ማቴዎስ 23:1-39

  • ንጸሓፍትን ንፈሪሳውያንን ኣይትምሰልዎም (1-12)

  • ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ወይለኦም (13-36)

  • የሱስ ንየሩሳሌም ኣልቀሰላ (37-39)

23  ድሕርዚ፡ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦  “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።  ስለዚ፡ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን፣ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ዚብልዎ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከም ግብሮም ኣይትግበሩ።+  ከቢድ ጾር ጠሚሮም ኣብ መንኵብ ሰብ ይጽዕኑ፣+ ንሳቶም ባዕላቶም ግና ብኣጻብዖም ኪትንክይዎ ኣይደልዩን።+  ኵሉ ግብሮም፡ ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ይገብሩ፣+ ክታባቶም የግፍሑ፡+ ዘፈር ክዳውንቶም እውን የንውሑ።+  ኣብ ድራር ምርኡይ ቦታ፡ ኣብ ምኵራባት ከኣ ቀዳሞት* መናብር ይደልዩ፣+  ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ ኺውሃቦምን መምህር* ተባሂሎም ኪጽውዑን ይደልዩ።  ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡+ መምህር* ኣይትበሃሉ፣ ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም።  ኣቦኹም እውን ሓደ፡+ ንሱ ድማ ሰማያዊ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። 10  መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መራሕቲ እውን ኣይትበሃሉ። 11  እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየስ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን።+ 12  ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡+ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ።+ 13  “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰባት ትዓጽዉሎም፣ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣይትኣትዉን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ እውን ኣይትፈቕዱሎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።+ 14  *—— 15  “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡+ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ* ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ዕጽፍኹም ወዲ ገሃነም* ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 16  “ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዚምሕል፡ ግዴታ የብሉን፣ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዚምሕል ግና፡ ግዴታ ኣለዎ’+ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡+ ወይለኹም። 17  ኣቱም ዓያሹን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዓቢ፡ እቲ ወርቂዶ ወይስ እታ ነቲ ወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18  ‘ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ግዴታ የብሉን፣ በቲ ኣብኡ ዘሎ መባእ ዚምሕል ግና፡ ግዴታ ኣለዎ’ እውን ትብሉ። 19  ኣቱም ዕዉራት፡ ኣየናይ ይዓቢ፡ እቲ መባእዶ ወይስ እቲ ነቲ መባእ ዚቕድሶ መሰውኢ፧ 20  እምበኣር፡ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎን ይምሕል ኣሎ፣ 21  እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል ኣሎ፣+ 22  እቲ ብሰማይ ዚምሕል ድማ፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን ይምሕል ኣሎ። 23  “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ናዕናዕን ካብ ሽላንን ካብ ካሙንን ዕሽር ትህቡ፣+ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን+ ምሕረትን+ ተኣማንነትን ግና ሸለል ትብሉ ኣለኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ኽትገብሩ ይግባእ፡ እቲ እውን ሸለል ክትብሉ ኣይግባእን።+ 24  ኣቱም ካብ መስተኹም ቃርማ እተጻርዩ፡+ ገመል ከኣ እትውሕጡ፡+ ዕዉራት መራሕቲ!+ 25  “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫን ጻሕልን ትሓጽቡ፣+ ውሽጡ ግና ስስዐን*+ ህርፋንን+ ዝመልአ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26  ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ እቲ ዋንጫን እቲ ጻሕልን ዝባኑ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ውሽጡ ኣጽርዮ። 27  “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡+ ብወጻኢ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርአ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ኵሉ ርኽሰትን ዝመልአ ብኖራ እተለቕለቐ መቓብራት+ ትመስሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 28  ንስኻትኩም እውን ከምኡ ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን ትመስሉ፣ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ጥሕሰት ሕግን ዝመላእኩም ኢኹም።+ 29  “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡+ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃን እውን ትስልሙ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።+ 30  ‘ብዘመን ኣቦታትና እንተ ንነብር ኔርና፡ ኣብ ምፍሳስ ደም ነብያት ኣይምተኻፈልናን’ ድማ ትብሉ። 31  እምበኣር፡ ደቂ እቶም ንነብያት ዝቐተሉ ምዃንኩም፡ ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።+ 32  ንስኻትኩም እውን መስፈር ኣቦታትኩም ምልኡ። 33  “ኣቱም ኣትማን፡ ውሉዳት ኣፍዑት፡*+ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም* ከተምልጡ፧+ 34  ስለዚ ድማ፡ ነብያትን+ ጥበበኛታትን መምህራንን+ እልእከልኩም ኣለኹ። ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን+ ክትሰቕልዎምን፡ ንገሊኣቶም ከኣ ኣብ ምኵራባትኩም ክትገርፍዎምን+ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ኽትሰጕዎምን+ ኢኹም። 35  ስለዚ፡ ካብ ደም ኣቤል+ እቲ ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣብ ልዕሌኹም ኪበጽሕ እዩ።+ 36  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኺበጽሖ እዩ። 37  “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትልን ናብኣ ንእተላእኩ ብዳርባ እምኒ እትጭፍጭፍን፡+ ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕ ኰን እየ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣቢኹም።+ 38  እንሆ፡ ቤትኩም ክትጥንጠነልኩም* እያ።+ 39  እብለኩም ኣለኹ፡ ‘ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ከቶ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብሉጽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ3 ርአ።
ወይ፡ “ንሓደ እምነቱ ኸተለውጡ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “እተዘምተን።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
መርዛም ዓይነት ተመን።
ወይ፡ “ዓንያ ኽትተርፈልኩም።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።