ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ስዊዘርላንድ

ልዕሊ 60 ዓመት ዚዕድሚኡ ሰብ፡ ካብ ኣብ ካልእ መዓልቲ፡ ኣብታ እተወልደላ ዕለት ንኺመውት ዘለዎ ኣጋጣሚ ብ14 ሚእታዊት ዝዛየደ ኸም ዝዀነ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ እተገብረ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ሰባት ካብ ኣብ ካልእ እዋን ንላዕሊ፡ ኣብ መዓልቲ ልደቶም ንሓደገኛ ድኻም ልቢ ንኺቃልዑ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብ18 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንወቕዒ ኺቃልዓ ዘለወን ኣጋጣሚ ብ21 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ፣ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ መዓልቲ ልደቶም ርእሶም ንኪቐትሉ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብ35 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከም ዚግምትዎ፡ ርእሰ ቕትለትን ሓደጋታትን ዜጋጥም፡ ብሰንኪ ውጥረትን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን እዩ። ገሊኦም ምሁራት ግና፡ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ይቃወምዎ እዮም፣ ናይ ብዙሓት ሰባት መዓልቲ ልደቶምን መዓልቲ ሞቶምን ኪመሳሰል ዝኸኣለ፡ እቲ ዕለት ኪምዝገብ ከሎ ብዚግበር ጌጋ ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ።

እስራኤል

ምልኩዓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ንብቕዓቶም ዚገልጽ ወረቐት ስእሎም ኣተሓሒዞም ምስ ዚልእኩ፡ ንቓለ መጠይቕ ንኺጽዉዑ ዘለዎም ኣጋጣሚ ሰፊሕ እዩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ግና ጸቢብ ዕድል እዩ ዘለወን። ስለምንታይ፧ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ እንመን ቃለ መጠይቕ ኪግበረሎም ከም ዘለዎ ዚውስን ክፍሊ ትካላት፡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝመልአ ስለ ዝዀነ እዩ። መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ከም ዝሓበረቶ፡ እዚ “ንኽትቅበሎ ዜጸግም” እኳ እንተ ዀነ፡ “እተን ደቂ ኣንስትዮ በተን ምልኩዓት ሕጹያት ስራሕ ስለ ዚቐንኣ፡ ኣድልዎ ይገብራ እየን።”

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰለስተ ተቓወምቲ ውግእ ዝዀኑ ውልቀ ሰባት፡ ማለት ሓንቲ ጓል 82 ዓመት ናይ ካቶሊክ ድንግልን ክልተ ደቂ 63ን 57ን ዝዀኑ ሰብኡትን፡ ናብቲ ኣብ ኦክ ሪጅ፡ ተነሲ ዚርከብ 100 ቶን ዚኸውን ኑክልየሳዊ ናውቲ ዚቕመጠሉ ቦታ ሰይሮም ብምእታው፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ህንጻታት፡ ንውግእ ዚጻረር ጭርሖታት ጸሓፉ። እዚ ኣብቲ “ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ህንጻታት ብድሕንነቱ ቐዳማይ ደረጃ ኺሕዝ ዝነበሮ ቦታ” ዘጋጠመ ናይ ጸጥታ ሸለልትነት፡ “ኣመና ዜሻቕል” ምዃኑ፡ ጸሓፊ ጸዓት ስቲቨን ቹ ገሊጹ።

ኣውስትራልያ

ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ሽጋራ ንዚሸጣ ትካላት፡ ነቲ ኣብ ፓኮ ሽጋራ ዚግበር ፍሉይ ሕብርታትን ምስልታትን ኬወግዳኦ ኣዚዝወን ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ፡ ኵሉ ሽጋራታት፡ ሓደጋታት ምትካኽ ሽጋራ ዜርኢ ስእልታት ብእተሳእሎ ዘይስሕብ ቡናዊ ሕብሪ ጥራይ ዘለዎ ፓኮታት ኪሽየጥ ኣለዎ።