መክብብ 7:1-29

  • ጽቡቕ ስምን መዓልቲ ሞትን (1-4)

  • መግናሕቲ ጥበበኛ (5-7)

  • ካብ መጀመርታስ መወዳእታ ይሓይሽ (8-10)

  • ጥቕሚ ጥበብ (11, 12)

  • ሰናይ መዓልትን ሕማቕ መዓልትን (13-15)

  • እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ እኩይ ኣይትኹን (16-22)

  • ትዕዝብትታት እቲ ኣካቢ (23-29)

7  ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፣*+ ካብ መዓልቲ ልደት ድማ መዓልቲ ሞት ይሓይሽ።  እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ፡ ህያዋን ከኣ ኣብ ልቦም ኬንብርዎ ኣለዎም እሞ፡ ናብ ቤት ድግስ ካብ ምኻድሲ፡ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሓይሽ።+  ጓሂ ገጽሲ ንልቢ ዝሓሸ ይገብሮ እዩ እሞ፡+ ካብ ሰሓቕሲ ጭንቂ ይሓይሽ።+  ልቢ ጥበበኛታት ኣብ ቤት ሓዘን እዩ፣ ልቢ ዓያሹ ግና ኣብ ቤት ሓጐስ* እዩ።+  ደርፊ ዓያሹ ኻብ ምስማዕሲ፡ መግናሕቲ ጥበበኛ ምስማዕ ይሓይሽ።+  ከምቲ ኣብቲ ትሕቲ ቝራዕ ዚነድድ እሾዅ ጣዕጣዕ ዚብልሲ፡ ሰሓቕ ዓሻ እውን ከምኡ እዩ፣+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።  ጭቈና ግና ንጥበበኛ ኼጸልሎ ይኽእል፣ ጉቦ ድማ ልቢ የበላሹ።+  ካብ መጀመርታ ነገርሲ መወዳእታኡ ይሓይሽ። ዕቡይ ዝመንፈሱ ኻብ ምዃንሲ ዕጉስ ምዃን ይሓይሽ።+  ኵራ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዚሓድር እሞ፡*+ ንዅራ* ኣይትተሃወኽ።+ 10  “ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧” ኣይትበል፣ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሓትቶ ዘለኻ።+ 11  ጥበብ ምስ ርስቲ ጽብቕቲ እያ፣ ነቶም ብርሃን መዓልቲ ዚርእዩ* ድማ፡ ጥቕሚ ኣለዋ። 12  ከመይሲ፡ ከምቲ ገንዘብ ዕቝባ ዚኸውን፡+ ጥበብ እውን ዕቝባ እያ፣+ ጥቕሚ ፍልጠት ግና እዚ እዩ፦ ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ።+ 13  ንግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ርኣዮ፣ ነቲ ንሱ ዘቕነኖስ መን ኬቕንዖ ይኽእል፧+ 14  ብሰናይ መዓልቲ፡ ሰናይ ግበር፣+ ብመዓልቲ መከራ* ግና፡ ኣምላኽሲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚዀንዎ ነገር ርግጸኛታት ምእንቲ ኸይኰኑ* ኢሉ፡+ ነዝን ነትን ከም ዝገበሮ ሕሰብ።+ 15  ኣብቲ ኸንቱ ህይወተይ፡+ ኵሉ ነገር፡ ማለት ካብቲ ብጽድቁ ዚጠፍእ ጻድቕ+ ክሳዕ እቲ ኽፉእ ክነሱ ነዊሕ ዚነብር እኩይ ርእየ እየ።+ 16  እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፣+ ንርእስኻ እውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበራ።+ ስለምንታይ ርእስኻ እተጥፍእ፧+ 17  እምብዛ እኩይ ኣይትኹን፣ ዓሻ እውን ኣይትኹን።+ ስለምንታይ ቅድሚ ግዜኻ እትመውት፧+ 18  ሓደ መጠንቀቕታ ኸይፈኖኻ፡ ነቲ ሓደ እንተ ሓዝካ ይሓይሽ፣+ እቲ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ክልቲኡ ይሰምዕ እዩ። 19  ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ብርቱዓትሲ፡ ጥበብ ንጥበበኛ ተሐይሎ።+ 20  ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን።+ 21  ሰባት ዚብልዎ ዅሉ ቓል ኣብ ልብኻ ኣይተሕድር፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ጊልያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኽትሰምዕ ኢኻ፣ 22  ንስኻ ባዕልኻ እውን ብዙሕ ሳዕ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።+ 23  ነዚ ዅሉ ብጥበብ ፈተንክዎ፣ “ጥበበኛ ክኸውን እየ” ድማ በልኩ። ንሳ ግና ልዕሊ ዓቕመይ እያ። 24  እቲ ዝዀነ ነገር፡ ልዕሊ ዓቕመይን ኣዝዩ ዓሚቝን እዩ። መንከ ኺርድኦ ይኽእል፧+ 25  ኣነ ድማ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥን ክምርምርን ክደልን ኢለ፡ ክፍኣት ድንቍርናን ዕሽነት ጽላለን እውን ክርዳእ ኢለ ልበይ ኣቕናዕኩ።+ 26  ሽዑ፡ እዚ ረኸብኩ፦ ካብ ሞትሲ እታ ኸም መርበብ ሃዳናይ ዝዀነት፡ ልባ ድማ ከምቲ ንምግፋፍ ዜገልግል መርበብ ዝዀነ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ከም ሰንሰለት ማእሰርቲ ዝዀና ሰበይቲ ትመርር። እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኻብኣ የምልጥ፣+ ሓጥእ ግና ብእኣ ይተሓዝ።+ 27  እቲ ኣካቢ+ ድማ፡ “እንሆ፡ እዚ ረኺበ” በለ። “ናብ መደምደምታ ኽበጽሕሲ፡ በብሓደ መርሚረ፣ 28  ነቲ ብቐጻሊ ዝደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን።* ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ* ረኺበ፣ ኣብ መንጎኦም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። 29  እዚ ጥራይ ከኣ ረኺበ፦ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ገበሮ፣+ ንሳቶም ግና ናይ ባዕሎም ብዙሕ ውጥናት ደለዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ስም ይሓይሽ።”
ወይ፡ “መዘናግዒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመንፈስካ ንዅራ።”
ወይ፡ “መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ንህያዋን።
ወይ፡ “ምእንቲ ኸይፈልጡ።”
ወይ፡ “መዓት።”
ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ ብቐጻሊ ዝደለየቶ ግና ኣይረኸበቶን።”
ወይ፡ “ቅኑዕ ሰብኣይ።”