ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለውጢ ክሊማን መጻኢናን—መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ

ለውጢ ክሊማን መጻኢናን—መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ

 “ምልውዋጥ ክሊማ ዓብዪ ዕንወት የስዕብ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ምድርና ንምንባር ዘይምሽእቲ ኸም እትኸውን ገይርዋ ኣሎ።”—ዘ ጋርድያን።

 ደቂ ሰብ ባዕሎም ብዜምጽእዎ ጸገማት ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት፡ ጠንቂ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም፡ ተግባራት ደቂ ሰብ ከም ዝዀነ ይሰማምዑ እዮም። እዚ ምውሳኽ ሙቐት እዚ፡ ድሮ እኳ ዓብዪ ለውጢ ክሊማን ብዙሕ ዕንወትን ኣስዒቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  •   ብተደጋጋሚ ዚርአ ዘሎ ዓብዪ ለውጢ ዅነታት ኣየር፡ ማለት ዕልቕልቕን ባርዕ ሓውን ዜስዕብ ከም እኒ ማዕበል ሙቐት፡ ድርቂ፡ ህቦብላ ኺጥቀስ ይከኣል።

  •   ምምካኽ ኣርክቲካዊ በረድ።

  •   ምውሳኽ መጠን ጽፍሒ ባሕሪ።

 ለውጢ ክሊማ ንብምልእታ ምድርና ጸልዩዋ ኣሎ። ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ኣብ 193 ሃገራት ዘሎ ዅነታት ድሕሪ ምግላጹ፡ “ምድርና ሓገዝ ደልያ ትጠርዕ ኣላ” ዚብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብዚ ለውጢ ክሊማ ዜስዕቦ ዘሎ ሞትን ስቓይን ብምብጋስ፡ “እዚ ለውጢ ክሊማ እዚ፡ ንጥዕና ሰባት እቲ ዝዓበየ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ” ይብል።

 ይኹን እምበር፡ ንመጻኢ ብተስፋ ኽንጽበ ብቝዕ ምኽንያት ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዚርአ ዘሎ ዅነታትን ኣምላኽ ኢዱ ኼእቱ እንጽበየሉ ምኽንያትን ንመጻኢና ኸኣ ውሑስ ኪገብሮ ምዃኑን ተነብዩ ነይሩ እዩ።

ለውጢ ክሊማ መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧

 እወ። እዚ ሙቐት ዓለም ዘስዓቦ ለውጢ ክሊማ፡ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ፍጻመታት ዚሰማማዕ እዩ።

 ትንቢት፦ ‘ኣምላኽ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ።’—ራእይ 11:18

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተግባራት ወዲ ሰብ ንምድርና ዳርጋ ኽትጠፍኣሉ ናብ እትኽእል ደረጃ ኸም ዜብጽሓ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብሰንኪ እቲ ተግባራት ደቂ ሰብ ዘስዓቦ ሙቐት ዓለም፡ ምድርና ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ትዓኑ ኣላ።

 እዚ ትንቢት እዚ፡ ደቂ ሰብ ንምድርና ኺከላኸሉላ ትጽቢት ክንገብረሎም ከም ዘይንኽእል እዩ ዜመልክት። ኣምላኽ ኢዱ ብምእታው፡ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” ንምጥፋእ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ኣስተብህል። ቅኑዕ ድራኸ ዘለዎም ገሊኦም ሰባት፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለውጢ ክሊማ ንምዕራይ ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ደው ኬብልዎም ኣይክእሉን እዮም።

 ትንቢት፦ ‘መፍርህታት ኪኸውን እዩ።’—ሉቃስ 21:11

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ግዜና መፍርህታት ወይ ዜርዕድ ፍጻመታት ኪህሉ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ለውጢ ክሊማ ኣብ መላእ ዓለም ዜፍርህ ኵነታት ኣየር ኣስዒቡ ኣሎ። ሎሚ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ለውጢ ክሊማ ንዓለምና ኼጥፍኣ እዩ’ ብዚብል ሕዱር ፍርሂ ተዋሒጦም ኣለዉ።

