መዝሙር 98:1-9
-
የሆዋ፡ መድሓንን ጻድቕ ፈራድን
-
ድሕነት የሆዋ ተፈሊጡ (2, 3)
-
መዝሙር።
98 ዜደንቕ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+
የማናይ ኢዱ፡ እቲ ቕዱስ ቅልጽሙ፡ ድሕነት* ኣምጺኡ።+
2 የሆዋ ድሕነቱ ኣፍሊጡ፣+ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገሊጹ።+
3 ንቤት እስራኤል ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ዘኪሩ።+
ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ኣምላኽና ዝገበሮ ድሕነት* ርእዩ።+
4 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።
ተሓጐሱ፡ እልል በሉ፡ ውዳሰ እውን ዘምሩ።*+
5 ንየሆዋ ብመሰንቆ፡*ብመሰንቆን ብጥዑም መዝሙርን ውዳሰ ዘምሩሉ።*
6 ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ንጉስ፡ብመለኸትን ብደሃይ መለኸት ቀርንን ጭድርታ ዓወት ጨድሩ።+
7 ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን፡ምድርን* ኣብኣ ዚቕመጡን የንጐድጕዱ።
8 ኣፍላግ ብኣእዳዎም የጣቕዑ፣ኣኽራን ሓቢሮም እልል ይበሉ፣+
9 ንሱ ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ* እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበሉ።
ንዓለም* ብጽድቂ፡+ንህዝብታት እውን ብቕንዕና ኺፈርድ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዓወት።”
^ ወይ፡ “ዓወት ኣምላኽና።”
^ ወይ፡ “ኣዚሙ እውን።”
^ ወይ፡ “ብኽራር።”
^ ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
^ ወይ፡ “ፍርያም ምድርን።”
^ ወይ፡ “መጺኡ እዩ።”
^ ወይ፡ “ንፍርያም ምድሪ።”