መክብብ 9:1-18

  • ኵሎም ሕደ መወዳእታ ኣለዎም (1-3)

  • ሞት እኳ እንተሎ፡ ብህይወት ተሓጐስ (4-12)

    • ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን (5)

    • ኣብ መቓብር ንጥፈታት የልቦን (10)

    • ግዜን ኣጋጣምን (11)

  • ጥበብ ወትሩ ኣኽቢርካ ኣይትርአን (13-18)

9  ስለዚ፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ልበይ ኣሕደርክዎ፣ ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስ ግብርታቶም ኣብ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኖም ደምደምኩ።+ ሰባትሲ ነቲ ቕድሚኦም ዝዀነ ፍቕርን ጽልእን ኣይፈልጥዎን እዮም።  ኵሎም፡ ማለት ጻድቕን እኩይን፡+ ሕያዋይን ንጹህን ርኹስን፡ ዚስውኡን ዘይስውኡን፡ ሕደ መወዳእታ እዩ ዘለዎም።+ ሕያዋይ ከምቲ ሓጥእ እዩ፣ እቲ ማሕላ ዚምሕል፡ ከምቲ ማሕላ ኸይምሕል ዚጥንቀቕ እዩ።  እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን ዜጨንቕ ነገር እዩ፦ ኵሎም ሕደ መወዳእታ ስለ ዘለዎም፡+ ልቢ ደቂ ሰብ እውን ክፍኣት መሊኡ እዩ፣ ብህይወቶም ከለዉ ኸኣ፡ ኣብ ልቦም ጽላለ ኣሎ፣ ድሕርዚ ድማ ይሞቱ!*  ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሓይሽ እሞ፡ ኣብ መንጎ ህያዋን ንዘሎ ዘበለ ተስፋ ኣለዎ።+  ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣+ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣+ ኵሉ መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ዓስቢ የብሎምን።+  ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኦምን እውን ድሮ ጠፊኡ እዩ፣ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ነገር እውን ደጊም ግደ የብሎምን።+  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብግብርታትካ ድሮ ባህ ኢልዎ እዩ እሞ፡+ ኪድ ምግብኻ ተሓጒስካ ብላዕ፡ ወይንኻ እውን ብሕጉስ ልቢ ስተ።+  ክዳውንትኻ ወትሩ ጻዕዳ ይኹን፣* ንርእስኻ ዘይቲ ምልካይ ድማ ኣይትሕደግ።+  እዝስ ኣብ ህይወትን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርካሉ ጻዕርን ዕጫኻ* እዩ እሞ፡+ ብዅለን መዓልትታት እታ ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሃበካ ኸንቱ ህይወትካ፡ ብዅለን መዓልትታት ከንቱነትካ፡ ምስታ ፍቕርቲ ሰበይትኻ ብህይወት ተሓጐስ።+ 10  ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ* ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ፡ ብዅሉ ሓይልኻ ግበሮ።+ 11  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ፡ ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ ኸም ዘይስዕሩ፡+ ጥበበኛታት ከኣ ምግቢ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡ ኣስተውዓልቲ ድማ ሃብቲ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡+ ፈላጣት እውን ኣሳልጦ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ ረኣኹ፣+ ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን* የጓንፎም። 12  ሰብሲ ንግዜኡ ኣይፈልጣን እዩ።+ ከምቲ ዓሳ ብኽፉእ መርበብ ዚተሓዝ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ብመጻወድያ ዚትሓዛ፡ ከምኡ ድማ ደቂ ሰብ በቲ ብሃንደበት ዜጓንፎም ግዜ መዓት ይፍንጠሩ። 13  ብዛዕባ እታ ዝመሰጠትኒ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዘላ ጥበብ እውን እዚ ተዓዘብኩ፦ 14  ሒደት ዝህዝባ ንእሽቶ ኸተማ ነበረት፣ ሓያል ንጉስ ድማ መጺኡ ኸበባ፣ ዓብዪ መኽበቢ ኸኣ ሰርሓላ። 15  ኣብኣ ድማ ጥበበኛ ዝዀነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፣ ንሱ ኸኣ ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና። ነቲ ድኻ ሰብኣይ ግና ሓደ እኳ ኣይዘከሮን።+ 16  ኣነ ድማ፡ ‘ካብ ሓይልስ ጥበብ ትሓይሽ፣+ ጥበብ እቲ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፣ ቃላቱ እውን ኣይስማዕን እዩ’+ በልኩ። 17  ካብ ጭድርታ እቲ ኣብ መንጎ ዓያሹ ዚገዝእሲ፡ ህዱእ ቃላት ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ። 18  ጥበብ ካብ ኣጽዋር ውግእ ትሓይሽ፣ ሓደ ሓጥእ ግና ብዙሕ ሰናይ ኬጥፍእ ይኽእል።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ድሕሪኡ፡—ናብ ምዉታት!”
ማለት፡ ብሩህ ክዳውንቲ ናይ ሓዘን ክዳውንቲ ብዘይምዃኑ፡ ንሓጐስ የንጸባርቕ።
ወይ፡ “ግደኻ።”
ወይ፡ “ሲኦልሲ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ድንገትን፣ ዘይተሓስበ ነገርን።”