ማርቆስ 12:1-44

  • ምሳሌ እቶም ቀተልቲ ዝዀኑ ሓረስቶት (1-12)

  • ኣምላኽን ቄሳርን (13-17)

  • ብዛዕባ ትንሳኤ ዝቐረበ ሕቶ (18-27)

  • ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት (28-34)

  • ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ድዩ፧ (35-37ሀ)

  • ካብ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ (37ለ-40)

  • ድኻ መበለት ዘውደቐተን ክልተ ሰናቲም (41-44)

12  ብምሳሌታት ድማ ኪዛረቦም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡+ ብሓጹር ሓጸሮ፡ ካብቲ መጽመቝ ወይኒ ዚቕበል መዋህለል ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+  ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ሓረስቶት ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ ኢሉ፡ ናባታቶም ባርያ ለኣኸ።  ንሳቶም ግና ሒዞም ወቕዕዎ፡ ጥራይ ኢዱ ድማ ሰደድዎ።  ከም ብሓድሽ፡ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ፣ ንዕኡ እውን ርእሱ ፈግእዎን ኣሕሰርዎን።+  ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንዕኡ እውን ቀተልዎ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፡ ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም።  ገና ሓደ ፍቑር ወዲ ነበሮ።+ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ንወደይሲ ኺሓፍርዎ እዮም’ ኢሉ ናባታቶም ለኣኾ።  እቶም ሓረስቶት ግና ንሓድሕዶም፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ።+ ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ናትና ኪኸውን እዩ’ ተባሃሃሉ።  ሒዞም ድማ ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኸኣ ደርበይዎ።+  እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ኪቐትሎም፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ንኻልኦት ኪህቦ እዩ።+ 10  ከምዚ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፦ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ 11  እዚ ኻብ የሆዋ* እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ።’”+ 12  እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚሕዝዎ መገዲ ደለዩ፣ ነቲ ህዝቢ ግና ፈርሁ። ሓዲጎምዎ ድማ ከዱ።+ 13  ድሕርዚ፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ገለ ኻብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ለኣኹሉ።+ 14  መጺኦም ድማ፡ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካ፡ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርኢኻ ስለ ዘይተዳሉ ድማ ከም ዘይዓጅበካ፡ የግዳስ መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ* ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧ 15  ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል፧” በልዎ። ንሱ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ “ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧ ክርእዮስ ዲናር* ኣምጽኡለይ” በሎም። 16  ኣምጽኡሉ ኸኣ። ንሱ ድማ፡ “እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። 17  ሽዑ የሱስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡+ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም።+ ብእኡ ድማ ገረሞም። 18  እቶም ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን+ ከኣ ናብኡ መጺኦም ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ፦+ 19  “መምህር፡ ሓደ ሰብ ሰበይቲ ሓዲጉ፡ ውሉድ ግና ከይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ኺወርሳ እሞ፡ ካብኣ ንሓዉ ዘርኢ ኼተንስኣሉ ኸም ዘለዎ ሙሴ ጽሒፉልና።+ 20  ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ኪመውት ከሎ ግና ዘርኢ ኣይሓደገን። 21  እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ዘርኢ ኸይሓደገ ግና ሞተ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ከምኡ። 22  ሸውዓቲኦም ድማ ዘርኢ ኣይሓደጉን። ድሕሪ ዅላቶም፡ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23  ንሸውዓቲኦም ሰበይቲ ዀይናቶም ነይራ እያ እሞ፡ ብትንሳኤ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 24  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰነን እትጋገዩ ዘለኹም፧+ 25  ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ፡ ኣብ ሰማያት ከም ዘለዉ መላእኽቲ ደኣ እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣይምርዓዉ ኣየመርዕዉ።+ 26  ብዛዕባ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኸም ዝበሎዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧+ 27  ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን። ብዙሕ ተጋጊኹም።”+ 28  ሓደ ኻብቶም ዝመጹ ጸሓፍቲ ኺከራኸሩ ሰሚዑ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከኣ ፈሊጡ፡ “ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ኻብ ኵለን ቀዳመይቲ፧”* ኢሉ ሓተቶ።+ 29  የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ የሆዋ* ኣምላኽና ሓደ የሆዋ* እዩ፣ 30  ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’+ 31  እታ ኻልአይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’+ ካብዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የላን።” 32  እቲ ጸሓፊ ኸኣ፡ “መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ‘ንሱ ሓደ እዩ፡ ብዘይካኡ ድማ ካልእ የልቦን’፣+ 33  ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ከተፍቅሮ፡ ንብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ይበልጽ” በሎ።+ 34  የሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ርእዩ፡ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” በሎ። ደጊሙ ኺሓትቶ ዝደፈረ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 35  የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ ድማ፡ ከምዚ በለ፦ “ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዚብሉ፧+ 36  ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፡+ ‘የሆዋ* ንጐይታይ፡ “ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ’ ኢሉ እዩ።+ 37  ዳዊት ባዕሉ፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧”+ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ባህ ኢልዎ ይሰምዖ ነበረ። 38  ኣብ ትምህርቱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ካብቶም ወለል ዚብል ክዳን ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ ኺውሃቦም ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ፣+ 39  ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት* መናብር፡ ኣብ ድራር ከኣ ምርኡይ ቦታ ይደልዩ እዮም።+ 40  ንሳቶም ኣባይቲ* መበለታት ይውሕጡ፡ ምእንቲ ኺርኣዩ* ድማ ጸሎት የንውሑ እዮም። እዚኣቶም ዝገደደ* ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።” 41  ኣብ መንጽር እቲ መመጽወቲ ተቐሚጡ፡+ እቶም ህዝቢ ኣብቲ መመጽወቲ ኸመይ ገይሮም ገንዘብ የውድቑ ኸም ዝነበሩ ረኣየ፣ ብዙሓት ሃብታማት ከኣ ብዙሕ ሰልዲ የውድቑ ነበሩ።+ 42  ሓንቲ ድኻ መበለት እውን መጸት እሞ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም* ኣውደቐት።+ 43  ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵሎም እዞም ኣብቲ መመጽወቲ እቲ ገንዘብ ዜውድቑ ዘለዉ ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ።+ 44  ኵላቶምሲ ኻብ ተረፎም እዮም ኣውዲቖም፡ ንሳ ግና ካብ ስእነታ፡* ዘለዋ ዘበለ ዅሉ መነባብሮኣ እያ ኣውዲቓ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣካርዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ መኣዝን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ቅኑዕ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣውራ፣ ኣዝያ ኣገዳሲት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብሉጽ።”
ወይ፡ “ንብረት።”
ወይ፡ “ኼምስሉ።”
ወይ፡ “ዝኸበደ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክልተ ለብጣ፡ ማለት ሓደ ቆድራንቴን።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ድኽነታ።”