ራእይ 11:1-19

  • እቶም ክልተ መሰኻኽር (1-13)

    • ማቕ ተኸዲኖም 1,260 መዓልቲ ኺንበዩ እዮም (3)

    • ተቐትሉ፡ ከይተቐብሩ ጸንሑ (7-10)

    • ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ህያዋን ኰኑ (11, 12)

  • እቲ ኻልኣይ ወዮ ሓሊፉ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ይመጽእ ኣሎ (14)

  • እቲ ሻውዓይ መለኸት (15-19)

    • መንግስቲ ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና (15)

    • እቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም (18)

11  ዘንጊ* ዚመስል ሻምብቆ+ ኸኣ ተዋህበኒ፣ ከምዚ ድማ በለኒ፦ “ተንስእ እሞ ነታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ነቲ መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዜምልኹን ዓቅን።  እቲ ብወጻኢ ቤተ መቕደስ ዘሎ ኣጸድ ግና ንኣህዛብ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ፡ ኣይትዓቅኖ እውን፣ ነታ ቕድስቲ ኸተማ+ ኸኣ 42 ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም።+  ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ ድማ፡ ማቕ ተኸዲኖም፡ 1,260 መዓልቲ ኸም ዚንበዩ ኽገብሮም እየ።”  እዚኣቶም በተን ክልተ ኣውልዕን+ በቲ ኽልተ ቐዋሚ ቐንዴልን+ እተመሰሉ እዮም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ኸኣ ቈይሞም ኣለዉ።+  ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደልዩ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደልዩ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ኣለዎ።  እዚኣቶም በተን ዚንበዩለን መዓልትታት፡ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም+ ንሰማይ ኪዓጽውዎ ስልጣን ኣለዎም፣+ ንማያት ናብ ደም ኪልውጥዎን+ ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኺወቕዕዋን ስልጣን ኣለዎም።  ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ።+  ሬሳታቶም ድማ ኣብ ጐደና እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሶዶምን ግብጽን እትብሃል ዓባይ ከተማ ኪኸውን እዩ።  ካብ ህዝብታትን ነገዳትን ቋንቋታትን ኣህዛብን ከኣ ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ኪርእይዎ እዮም፣+ ነቲ ሬሳታቶም ኣብ መቓብር ኪንበር ድማ ኣይፈቕዱን እዮም። 10  እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም የሳቕይዎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱን ባህ ይብሎምን፡ ንሓድሕዶም ድማ ህያብ ኪለኣኣኹ እዮም። 11  ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ከኣ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፣+ ንሳቶም ድማ ብኣእጋሮም ቈሙ፡ ነቶም ዝረኣይዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሂ ወደቖም። 12  ካብ ሰማይ ድማ፡ “ናብዚ ደይቡ” ዚብሎም ዓው ዝበለ ድምጺ ሰምዑ። ብደበና ኸኣ ናብ ሰማይ ደየቡ፣ እቶም ጸላእቶም እውን ረኣይዎም።* 13  በታ ሰዓት እቲኣ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማ እውን ወደቐ፣ 7,000 ሰባት ድማ ተቐትሉ፣ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ፈርሁ፡ ንኣምላኽ ሰማይ እውን ክብሪ ሃብዎ። 14  እቲ ኻልኣይ ወዮ+ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። 15  እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ “መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን+ ናይቲ ክርስቶሱን+ ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ”+ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። 16  እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም እተቐመጡ 24 ሽማግለታት ከኣ፡+ ብገጾም ተደፊኦም ከምዚ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱሉ፦ 17  “ኦ ዘለኻን+ ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል የሆዋ* ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ሓይልኻ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣለና።+ 18  ግናኸ፡ ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻ እውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ ነብያትን+ ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ንኣሽቱን ዓበይትን ከኣ ዓስቦም እትህበሉ፡+ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን እተጥፍኣሉ ምዱብ ግዜ መጺኡ።”+ 19  እታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ድማ ተኸፍተት፣ ታቦት ኪዳኑ ኸኣ ኣብታ ቤተ መቕደሱ ተራእየ።+ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን እውን ኰነ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዘንጊ መዐቀኒ።”
ወይ፡ “ጠመትዎም።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።