ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር፦ መወዳእታ ዓለም ኬፍርሃካ ይግባእዶ፧

መወዳእታ ዓለም ኬፍርሃካ ይግባእዶ፧

መወዳእታ ዓለም ኬፍርሃካ ይግባእዶ፧

ብዛዕባ እታ ዓለምለኻዊ ለውጢ ኸም ዚመጸላ ጌርካ ብብዙሓት ሰባት እተዘርበላ፡ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ማያ እትርከብ 21 ታሕሳስ 2012 እንታይ ተሰሚዑካ፧ ብመሰረት እቲ ዝነበረካ ትጽቢት፡ ቀሲንካ፡ ጕሂኻ፡ ወይ ተስፋ ቘሪጽካ ትኸውን። እሞኸ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዚገልጽ ካልእ ዘይቅኑዕ ትንቢት ድዩ ነይሩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ‘መወዳእታ ዓለምከ’ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ (ማቴዎስ 24:3ትርጕም 1956) ገሊኦም ሰባት፡ ምድሪ ብሓዊ ነዲዳ እትጠፍእ ስለ ዚመስሎም ይፈርሁ። ገሊኣቶም ከኣ፡ በቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዚገልጽ ሓሳባት ኣዝዮም እዮም ዚምሰጡ። ብዛዕባ ምቕራብ መወዳእታ ዓለም ብተደጋጋሚ ኺዝረብ ብምስምዖም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት እውን ኣለዉ። እዚ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ፡ ኣብ ሓቂ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽውጽዋይ እተመርኰሰዶ ኪኸውን ይኽእል፧

በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዚምህሮ ትምህርቲ ኣዚኻ ኽትግረም ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመወዳእታ ብሃንቀውታ እንጽበየሉ ምኽንያት ይህበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝደንጐየ ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ ተስፋ ኽንቈርጽ ከም እንኽእል እውን ይገልጽ እዩ። ነቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዚለዓል ልሙድ ሕቶታት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ኽትምርምር ንዕድመካ።

ምድሪ ብሓዊ ነዲዳ ኽትጠፍእ ድያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።”መዝሙር 104:5

ምድሪ ብሓዊ ዀነ ብኻልእ መገዲ ኣይክትጠፍእን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ዘለኣለማዊት መንበሪት ደቂ ሰብ ምዃና እዩ ዚገልጽ። መዝሙር 37:29 (ትርጕም 1990)፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ትብል።—መዝሙር 115:16፣ ኢሳይያስ 45:18

ኣምላኽ ንምድሪ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ኢሉ ነበረ፣ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። (ዘፍጥረት 1:31) ንምድሪ ኸም ዜጥፍኣ ዘይኰነስ፡ ካብ ነባሪ ጕድኣት ምእንቲ ኼዕቍባ፡ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” ኸም ዜጥፍኦም እዩ ተመባጺዑ ዘሎ።—ራእይ 11:18

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ 2 ጴጥሮስ 3:7 ትሓትት ትኸውን። እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን . . . ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ” ትብል። እሞኸ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ምድሪ ብሓዊ ነዲዳ ኸም እትጠፍእ ደይኰነትን እትሕብር፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ነተን ‘ሰማያትን ምድርን ሓውን’ ዚብላ ቓላት፡ ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀመለን እዩ። ንኣብነት፡ ዘፍጥረት 11:1፡ “ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋ . . . ነበረት” ክትብል ከላ፡ እታ “ምድሪ” እትብል ቃል፡ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምምልካት እያ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ዘላ።

ኣብ ከባቢ 2 ጴጥሮስ 3:7 ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ሰማያትን ምድርን ሓውን ምሳልያዊ እዩ። ፍቕዲ 5ን 6ን፡ ምስቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ዚመሳሰል ነጥብታት ይገልጻ እየን። እታ ሽዑ ዝነበረት ጥንታዊት ዓለም እኳ እንተ ጠፍአት፡ ፕላኔትና ግና ኣይጠፍአትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ማይ ኣይሂ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ዓመጸኛ ሕብረተሰብ ወይ “ምድሪ” እዩ ኣጥፊእዎ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ብ“ሰማያት” ኪምሰሉ ዚኽእሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ሽዑ ዝነበረ ምድራዊ ሕብረተሰብ ስልጣን ዝነበሮም ሰባት እውን ኣጥፊእዎም እዩ። (ዘፍጥረት 6:11) ምስዚ ብዚመሳሰል መገዲ፡ 2 ጴጥሮስ 3:7፡ እኩይ ሕብረተሰብን ብልሹው መንግስትታቱን ልክዕ ከምቲ ብሓዊ ዚጠፍእ ነገር ንሓዋሩ ኸም ዚድምሰሱ ትንበ እያ።

ኣብ መወዳእታ ዓለም እንታይ እዩ ኼጋጥም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”1 ዮሃንስ 2:17

እታ እትሓልፍ “ዓለም፡” ንምድሪ ዘይኰነትስ፡ ነቶም ህይወቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሳነ ሰባት እያ እተመልክት። ልክዕ ከምቲ ሓደ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም ንህይወት ሓደ ተሓካሚ ንምድሓን ነቲ መንሽሮ ዘለዎ ጥረ ዜወግዶ፡ ኣምላኽ እውን ቅኑዓት ሰባት ተሓጒሶም ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺነብሩ፡ ንእኩያት  ‘ኬጽንቶም’ እዩ። (መዝሙር 37:9) ስለዚ፡ በዚ መዳይ እዚ ኺርአ ኸሎ፡ “መወዳእታ ዓለም” ጠቓሚ እዩ።

ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መወዳእታ ዓለም” እትብል ሓረግ፡ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ወይ “መደምደምታ መዋእል” ኢሉ ስለ ዚትርጕማ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣወንታዊ መዳይ መወዳእታ ዓለም ዚእምት ሓሳብ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:3) ኣብ መወዳእታ ዓለም፡ ደቂ ሰብን ምድርን ስለ ዘይጠፍኡ፡ ሓድሽ መዋእል ወይ ስርዓት ዓለም ዚጅምር ምዃኑስ ርትዓዊ ደይኰነን፧ ብሓቂ ርትዓዊ እዩ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ዚመጽእ ስርዓት ዓለም” ይገልጽ እዩ።—ሉቃስ 18:30

የሱስ ነቲ ዚመጽእ ስርዓት ዓለም፡ “ዳግመ ፍጥረት” ኢሉ ጸዊዕዎ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ኵሉ ነገራት ዚሕደሰሉ እዋን ከም ዝዀነ ዚሕብር እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ንደቂ ሰብ፡ ናብቲ ፈለማ ኣምላኽ ዓሊሙሎም ዝነበረ ዅነታት ኪመልሶም እዩ። (ማቴዎስ 19:28) ኣብቲ እዋን እቲ፡ እዚ ዚስዕብ ዜሐጕስ ነገራት ኬጋጥም እዩ፦

“ፍቓድ ኣምላኽ፡” ማለት ነቲ ንሱ ኻባና ዚጽበዮ ነገራት ንገብር እንተ ዄንና፡ መወዳእታ ዓለም ኣየፍርሃናን እዩ። የግዳስ፡ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና።

መወዳእታ ዓለም ብሓቂ ቐሪቡ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ።”ሉቃስ 21:31

ፕሮፌሰር ሪቻርድ ካይል ኣብታ ዘ ላስት ደይስ ኣር ሂር አጌን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ሃንደበታዊ ለውጥን ማሕበረሰባዊ ዕግርግርን ኬጋጥም ከሎ፡” ብፍላይ ከኣ ነቲ ለውጢ ወይ ነቲ ዕግርግር ንኽትገልጾ ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ “ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ንምንባይ ዚጥዕም ሃዋህው ይፍጠር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ንመወዳእታ ዓለም ብዚምልከት እተነበዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ነብያት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዜስደምም ፍጻመታት ኣይኰኑን ኪገልጹ ዚጽዕሩ ነይሮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ብዛዕባ እቲ ብርግጽ ዚመጽእ መወዳእታ ዓለም ዚሕብር ኵነታት እዮም ገሊጾም። ቀጺልና እስከ ንገለ ኻብቲ ትንቢታት ንርኣዮ፣ ሽዑ ኣብዚ ግዜና ይፍጸም እንተ ኣልዩ ባዕልኻ ወስን።

ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ “እዚ ዅሉ” ኽንርኢ ኸለና፡ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:33) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መወዳእታ ይቐርብ ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ይኣምኑሉ እዮም፣ ኣብ 236 ሃገራት ከኣ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ይነግርዎም ኣለዉ።

ብዛዕባ መወዳእታ ዝነበረ ግጉይ ትጽቢታት፡ መወዳእታ ዓለም ከም ዘይመጽእ ዚሕብር ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብሃንደበት ይመጾም፣ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም።”1 ተሰሎንቄ 5:3

መጽሓፍ ቅዱስ ንጥፍኣት ዓለም ምስ ምጅማር ቅልውላው ሕርሲ እዩ ዜመሳስሎ፣ ንሓንቲ ኣደ ዜጋጥማ ቕልውላው፡ ዘይተርፍን ሃንደበታውን እዩ። እቲ ናብ መወዳእታ ዓለም ዚመርሕ ግዜ፡ ምስ ጥንሲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ሓንቲ ነፍሰ ጾር ኣደ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ምልክታት ብምርኣይ፡ እትወልደሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ትፈልጥ እያ። ሓኪማ ብዛዕባ እቲ እትወልደሉ ግዜ ኺግምት ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዋላ እውን ግዜ ምውላዳ ይደንጒ፡ ውዒላ ሓዲራ ኸም እትወልድ ትፈልጥ እያ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ መወዳእታ ዝነበረ ግጉይ ትጽቢታት፡ ነቲ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ዘየወላውል ምልክትታት ኣይቅይሮን እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

ይኹን እምበር፡ ‘እቲ ናብ መወዳእታ ኸም ዝቐረብና ዚሕብር ምልክት ንጹር እንተ ዀይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ዘየለልይዎ ስለምንታይ እዮም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መወዳእታ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ መርትዖ ኸም ዜስተናዕቕዎ ይገልጽ እዩ። እቶም ሰባት ነቲ ኣብዚ ዳሕሮት መዓልትታት ዚርአ ዘሎ መሰረታዊ ለውጥታት ኣብ ክንዲ ዜስተብህሉሉ፡ “ካብታ ኣቦታትና ዝዓረፉላ መዓልቲ፡ ኵሉ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ዝነበሮ እዩ ዘሎ” እናበሉ እዮም ዜላግጹ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ምልክት  ዳሕሮት መዓልትታት ንጹር እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ግና ዕሽሽ ይብልዎ እዮም።—ማቴዎስ 24:38, 39

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር እተወሰነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ጥራይ ኢና መርሚርና። * ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንምንታይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺብካ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጽንዕ፧ ኣብ ቤትካ፡ ኣብ ካልእ ዚጥዕመካ ቦታ፡ ወይ እውን ብተሌፎን ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። ግዜኻ ኽትውፊ ጥራይ እዩ ዜድልየካ፣ እቲ እትረኽቦ ጥቕሚ ኸኣ ብዋጋ ዘይሽነን እዩ።

^ စာပိုဒ်၊ 39 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ነታ፡ “ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ዲና እንነብር ዘለና፧” እትብል ምዕራፍ 9 ርአ።