ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኣዘርባጃን እተገብረ ምብጻሕ

ናብ ኣዘርባጃን እተገብረ ምብጻሕ

ኣዘርባጃን ካብተን ኣብ ደቡባዊ ኮከሰስ ዚርከባ ሰለስተ ሃገራት (ማለት ካብ ሩስያን ጆርጅያን ኣርመንያን)፡ እታ ዝዓበየት እያ። ሓደ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ዓሌት ቱርኪክ ብብዝሒ ኣብዚ ቦታ እዚ ኺሰፍሩ ጀመሩ። እዞም ሰፈርቲ እዚኦም፡ ንገሊኡ ባህልታት እቲ ኸባቢ ተቐበልዎ፣ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተቐማጦ እውን ንገሊኡ ባህልታት እቶም ሰፈርቲ ተቐበልዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣዘርባጃንኛ ምስ ቱርክኛን ቱርክመንን ዚዛመድ።

ደቂ ኣዘርባጃን ፍሽሑዋትን ተቐረብትን እዮም። ስድራ ቤታት ድልዱል ርክብ እዩ ዘለወን፣ ኣዝማድ ድማ ኣብ እዋን ጸገም ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ እዮም።

ደቂ ኣዘርባጃን ሙዚቃን ግጥምን ይፈትዉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብቲ ሙጋም ዚብሃል ሙዚቃ፡ ሓደ ደራፊ ብባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ገይሩ፡ ናይ ቀደም ግጥምታት ኣዘርባጃን እናገጠመ ይደርፍ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ደራፊ ብዛዕባ ባህላዊ ሙዚቃ ሙጋም እኹል ፍልጠትን ክእለትን ኪህልዎ ኣለዎ።

ሻሂ ኣገዳሲ ኽፋል ባህሊ ኣዘርባጃን እዩ። ብሽኮር ተሰንዩ ድማ ብንእሽቶ ቢኬሪ ይቐርብ፣ ምስኡ እውን ለውዝን ዘቢብን ዓይነት ካዕካዕን ይቐርብ እዩ። ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታት እውን፡ ኣብያተ ሻሂ ኣለዋ።

ኣብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ኣዘርባጃን ዚርከብ ባሕሪ ካስፒያን፡ ስተርጅዮን ዚብሃል ክቡር ዓሳ ኣሎ። እቲ በሉጋ ዚብሃል ዓይነት ስተርጅዮን፡ ልዕሊ 100 ዓመት ኪነብር ይኽእል እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተታሕዙ በሉጋ ስተርጅዮን እቲ ዝዓበየ፡ ቍመቱ 8.5 ሜተር ኰይኑ፡ ክብደቱ ኸኣ 1,297 ኪሎ ግራም እዩ። ስተርጅዮን ከም ክቡራት ዓሳ ጌርካ ዚርኣዩ፡ ብእንቋቝሖኦም ካቪያር ዚብሃል ህቡብን ክቡርን ጸሊም ምግቢ ስለ ዚስራሕ እዩ።

ደቂ ኣዘርባጃን ሃይማኖተኛታት እዮም፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝርራብ ከኣ ባህ የብሎም እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ተቐማጦ፡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ኣለዋ፣ ኣብ ኣዘርባጃን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ደቀባት ኣዘርባጃን እዮም።

ትፈልጥዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ተጠቒሞም፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ እዮም። እታ መጽሓፍ ብልዕሊ 250 ቋንቋታት፡ እንተላይ ብኣዘርባጃንኛ ትርከብ።