ማቴዎስ 4:1-25

  • ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ (1-11)

  • የሱስ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ጀመረ (12-17)

  • ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ (18-22)

  • የሱስ ሰበኸ፡ መሃረ፡ ኣሕወየ (23-25)

4  ድሕርዚ፡ የሱስ ብድያብሎስ ኪፍተን፡+ ብመንፈስ ናብ በረኻ ተመርሐ።+  40 መዓልትን 40 ለይትን ምስ ጾመ፡ ጠመየ።  እቲ ፈታኒ+ መጺኡ ድማ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ።  ንሱ ግና፡ “‘ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ* ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።+  ሽዑ፡ ድያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡+ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ፡+  “‘ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ፡’ ድማ ‘እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡ ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጽደፍ” በሎ።+  የሱስ ከኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ” በሎ።+  ከም ብሓድሽ፡ ድያብሎስ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን ኣርኣዮ።+  “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ድማ በሎ። 10  ሽዑ፡ የሱስ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣምልኮ፡+ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’*+ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ፡ ሰይጣን!” በሎ። 11  ድሕርዚ፡ ድያብሎስ ሓደጎ፣+ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።+ 12  ብዛዕባ ማእሰርቲ ዮሃንስ ምስ ሰምዐ፡+ ናብ ገሊላ ኸደ።+ 13  ካብ ናዝሬት ምስ ሓለፈ ድማ፡ ኣብ ኣውራጃታት ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ቅፍርናሆም+ መጺኡ ተቐመጠ። 14  እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ፦ 15  “ኦ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ስግር ዮርዳኖስ፡ ናይ ኣህዛብ ገሊላ፡ 16  ኣብ ጸልማት ዚቕመጥ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ርእዩ፡ ኣብ ዞባ ጽላሎት ሞት ንዚቕመጡ እውን ብርሃን+ ወጺኡሎም።”+ 17  ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ የሱስ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።+ 18  ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ+ እተባህለ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡+ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣየ። 19  “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” ድማ በሎም።+ 20  ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ።+ 21  ካብኡ ምስ ሓለፈ እውን፡ ክልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፡+ ምስ ኣቦኦም ዘብዴዎስ ኣብ ጃልባ ዀይኖም፡ መርበቦም ኬዐርዩ ረኣየ እሞ፡ ጸውዖም።+ 22  ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ነታ ጃልባን ንኣቦኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ። 23  ድሕርዚ፡ ኣብ ምኵራባቶም+ እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየን ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ።+ 24  ወሪኡ ኸኣ ናብ ኵላ ሶርያ ተዘርግሐ፣ ንሳቶም ድማ ኵሎም ሕሙማት፡ እተፈላለየ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎምን+ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን+ ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎምን+ ልሙሳትን ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25  ካብ ገሊላን ደካጶሊስን* የሩሳሌምን ይሁዳን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ከኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርበሉ።”
ወይ፡ “ዞባ ዓሰርተ ኸተማ።”