ምሳሌ 21:1-31

  • የሆዋ ንልቢ ንጉስ የቕንዖ (1)

  • ፍትሒ ኻብ መስዋእቲ ትበልጽ (3)

  • ትግሃት ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ (5)

  • ንትሑት ዘይሰምዕ፡ ኣይስማዕን (13)

  • ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ የልቦን (30)

21  ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ወሓይዝ ማይ እዩ።+ ናብ ባህ ዝበሎ የቕንዖ።+   ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ ይመስሎ፣+የሆዋ ግና ልቢ* ይምርምር።+   ቅንዕናን ፍትሕን ምግባር፡ንየሆዋ ኻብ መስዋእቲ ብዝያዳ ባህ የብሎ።+   ዕቡያት ኣዒንትን ትዕቢተኛ ልብን፡—እታ ንእኩያት እትመርሕ መብራህቲ፡ ሓጢኣት እያ።+   ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ* ይመርሕ፣+ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።+   ብሓሳዊት ልሳን መዛግብቲ ምእካብ፡ከም ዚበንን ግመ፡ ናብ ሞት ከም ዜብጽሕ መፈንጠራ እዩ።*+   ፍትሒ ምግባር ይኣብዩ እዮም እሞ፡እኩያት ብዓመጻኦም ይዅስተሩ።+   መገዲ በደለኛ ቔናን እያ፣ተግባር ንጹህ ሰብ ግና ቅኑዕ እዩ።+   ካብ ምስ ነግራም* ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ኣብ ኵርናዕ ናሕሲ ምቕማጥ ይሓይሽ።+ 10  እኩይ ሰብ* ክፍኣት ይሃርፍ፣+ንብጻዩ ኸኣ ሞገስ ኣየርእዮን።+ 11  መላገጺ ምስ ተቐጽዐ፡ ዘይለበመ ይጠብብ፣ንጥበበኛ ልቦና ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ፍልጠት ይረክብ።*+ 12  እቲ ጻድቕ* ንቤት እኩይ ይዕዘባ፣ንእኩያት ከኣ ናብ ጥፍኣት ይድርብዮም።+ 13  ኣውያት ትሑት ከይሰምዕ እዝኑ ዚደፍን፡ንሱ እውን ይጽውዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።+ 14  ብምስጢር እተዋህበ ህያብ፡ ቍጥዓ፡ብሕቡእ እተዋህበ ጉቦ* ድማ፡ ብርቱዕ ነድሪ የህድእ።+ 15  ንጻድቕሲ ፍትሒ ምግባር ሓጐሱ እዩ፣+ንገበርቲ እከይ ግና ኣዝዩ ሕማቕ እዩ። 16  እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዜልግስ፡ኣብ ኣኼባ እቶም ብሞት እተሰነፉ ይዓርፍ።+ 17  ጸወታ* ዚፈቱ ይደኪ፣+ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን። 18  እኩይ በጃ ጻድቕ እዩ፣ጠላም ድማ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ይኸውን።+ 19  ካብ ምስ ነግራምን* ተበሳጫዊትን ሰበይትስ፡ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሓይሽ።+ 20  ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣብ ቤት ጥበበኛ ይርከብ፣+ዓሻ ሰብ ግና ዘለዎ ዘበለ ይዘሩ።*+ 21  ንጽድቅን ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕርን ዚስዕብ፡ህይወትን ጽድቅን ክብርን ይረክብ።+ 22  ጥበበኛ ናብ ከተማ ጀጋኑ ኺሓኵር፡*ንዚእመኑሉ ብርታዐ ድማ ኬፍርሶ ይኽእል።+ 23  ኣፉን ልሳኑን ዚሕሉ፡ንርእሱ* ኻብ ጭንቂ ይሕልዋ።+ 24  ግዲ ኸይገበረ ዚዳፈር፡ተዳፋርን ዕቡይን ተጃሃርን ይብሃል።+ 25  ኣእዳዉ ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ንሃካይሲ ህርፋኑ ይቐትሎ።+ 26  ምሉእ መዓልቲ ብስስዐ ይሃርፍ፣ጻድቕ ግና ሓንቲ እኳ ኸይከልአ ይህብ።+ 27  መስዋእቲ እኩያት ፍንፉን እዩ።+ ብእኩይ ሃቐና* እንተ ኣቕሪብዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን! 28  ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፣+ዚሰምዕ ሰብ ግና፡ ብዓወት ይምስክር።* 29  እኩይ ይዳፈር፣+ቅኑዕ ግና መገዱ የረጋግጽ።+ 30  ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ ኰነ፡ ምስትውዓል ኰነ፡ ወይ ምኽሪ የልቦን።+ 31  ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፣+ድሕነት ግና ናይ የሆዋ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሽጣዊ ድራኸታት።”
ወይ፡ “ረብሓ።”
ወይ፡ “ነቶም ሞት ዚደልዩ፡ ከም ዚበንን ግመ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መኛካ።”
ወይ፡ “ነፍሲ እኩይ።”
ወይ፡ “ዚገብሮ ይፈልጥ።”
ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣምላኽ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቝፊ [እተዋህበ] ጉቦ።”
ወይ፡ “ተድላ።”
ወይ፡ “መኛካን።”
ቃ.ቃ.፡ “ይውሕጥ።”
ወይ፡ “ንኸተማ ጀጋኑ ኺስዕር።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ምስ ዜሕፍር ተግባር።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዘለኣለም ይዛረብ።”