ዳንኤል 2:1-49

  • ንጉስ ነቡካድነጻር ዚርብሽ ሕልሚ ሓለመ (1-4)

  • ነቲ ሕልሚ ኺነግሮ ዚኽእል ጥበበኛ ኣይተረኽበን (5-13)

  • ዳንኤል ካብ ኣምላኽ ረድኤት ለመነ (14-18)

  • ነቲ ምስጢር ስለ ዝገለጸሉ፡ ንኣምላኽ ወደሶ (19-23)

  • ዳንኤል ንንጉስ፡ እቲ ሕልሚ ነገሮ (24-35)

  • ትርጉም እቲ ሕልሚ (36-45)

    • ብእምኒ እተመሰለት መንግስቲ ነቲ ምስሊ ሓምሸሸቶ (44, 45)

  • ዳንኤል በቲ ንጉስ ከበረ (46-49)

2  ነቡካድነጻር ከኣ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ንግስናኡ ሕልምታት ሓለመ፣ ኣመና ስለ እተናወጸ* ድማ፡+ ኪድቅስ ኣይከኣለን።  ስለዚ፡ ንጉስ ነቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን፡* ንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ ኺጽውዑ ኣዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በሉ።+  ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ሕልሚ ሓሊመስ፡ እንታይ ከም ዝሓለምኩ ኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ ተናዊጸ”* በሎም።  እቶም ከለዳውያን ድማ ንንጉስ ብኣራማይስጢ+ ኸምዚ ኢሎም መለሱሉ፦* “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ንገላዉኻ ሕልምኻ ንገረና፣ ንሕና እውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና።”  ንጉስ ነቶም ከለዳውያን ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ናይ መወዳእታ ቓለይ እዩ፦ ነቲ ሕልሚ ምስ ትርጉሙ እንተ ዘየፍሊጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትቈራረጹ ኢኹም፣ ኣባይትኹም ድማ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ* ኪዀና እየን።  ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፡ ህያባትን ዓስብን ዓብዪ ኽብርን ክህበኩም እየ።+ ስለዚ፡ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ።”  ንሳቶም ድማ ካልኣይ ሳዕ፡ “ንጉስ ንገላዉኡ ሕልሙ ይንገረና፣ ንሕና እውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።  ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ናይ መወዳእታ ቓለይ እንታይ ምዃኑ ስለ ዝፈለጥኩም፡ ግዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘለኹም ኣጸቢቐ ፈሊጠኩም ኣለኹ።  ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍሊጥኩምኒ፡ ንዅላትኩም ሓደ መቕጻዕቲ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንስኻትኩም ግና እቲ ዅነታት ክሳዕ ዚቕየር፡ ሓሶትን ምትላልን ክትነግሩኒ ተሰማሚዕኩም ኣለኹም። ስለዚ፡ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፣ ትርጉሙ ኽትገልጹ ኸም እትኽእሉ ድማ ክፈልጥ እየ።” 10  እቶም ከለዳውያን ከኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “እዚ ንጉስ ዚሓትቶ ዘሎ ነገር ኪገብር ዚኽእል ሰብ ኣብ ምድሪ* የልቦን፣ ስሒር ካብ ዚገብር ካህን ወይ ካብ ጠያቒ መናፍስቲ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሓተተ ዓብዪ ንጉስ ወይ ሹም የልቦን። 11  እቲ ንጉስ ዚሓትቶ ዘሎ ዜሸግር እዩ፣ ብዘይካ እቶም ኣብ መንጎ መወትቲ* ዘይነብሩ ኣማልኽቲ ኸኣ ንንጉስ እዚ ኺነግሮ ዚኽእል የልቦን።” 12  ሽዑ፡ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐን ነደረን፣ ኵሎም ጥበበኛታት ባቢሎን ኪጠፍኡ እውን ኣዘዘ።+ 13  እቲ ትእዛዝ ምስ ወጸ፡ ነቶም ጥበበኛታት ድማ ኪቐትልዎም ምስ በሉ፡ ንዳንኤልን ንብጾቱን እውን ኪቐትልዎም ደለይዎም። 14  ሽዑ፡ ዳንኤል ነቲ ንጥበበኛታት ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ኣርዮክ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንጉስ፡ ብምስትውዓልን ብጥንቃቐን ተዛረቦ። 15  ንኣርዮክ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ስልጣን ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ ኻብ ንጉስ እዚ ብርቱዕ ትእዛዝ ዝወጸ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣርዮክ ከኣ ንዳንኤል ብዛዕባ እቲ ነገር ሓበሮ።+ 16  ስለዚ፡ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቲ ትርጉም ንንጉስ ኪነግሮስ፡ ግዜ ኺህቦ ለመኖ። 