ኢሳይያስ 48:1-22

  • እስራኤል ተገንሐን ጸረየን (1-11)

  • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወስዶ ስጕምቲ (12-16ሀ)

  • ትምህርቲ ኣምላኽ ጠቓሚ እዩ (16ለ-19)

  • “ካብ ባቢሎን ውጹ!” (20-22)

48  ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ኣቱም ብስም እስራኤል እትጽውዑ፡+ካብ ማያት ይሁዳ ኸኣ ዝወጻእኩም፡*ኣቱም ብስም የሆዋ እትምሕሉ፡+ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ንኣምላኽ እስራኤል እትጽውዑ፡ እዚ ስምዑ።+   በታ ቕድስቲ ኸተማስ ይጽውዑ፡+ደገፍ እቲ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀነኣምላኽ እስራኤል ድማ ይደልዩ።+   “እቲ ዝቐደመ፡* ጥንቲ ነጊረኩም እየ። ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ፣ኣነ ኸኣ ኣስሚዐ።+ ብሃንደበት ገይረ፡ መጺኡ ድማ።+   ነቓጽ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ፡—ክሳድካስ ጅማት ሓጺን፡ ግምባርካ እውን ነሓሲ እዩ፡+   ጥንቲ ነጊረካ። ‘ጣኦተይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፣ጽሩብ ምስለይን ፍሱስ ምስለይን እዩ ነዚ ዝኣዘዞ’ ኸይትብልሲ፡ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣስሚዐካ።   ነዚ ዅሉ ሰሚዕካዮን ርኢኻዮን ኢኻ። ብዛዕባኡስ ኣይትነግሩን ዲኹም፧+ ካብ ሕጂ ኣትሒዘ ሓድሽ ነገር፡ዘይፈለጥካዮ እተሓለወ ምስጢራት ከስምዓካ እየ።+   ሕጂ እተፈጥረ እዩ እምበር፡ ጥንቲ ኣይኰነን፣‘እንሆ፡ እፈልጦ እየ’ ኸይትብልሲ፡ቅድሚ ሎሚ ዘይሰማዕካዮ ነገር እዩ።   ኣይሰማዕካን፡+ ኣይፈለጥካን፡ኣእዛንካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ኣይተኸፍታን። ኣዚኻ ጠላም ምዃንካ፡+ካብ እትውለድ ድማ ኣባሲ ኸም እተብሃልካ እፈልጥ እየ።+   ምእንቲ ስመይ ግና ቍጥዓይ ክዓግት እየ፣+ምእንቲ ውዳሰይ ከኣ ርእሰይ ክገትእ፡ኣይከጥፍኣካን እውን እየ።+ 10  እንሆ፡ ኣጽርየካ፣ ግናኸ፡ ከም ብሩር ኣይኰነን።+ ኣብ እቶን ጸበባ ፈቲነካ።*+ 11  ምእንታይ፡ ምእንታይ ኢለ ኽገብር እየ፣+ከመይ ኢለ እሞ እየ ንርእሰይ ይርከስ ዝሓድጎ፧+ ክብረይ ንኻልእ ኣይህብን እየ።* 12  ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስምዓኒ። ኣነ ወትሩ ኣነ እየ።+ ቀዳማይ ኣነ እየ፣ ዳሕራይ እውን ኣነ እየ።+ 13  ኢደይ ንምድሪ ሰሪታታ፣+የማነይቲ ኢደይ ከኣ ንሰማያት ዘርጊሓቶ።+ ምስ ዝጽውዖም፡ ብሓደ ይቘሙ። 14  ኵላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ። ካባታቶምሲ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧ የሆዋ ኣፍቂርዎ እዩ።+ ኣብ ባቢሎን ደስ ዝበሎ ኺገብር እዩ፣+ቅልጽሙ ኸኣ ኣንጻር ከለዳውያን ክትከውን እያ።+ 15  ኣነ ባዕለይ ተዛሪበ፡ ኣነ እውን ጸዊዐዮ።+ ኣነ ኣምጺአዮ፡ መገዱ ድማ ኪቐንዓሉ እዩ።+ 16  ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ኸኣ ስምዑ። ካብ መጀመርታ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን።+ ካብቲ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዘ ኣብኡ ነይረ።” ሕጂ ድማ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንዓይን ንመንፈሱን* ልኢኹ ኣሎ። 17  የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡+በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡+ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ። 18  ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን!+ ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡+ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።+ 19  ዘርእኻ ኸም ሑጻ ዝምብዛሖም፡ውሉዳትካ ድማ ከም ድበት ምዀኑ ነይሮም።+ ስሞም ከቶ ኣይምተመንቈሰን፡ ወይ ካብ ቅድሜኻ ኣይምጠፍአን ነይሩ።” 20  ካብ ባቢሎን ውጹ!+ ካብ ከለዳውያን ህደሙ! ብእልልታ ንገሩ! ኣውጁ!+ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኣፍልጡ።+ “የሆዋ ንጊልያኡ ያእቆብ ተበጅይዎ።+ 21  ብዝባደመ ቦታታት ኪመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን።+ ካብ ከውሒ ማይ ኣውሓዘሎም፣ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ” በሉ።+ 22  “ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን” ይብል የሆዋ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ ይሁዳ ዝወረድኩም” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ቐዳማይ።”
ወይ፡ “መርሚረካ።” ወይ፡ “ሓርየካ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክብረይ ምስ ካልእ ኣይማቐልን እየ።”
ወይ፡ “ንዓይ ምስ መንፈሱ።”