ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖ እያ

መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖ እያ

እቶም ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት እዮም። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ስለዚ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንገሊኡ ሲቪላዊ ናዕብታት ከም ኣብነት ገይራ ትጠቕሶ እኳ እንተ ዀነት፡ ንዝዀነት ትኹን ሃገር ኣይትድግፍን ወይ ከኣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዳ ኣይተእቱን እያ።

ብ17 ታሕሳስ 2010፡ መሓመድ ቡኣዚዚ ትዕግስቱ ተጸንቀቐ። እዚ ኣብ ቱኒዝያ ዚነብር ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ጐደና ዀይኑ እዩ ዚሽቅጥ ነይሩ፣ ዝሓሸ ስራሕ ኪረክብ ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ ተስፋ ቘሪጹ እዩ ነይሩ። ጉቦ ዚደልዩ ብልሹዋት ሰበ ስልጣን ከም ዘለዉ እውን ይፈልጥ ነበረ። ብ17 ታሕሳስ ንግሆ፡ ተቘጻጸርቲ ናብ መሓመድ ብምምጻእ፡ ነቲ ዚሸጦ ዝነበረ ባናናን ቱፋሕን ካልእ ፍረታትን ገበትዎ። ንሚዛኑ ኺወስድዎ ምስ ፈተኑ፡ ኣበዮም፣ ገሊኦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጽዎ ድማ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ንመሓመድ ጸፍዓቶ።

መሓመድ በቲ ዘጋጠሞ ውርደት ኣመና ስለ ዝሓረቐ፡ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ከይዱ ጥርዓኑ ኣቕረበ፣ ሰማዒት እዝኒ ግና ኪረክብ ኣይከኣለን። ገሊኦም ሰባት ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ህንጻ ዀይኑ ብዓውታ፡ “ብኸመይ ክናበር ኢኹም እሞ ደሊኹም፧” በለ። ሽዑ፡ ኣብ ሰብነቱ ቤንዚን ብምፍሳስ፡ ክርቢት ወልዐ። ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ከኣ ሞተ።

መሓመድ ቡኣዚዚ ዝወሰዶ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስጕምቲ፡ ኣብ ቱኒዝያን ኣብ ካልእ ቦታታትን ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ከም ዝገለጽዎ፡ ተግባር መሓመድ ቡኣዚዚ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት መንግስቲ ቱኒዝያ ዕልወት ከም ዚካየድን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ ተቓውሞ ኸም ዚለዓልን ገይሩ እዩ። ባይቶ ኤውሮጳ ንመሓመድ ቡኣዚዚን ንኻልኦት ኣርባዕተ ሰባትን፡ ነቶም ንናይ ሓሳብ ናጽነት ዚቃለሱ ሰባት ዚውሃብ ናይ 2011 ሽልማት ሳካሮቭ ሂብዎም እዩ፣ እታ ኣብ ለንደን እትሕተም መጽሔት ዘ ታይምስ ከኣ፡ ንመሓመድ ቡኣዚዚ፡ “ናይ 2011 ህቡብ ሰብ” ኢላ ጸውዓቶ።

እዚ ኣብነት እዚ፡ ተቓውሞ ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚኽእል እዩ ዚሕብር። ኰይኑ ግና፡ ጠንቂ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዚርአ ዘሎ ተቓውሞታት እንታይ እዩ፧ ዝሓሸ መገዲኸ ይህሉዶ ይኸውን፧

ተቓውሞ እናበዝሐ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ጠንቂ መብዛሕትኡ ተቓውሞታት እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  • ብማሕበራዊ ስርዓታት ዘይምዕጋብ። መንግስትን ቍጠባዊ ስርዓትን ነቲ ሰባት ዜድልዮም ነገራት ዜማልእ እንተ ዀይኑ፡ ሰባት ንተቓውሞ ኣይለዓዓሉን እዮም፣ በቲ ዘሎ ስርዓት ዓጊቦም ንጸገማቶም ኪፈትሕዎ እዮም ዚደልዩ። እቲ ስርዓት ብልሹውን ዘይፍትሓውን ንጥቕሚ ሒደት ሰባት ጥራይ ዜኽብርን እንተ ዀይኑ ግና፡ ማሕበራዊ ተቓውሞታት ከም ዚለዓል እዩ ዚገብር።

