መዝሙር 72:1-20

  • ሰላማዊ ግዝኣት እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ

    • ‘ጻድቕ ኪዕምብብ እዩ’ (7)

    • ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም (8)

    • ካብ ዓመጻ ኼናግፎም እዩ (14)

    • ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን እዩ (16)

    • ስም ኣምላኽ ንዘለኣለም ይወደስ (19)

ብዛዕባ ሰሎሞን። 72  ኦ ኣምላኽ፡ ንንጉስ ፍርድታትካ ሃቦ፣ንወዲ ንጉስ ከኣ ጽድቅኻ ዓድሎ።+   ንሱ ድማ ንህዝብኻ ብጽድቂ፡ንትሑታትካ እውን ብፍትሒ ይማጐተሎም።+   ኣኽራን ንህዝብኻ ሰላም፡ኵርባታት ከኣ ጽድቂ የምጽኡሉ።   ነቶም ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘለዉ ትሑታት ይጣበቐሎም፣*ንደቂ ድኻ ድማ የድሕኖም፣ንዓማጺ ኸኣ ይጨፍልቆ።+   ጸሓይ ክሳዕ ዘላ፡ወርሒ እውን ክሳዕ ዘላ፡ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።+   ኣብ እተዓጽደ ሳዕሪ ኸም ዚዘንም ዝናም፡ከምቲ ንምድሪ ዜስቲ ብርቱዕ ካፋ ኪኸውን እዩ።+   ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡*+ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ።+   ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም።*+   ተቐማጦ ምድረ በዳ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡ጸላእቱ እውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።+ 10  ነገስታት ተርሲስን ደሴታትን ኪግብሩሉ፡+ነገስታት ሳባን ሴባን ድማ ህያባት ኪህብዎ እዮም።+ 11  ኵሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ኬገልግልዎ እዮም። 12  ንሱስ ንዜእዊ ድኻንረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። 13  ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ህይወት* ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። 14  ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም፡*ደሞም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ። 15  ብህይወት ይንበር፡ ወርቂ ሳባ እውን ይወሃቦ።+ ወትሩ ድማ ምእንታኡ ይጸለ፣ምሉእ መዓልቲ እውን ይባረኽ። 16  ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡+ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ። ፍሪኡ ኸም ኣብ ሊባኖስ ኪስስን እዩ፣+ኣብ ከተማታት፡ ሰባት ከም ኣትክልቲ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።+ 17  ስሙ ንዘለኣለም ይንበር፣+ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ድማ ይግነን። ሰባት ብእኡ በረኸት ይርከቡ፣*+ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ሕጉስ ይበልዎ። 18  እቲ በይኑ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር+የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ይወደስ።+ 19  እቲ ኽቡር ስሙ ንዘለኣለም ይወደስ፣+ክብሩ እውን ንብዘላ ምድሪ ይምልኣያ።+ ኣሜን፡ ኣሜን። 20  ጸሎት ዳዊት ወዲ እሴይ+ ኣብዚ ይውዳእ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ይፍረደሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪጥጥዕ።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ወይ፡ “ኺገዝእ እዩ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሶም ኪብጆ።”
ማለት፡ ጽዒሮም ይርከቡ።