መዝሙር 98:1-9

  • የሆዋ፡ መድሓንን ጻድቕ ፈራድን

    • ድሕነት የሆዋ ተፈሊጡ (2, 3)

መዝሙር። 98  ዜደንቕ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+ የማናይ ኢዱ፡ እቲ ቕዱስ ቅልጽሙ፡ ድሕነት* ኣምጺኡ።+   የሆዋ ድሕነቱ ኣፍሊጡ፣+ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገሊጹ።+   ንቤት እስራኤል ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ዘኪሩ።+ ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ኣምላኽና ዝገበሮ ድሕነት* ርእዩ።+   ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ። ተሓጐሱ፡ እልል በሉ፡ ውዳሰ እውን ዘምሩ።*+   ንየሆዋ ብመሰንቆ፡*ብመሰንቆን ብጥዑም መዝሙርን ውዳሰ ዘምሩሉ።*   ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ንጉስ፡ብመለኸትን ብደሃይ መለኸት ቀርንን ጭድርታ ዓወት ጨድሩ።+   ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን፡ምድርን* ኣብኣ ዚቕመጡን የንጐድጕዱ።   ኣፍላግ ብኣእዳዎም የጣቕዑ፣ኣኽራን ሓቢሮም እልል ይበሉ፣+   ንሱ ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ* እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበሉ። ንዓለም* ብጽድቂ፡+ንህዝብታት እውን ብቕንዕና ኺፈርድ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓወት።”
ወይ፡ “ዓወት ኣምላኽና።”
ወይ፡ “ኣዚሙ እውን።”
ወይ፡ “ብኽራር።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ወይ፡ “ፍርያም ምድርን።”
ወይ፡ “መጺኡ እዩ።”
ወይ፡ “ንፍርያም ምድሪ።”