ሆሴእ 2:1-23

  • እታ ዘይእምንቲ እስራኤል ተቐጽዐት (1-13)

  • የሆዋ መሊሱ ሰብኣያ ዀነ (14-23)

    • “ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ” (16)

2  “ንኣሕዋትኩም፡ ‘ህዝበይ!’*+ ንኣሓትኩም ከኣ፡ ‘እተማሕረት!’* በሉ።+   ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፡+ ኣነ እውን ሰብኣያ ኣይኰንኩን እሞ፡ንዓኣ ኽሰስዋ፡ ክሰስዋ። ምንዝርናኣ ኻብኣ፡ዝሙታ ድማ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ፣   እንተ ዘይኰነስ፡ ቀንጢጠ ጥራያ ኽገብራ፡ ከምቲ በታ እተወልደትላ መዓልቲ ዝነበረቶ ኽገብራ፡ከም በረኻ ኽገብራ፡ማይ ናብ ዘይብሉ ምድሪ ክቕይራ፡ብጽምኢ እውን ክቐትላ እየ።   ደቃ ኸኣ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፡ኣይክምሕሮምን እየ።   ከመይሲ፡ ኣዲኦም መንዚራ እያ።+ እታ ዝጠነሰቶም ድማ ዜሕፍር ተግባር ገይራ እያ፣+ንሳስ፡ ‘ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኒ፡+ደድሕሪ እቶም እንጌራይን ማየይን፡ ጸምረይን በፍታይን፡ዘይተይን መስተይን ዚህቡኒ ክኸይድ እየ’ ኢላ እያ።   ስለዚ፡ ጐደናኺ ብሓጹር እሾዅ ክሓጽሮ እየ፣መገድታታ ኸይትረኽቦስ፡ቀጽሪ ክዅምረላ እየ።   ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ ኽትስዕብ፡ ግናኸ ኣይከተርክቦምን እያ፣+ክትደልዮም፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ፡ ‘ካብ ሕጅስ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፡+ክኸይድ፡ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ እውን ክምለስ እየ’ ኽትብል እያ።+   እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን ዝሃብክዋ፡ብሩርን ንበዓል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ወርቅን+ኣብዚሐ ዝሃብክዋ ኣነ ምዃነይ ኣይፈለጠትን።+   ‘ስለዚ፡ ብግዜኡ ንእኽለይ፡ብወቕቱ ድማ ንጕዕሽ ወይነይ ተመሊሰ ኽወስዶ እየ፣+ነቲ ዕርቃና ዚኸድን ጸምረይን በፍታይን እውን ክምንዝዓ እየ። 10  ሕጂ ኸኣ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ ኣጸቢቖም እናረኣዩ ሕፍረታ ክቐልዓ እየ፣ካብ ኢደይ ዘናግፋ ድማ ሓደ እኳ የልቦን።+ 11  ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን+ ሰርቂ ኣዋርሓንሰናብታን ኵሉ ቕነ በዓላታን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። 12  ነቲ፡ “እዚ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኒ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዩ” ዝበለቶኣታኽልቲ ወይናን ኣእዋም በለሳን ከጥፍኦ እየ፣ናብ ዱር ክቕይሮ እየ፣እንስሳታት መሮር ከኣ ኪበልዕዎ እዮም። 13  ብሰንኪ እተን ንምስልታት በዓል ዝሰውኣትለን መዓልትታት ተሓታቲት ክገብራ እየ፣+በቲ ግዜ እቲ፡ ብቐላብትን ብስልማትን ተሰሊማ፡ ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ ስዒባ፣ንዓይ ከኣ ረሲዓትኒ’+ ይብል የሆዋ። 14  ‘ስለዚ፡ ከእምና፡ናብ በረኻ ኽመርሓ፡ልባ ንምምራኽ ድማ ክዛረብ እየ። 15  ካብ ሽዑ ንደሓር ኣታኽልቲ ወይና ኽመልሰላ፡+ስንጭሮ* ዓኮር+ ከኣ ከም ኣፍ ደገ ተስፋ መሊሰ ኽህባ እየ፣ከምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፡ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኣብኡ ኽትምልስ እያ።+ 16  በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ’ ይብል የሆዋ፡‘ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፣ ደጊም እውን ጐይታይ* ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ።’ 17  ‘ስማት ምስልታት በዓል ካብ ኣፍኪ ኸርሕቕ እየ፣+ደጊም ከኣ ብስሞም ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ምስ ኣራዊት መሮርን+ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምቲ ምድርን ኪዳን ክኣትወሎም እየ፣+ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ከርሕቕ እየ፣+ብደሓን እውን በጥ ከብሎም* እየ።+ 19  ንዘለኣለም ክሕጸየኪ እየ፣ብጽድቅን ብፍትሕንብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕርን ብምሕረትን ክሕጸየኪ እየ።+ 20  ብተኣማንነት ክሕጸየኪ እየ፣ንየሆዋ ኸኣ ብርግጽ ክትፈልጥዮ ኢኺ።’+ 21  ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክምልስ እየ’ ይብል የሆዋ፡‘ንሰማያት ክምልሰሎም እየ፣ንሳቶም ድማ ንምድሪ ኺምልሱላ እዮም፣+ 22  ምድሪ ኸኣ ንእኽልን ንጕዕሽ ወይንን ንዘይትን ክትምልሰሉ እያ፣እዚ እውን ንይዝርኤል* ኪምልሰሉ እዩ።+ 23  ከም ዘርኢ ኣብ ምድሪ ንዓይ ክዘርኣ እየ፣+ነታ ዘይተማሕረት* ከኣ ክምሕራ እየ፣ነቲ ዘይህዝበይ* ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፣+ንሱ እውን “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” ኺብል እዩ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ሆሴ. 1:6፡ ኣብ እ.ጽ. ርአ።
ኣብ ሆሴ. 1:9፡ ኣብ እ.ጽ. ርአ።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “በዓለይ።”
ወይ፡ “ከንብሮም።”
ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ኪዘርእ እዩ።”
ኣብ ሆሴ. 1:6፡ ኣብ እ.ጽ. ርአ።
ኣብ ሆሴ. 1:9፡ ኣብ እ.ጽ. ርአ።