ኢሳይያስ 45:1-25

  • ቂሮስ ንባቢሎን ኪሕዝ ተቐብአ (1-8)

  • ካይላ ምስ ሰራሕ ካይላ ኺከራኸር ኣይክእልን (9-13)

  • ካልኦት ኣህዛብ፡ እንታይነት እስራኤል ይፈልጡ (14-17)

  • ኣምላኽ ዜተኣማምን ፈጣርን ገላጽን እዩ (18-25)

    • ምድሪ ኺንበረላ ተፈጢራ (18)

45  የሆዋ ንቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡+ነቲ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺግዝኡ ኢለ፡+ንነገስታት ዕጥቆም ከፍትሖም* ኢለ፡እቲ ኣፍ ደገታት ከይዕጾስክልተ ዝኽፋሉ መዓጹ ክኸፍተሉ ኢለ፡ብየማነይቲ ኢዱ ዝሓዝክዎ+ ኸምዚ ይብሎ፦   “ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡+ንዅርባታት ከኣ ከጣጥሕ እየ። መዓጹ ነሓሲ ኽሰባብር፡ተገዳማት ሓጺን ከኣ ክቘርጽ እየ።+   ብስምካ ዝጽውዓካ ዘለኹ፡+ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ኣብ ጸልማት ዘሎ መዛግብትንኣብ ስቱር ቦታታት ዘሎ ሕቡእ መዛግብትን ክህበካ እየ።+   ምእንቲ ያእቆብ ጊልያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ብስምካ እጽውዓካ ኣለኹ። ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ስም ክብሪ እህበካ ኣለኹ።   ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን። ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+ ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ከበርትዓካ* እየ፣   ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡*ብዘይካይ ካልእ ከም ዘየልቦምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ከምኡ ኽገብር እየ።+ ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።+   ብርሃን እገብር፡+ ጸልማት ከኣ እፈጥር፣+ሰላም እገብር፡+ መዓት ድማ እፈጥር፣+ኣነ የሆዋ ነዚ ዅሉ እገብሮ ኣለኹ።   ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ዝነሙ፣+ደበናታት ከኣ ጽድቂ የፍስሱ። ምድሪ ትከፈት እሞ ድሕነት ተፍሪ፣ጽድቂ እውን ብሓባር ተብቍል።+ ኣነ የሆዋ ፈጢረዮ እየ።”   እቲ ምስ ገባሪኡ* ዚብኣስ፡* ወይለኡ፣ንሱስ ገልዒ፡ኣብ መንጎ ኣጋልዕ ምድሪ እዩ! ካይላዶ ንሰራሕ ካይላ፡* “እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧” ኪብሎ ይግባእ እዩ።+ ዕዮኻዶኸ፡ “ኣእዳው የብሉን” ኪብል ይግባእ እዩ፧* 10  እቲ ንኣቦ፡ “እንታይ ኢኻ እትወልድ፧” ዚብሎ፡ንሰበይቲ ድማ፡ “እንታይ ኢኺ እትወልዲ፧”* ዚብላ፡ ወይለኡ! 11  የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ እቲ ዝደኰኖ ኸምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ እቲ ዚመጽእዶ ኽትሓትቱኒ ኢኹም፧ ብዛዕባ ደቀይን+ ግብሪ ኣእዳወይንዶ ኽትእዝዙኒ ኢኹም፧ 12  ንምድሪ ገይረያ፡+ ንሰብ ድማ ኣብኣ ፈጢረዮ።+ ብኣእዳወይ ሰማያት ገቲረ፡+ንሰራዊቶም ከኣ ትእዛዛት ሂበ።”+ 13  “ብጽድቅስ ሰብ ኣተንሲአ፡+ንዅሉ መገዱ ኸኣ ከቕንዖ እየ። ንኸተማይ ዚሰርሓ፡+ብዘይ ዋጋ ወይ ጉቦ+ ንምሩኻተይ ሓራ ዜውጽኦም ንሱ እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 14  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መኽሰብ* ግብጽን ሸቐጥ* ኢትዮጵያን እቶም ነዋሕቲ ሳባውያንንናባኻ ኺመጽእን ናትካ ኪኸውንን እዩ። ብሰንሰለት ተኣሲሮም ደድሕሬኻ ኪኸዱ እዮም። መጺኦም ኪሰግዱልካ እዮም።+ ‘ብርግጽ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ፣+ካልእ እውን የልቦን፣ ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ ኢሎም ናባኻ ኺጽልዩ እዮም።” 15  ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኦ መድሓኒ፡+ብሓቂ ርእስኻ እትሓብእ ኣምላኽ ኢኻ። 16  ኵላቶም ኪሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም፣እቶም ገበርቲ ጣኦታት ብውርደት ኪመላለሱ እዮም።+ 17  እስራኤል ግና ብናይ ዘለኣለም ድሕነት ብየሆዋ ኺድሕን እዩ።+ ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለመ ኣለም ኣይክትሓፍሩን ወይ ኣይክትዋረዱን ኢኹም።+ 18  እቲ ፈጣር ሰማያት፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡+እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ* ኢሉ ዘይፈጠራ+የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን። 19  ኣብ ስቱር ቦታ፡ ኣብ ምድሪ ጸልማት ኣይተዛረብኩን፣+ንዘርኢ ያእቆብ፡‘ንኸንቱ ድለዩኒ’ ኣይበልክዎምን። ኣነ የሆዋ ጽድቂ ዝዛረብን ቅኑዕ ዘበለ ዝነግርን እየ።+ 20  ተኣከቡ፡ ንዑ። ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዘምለጥኩም፡ ብሓደ ቕረቡ።+ እቶም ጽሩብ ምስሊ ዚጾሩንኬድሕን ናብ ዘይክእል ኣምላኽ ዚጽልዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።+ 21  ንገሩ፡ ጕዳይኩም ኣቕርቡ። ብሓደ ይማኸሩ። ነዚ ነገር እዚ ቐደም ዘስምዐ፡ካብ ጥንቲ ኸኣ ዝነገረ መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧ ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፣ብዘይካይ ጻድቕ ኣምላኽን መድሓንን የልቦን።+ 22  ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን እሞ፡+ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዅላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ እሞ ድሓኑ።+ 23  ብርእሰይ ምሒለ እየ፣ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ፣ኣይኪምለስን ድማ እዩ፦+ ኵሉ ብርኪ ኺምብርከኸለይ፡ኵሉ ልሳን እውን ተኣማንነቱ ኺምሕለለይ፡+ 24  ከምዚ ድማ ኪብል እዩ፦ ‘ብርግጽ ናይ ሓቂ ጽድቅን ብርታዐንሲ ብየሆዋ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚንድሩ፡ ሓፊሮም ኣብ ቅድሚኡ ኺመጹ እዮም። 25  ኵሉ ዘርኢ እስራኤል ብየሆዋ ቕኑዕ ኪኸውን፡+ብእኡ እውን ኪምካሕ እዩ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሕቘ ነገስታት ክፈትሕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከዕጥቐካ።”
ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”
ወይ፡ “ምስቲ ዝደኰኖ።”
ወይ፡ “ዚማጐት።”
ወይ፡ “ንዝሰርሖ።”
ወይ፡ “እቲ ኻይላዶ፡ ‘ዕዮኻ መትሓዚ የብሉን’ ኪብል ይግባእ እዩ፧” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብምንታይ እዩ ቕልውላው ሒዙኪ፧”
ወይ፡ “ሸቀልቲ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነጋዶ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ባዶ ኽትከውን” ኪኸውን ይኽእል።