ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧

መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧

ገሊኦም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ክትገዝእ ከም እትጅምር ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም እዮም። የሱስ ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኽትገዝእ እትጅምረሉ ግዜ ብልክዕ ኪፈልጡ ኸም ዘይክእሉ ነጊርዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6, 7) ኣቐዲሙ ግና ገሊኡ ፍጻመታት ብሓንሳእ ኪፍጸም ምስ ረኣዩ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ፡” ንዓለም እትገዝኣሉ ግዜ እውን ከም ዝኣኸለ ኺፈልጡ ምዃኖም ነጊርዎም ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 21:31

የሱስ እንታይ ፍጻመታት ከም ዚኸውን እዩ ተዛሪቡ፧

የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ እዩ ኢሉ፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ።” (ሉቃስ 21:10, 11) ከምቲ ኣብ ኣእዳውና ዘሎ ሕንጻጻት ኣሰር ኣጻብዕ ዜቕውም፡ ኵሉ እዚ ፍጻመታት እዚ ዘየጋጊ ምልክት ይኸውን እዩ። ከምቲ ኣሰር ኣጻብዕ መለለይና ዚኸውን ድማ፡ እዚ ፍጻመታት እዚ ብሓንሳእ ኪኸውን ከሎ “መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ” ኸነለሊ የኽእለና እዩ። እሞኸ እዚ ፍጻመታት እዚ ብደረጃ ዓለምለኸ ብሓንሳእ ተራእዩ ድዩ፧ ነዚ መርትዖታት እስከ ንርአ።

1. ውግእ

ብ1914 ኣብ ብዘሎ ታሪኽ ወዲ ሰብ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ውግእ ተባሪዑ እዩ! ኣብ ዓመተ 1914 ንመጀመርታ ግዜ ውግእ ዓለም ስለ ዝጀመረ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ነታ ዓመት እቲኣ ኣብ ታሪኽ ነጥበ መቐይሮ ኸም ዝነበረት ገይሮም ይጠቕስዋ እዮም። እቲ ውግእ እቲ ድማ ብታንክታትን ብደብዳብ ነፈርትን ብኣውቶማቲክ ጠበንጃን ብመርዛም ጋዛትን ብኻልእ ቀታሊ ኣጽዋርን ጌርካ ዚግበር መጠነ ሰፊሕ ውግእ ኣተኣታትዩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ኸኣ ካልኣይ ውግእ ዓለም መጺኡ እዩ፣ ኣብዚ ውግእ እዚ ድማ ኣቶማዊ ኣጽዋር ተኣታትዩ እዩ። ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ደቂ ሰብ ኣብ በቦታኡ ይዋግኡ ኣለዉ፣ ኣብዚ ውግኣት እዚ ኸኣ ሚልዮናት ሰባት ሃሊቖም ኣለዉ።

2. ምንቅጥቃጥ ምድሪ

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኣብ ዓዓመት “ዓብዪ ጕድኣት” ዜስዕብ ኣስታት 100 ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዜጋጥም ገሊጹ ኣሎ። ጂኦሎጅያዊ መጽናዕቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ድማ፡ “ብመሰረት ነዊሕ ዝገበረ መዛግብቲ (ካብ ከባቢ 1900 ኣትሒዙ)፡ ኣብ ዝዀነ ዓመት 16 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንጽበ ኢና” ይብል። ገሊኦም ሰባት፡ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝሓሸ ኽንልክዖ ብምኽኣልና ይውስኽ ከም ዘሎ ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ይገልጹ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዜጋጥም ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሕ መከራን ሞትን የስዕብ ከም ዘሎ ኣይከሓድን እዩ።

3. ጥሜት

ጥሜት ብሰንኪ ውግእ፡ ብሰንኪ ብልሽውና፡ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ ሕርሻ፡ ወይ ንሕማቕ ኵነታት ኣየር ጽቡቕ መደብ ብሰንኪ ዘይምግባር እዩ ዚኽሰት። ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ዘውጽኦ ናይ 2018 ጸብጻብ፡ “ኣብ ብዘላ ዓለም፡ 821 ሚልዮን ህዝቢ ይጠምዩ ኣለዉ፣ ካብዚኣቶም 124 ሚልዮን ድማ ኣመና ይጠምዩ ኣለዉ” ይብል። ጕድለት ምግቢ ኸኣ ኣብ ዓዓመት ጠንቂ ሞት ኣስታት 3.1 ሚልዮን ሕጻናት ኰይኑ እዩ። ኣብ ዓመተ 2011፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ምስቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዚሞቱ ሕጻናት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣስታት 45 ሚእታዊት እዩ ነይሩ።

4. ሕማምን ለበዳን

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዚ ይብል፦ “ኣብ መበል 21 ዘመን ድሮ ዓበይቲ ለበዳታት ኣጋጢሙ ኣሎ። ከም ሸሮኽን ሕማም ተላገብን ብጫ ዓሶን ዝኣመሰለ ናይ ቀደም ሕማማት ተመሊሱ ኣሎ፣ ከም ሳርስን ተላባዒ ኢንፍሉወንዛን መርስን ኢቦላን ዚካን ዝኣመሰለ ሓደስቲ ሕማማት እውን ተቐልቂሉ ኣሎ።” ኮቪድ-19 እዋናዊ ለበዳ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሓካይምን ብዛዕባ ሕማማት ብዙሕ እኳ እንተ ፈለጡ፡ ንዅሉ ሕማማት ግና ፈውሲ ኺረኽቡሉ ኣይከኣሉን።

5. ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት

የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ካልእ ክፋል እቲ ምልክት ጠቒሱ እዩ፦ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።” (ማቴዎስ 24:14) ኣብ ዓለም ዜስካሕክሕ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ኣብ 240 ሃገራት ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። እዚ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።

እቲ ምልክት ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

እቲ የሱስ ዝሃቦ እተፈላለየ መዳያት ዚሓቍፍ ምልክት ኣብዚ ግዜና ይርአ ኣሎ። እዚ ሓቂ እዚ ንዓና ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ፡ “ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ኢሉና እዩ።—ሉቃስ 21:31

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብር እያ

እቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መስርዕ ግዜ ደሚርና ምስ እንጽብጽብ፡ ኣምላኽ ኣብ ዓመተ 1914 መንግስቱ ኣብ ሰማይ ከም ዘቘመ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። a ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣንጊስዎ እዩ። (መዝሙር 2:2, 4, 6-9) መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኽትገዝኣ ምስ ጀመረት ድማ፡ ንዅሎም መቐናቕንታ ዝዀኑ ግዝኣታት ከተወግድ፡ ንምድሪ እውን ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ገነት ክትገብራ እያ።

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት ዝመሃሮ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዚብል ቃላት ኪፍጸም እዩ። (ማቴዎስ 6:10) እታ መንግስቲ ግና ብ1914 ካብ እትቐውም ኣትሒዛ እንታይ ትገብር ኣላ፧ እታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ክትገዝእ ምስ ጀመረትከ እንታይ ኪኸውን ኢና ትጽቢት ክንገብር እንኽእል፧

a ብዛዕባ ዓመተ 1914 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 32 ርአ።