ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብዛዕባ ስፖርት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ብዛዕባ ስፖርት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

 ስፖርት ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ፣ ኪጐድኣካ እውን ይኽእል እዩ። እዚ ኣብቲ እትጻወቶ ዓይነት ጸወታ፡ እትጻወተሉ መገዲ፡ ኣብ ጸወታ እተሕልፎ ግዜ ዚምርኰስ እዩ።

 እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

 ስፖርታዊ ጸወታ ንጥዕና ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣካላዊ ስልጠና ይጠቅም እዩ’ ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ራያን ዚብሃል መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ስፖርታዊ ጸወታ፡ ንጡፍ ክትከውን ይሕግዘካ እዩ። ኣብ ገዛ ኾፍ ኢልካ ጸወታታት ቪድዮ ኻብ ምጽዋት ኣጸቢቑ ይሓይሽ።”

 ስፖርታዊ ጸወታ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ምዕያይን ርእስኻ ምግታእን ኪምህር ይኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣወንታዊ ነጥቢ ንምምሃር ኣብ ስፖርት እተመስረተ ምሳሌ ይጥቀም እዩ። “ኣብ ቅድድም፡ ኵሎም ጐየይቲ ኸም ዚጐይዩ፡ ነታ ሽልማት ግና ሓደ ጥራይ ከም ዚወስዳ” ይገልጽ፣ ቀጺሉ ኸኣ፡ “ዚወዳደር ዘበለ ዅሉ ድማ ብዅሉ ነገር ርእሱ ይገትእ እዩ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 9:24, 25) እቲ ቝም ነገር እንታይ እዩ፧ ሕጊ ሓደ ስፖርታዊ ጸወታ ሓሊኻ ንምጽዋት፡ ርእሰ ግትኣትን ምትሕብባርን የድሊ። ኣቢጋይል ዝስማ መንእሰይ፡ “ስፖርት ምጽዋት፡ ከመይ ጌርካ ምስ ካልኦት ክትተሓባበርን ክትረዳዳእን ከም እትኽእል ምሂሩኒ እዩ” ትብል።

 ስፖርታዊ ጸወታ ዕርክነት ንምምስራት ኪሕግዝ ይኽእል። ጸወታ ንሰባት ከም ዚሓብሩ ይገብር እዩ። ጆርዳን ዚብሃል መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ዳርጋ ዅሉ ጸወታታት፡ ውድድር ዘለዎ እዩ፣ ንምዝንጋዕ ኢልካ ትጻወት እንተ ዄንካ ግና ዕርክነት ክትምስርተሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ።”

 እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

 እትጻወቶ ዓይነት ጸወታ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንጻድቕ ኰነ ንእኩይ ይምርምሮ፣ ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ” ይብል።—መዝሙር 11:5

 ገሊኡ ስፖርት፡ ዓመጻ ዝመልኦ እዩ። ንኣብነት፡ ላውረን ዝስማ መንእሰይ ከምዚ ብምባል ትዕዝብታ ትገልጽ፦ “ዕላማ መኸተ ጕስጢ፡ ነቲ ኻልኣይካ ምጕሳጥ እዩ። ከም ክርስትያናት መጠን ካብ ባእሲ ንቝጠብ ኢና፣ ንምንታይ ደኣ እሞ ካልኦት ኪጕሰጡ ኸለዉ ብምርኣይ ንዘናጋዕ፧”

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ናይ ዓመጻ ተግባራት ክትገብር ከም ዘይጸልወካ እናኣመኻነኻ፡ ዓመጻ ዝመልኦ ስፖርት ትጻወት ወይ ትርኢ ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ መዝሙር 11:5፡ የሆዋ ዓመጻ ንዚገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ዓመጻ ንዚፈቱ” ይጸልኦ ኸም እትብል ኣይትረስዕ።

 እትጻወተሉ መገዲ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ” ይብል።—ፊልጲ 2:3

 ሓቂ እዩ፡ ክልተ ኣንጻር ጋንታታት ዘለዎ ንጥፈታት፡ እተወሰነ ውድድር ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ‘ዝገበርኩ ገይረ ኽዕወት ኣሎኒ’ ዚብል ኣረኣእያ ነቲ ጸወታ ዘየሐጕስ እዩ ዚገብሮ። ብራያን ዝስሙ መንእሰይ፡ “መንፈስ ውድድር፡ ቀልጢፉ ኺዕብልለካ ይኽእል እዩ። ኣብ ስፖርት ንፉዕ እንተ ዄንካ፡ ትሕትና ኸተማዕብል የድልየካ እዩ” ይብል።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ክሪስ ዚብሃል መንእሰይ፡ “ኣብ ሰሰሙን ኵዕሶ እግሪ ንጻወት ኢና፣ መጕዳእቲ ኸኣ የጋጥም እዩ” ብምባል ይእመን። ስለዚ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘መጕዳእቲ ኸም ዜጋጥም ዚገብር ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ መጕዳእቲ ንምንካይ እንታይ ክገብር እኽእል፧’

 ኣብ ጸወታ እተሕልፎ ግዜ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ይብል።—ፊልጲ 1:10

 ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ክትሰርዕ ኣሎካ፣ መንፈሳዊ ነገራት ድማ ቀዳማይ ቦታ ኺውሃቦ ኣለዎ። እትጻወቶ ይኹን እትርእዮ መብዛሕትኡ ጸወታታት፡ ነዊሕ ሰዓታት ዚወስድ እዩ። ዳርያ ዝስማ መንእሰይ፡ “ነቲ ኣብ ቲቪ ጸወታታት ኣብ ምርኣይ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ግዜ ንኻልእ ዝሓሸ ነገራት ስለ ዘይተጠቐምኩሉ ምስ ኣደይ ንገራጮ ኔርና” ትብል።

ኣብ ስፖርት ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ፡ ኣብ ምግብኻ ጨው ከም ምብዛሕ እዩ

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ወለድኻ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ቦታ ኽትህቦ ዘሎካ ነገራት ኪመኽሩኻ ኸለዉ ትሰምዖም ዲኻ፧ ትሪና እትብሃል መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ኣነን ኣሕዋተይን ንኣገዳሲ ዕዮታት ዕሽሽ ኢልና ስፖርታዊ ጸወታታት ክንርኢ ኸለና፡ ንርኣዮም ኣይንርኣዮም ብዘየገድስ እቶም ተጻወትቲ ኸም ዚኽፈሉ ኣዴና ተዘኻኽረና ነይራ። ‘ንዓኹም ግና መን ኪኸፍለኩም እዩ፧’ ኢላ ኸኣ ትሓትተና ነይራ። ‘እቶም ተጻወትቲ ድሮ ስራሕ ኣለዎም፣ ዕዮ ገዛኹምን ካልእ ሓላፍነታትኩምን ዕሽሽ እንተ ኢልኩም ግና ኣብ መጻኢ ንርእስኹም ክትኣልዩ ኼጸግመኩም እዩ’ ማለታ እዩ ነይሩ። ስፖርታዊ ጸወታታት ምርኣይን ምጽዋትን ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺውሃቦ ኸም ዘይብሉ እያ ትነግረና ነይራ።”