17  ሽዑ፡ ዳንኤል ናብ ቤቱ ኸደ፣ ንብጾቱ ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ከኣ ብዛዕባ እቲ ነገር ሓበሮም። 18  ዳንኤልን ብጾቱን ምስ ዝተረፉ ጥበበኛታት ባቢሎን ከይጠፍኡስ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸልዮም ምሕረት ኪልምኑ ሓተቶም። 19  ሽዑ፡ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉ።+ ስለዚ፡ ዳንኤል ንኣምላኽ ሰማይ ወደሶ። 20  ዳንኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናቱ ጥራይ እዩ እሞ፡+ስም ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም* ይወደስ። 21  ንሱ ግዜያትን እዋናትን ይለዋውጥ፣+ነገስታት የልግስ፡ ነገስታት እውን የቕውም፣+ንጥበበኛታት ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ይህቦም።+ 22  ንሱ ዓሚቝን ሕቡእን ነገራት ይገልጽ፣+እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፣+ምስኡ ኸኣ ብርሃን ይነብር።+ 23  ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፡ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፡ንዓኻ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ። ሕጂ ድማ እቲ ዝለመንናካ ኣፍሊጥካኒ ኣለኻ፣ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካና ኣለኻ።”+ 24  ሽዑ፡ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ንጥበበኛታት ባቢሎን ኬጥፍእ ዝሸሞ ኣርዮክ ከይዱ፡+ “ንጥበበኛታት ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም። ናብ ንጉስ ውሰደኒ፣ ንንጉስ እውን እቲ ትርጉም ክነግሮ እየ” በሎ። 25  ኣርዮክ ከኣ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ቅድሚ ንጉስ ወሲዱ፡ “ካብቶም ምሩኻት ይሁዳ+ ንንጉስ እቲ ትርጉም ኬፍልጥ ዚኽእል ሰብኣይ ረኺበ” በሎ። 26  ንጉስ ድማ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፡+ “ነቲ ዝረኣኽዎ ሕልምን ትርጉሙን ብሓቂዶ ኸተፍልጠኒ ትኽእል ኢኻ፧” በሎ።+ 27  ዳንኤል ከኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ካብቶም ጥበበኛታት፡ ጠየቕቲ መናፍስቲ፡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናት፡ ወይ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ ንንጉስ ነቲ ዚሓትቶ ዘሎ ምስጢር ኪነግሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።+ 28  ግናኸ፡ ገላጽ ምስጢራት ዝዀነ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ኣሎ፣+ ንሱ ድማ ንንጉስ ነቡካድነጻር፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጥዎ ኣሎ። ሕልምኻ እዚ እዩ፣ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ኸለኻ ዝረኣኻዮ ራእያት ርእስኻ እውን እዚ እዩ፦ 29  “ኦ ንጉስ፡ ንስኻ ኣብ ዓራትካ ኸለኻ፡ ሓሳባትካ ናብቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ኣቢሉ፣ እቲ ገላጽ ምስጢራት ከኣ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጡካ። 30  እዚ ምስጢር እዚ ንዓይ እተገልጸለይ፡ ኣነ ኻብ ህያው ዘበለ ዝዓበየ ጥበብ ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንንጉስ ትርጉሙ ምእንቲ ኺንገሮ እሞ፡ ነቲ ሓሳባት ልብኻ ምእንቲ ኽትፈልጦ እዩ።+ 31  “ኦ ንጉስ፡ ትጥምት ኔርካ፣ ዓብዪ ምስሊ እውን ርኢኻ። እቲ ገዚፍን ኣዝዩ ዜንጸባርቕን ምስሊ እቲ፡ ኣብ ቅድሜኻ ነይሩ፣ ትርኢቱ ድማ ዜሸብር ነይሩ። 32  ርእሲ እቲ ምስሊ፡ ጽሩይ ወርቂ፡+ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡+ ከብዱን ሰለፉን ነሓሲ፡+ 33  መሓውሩ ሓጺን፡+ ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ* ነይሩ።+ 34  ክትጥምት ከለኻ ድማ፡ ኢድ ከይተንከያ እምኒ ተፈንቂላ፡ ነቲ ምስሊ ኣብቲ ሓጺንን ካይላን ዝዀነ ኣእጋሩ ወቒዓቶን ሓምሺሻቶን።+ 35  ሽዑ፡ እቲ ሓጺንን ካይላን ነሓስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሺሹ፡ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ሓጋይ እውን ኰይኑ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዘይርከብ ድማ ንፋስ ወሲድዎ። እታ ነቲ ምስሊ ዝወቕዓቶ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰይና፣ ንብዘላ ምድሪ እውን መሊኣታ። 