ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧

ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧

 ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ህይወታውያንን ዜውርድዎ ዘለዉ ጕድኣት ንሓያሎ ሰባት የተሓሳስቦም እዩ። ገሊኦም ክኢላታት ኣካባቢ ብዝገለጽዎ መሰረት፡ ብሰንኪ ተግባራት ደቂ ሰብ፡ ምጽናት እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጅራትን ስነ ህይወትን ከም ሎሚ ገይሩ ኣስጊኡ ኣይፈልጥን እዩ።

 ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ድዮም፧ ወይስ ምስ ተፈጥሮ ተሳንዮም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም፧

ሰባት ኣብ ጻዕርታቶም ኪዕወቱ ይኽእሉ ድዮም፧

 ሓያሎ ኽኢላታት፡ ሰባት ንምድሪ ኸም ዜዕቊብዋን ምስ ተፈጥሮ ኸኣ ተሰማሚዖም ከም ዚነብሩን እምንቶ ኣለዎም። ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሰባት ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ምእንቲ ኺዕወቱ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ብሓንሳእ ለውጥታት ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ይምጉቱ። ገለ ኻብቲ ለውጥታት ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  •   ኣብ ኣተሓሕዛ ምድርን ጫካታትን ሕርሻን ውቅያኖሳትን ምምሕያሽ።

  •   ኣብ ሕርሻን ኣብ ጽዓትን እተፈላለየ ኣማራጺታት ምጥቃም።

  •   ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ለውጢ ምግባር፡ ማለት ሰባት ኣብ አመጋግባኦም ስጋን ዓሳን ኣብ ክንዲ ዜብዝሑ፡ ኣብ ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዜተኵሩ ብምግባር ዜህልኽዎ ምግቢ ምንካይ።

  •   ጽቡቕ ህይወት ምምራሕ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ብዝሒ እትውንኖ ንዋታዊ ነገራት ከም ዘይምርኰስ ምቕባሉ።

 እንታይ ይመስለካ፧ መንግስትታት፡ ትካላት፡ ውልቀ ሰባት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብእተፈልየ ኺተሓባበሩ ኢልካ ምጽባይ ርትዓዊ ድዩ፧ ወይስ ሰባት ኣዝዮም ስሱዓትን ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩን ብዛዕባ መጻኢ ዘይግደሱን ስለ ዝዀኑ፡ እዚ ዘይከውን ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ፧—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጻኢ ምድርና ውሑስ ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። ሰባት ንምድሪ ንምድሓን ዚገብርዎ ጻዕሪ እኹል ከም ዘይኰነን ናይ ብሓቂ ለውጢ ምእንቲ ኺመጽእ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎን ይገልጽ እዩ። እዚ ለውጢ እዚ፡ ብኸመይ ከም ዚመጽእ እውን የብርህ እዩ።

 ጻዕርታት ደቂ ሰብ ንምድሪ ንምድሓን እኹል ዘይኰነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ የሆዋ a ኣምላኽ ንምድሪ ፈጢርዋ፡ ንሰባት ከኣ ኪከናኸንዋ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15) ሰባት ነዚ ሓላፍነት እዚ ኺዋጽኡሉ ዚኽእሉ፡ መምርሒ ኻብ ፈጣሪኦም ምስ ዚደልዩን ምስ ዚእዘዝዎን ጥራይ እዩ ነይሩ። (ምሳሌ 20:24) ንሳቶም ግና፡ ንየሆዋ ነጺጎም ብመገዲ ርእሶም ኪመላለሱ መሪጾም። (መክብብ 7:29) ደቂ ሰብ ብርእሶም ተመሪሖም ንምድሪ ኼመሓድሩ ኽእለት ስለ ዘይብሎም፡ ርኡይ ለውጢ ኼምጽኡ ኣይክእሉን እዮም።—ምሳሌ 21:30፣ ኤርምያስ 10:23

 ኪግበር ዘለዎ ለውጢ። ሰባት ንምድሪ ኼጥፍእዋ ኣምላኽ ኣይኪፈቕደሎምን እዩ። (ራእይ 11:18) ነቶም ንምድሪ ዜባላሽውዋ ዘለዉ ሰብኣውያን መንግስትታት ኰነ፡ ንማሕበረሰብ ምድሪ፡ ከም ዚመሓየሹ ኺገብሮም ዘይኰነስ፡ ኪትክኦም እዩ። (ራእይ 21:1) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ።—ራእይ 21:5

 እቲ ለውጢ ብኸመይ እዩ ዚመጽእ፧ የሆዋ ንሰብኣውያን መንግስትታት፡ በታ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል ሰማያዊት መንግስቱ ኽትክአን እዩ። እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ፡ ንጕዳያት ምድሪ ኸተመሓድር እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10

 መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኪመላለሱ ኽትምህሮም እያ። ሰባት ንፈጣሪኦም ምስ ዚፈልጡን ንመምርሒታቱ ምስ ዚስዕቡን፡ ምስ ተፈጥሮ ብስኒት ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳይያስ 11:9) መንግስቲ ኣምላኽ ንዜጋታታ፡ ንምድሪ ኸይጐድኡ ብኸመይ ብሉጽ ህይወት ኪነብሩ ኸም እተኽእሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እዚ ዚስዕብ ኪፍጸም እዩ፦

 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ነዚ ለውጥታት እዚ ኸም እተምጽእ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18