  • ተቓውሞ ዜለዓዕል ፍጻመታት። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰባት ብሓደ ፍጻመ ተደሪኾም፡ ነቲ ለውጢ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ብምሕሳብ ሓዲጎምዎ ዝነበሩ ነገራት እንደገና ኸም ዚለዓዓል ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ጕዳይ መሓመድ ቡኣዚዚ፡ ኣብ ቱኒዝያ መጠነ ሰፊሕ ተቓውሞታት ከም ዚለዓዓል ገይሩ እዩ። ኣብ ህንዲ ዚነብር ኣና ሃዛሪ ዚስሙ ተቓዋሚ፡ ንብልሽውና ብምቅዋም ዝገበሮ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ፡ ኣብ 450 ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ዝነበሩ ደገፍቱ ተቓውሞ ኸም ዜለዓዕሉ ገይርዎም እዩ።

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ እዋን ይገብር ዝገለጾ፡ እዚ ዘለናሉ እዋን፡ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ” እዩ። (መክብብ 8:9) ብልሽውናን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ድማ፡ ካብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ስርዓታት ከም ዝፈሸለ ይርእዩ ኣለዉ። ዘመናውያን ተሌፎናትን ኢንተርነትን 24 ሰዓት ብተሌቪዥን ዚርአ ዜናን፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብስፍሓት ከም ዚላባዕ ይገብር እዩ።

ተቓውሞታት እንታይ ዓሚሙ፧

ደገፍቲ ማሕበራዊ ናዕቢ፡ ተቓውሞታት እዚ ዚስዕብ ነገራት ከም ዝዓመመ እዮም ዚገልጹ፦

  • ድኻታት ርህይዎም። ብ1930ታት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ቝጠባዊ ቕልውላው ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ኣብ ቺጋጎ፡ ኢሊኖይስ፡ ሕ.መ.ኣ. ምስ ክራይ ገዛ ዚተሓሓዝ ናዕቢ ተላዒሉ ነበረ፣ ሽዑ ሰበ ስልጣን እታ ኸተማ፡ ካብ ገዛ ምስጓጕ ከም ዜቋርጽ ገበሩ፣ ነቶም ናዕበኛታት ከኣ ስራሕ ረኸቡሎም። ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ተመሳሳሊ ናዕቢ፡ 77,000 ዚዀና ኻብ ቤት እተሰጕጓ ስድራ ቤታት ናብ ቤተን ከም ዚምለሳ ገይሩ እዩ።

  • ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣቓልቦ ተገይሩሉ። ብ1955/1956 ኣብ ሞንትጎመሪ፡ ኣላባማ፡ ሕ.መ.ኣ. ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ብዘይምጥቃም እተገብረ ኣድማ፡ እቲ ምስ ናይ ኣውቶቡሳት ኮፍ መበሊ ተተሓሒዙ ዝወጸ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ዚንጸባረቖ ሕጊ ኸም ዜቋርጽ ገይሩ እዩ።

  • ፕሮጀክትታት ህንጸት ኣቋሪጹ። ኣብ ታሕሳስ 2011 እቲ ኣብ ከባቢ ሆንግ ኮንግ ብኸሰል ዚሰርሕ ትካል ጸዓት ንምስራሕ እተገብረ ፕሮጀክት ህንጸት፡ ብከላ ኣየር ከም ዜስዕብ ብምግላጽ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ምስ ተቓወምዎ፡ እቲ ህንጸት ከም ዚቋረጽ ተገብረ።