36  “እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ሕጂ ኸኣ ንንጉስ ትርጉሙ ኽንነግሮ ኢና። 37  ኦ ንጉስ፡—ኣታ እቲ ኣምላኽ ሰማይ መንግስትን ሓይልን ብርታዐን ክብርን ዝሃበካ+ ንጉሰ ነገስት፡ 38  ኣታ ኣብ ኵሉ ዚነብሩ ሰባትን እንስሳታት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣብ ኢድካ ዝሃበካን ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዘግዝኣካን፡+—እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ።+ 39  “ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ እያ፣+ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሰይቲ መንግስቲ ነሓሲ እውን ክትትንስእ እያ።+ 40  “እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸኣ ከም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን እያ።+ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ዚሕምሽሽን ዜድቅቕን፡ እወ፡ ከምቲ ሓጺን ዚሰባብር፡ ንሳ ነዚ ዅሉ ኽትሕምሽሽን ክትሰባብርን እያ።+ 41  “ከምቲ እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ ኻይላ ሰራሕ ካይላ፡ ገሊኡ እውን ሓጺን ዝረኣኻዮ፡ ከምኡ ድማ እታ መንግስቲ ኽትመቓቐል እያ፣ ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም ካይላ ተሓዊሱ ዝረኣኻዮ፡ ገለ ኻብቲ ትሪ ሓጺን ኪህልዋ እዩ። 42  ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ ተሰባሪት ክትከውን እያ። 43  ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም ካይላ ተሓዊሱ ዝረኣኻዮ፡ ንሳቶም ምስ ሰባት* ኪተሓዋወሱ እዮም፣ ከምቲ ሓጺን ምስ ካይላ ዘይሕወስ ግና፡ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም። 44  “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኦም፡ ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ+ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።+ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ።+ ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣+ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ፣+ 45  ከምቲ ኢድ ከይተንከያ እምኒ ኻብ ከረን ተፈንቂላ ነቲ ሓጺንን ነሓስን ካይላን ብሩርን ወርቅን ክትሕምሽሾ ዝረኣኻዮ ኪኸውን እዩ።+ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ኣፍሊጥዎ ኣሎ።+ እቲ ሕልሚ ሓቂ እዩ፣ ትርጉሙ ድማ እሙን እዩ።” 46  ሽዑ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ቅድሚ ዳንኤል ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሉ። ህያብን ዕጣንን ኬቕርቡሉ እውን ኣዘዘ። 47  ንጉስ ከኣ ንዳንኤል፡ “ንስኻ ነዚ ምስጢር እዚ ኽትገልጽ ካብ ከኣልካስ፡ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጽ ምስጢራትን እዩ” በሎ።+ 48  ሽዑ፡ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ህያባት ድማ ሃቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣውራጃ ባቢሎን ከኣ ኣግዝኦ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጥበበኛታት ባቢሎን እውን ቀንዲ ምስለኔ ገበሮ። 49  ዳንኤል ከኣ ንንጉስ ለመኖ፣ ንሱ እውን ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን+ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፣ ዳንኤል ግና ኣብ ኣጸድ ንጉስ የገልግል ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መንፈሱ ኣመና ስለ እተናወጸ።”
ማለት፡ ጕጅለ ኽኢላታት ጠንቈልትን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን።
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሰይ ተናዊጹ።”
ዳን 2:4ለ ኽሳብ 7:28 ኣብ መጀመርታ ብኣራማይስጢ እዩ ተጻሒፉ።
ወይ፡ “መደርበይ ጐሓፍ፣ ኵምራ ዒባ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንቑጽ ምድሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምስ ስጋ።”
ወይ፡ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም።”
ወይ፡ “ዝበሰለ (ቅርጺ ዝሓዘ) ኻይላ።”
ወይ፡ “ዘርኢ ሰብ፣” ማለት፡ ተራ ሰባት።