ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣባል ሓንቲ እተወደበት ሃይማኖት ክትከውን ኣድላዪ ድዩ፧

ኣባል ሓንቲ እተወደበት ሃይማኖት ክትከውን ኣድላዪ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ የድሊ እዩ። ከመይሲ፡ ሰባት ንኣምልኾ ብሓባር ኪእከቡ ኣምላኽ ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምልዕዓል ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ” ይብለና።—እብራውያን 10:24, 25፡ እግረ ጽሑፍ።

 የሱስ ንሰዓብቱ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኺብሎም ከሎ፡ እተወደበ ጕጅለ ኸም ዚዀኑ እዩ ዚእምት ነይሩ። (ዮሃንስ 13:35) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኼርእዩ ዚኽእሉሉ ዝነበሩ ቐንዲ መገዲ፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾቶም ብሓባር ብምእካብ እዩ። ንኣምልኾ ኣዘውቲረን ዚእከባ ጉባኤታት ከኣ ኪምስርቱ ነይርዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 16:19) ብሓባር ድማ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኪምስርቱ ነይርዎም።—1 ጴጥሮስ 2:17

ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ምዃን ጥራይ እኹል ኣይኰነን

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ንኣምላኽ ኬምልኹ ብሓባር ኪእከቡ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ሰብ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ብምዃኑ ጥራይ ግና ንኣምላኽ ኬሐጕሶ ኸም ዚኽእል ኣይምህርን እዩ። ሓደ ሰብ ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ እንተ ደኣ ደልዩ፡ ሃይማኖቱ ንመዓልታዊ ህይወቱ ኺጸልዎ ኣለዎ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ሃይማኖት እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን፡ ርእስኻ ድማ ካብ ርስሓት ዓለም ምሕላው” ይብለና።—ያእቆብ 1:27፡ እግረ ጽሑፍ።