ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48

  • ቆርኔሌዎስ ዝረኣዮ ራእይ (1-8)

  • ጴጥሮስ ብዛዕባ ዝነጽሁ እንስሳታት ዝረኣዮ ራእይ (9-16)

  • ጴጥሮስ ናብ ቆርኔሌዎስ ከደ (17-33)

  • ጴጥሮስ ንኣህዛብ ኣበሰሮም (34-43)

    • ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን’ (34, 35)

  • ኣህዛብ መንፈስ ቅዱስ ተዋህቦምን ተጠምቁን (44-48)

10  ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ኣብቲ ኢጣልያዊ ኣሃዱ* ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።  ንሱ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ፡ ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኵሉ ሳዕ ከኣ ናብ ኣምላኽ ዚምህለል ነበረ።  ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት+ ናይ መዓልቲ* ኣቢሉ ድማ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ መጺኡ፡ “ቆርኔሌዎስ!” ኪብሎ ኸሎ፡ ብግህዶ ራእይ ረኣየ።  ንሱ ኸኣ ፈሪሁ ጠመቶ እሞ፡ “እንታይ እዩ ጐይታይ፧” በለ። ንሱ ድማ፡ “ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ።+  ሕጂ ኸኣ ናብ ዮጴ* ሰባት ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ።  ንሱ ምስቲ ቤቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።  እቲ እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ከደ፡ ብኡብኡ ኽልተ ኻብቶም ገላዉኡን ካብቶም ዜገልግልዎ ድማ ሓደ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ ወተሃደርን ጸዊዑ፡  ኵሉ እቲ ዝዀነ ኣዘንትዩ፡ ናብ ዮጴ ለኣኾም።  ንጽብሒቱ፡ ንሳቶም ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ድማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢሉ፡ ኪጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10  ሽዑ፡ ኣዝዩ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ። ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ፣+ 11  ሰማይ ተኸፊቱ ድማ፡ ከም ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዝኣመሰለ ነገር* ብኣርባዕተ መኣዝኑ ተታሒዙ ናብ ምድሪ ኺወርድ ከሎ ረኣየ፣ 12  ኣብኡ ኸኣ ኵሎም ዓይነት ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታትን ለመምቲ ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ። 13  ሽዑ፡ “ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!” ዚብል ድምጺ መጾ። 14  ጴጥሮስ ግና፡ “ጐይታይ፡ ርኹስን ዘይንጹህን ዘበለ ኸቶ በሊዐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ” በለ።+ 15  ከም ብሓድሽ ድማ፡ ካልኣይ ሳዕ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” ዚብል ድምጺ መጾ። 16  እዚ ሳልሳይ ሳዕ ኰነ፣ ብኡብኡ ኸኣ ናብ ሰማይ ተወስደ።* 17  ጴጥሮስ፡ እቲ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ደንጽይዎ ኸሎ፡ ሽዑሽዑ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን ኣበይ ምዃና ሓቲቶም፡ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።+ 18  ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ እንተሎ ሓተቱ። 19  ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡+ “እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኡት ይደልዩኻ ኣለዉ። 20  ኣነ ስለ ዝለኣኽክዎም፡ ተንስእ እሞ ወሪድካ ኸይተጠራጠርካ ምሳታቶም ኪድ” በሎ። 21  ሽዑ፡ ጴጥሮስ ናብቶም ሰብኡት ወሪዱ፡ “እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ኣነ እየ። ናብዚ ዘምጽኣኩም ምኽንያት እንታይ እዩ፧” በሎም። 22  ንሳቶም ከኣ፡ “ነቲ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ብጽቡቕ እተመስከረሉን ቆርኔሌዎስ+ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ልኢኹ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካን ንስኻ እትብሎ ኺሰምዕን፡ ብቕዱስ መልኣኽ መለኮታዊ መምርሒ ተዋሂብዎ ኣሎ” በሉ። 23  ስለዚ፡ ኣእትዩ ኸም ኣጋይሹ ተቐበሎም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፣ ካብ ዮጴ ኸኣ ገለ ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ። 24  ንጽብሒቱ፡ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25  ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፡ ኣብ ኣእጋሩ ፍግም ኢሉ እውን ሰገደሉ። 