ብዙሓት ኣስተውዓልትን ሰብ ሞያን እውን ብኣምላኽ ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ብኣምላኽ ዚኣምኑ ብዙሓት ስነ ፍልጠተኛታት ኣለዉ።

  2.   ገሊኦም ሰባት ብኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ንኣምላኽ ኪርድእዎ ኸም ዘይክእሉ እዮም ዚገልጹ ዘለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ንኣረኣእያኦም ዚድግፍ መርትዖ ኣብ ክንዲ ዜቕርቡ፡ “ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ መከራ ኺህሉ ዚፈቅድ፧” ዚብል ሕቶ የበግሱ እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ምስ ምስትውዓል ተተሓሒዙ ዚልዓል ጕዳይ፡ ናብ ስምዒታዊ ጕዳይ እዮም ዚቕይርዎ።

  3.   ሰባት ‘መንፈሳዊ ነገራት ይሃርፉ’ እዮም። (ማቴዎስ 5:3) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሰባት ብባህርዮም፡ ብኣምላኽ ኪኣምኑ ይደልዩ እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ፡ ኣምላኽ የልቦን እንተ ኢሉ፡ ናብቲ መደምደምታ እቲ ብኸመይ ከም ዝበጽሐ ኺገልጽ ዘለዎ ንሱ ደኣ እዩ እምበር፡ ንስኻ ኣይኰንካን።—ሮሜ 1:18-20

  4.   ብኣምላኽ ምእማን፡ ምሉእ ብምሉእ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ‘ህይወት ባዕሉ ናብ ህልውና ኺመጽእ ኣይክእልን እዩ’ ኣብ ዚብል እተረጋገጸ ሓቂ እተመስረተ እዩ። ህይወት ካብ ዘይህይወታዊ ነገር ብወዝቢ ኺፈልቕ ይኽእል ንዚብል ሓሳብ ዚድግፍ ዋላ ሓደ መርትዖ የልቦን።

 ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኣብ ሕቶ እንተ ኣእትይዎ፡ እንታይ ክትብል ትኽእል፧ እተወሰነ ምላሽ እስከ ንርአ፦

 ከምዚ እንተ ኢሉካ፦ “ዘይተማህሩ ሰባት ጥራይ እዮም ብኣምላኽ ዚኣምኑ።”

 ከምዚ ኢልካ ኽትምልስ ትኽእል፦ “ነዚ ዘይሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ትቕበሎ ዲኻ፧ ኣነ እኳ ኣይቅበሎን እየ። ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲታት ንዚምህሩ ልዕሊ 1,600 ፕሮፌሰራት ስነ ፍልጠት ኣብ ዘሳተፈ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሲሶ ኻባታቶም ‘ብህልውና ኣምላኽ ኣይንኣምንን’ ወይ ‘ብህልውና ኣምላኽ ንጠራጠር’ ኣይበሉን። a እሞ ደኣ እዞም ፕሮፌሰራት ብኣምላኽ ስለ ዚኣምኑስ፡ ኣስተውዓልቲ ኣይኰኑን ምበልካዮምዶ፧”

 ኣብ እትቕጽል ክፋል፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ብዛዕባ ህልውናና ዜዕግብ መረዳእታ ስለምንታይ ከም ዘየቕርብ ኪግለጽ እዩ።

 ከምዚ እንተ ኢሉካ፦ “ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ስለምንታይ እዩ ኣብ ዓለም መከራ በዚሑ ዘሎ፧”

 ከምዚ ኢልካ ኽትምልስ ትኽእል፦ “ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ኣምላኽ ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣይተረድኣንን፡ ወይ ስለምንታይ ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ ኣይተረድኣንን’ ኢኻ እትብል ዘለኻ። ሓቀይዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣነ ብወገነይ፡ ብዛዕባ እቲ መከራ ዝበዝሓሉ ምኽንያት ዚገልጽ ዜዕግብ መልሲ ረኺበ እየ። እዚ ምእንቲ ኺርድኣካ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት ክትምርምር ኣሎካ። ብዛዕባ እዚ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧”

a ምንጪ፦ Social Science Research Council, “Religion and Spirituality Among University Scientists,” by Elaine Howard Ecklund, February 5, 2007.