ዮሃንስ 6:1-71

  • የሱስ ን5,000 መገበ (1-15)

  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ (16-21)

  • የሱስ፡

  • ብዙሓት ብቓላት የሱስ ተዓንቀፉ (60-71)

6  ድሕርዚ፡ የሱስ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ፡ ወይ ጢቤርያስ፡ ከደ።+  ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ሕሙማት ብምሕዋይ ዝገበሮ ትእምርትታት ርእዮም ስለ ዝነበሩ፡+ ሰዓብዎ።+  የሱስ ድማ ናብ ከረን ደየበ፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ።  ፋስጋ፡+ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ።  የሱስ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣየ፡ ንፊልጶስ፡ “እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧” በሎ።+  ግናኸ፡ እቲ ኺገብሮ ኢሉ ዝነበረ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍትኖ ኢሉ እዩ።  ፊልጶስ ከኣ፡ “ናይ 200 ዲናር* እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።  ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡  “ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በሎ።+ 10  የሱስ ከኣ፡ “ኣቐምጥዎም” በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። እቶም ቍጽሮም ኣስታት 5,000 ዚኣኽሉ ሰብኡት ድማ ተቐመጡ።+ 11  የሱስ ድማ ነተን ጎጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ነቶም እተቐመጡ ዓደሎም፣ ካብቲ ንኣሽቱ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ኸከም ዝደለይዎ መቐሎም። 12  ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። 13  ስለዚ፡ ኣከብዎ፡ በቲ እቶም ዝበልዑ ዘትረፍዎ ቝርስራስ እተን ሓሙሽተ ጎጎ ስገም ከኣ 12 መሶብ መልኡ። 14  እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ” በሉ።+ 15  የሱስ ድማ፡ መጺኦም ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን+ ኣልገሰ።+ 16  ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ፣+ 17  ኣብ ጃልባ ደዪቦም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስ እውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ።+ 18  ብርቱዕ ንፋስ ስለ ዝነፈሰ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ተናወጸ።+ 19  ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር* ዚኣክል ምስ ቀዘፉ ኸኣ፡ የሱስ ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ ርእዮም ፈርሁ። 20  ንሱ ግና፡ “ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” በሎም።+ 21  ሽዑ፡ ናብታ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፣ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በጽሐት።+ 22  ንጽብሒቱ፡ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ጃልባ ዚብሃል ኣብኡ ኸም ዘየልቦ ረኣዩ። ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባስ ኣብኡ ነበረት፣ እንተዀነ ግና፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ጃልባ ኣይደየበን፣ ከመይሲ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ከይዶም ነበሩ። 23  ግናኸ፡ ጃለቡ ኻብ ጢቤርያስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ኣመስገነ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ። 24  ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣዩ፡ ናብ ጃለቡኦም ደዪቦም፡ ንየሱስ ኪደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። 25  ኣብ ስግር እቲ ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ “መምህር፡*+ መዓስ ናብዚ መጺእካ፧” በልዎ። 26  የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እትደልዩኒ ዘለኹምሲ፡ ካብቲ ጎጎታት ስለ ዝበላዕኩምን ስለ ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ትእምርትታት ስለ ዝረኣኹም ኣይኰንኩምን።+ 27  ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ፣+ ከመይሲ፡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ንዕኡ ዘለዎ ስምረት ንምግላጽ ሓቲምዎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 28  ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧” በልዎ። 29  የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ፡ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 30  ስለዚ፡ “ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ ትገብር ኣለኻ፧+ እንታይ ግብሪኸ ትገብር ኣለኻ፧ 31  ኣቦታትና፡ ከምቲ፡ ‘ኪበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም’+ ተባሂሉ እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም” በልዎ።+ 32  የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ነቲ ናይ ሓቂ እንጌራ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ። 33  ከመይሲ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድን ንዓለም ህይወት ዚህብን እዩ እቲ ናይ ኣምላኽ እንጌራ” በሎም። 34  ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “ጐይታይ፡ ነቲ እንጌራ እቲ ዅሉ ሳዕ ሃበና” በልዎ። 35  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ኣይኪጠምን፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን እውን ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ።+ 36  ግናኸ፡ ኢለኩም ኣለኹ፡ ርኢኹምኒ እኳ ኣይኣመንኩምንን።+ 37  ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ፡ ናባይ ኪመጽእ እዩ፣ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ኣይክሰጕጎን እየ፣+ 38  ምኽንያቱ፡ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን+ ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።+ 39  ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስእ እምበር፡+ ንሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 40  ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ፡+ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡+ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” 41  ሽዑ፡ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ” ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ኣጕረምረሙሉ።+ 42  “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧+ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ፡ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል ኣሎ፧” በሉ። 43  የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ደጊም ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። 44  እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፣+ ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።+ 45  ኣብ ነብያት፡ ‘ኵላቶም ብየሆዋ* ኺምሃሩ እዮም’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።+ እቲ ኻብ ኣቦ ዝሰምዐን እተማህረን ዘበለ፡ ናባይ ይመጽእ። 46  ብዘይካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ንኣቦ ዝረኣዮ የልቦን፣+ ንሱ ንኣቦ ርእይዎ እዩ።+ 47  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።+ 48  “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ።+ 49  ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም፣ ግናኸ ሞይቶም እዮም።+ 50  ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። 51  እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፣ እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።”+ 52  ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “እዝስ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይኽእል፧” ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። 53   የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን።+ 54  ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ፣+ 55  ስጋይሲ ናይ ሓቂ ምግቢ እዩ፡ ደመይ ከኣ ናይ ሓቂ መስተ እዩ። 56  እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ ምሳይ ሓድነት ይህልዎ፣ ኣነ እውን ምስኡ ሓድነት ይህልወኒ።+ 57   ከምቲ ህያው ኣቦ ዝለኣኸኒ እሞ፡ ኣነ ሳላ ኣቦ ብህይወት ዝነብር ዘለኹ፡ እቲ ዚበልዓኒ እውን ሳላይ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 58  እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ፡ ግናኸ ዝሞቱ ኣይኰነን። እቲ ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።”+ 59  ኣብ ቅፍርናሆም፡ ኣብ ምኵራብ* ኪምህር ከሎ እዩ እዚ ዝበለ። 60  ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ዜሰምብድ እዩ፣ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። 61  የሱስ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ የጕረምርሙ ኸም ዝነበሩ ብልቡ ፈሊጡ፡ “እዚዶ ይዕንቅፈኩም እዩ፧ 62  ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ እንታይ ምበልኩም፧+ 63  መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፣+ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን እተዛረብኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን፡ ህይወት እውን እየን።+ 64  ገለ ኻባኻትኩም ግና ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ምኽንያቱ፡ የሱስ፡ እቶም ዘይኣምኑ መን ምዃኖም፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ እውን መን ምዃኑ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ፈሊጡ ነበረ።+ 65  ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ስለዚ ድማ እየ፡ ‘እቲ ኻብ ኣቦ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን’ ዝበልኩኹም” በሎም።+ 66  ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ፡+ ደጊም እውን ምስኡ ኣይተመላለሱን። 67  ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። 68  ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡+ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧+ 69  ንስኻ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ።+ 70  የሱስ ድማ፡ “ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹም ደይኰንኩን ሓርየኩም፧+ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ሓማዪ* እዩ” ኢሉ መለሰ።+ 71  ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ፣ ንሱስ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣሕሊፉ ዚህቦ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣስታት 25 ወይ 30 ስታድያ።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣኼባ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ድያብሎስ።” “ሓማዪ” ኺብሃል ከሎ፡ መካፍኢ ማለት እዩ።