ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መንግስቲ ኣምላኽ

መንግስቲ ኣምላኽ

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ድያ ዘላ፧

“ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን።”​——ማርቆስ 12:34

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ንመንግስቲ ኣምላኽ፡ “ኣብ ልብን ህይወትን ውልቀ ሰባት እትርከብ ግዝኣት ኣምላኽ” ኢላ ገለጸታ፣ ብዙሓት ሰባት እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከምኡ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብ ብልቡ ንኣምላኽ ዚግዝኣላ ምሳልያዊት ግዝኣት ዘይኰነትስ፡ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ኣብ መላእ ምድሪ ድማ ክትገዝእ እያ።—መዝሙር 72:8፣ ዳንኤል 7:14

ብዛዕባ እቲ የሱስ እተዛረቦ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ” ዚብል ሓሳብከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ሉቃስ 17:21ትርጕም 1956) የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ ኣላ ማለቱ ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ሰማዕቱ ፈሪሳውያን እዮም ነይሮም። የሱስ ከም ዝገለጾ ድማ፡ ፈሪሳውያን ብምኽንያት እቲ ግቡዝን ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘይነበሮን ኣምልኾኦም፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም እዮም። (ማቴዎስ 23:13) ኰይኑ ግና፡ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ውሽጥኹም ኣላ፡” ወይ ከኣ ከምቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዚብሎ፡ “ኣብ ማእከልኩም ኣላ” ኺብል ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ከም ናይ መጻኢ ንጉስ እታ መንግስቲ መጠን፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ስለ ዝነበረ እዩ።—ሉቃስ 17:21

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”—ማቴዎስ 6:10

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። (ማቴዎስ 28:18፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:14, 15) ተልእኾኣ ድማ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ምፍጻም እዩ። (ማቴዎስ 6:10) ስለዚ፡ ኣምላኽ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ንጸገማት ደቂ ሰብ ኪፈትሖ እዩ። እታ መንግስቲ ድማ ነቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪገብራኦ ዘይከኣላ ነገራት ክትዓምም እያ።

ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ሰላምን ድሕንነትን ብልጽግናን ኪረኽቡ እዮም። (መዝሙር 46:9፣ ኢሳይያስ 35:1፣ ሚክያስ 4:4) ዚሓምም ወይ ዚመውት ኣይኪህሉን እዩ፣ እወ፡ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ኪውገድ እዩ። (ኢሳይያስ 33:24፣ ራእይ 21:4) እርጋን እውን ኣይኪህሉን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ” ብምባል ተነብዩ ኣሎ።—እዮብ 33:25

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

መበቈልካ ወይ እተወለድካሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ነቲ ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ነገር እንተ ጌርካ፡ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ፡ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል” ምዃኑ ይገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

መንግስቲ ኣምላኽ ብጻዕሪ ደቂ ሰብ ድያ እትመጽእ፧

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ።”​—ዳንኤል 2:44

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ደቂ ሰብ ንእምነት ካልኦት ሰባት ብምቕያር ወይ ከኣ ሰላምን ሕውነትን ከም ዚሰፍን ብምግባር፡ ኣብዛ ምድርና መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚምስርቱ ዚኣምኑ ሰባት ኣለዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መስራቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ደቂ ሰብ ኣይኰኑን። (ዳንኤል 2:44) እታ መንግስቲ ኣብ እተመስረተትሉ እዋን፡ “ኣነ . . . ንጉሰይ ሸምኩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 2:6) እታ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኰይና ንምድሪ ስለ እትገዝእ፡ ደቂ ሰብ፡ ብጻዕሮም መንግስቲ ኣምላኽ ኬምጽኡን ንጉዳያታ ኼተዓናቕፍዎን ኣይክእሉን እዮም።—ማቴዎስ 4:17

ንዓኻ ኼገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ደቂ ሰብ ሰላምን ሓድነትን ኪረኽቡ ምድላዮም ባህርያዊ እዩ። ንስኻ እውን እንተ ዀንካ፡ ሰላምን ሓድነትን ምእንቲ ኺሰፍን ትጽዕር ትኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ሸቶታትካ ኸይተፈጸመ ኺተርፍ ከሎ፡ ተስፋ ትቘርጽ ትኸውን። መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኣምላኽ ከም እተመስረተት ምፍላጥካ ግና፡ ተገዛኢ እታ መንግስቲ ብምዃን ንጻዕርታትካ ኣብ ግቡእ መዓላ ንኸተውዕሎ ኺድርኸካ እዩ።