ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

እቲ ብቐሊሉ ዘይጕዳእ ሓንጎል ምጹጹላይ ኣርክቲክ

እቲ ብቐሊሉ ዘይጕዳእ ሓንጎል ምጹጹላይ ኣርክቲክ

እቶም ዚንዉሙ (ወይ ንቘራሪ እዋን ብድቃስ ዜሕልፍዎ) እንስሳታት፡ ድቃስ ኪጅምሩ ኸለዉ፡ ሙቐት ሰብነቶም ይንኪ እዩ። ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚንኪ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ምጹጹላይ ኣርክቲክ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቦም ኣለዉ፣ ከመይሲ፡ ሙቐት ሰብነቶም ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 2.9 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ ሓንጎሎም ኪጕዳእ ኢና እንጽበ። ኰይኑ ግና፡ ምጹጹላይ ኣርክቲክ ንቘራሪ ወቕቲ ተጸሚሙ ዚሓልፎ ብኸመይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ምጹጹላይ ኣርክቲክ፡ ኣብቲ ዚንውመሉ እዋን፡ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙን ሓንሳእ ንሰብነቱ ኼንገፍግፎ ኸሎ፡ ሙቐት ሰብነቱ ኸምቲ ንቡር 36.7 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ይኸውን፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብ 12 ኽሳዕ 15 ሰዓት ከይቈረረ ይጸንሕ። ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ እቲ ምጹጹላይ ንሰብነቱ ንሓጺር እዋን ብምንግፍጋፍ ዚረኽቦ ሙቐት፡ ሓንጎሉ ንኸይጕዳእ ይሕግዞ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ምጹጹላይ ኣብ ዚንውመሉ እዋን፡ ካብ ካልእ ሰብነቱ ንላዕሊ፡ ርእሱ ብእተወሰነ መጠን ምዉቕ እዩ። ነዚ ብዚምልከት ኣብ ቤተ ምከራ ምርምር ምስ ተገብረ፡ ሙቐት ክሳድ እቲ ምጹጹላይ ካብ 0.7 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ንታሕቲ ኸም ዘይወርድ ተፈልጠ።

እቲ ምጹጹላይ፡ ዚንውመሉ እዋን ምስ ተዛዘመ፡ ሓንጎሉ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓት ናብ ንቡር ይምለስ። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ እሞ ኸኣ፡ ሓንጎል እቲ ምጹጹላይ፡ ድሕሪ ምንዋሙ ብዝሓሸ መገዲ እዩ ዚዓዪ። ምሁራት፡ በቲ ሓንጎል እቲ ምጹጹላይ ናብ ንቡር ዚምለሰሉ መገዲ ኣዝዮም እዮም ዚድነቑ። ምስቲ ብሓዊ ነዲዱ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ዚጥጥዕ ዱር እዮም ዜመሳስልዎ።

ተመራመርቲ፡ ኣብ ምጹጹላይ ኣርክቲክ ዚገብርዎ ምርምር፡ ንተኽእሎ ሓንጎል ሰብ ብዝያዳ ንኺርድእዎ ኺሕግዞም ተስፋ ይገብሩ። ሸቶኦም ድማ፡ ነቲ ብኸም ረሲዕነት ዝኣመሰለ ሕማም ኣብ ልዕሊ ዋህዮታት ሓንጎል ዚወርድ ጕድኣት ንምክልኻል ወይ እውን ናብ ቀደሙ ንምምላስ እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ብቐሊሉ ዘይጕዳእ ሓንጎል ምጹጹላይ ኣርክቲክ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