26  ጴጥሮስ ግና፡ “ተንስእ፣ ኣነ እውን ከማኻ ሰብ እየ” ኢሉ ኣተንስኦ።+ 27  ምስኡ እናተዛራረበ ኣትዩ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ረኸበ። 28  ንሱ ኸኣ፡ “ኣይሁዳዊ ምስ ካልእ ዝዓሌቱ ኺሕወስ ወይ ኪቐርብ ከም ዘይተፈቕደ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ እዩ።+ 29  ስለዚ፡ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ሰገጥ ከይበልኩ እየ መጺአ። እምበኣር፡ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሓትተኩም ኣለኹ” በሎም። 30  ቆርኔሌዎስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ከምዛ ሰዓት እዚኣ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ቤተይ ኰይነ ኽጽሊ ኸለኹ፡ ሽዑሽዑ፡ ብሩህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ፡ 31  ‘ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ። 32  እምበኣር፡ ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸውዓዮ። ንሱ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ቤት ስምኦን እቲ ኣልፋዓይ፡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ ኣሎ’ ኢሉኒ።+ 33  ስለዚ፡ ብኡብኡ ናባኻ ልኢኸ፣ ንስኻ ናብዚ ብምምጻእካ እውን ጽቡቕ ጌርካ። ሕጂ ኸኣ ኵሉ እቲ ኻብ የሆዋ* እተኣዘዝካዮ ኽንሰምዕሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነና።” 34  ሽዑ፡ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ ኸምዚ በለ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣+ 35  የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።+ 36  ንሱ በቲ ጐይታ ዅሉ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ፡+ ሰላም ኬበስሮም ናብ ደቂ እስራኤል ቃል ልኢኹ እዩ።+ 37  ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፡ ካብ ገሊላ+ ጀሚሩ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እተባህለ ነገር፡ 38  ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ንዕኡ ብመንፈስ ቅዱስን+ ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ+ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ+ ትፈልጡ ኢኹም። 39  ንሕና ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ፡ መሰኻኽር ኢና፣ ንዕኡ እውን ኣብ ጕንዲ* ሰቒሎም ቀቲሎምዎ። 40  ኣምላኽ ንዕኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንሲእዎ፣+ ኪገሃድ* ድማ ፈቒዱሉ፣ 41  ግናኸ፡ ንዓና ነቶም ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናን፡ ኣምላኽ እውን ኣቐዲሙ ዝሓረየና መሰኻኽር እምበር፡ ንዅሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን።+ 42  ንሱ ፈራድ ህያዋንን ምዉታትን ኪኸውን ኣምላኽ ከም ዝወሰነ ኸኣ፡+ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ኣጸቢቕና ኽንምስክርን ኣዚዙና።+ 43  ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኺረክብ፡+ ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ እዮም።”+ 44  ጴጥሮስ ገና እዚ ቓል እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።+ 45  እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ እተገዝሩ ኣመንቲ፡* ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ እውን ስለ ዝፈሰሰ፡ ኣስተንከሩ። 46  ከመይሲ፡ ብቛንቋታት* ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬዕብይዎን ሰምዕዎም።+ ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ 47  “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧”+ ኢሉ መለሰ። 48  ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ።+ ድሕርዚ፡ ቍሩብ መዓልትታት ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጭፍራ፡” 600 ወተሃደራት ዘለዎ ኣሃዱ ሰራዊት ሮሜ።
ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።
ወይ፡ “ያፎ።”
ማለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 12:00 ኣቢሉ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣቕሓ።”
ቃ.ቃ.፡ “እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ።”
ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኦም።”
ወይ፡ “ኪርአ።”
ወይ፡ “እሙናት።”
ቃ.ቃ.፡ “ብልሳናት።”