ማቴዎስ 28:1-20

  • የሱስ ተንስአ (1-10)

  • ወተሃደራት ምእንቲ ኺሕስዉ፡ ጉቦ ተዋህቦም (11-15)

  • ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እተዋህበ መዝነት (16-20)

28  ድሕሪ ሰንበት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ኪወግሕ ከሎ፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ነቲ መቓብር ኪርእያ መጻ።+  እንሆ ድማ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ መልኣኽ የሆዋስ* ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ መጺኡ ነቲ እምኒ ኣንከባሊልዎ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐሚጡ ነበረ።+  ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም ውርጪ ነበረ።+  እቶም ሓለውቲ ንዕኡ ፈሪሆም፡ ራዕራዕ በሉ፡ ከም ምዉታት እውን ኰኑ።  እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያኦ ኸም ዘለኽን እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።+  ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ፡+ ኣብዚ የሎን። ነታ ተነቢሩላ ዝነበረ ቦታ ንዕነ ርኣያኣ።  ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም፣ እንሆ ድማ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ።+ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነጊረክን ኣለኹ” በለን።+  ካብቲ መቓብር ብፍርህን ብዓብዪ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ድማ ጐየያ።+  እንሆ ድማ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ “ሰላም!” ከኣ በለን። ንሳተን ድማ ቀሪበን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።* 10  ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣይትፍርሃ! ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፣ ኣብኡ ኸኣ ኪርእዩኒ እዮም” በለን። 11  ኪኸዳ ኸለዋ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ሓለውቲ+ ናብ ከተማ ኣትዮም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12  ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ምስ ተማኸሩ ኸኣ፡ ነቶም ወተሃደራት ብዙሕ ብሩር ሂቦም፡ 13  “‘ደቂስና ኸለና፡ ብለይቲ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ።+ 14  እዚ ናብ እዝኒ እቲ ሹም እንተ በጺሑ ኸኣ፡ ንሕና ኸነረድኦ* ኢና እሞ፡ በዚ ኣይትጨነቑ” በልዎም። 15  ነቲ ብሩር ወሲዶም ከኣ፡ ከምቲ ዝበልዎም ገበሩ፣ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ። 16  እቶም 11 ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ናብቲ የሱስ ኪራኸቡሉ ዝበሎም+ ኣብ ገሊላ+ ዚርከብ ከረን ከዱ፣ 17  ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ሰገዱሉ፣* ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ። 18  የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።+ 19  ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም+ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣+ 20  ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።+ እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት* ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኢድ ነስኣሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኸነእምኖ።”
ወይ፡ “ኢድ ነስኡሉ።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።