ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክእለታት

ሓላፍነት ዚስከም እኹል ሰብ ንምዃን ብዛዕባ ዜድሊ ኣገዳሲ ኽእለታትን ባህርያትን ተምሃር።

ምቍጽጻር ስምዒት

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

ኣብ መንእሰያት ዚርአ ተቐያያሪ ስምዒታት ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ንስምዒታትካ ኽትርድኦን ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ኸም እትኽእል ክትምሃርን ትኽእል ኢኻ።

ንኣሉታዊ ስምዒታትካ ተቘጻጸሮ

እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ንተቐያያሪ ስምዒታት ክትዋጽኣሉ ኽትሕግዘካ እያ ተዳልያ።

ንዝንታ ናብ ሓጐስ ቀይሮ

ወትሩ ዝን ትብል እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧

ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ብምትግባር፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኸተማዕብል ትኽእል ኢኻ።

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ንቝጥዓኻ ንኽትቈጻጸሮ ኺሕግዘካ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓሙሽተ ነጥቢ።

ንዜሕዝን ኣጋጣሚ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧

መንእሰያት ንሓዘኖም ንምጽዋር እንታይ ከም ዝሓገዞም ኣዘንትዮም ኣለዉ።

ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧

ዘይግቡእ ትምኒታት ንምቅላስ ዚሕግዝ ሰለስተ ኣገዳሲ ስጕምትታት ርአ።

ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም

ንፈተና ኽትቃወሞ ምኽኣል፡ ምልክት ናይ ሓቂ ሰብኡትን ኣንስትን እዩ። ንፈተና ምእንቲ ኽትቃወሞን ንገዛእ ርእስኻ ኻብቲ ንፈተና ኢድካ ብምሃብ ዚመጽእ ጭንቀት ምእንቲ ኽትሰትራን፡ ሽዱሽተ ስጕምታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ግዜን ገንዘብን

ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧

ነቲ ኽቡር ግዜኻ ምእንቲ ኸይተባኽን፡ ሓሙሽተ ነጥቢ ኺሕግዘካ ይኽእል።

ሓይለይ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ጠንቂ እዚ ጸገም እንታይ እዩ፧ ንዓኻኸ ኼጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኸየጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

መዛኑኻ ብዛዕባ ሎሚ ጽባሕ ምባል እንታይ ይብሉ፧

መንእሰያት ሎሚ ጽባሕ ምባል ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤንን ንግዜኻ ብጥበብ ምጥቃም ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕምን እንታይ ከም ዝበሉ ስማዕ።

ወጻኢታተይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ክትርኢ ኢልካ ጥራይ ናብ ዕዳጋ ኣቲኻስ፡ ክቡር ንብረት ዓዲግካ ወጺእካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

ገንዘብካ ምክዋን

በዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ጌርካ ዜድልየካን እትደልዮን ነገራት መርምር፣ እዚ ምስቲ ዘውጻእካዮ ባጀት ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ ድማ ገምግም።

ንገንዘብካ ብኸመይ ተካውኖ፧

ሕጂ ገንዘብ ኣዋህልል፡ ደሓር ኬዕቝበካ እዩ።

ብሕታዊ ዕቤት

ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧

ኵሉ ሰብ ይጋገ እዩ፣ ኵሉ ሰብ ግና ኣይኰነን ካብኡ ዚምሃር።

ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧

ገሊኦም ሰባት ከም ብርጭቆ እዮም፣ ማለት ኣመና ተነቀፍቲ ኻብ ምዃኖም እተላዕለ ዝዀነ ሃናጺ ነቐፌታ ይጐድኦም እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧

መአረምታ ብኸመይ ከም እትቕበል

ዚሃሲ ምኽሪ ወይ ነቐፌታ ብሓቂ ኺሕግዝ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ለውጢ ኸተወግዶ ዘይከኣል እኳ እንተዀነ፡ ገሊኦም ብዕዉት መገዲ ንኺዋጽኡሉ እንታይ ኸም ዝገበሩ እስከ ርአ።

ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓላፍነት ዚስምዓኒ፧

ገሊኦም መንእሰያት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ናጽነት ይውሃቦም እዩ። ስለምንታይ እዩ ዝያዳ ናጽነት ዚውሃቦም፧

ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቦኛ፧

ካብ ተጻብኦ ኸተምልጥ ስለ ዘይከኣል፡ ጸገማትካ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ሓቦ ኸተማዕብል ኣገዳሲ እዩ።

ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧

ተክኖሎጂ ኣቓልቦኻ ኺሰርቀሉ ዚኽእልን ኣትኵሮኻ ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእልን ዜርኢ ሰለስተ መዳያት ርአ።

ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

እንታይ ብድሆታት ኣለዎ፧ እንታይ ዓስቢኸ ኣለዎ፧

ቋንቋ ኽትምሃር ዚሕግዝ ምኽርታት

ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ግዜን ጻዕርን ልምምድን ይሓትት። እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ፡ ሓድሽ ቋንቋ ኣብ ምምሃር ክትዕወት ዜኽእለካ መደብ ከተውጽእ ኪሕግዘካ እዩ።

ናብ ቤት ክትምለስ ምስ ዜድልየካ

ካብ ቤት ወጺእካ፡ ርእስኻ ኽኢልካ ኽትነብር ምስ ፈተንካ፡ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጢሙካ ድዩ፧ ነዚ ግብራዊ ምኽሪ እዚ ተጠቒምካ፡ ብቝጠባ ርእስኻ ኽኣል።

ማሕበራዊ ህይወት

ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧

ምስቶም ዜተሓታትት መትከላት ዘለዎም ሰባት ተመሳሲልካ ምንባርዶ ይሓይሽ፡ ወይስ ገዛእ ርእስኻ ምዃን፧

ስለምንታይ እየ ዅሉ ሳዕ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

እንታይ ምኽሪ እዩ ቕድሚ ምዝራብካ ኽትሓስብ ዚሕግዘካ፧

ስለምንታይ እየ ይቕረታ ኽሓትት ዘሎኒ፧

ዝበደልካ ዀይኑ እንተ ዘይተሰምዓካ እውን ስለምንታይ ይቕረታ ኽትሓትት ከም ዘሎካ ዜርኢ ሰለስተ ምኽንያት ኣንብብ።

ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ

ሰባት ስለምንታይ ከም ዚድንድኑኻን ንድንደና ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉን ተምሃር።