ሓቂ እዩ፡ ተቓወምቲ ወትሩ ዚደልይዎ ይፍጸመሎም እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ገሊኦም መራሕቲ፡ ኣብ ክንዲ ንሕቶ እቶም ተቓወምቲ ዚቕበልዎ፡ ነቲ ተቓውሞ ኺጭፍልቕዎ ይመርጹ ይዀኑ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ እተገብረ ተቓውሞ ብዚምልከት ኪዛረብ ከሎ፡ “ኪደሃኽ ኣለዎ” በለ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ሞቱ።

ተቓወምቲ ነቲ ዚደልይዎ ነገራት እኳ እንተ ዓመሙ፡ ድሕሪኡ ግና ሓድሽ ጸገማት ምምጽኡ ኣይተርፍን እዩ። ንመራሒ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ምውጋድ እተኻፈለ ሓደ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ንመጽሔት ታይም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ብሩህ መጻኢ እኳ እንተ ተጸበና፡ ነዊሕ ከይጸናሕና ናብ ሕንፍሽፍሽ ኢና ኣቲና” በለ።

ዝሓሸ መገዲ ኣሎዶ፧

ብዙሓት ህቡባት ሰባት፡ ንጨቋኒ ስርዓት ምቅዋም፡ ስነ ምግባራዊ ግዴታ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንኣብነት፡ እቲ ቐደም ፕረዚደንት ቸክ ሪፓብሊክ ዝነበረን ንሰብኣዊ መሰል ንምቅላስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓያሎ ዓመታት ዘሕለፈን ቫትስላፍ ሃቨል፡ ብ1985፡ “[እቲ ዚቃወም ሰብ፡] ህይወቱ ኻብ ምሃብ ሓሊፉ ኺገብሮ ዚኽእል የልቦን፣ ከምኡ ዚገብረሉ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ ንሱ ዚኣምነሉ ሓቂ ኼርእየሉ ዚኽእል ካልእ መገዲ ስለ ዘየለ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ሃቨል እተዛረበን ቃላት፡ መሓመድ ቡኣዚዚን ካልኦት ሰባትን ብተስፋ ምቝራጽ ስጕምቲ ዝወሰዱ ስለምንታይ ምዃኑ እየን ዚሕብራ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓንቲ እስያዊት ሃገር፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘጋጠሞም ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ጭቈና ብምቅዋም ንገዛእ ርእሶም ኣንዲዶም እዮም። ሓደ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ እቶም ሰባት ዝወሰድዎ ሕማቕ ስጕምቲ ኣብ መጽሔት ኒውስዊክ ኪገልጽ ከሎ፡ “ጠበናጁ የብልናን። ንኻልኦት ሰባት ከኣ ክንጐድኦም ኣይንደልን ኢና። ሰባት እሞ ኻብኡ ሓሊፎም እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ፧” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ብልሽውናን ጭቈናን መፍትሒ ኸም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እታ ነቲ ተቓውሞ ዜለዓዕል ዘሎ ፍሹል ፖለቲካውን ቍጠባውን ስርዓታት እትትክእ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ መራሒ እዛ መንግስቲ እዚኣ እተነግረ ትንቢት፡ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ . . . እዩ” ይብል።—መዝሙር 72:12, 14

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰላም ዝሰፈና ዓለም ከተምጽእ እትኽእል እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና እዮም ዚኣምኑ። (ማቴዎስ 6:9, 10) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ኣብ ተቓውሞታት ዘይካፈሉ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንጠንቂ ተቓውሞ ኸተጥፍኦ ኸም ትኽእል ዚገልጽ ሓሳብ ዘይመስል ድዩ፧ ከምኡ ኺመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ብኣገዛዝኣ ኣምላኽ ይተኣማመኑ እዮም። ንስኻኸ ንምንታይ ነዚ ዘይትምርምሮ፧