 ትንቢት፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ . . . ዘይእሙናት . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ . . . ጠላማት፡ ነቓጻት፡ . . . ኪዀኑ እዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ንለውጢ ክሊማ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ባህርያት ደቂ ሰብ ተነብዩ ነይሩ እዩ። መንግስትታትን ነጋዶን ንቝጠባዊ ረብሓኦም ቀዳምነት ስለ ዚህቡ፡ ብዛዕባ መጻኢ ህይወት ደቂ ሰብ ኣይግደሱን እዮም። ኣብቲ ሓቢሮም ሙቐት ዓለም ደው ንምባል ዚፍትኑሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣብቲ ኺውሰድ ዘለዎ ስጕምትታት ኪሰማምዑ ኣይክእሉን እዮም።

 እዚ ትንቢት እዚ፡ ሰባት ብሓፈሻ ተግባራቶም ለዊጦም ንዓለምና ኺከላኸሉላ ትጽቢት ክንገብረሎም ከም ዘይግባእ እዩ ዜመልክት። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ስሱዕ ባህርያት ሰባት ‘ናብ ዝገደደ ኺበጽሕ ምዃኑ’ ገሊጹ ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:13

ኣምላኽ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ a ኣምላኽ ንምድርናን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሓልየሎም ይገልጽ እዩ። ኣምላኽ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ዜመልክት ሰለስተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።

  1.  1. ኣምላኽ ‘ንምድሪ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ኣይፈጠራን።’—ኢሳይያስ 45:18

     ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ። (ኢሳይያስ 55:11) ምድሪ ኽትጠፍእ ወይ ደቂ ሰብ ኪነብሩላ ዘይክእሉ ኽትከውን ኣይሓድጋን እዩ።

  2.  2. “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:11, 29

     ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ሰላም ኣብ ዝሰፈና ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ምዃኖም ኣተስፍዩ እዩ።

  3.  3. “እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ. . . እዮም።”—ምሳሌ 2:22

     ኣምላኽ ነቶም ኣብ እከይ ግብሮም ዚቕጽሉ፡ እንተላይ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼወግዶም ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ።

ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እንታይ ኺገብረልና እዩ፧

 ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዝሃቦ ተስፋታት ብኸመይ እዩ ዚፍጽሞ፧ ነዚ በታ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂላ እትፍለጥ ንመላእ ዓለም እትገዝእ መንግስቱ ኣቢሉ እዩ ዚፍጽሞ። (ማቴዎስ 6:10) እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ኣብ ሰማይ ኰይና እያ እተመሓድር። ንምድርን ከባቢኣን ንዚምልከት ጕዳያት፡ ምስ ሰብኣውያን መንግስትታት ኣይክትዛተን እያ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን እያ።—ዳንኤል 2:44

 መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ነታ ዚነብሩላ ምድርን ሰናይ ነገራት ከተምጽኣሎም እያ። (መዝሙር 96:10-13) የሆዋ ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ እንታይ ከም ዚገብር እስከ ርአ።

  •   ንምድርን ከባቢኣን ይሕድስ

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1

     እዚ ብዛዕባ መጻኢና እንታይ የመልክት፧ የሆዋ ንምድርና፡ እንተላይ ነቲ ብደቂ ሰብ ዝዓነወ ቦታታት ኬሐድሶ እዩ።

  •   መጠኑ ንዝሓለፈ ዅነታት ኣየር ይቈጻጸሮ

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ የሆዋ “ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል።”—መዝሙር 107:29

     እዚ ብዛዕባ መጻኢና እንታይ የመልክት፧ የሆዋ ንዅሉ ባእታታት ተፈጥሮ ንምቍጽጻር ሓይሊ ኣለዎ። ሰባት ድሕሪ ደጊም መጠኑ ብዝሓለፈ ዅነታት ኣየር ኣይኪሳቐዩን እዮም።

  •   ሰባት ንምድሪ ብጽቡቕ ኪከናኸንዋ ይምህሮም

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ።”—መዝሙር 32:8

     እዚ ብዛዕባ መጻኢና እንታይ የመልክት፧ የሆዋ ንሰባት ምድሪ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15) ነቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ጌርና ኽንከናኸኖን ብኸመይ ከየበላሸና ኸም እንነብርን ኪምህረና እዩ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።