ራእይ 21:1-27

  • ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን (1-8)

    • ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን (4)

    • ኵሉ ኺሕደስ እዩ (5)

  • ሓዳስ የሩሳሌም ተገልጸት (9-27)

21  እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡+ ባሕሪ+ እውን ደጊም የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረኣኹ።+  እታ ቕድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንሰብኣያ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡+ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ እውን ረኣኹ።+  ካብቲ ዝፋን ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ።+  ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣+ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡+ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።+ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”  እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡+ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ።+ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” ድማ በለኒ።  ከምዚ እውን በለኒ፦ “ኰይኑ! ኣልፋን ኦሜጋን፡* መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።+ ንዝጸምአ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብናጻ* ኽህቦ እየ።+  እቲ ዚስዕር፡ ነዚ ኺወርስ እዩ፣ ኣነ ኣምላኹ ክኸውን፡ ንሱ እውን ወደይ ኪኸውን እዩ።  እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን+ ብጽያፎም ዜፈንፍኑን ቀተልቲ ነፍስን+ ኣመንዝራታትን*+ መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩን ኣምለኽቲ ጣኦትን ኵሎም ሓሰውትን+ ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ።+ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።”+  ሓደ ኻብቶም በቲ ዳሕሮት ሸውዓተ መዓት ዝመልአ ሸውዓተ ጭሔሎ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ+ መጺኡ ኸኣ፡ “ንዓ እሞ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡*+ ከርእየካ እየ” በለኒ። 10  ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፣ እታ ቕድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ፣+ 11  ክብሪ ኣምላኽ እውን ነበራ።+ ድምቀት ብርሃና ኸኣ ከም ኣዝዩ ኽቡር እምኒ፡ ከምቲ ኸም ጽሩይ ክሪስታል ዜብርህ እምኒ ያስጲስ ነበረ።+ 12  ዓብይን ነዊሕን መካበብያን 12 ኣፍ ደገታትን ነበራ፣ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ድማ 12 መላእኽቲ ነበሩ፣ ኣብቲ ኣፍ ደገታት እውን ስማት እቶም 12 ነገዳት ደቂ እስራኤል ተጻሒፉ ነበረ። 13  ብምብራቕ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብሰሜን ድማ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብደቡብ ከኣ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብምዕራብ ድማ ሰለስተ ኣፍ ደገ ነበረ።+ 14  መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ 12 እምኒ መሰረት ነበሮ፣ ኣብኡ ድማ 12 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት+ እቲ ገንሸል ነበረ። 15  እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ኣፍ ደገታታን ነቲ መካበብያኣን ምእንቲ ኺዕቅነሉ፡ ሻምብቆ ወርቂ ኸም መዐቀኒ ሒዙ ነበረ።+ 16  እታ ኸተማ ድማ ትርብዒት ነበረት፣ ንውሓታ እውን ክንዲ እቲ ግፍሓ ነበረ። በቲ ሻምብቆ ድማ ነታ ኸተማ ዓቀና እሞ 12,000 ስታድያ* ዀነት፣ ንውሓታን ግፍሓን ቍመታን ከኣ ማዕረ ነበረ። 17  ነቲ መካበብያኣ ድማ ዓቀኖ እሞ ብመዐቀኒ ሰብ፡ ብመዐቀኒ መልኣኽ እውን፡ 144 እመት* ኰነ። 18  እቲ መካበብያኣ ኸኣ ብያስጲስ+ እተገብረ ነበረ፣ እታ ኸተማ እውን ከም ጽሩይ መረጼን ዚመስል ጽሩይ ወርቂ ነበረት። 19  መሰረታት መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብኽቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ ነበረ፦ እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፊሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ 20  እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሻውዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሻምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታሽዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ ነበረ። 21  እቲ 12 ኣፍ ደገ ድማ 12 ሉል ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ ነበረ። ጐደና እታ ኸተማ ኸኣ ከም ጽሩይ መረጼን ዚመስል ጽሩይ ወርቂ ነበረ። 22  እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ ቤተ መቕደሳ እዩ፡ እቲ ገንሸል እውን ከምኡ እዩ እሞ፡ ኣብኣ ቤተ መቕደስ ኣይረኣኹን። 23  ነታ ኸተማ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ፡+ መብራህታ እውን እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡+ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። 24  ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡+ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። 25  ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ኣፍ ደገታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይኪዕጾን እዩ።+ 26  ግርማን ክብርን ኣህዛብ ከኣ ናብኣ ኼምጽኡ እዮም።+ 27  እቶም ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እቲ ገንሸል እተጻሕፉ ደኣ እዮም ዚኣትዉ እምበር፡+ ርኽሰት ዘበለን ጽያፍን ዜታልል ነገርን ዚገብር ዘበለን ናብኣ ኸቶ ኣይኪኣቱን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “‘ሀ’ን ‘ፐ’ን።” ኣልፋን ኦሜጋን ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።
ወይ፡ “ብዘይ ክፍሊት።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ኣስታት 2,220 ኪ.ሜ.። ሓደ ስታድዩም 185 ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣስታት 64 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።