ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ፡ ምጕዳል ፍትሒ ነበረ

ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ፡ ምጕዳል ፍትሒ ነበረ

ብ1965 ካብ ሓንቲ ኣብ ሰሜን ኣይርላንድ ዝነበረት ድኻ ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ኣብ ካውንቲ ደሪ ዚብሃል ቦታ እየ ዓብየ፣ ቈልዓ ኸለኹ፡ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ዝጸንሐ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዝነበረ “ዕግርግር” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ጀሚሩ ነበረ። እቶም ውሑዳን ዝነበሩ ካቶሊክ በቶም ብዙሓን ዝነበሩ ፕሮተስታንት ኣድልዎ ዚግበሮም ኰይኑ ይስምዖም ነበረ፣ ንፕሮተስታንት ድማ፡ ምስ ምርጫን ምስ ምውጻእ ፖሊሲን ምስ ስራሕን ምስ መንበሪ ኣባይትን ብዚተሓሓዝ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዚገብሩ ይኸስስዎም ነበሩ።

ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ፡ ምጕዳል ፍትሕን ዘይማዕርነትን ነበረ። ብዙሕ ሳዕ ተቐጥቂጠ እየ፣ ብተደጋጋሚ ድማ፡ ሰባት ካብ ማኪና ስሒቦም ኣውጺኦም ሽጉጥ ኣዐሚሮምለይ እዮም፣ ብፖሊስ ወይ ብወተሃደራት እውን ተመርሚረን ጽኑዕ ክትትል ተገይሩለይን እዩ። ኣደዳ ስቓይ ኰይነ እየ፣ ‘ወይ ንዅነታተይ ተቐቢለዮ ኽነብር፡ ወይ ከኣ ክቃለስ ኣሎኒ’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ።

ነቶም ብወተሃደራት ብሪጣንያ እተቐትሉ 14 ሰባት ንምዝካር ተባሂሉ ብ1972 ኣብ እተኻየደ “ብላዲ ሳንደይ” (ደማዊት ሰንበት) ዚብሃል ኣብ ጐደናታት እተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፊለ እየ፣ ነቶም ንተቓውሞ ኢሎም ብ1981 ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ገይሮም ዝሞቱ እሱራት ሪፓብሊክ ንምዝካር ኣብ እተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ተኻፊለ እየ። ብእተኻእለኒ መጠን፡ ኣብ ፈቐዶኡ ባንዴራ ኣይርላንድ እሰቅልን ኣንጻር ብሪጣንያ ዝዀነ ጭርሖታት እጽሕፍን ነበርኩ። ንሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ ተቓውሞ ኸም ዚለዓል ዚገብር ግፍዒ ወይ ቅትለት ከየጋጠሞም ኣይውዕልን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ እቲ ብሰላማዊ መገዲ ዚጅምር ሰልፊ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ናዕቢ ይቕየር ነበረ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኸለኹ፡ ኣብቲ መንእሰያት ዚገብርዎ ንኣከባቢ ዚምልከት ተቓውሞ ተኻፈልኩ። ጸኒሐ ናብ ለንደን ገዓዝኩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብቲ ንላዕለዋይ ደርቢ ዚጠቅምን ንድኻታት ዚጐድእን ፖሊሲታት መንግስቲ ብምቅዋም እተገብረ ማሕበርነታዊ (ወይ ሶሻሊስት) ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፈልኩ። ኣብቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣንጻር ምንካይ ደሞዝ ዝገበርዎ ኣድማን ኣብቲ ብ1990 ኣንጻር ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግብሪ እተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን ተኻፊለ እየ፣ ብሰንኪ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ድማ፡ እቲ ትራፋልጋር ስኴር ዚብሃል ኣደባባይ ኣዝዩ ተጐድአ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታኡ ተስፋ ቘረጽኩ። እቶም ተቓወምቲ ዘበልና፡ ሸቶታትና ኣይኰንናን እንወቅዕ ኔርና፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ዝገደደ ናይ ጽልኢ ሓዊ ኢና እንኣጕድ ኔርና።

ደቂ ሰብ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ፍትሕን ማዕርነትን ኬስፍኑ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ከምኡ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓደ ዓርከይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፋለጠኒ። ንሳቶም ድማ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና መከራ ኸም ዚግደስን ነቲ ብሰንኪ ደቂ ሰብ ዝወረደ ጕድኣት ከም ዜጥፍኦን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መሃሩኒ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:3, 4) ደቂ ሰብ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ፍትሕን ማዕርነትን ኬስፍኑ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ከምኡ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ነቶም ጠንቂ ጸገማት ዓለም ዝዀኑ ዘይርኣዩ ሓይልታት ንምቅዋም፡ መምርሒ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓይሉ እውን የድልየና እዩ።—ኤርምያስ 10:23፣ ኤፌሶን 6:12

ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ኣንጻር ዘይፍትሓዊ ተግባር ዝገብሮ ዝነበርኩ ተቓውሞ፡ ኣብ ቀዳድ ፊስቶ፡ ማይ ከም ምምላእ ምንባሩ ተገንዚበ እየ። ኣብዛ ዓለምና ዘይፍትሓዊ ነገራት ፈጺሙ ዘይህልወሉን ኵሎም ደቂ ሰብ ማዕረ ዚዀኑሉን እዋን ከም ዚመጽእ ምፍላጠይ ኣጸናኒዑኒ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ፍትሒ ወይ ‘ፍርዲ ኸም ዚፈቱ’ እዩ ዚምህር። (መዝሙር 37:28) እዚ ሓሳብ እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪገብራኦ ብዘይክእላ መገዲ ፍትሒ ኸም ዜስፍን እዩ ዜረጋግጸልና። (ዳንኤል 2:44) ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ፣ ወይ ከኣ ነቲ www.pr418.com ዚብል ወብ ሳይትና ርኣዮ።