ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣካላዊ ጥዕና

ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ ወይ ንሕማምካ ኽኢልካ ብኸመይ ከም እትነብር ፍለጥ። ኵነታትካ እዚ ይኹን እቲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ስግኣት ጥዕና

ሓይለይ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ጠንቂ እዚ ጸገም እንታይ እዩ፧ ንዓኻኸ ኼጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኸየጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ቅድሚ ምስታይካ ሕሰብ

ብዙሓት ሰባት ብድፍኢት መስተ፡ ደሓር ዜጣዕሶም ነገር ይዛረቡን ይገብሩን እዮም። ብዙሕ መስተ ምስታይ ካብ ዘስዕቦ ሓደጋታት ንርእስኻ ብኸመይ ከተዕቍባ ትኽእል፧

ሽጋራ ብምትካኽ ንዕምርኻ ኣይተሕጽሮ

ብዙሓት ሰባት ሽጋራ፡ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ወይ ሺሻ የትክኹ እዮም። ገሊኦም ነዚ ልምድታት ደው ኣቢሎምዎ እዮም፡ ገሊኦም ድማ ነዚ ደው ንምባል ይቃለሱ እዮም። ስለምንታይ፧ ሽጋራ ምትካኽ ብሓቂ ጐዳኢ ድዩ፧

ጥዕና

ከመይ ገይረ እየ እኹል ድቃስ ክረከብ ዝኽእል፧

እዚ ሸውዓተ ግብራዊ ስጕምትታት እዚ፡ ጽቡቕ ድቃስ ክትረክብ ይሕግዘካ እዩ።

ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ብኸመይ ክለዓዓል እኽእል፧

ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ካብ ኣካላዊ ጥዕና ንላዕሊ ኻልእ ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

መብዛሕትኡ እዋን ብንእስነቱ ዘይጥዑይ ምግቢ ዚበልዕ ዝነበረ ሰብ ምስ ዓበየ እውን ነቲ ልማዱ ኣይገድፎን እዩ፣ ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ጥዑይ ኣመጋግባ ይሃሉኻ።

ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧

ክብደት ክትንኪ እንተ ደሊኻ፡ ኣመጋግባኻ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ምቕያር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣነባብራኻ ለውጢ ግበር።