መዝሙር 83:1-18

  • ምስ ጸላእቲ ምስ ተፋጠጠ ዘቕረቦ ጸሎት

    • “ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል” (1)

    • ንጸላእቲ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ግበሮም (13)

    • ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ (18)

ማህሌት። ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 83  ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፣+ኦ ኣምላኽ፡ ትም ኣይትበል፡* ኣይተጽቅጥ።   እንሆ፡ ጸላእትኻስ ይጭድሩ፡+እቶም ዚጸልኡኻ እውን ይዕበዩ* ኣለዉ።   ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ነቶም እትሕልዎም* ከኣ ውዲት ይኣልሙሎም።   “ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ብደረጃ ህዝቢ ነጥፍኣዮም” ይብሉ ኣለዉ።+   ሓቢሮም ስልቲ ይምህዙ፡*ኣንጻርካ ድማ ኪዳን ተኣታትዮም ኣለዉ፡+   ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን+ ሃግራውያንን፡+   ጌባልን ዓሞንን+ ኣማሌቅን፡ፍልስጥኤም+ ምስ ነበርቲ ጢሮስ።+   ኣሶር+ እውን ሓቢርዎም፣ንደቂ ሎጥ ድማ ደጊፎምዎም።*+ (ሴላ)   ከምቲ ንሚድያን ዝገበርካዮ፡+ከምቲ ንሲሰራን ንያቢንን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።+ 10  ንሳቶም ኣብ ዔን-ዶር ጠፍኡ፣+ንምድሪ ድማ ድዅዒ ዀንዋ። 11  ንልዑላኖም ከም ዖሬብን ዝኤብን፡+ንመሳፍንቶም* ከኣ ከም ዜባሕን ጻልሙናን ግበሮም።+ 12  ከመይሲ፡ “ነታ ኣምላኽ ዚነብረላ ምድሪ ንረስተያ” ኢሎም እዮም። 13  ኦ ኣምላኸይ፡ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ፡+ብንፋስ ከም እተበቈጸ ሓሰር ግበሮም። 14  ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ከምቲ ሃልሃልታ ንኣኽራን ዜሕርሮ፡+ 15  ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡+ብብርቱዕ ንፋስካ ድማ ኣሸብሮም።+ 16  ኦ የሆዋ፡ ንስምካ ምእንቲ ኺደልይዎስ፡ገጾም ብውርደት ኣጐልብብ።* 17  ንዘለኣለም ይሕፈሩን ይሸበሩን፣ይነውሩን ይጥፍኡን፣ 18  ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡+በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓባስ ኣይትኹን።”
ወይ፡ “ርእሶም የልዕሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “እትሓብኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሓደ ልቢ ይማኸሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽም ኰይኖምዎም።”
ወይ፡ “ንመራሕቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ምላእ።”