ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ክርስትያናት እትህሉ ዅነት ኣይኰነትን። a መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኣ፡ “መንግስተ ሰማያት” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ብሓቂ ኣበይ ከም ዘላ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:17ትርጉም 1956) መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ብሓቂ ኻብ ሰማይ ከም እትገዝእ መንግስቲ ገይሩ ብኸመይ ከም ዚገልጻ እስከ ንርአ።

  •   መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከም ዚኸውን ንምግባር ዜኽእል ገዛእትን ተገዛእትን ሕግታትን ስልጣንን ኣለዋ።—ማቴዎስ 6:10፣ ራእይ 5:10

  •   መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ዅሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን” ምድሪ ኽትገዝእ እያ። (ዳንኤል 7:13, 14) ስልጣን ግዝኣታ ኸኣ ብቐጥታ ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ካብ ተገዛእታ ዝመጸ ኣይኰነን።—መዝሙር 2:4-6፣ ኢሳይያስ 9:7

  •   የሱስ ንእሙናት ሃዋርያቱ፡ ምስኡ ኣብ መንግስተ ሰማይ ‘ኣብ ዝፋን ከም ዚቕመጡ’ ነጊርዎም እዩ።—ሉቃስ 22:28, 30

  •   መንግስቲ ኣምላኽ ጸላእቲ ኣለውዋ፣ ንጸላእታ ድማ ከተጥፍኦም እያ።—መዝሙር 2:1, 2, 8, 9፣ 110:1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 15:25, 26

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ልብኻ ኸም ዘላ፡ ማለት ብልቢ ሰብ ኣቢላ ኸም እትገዝእ ኣይምህርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ “ቃል መንግስቲ” ወይ “ብስራት መንግስቲ” ንልብና ኺጸልዎ ኸም ዚኽእልን ኪጸልዎ ኸም ዚግባእን ይገልጽ እዩ።—ማቴዎስ 13:19፣ 24:14

“መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

 ገሊኦም ሰባት በቲ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሉቃስ 17:21 ዘሎ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም እትርከብ ዚገልጽ ሓሳብ ይደናገሩ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ብ1956 እተዳለወ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ይብል እዩ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኣ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ተረርትን ቀተልቲ ነፍስን ዝነበሩ ተጻረርቲ ኣይነበረትን

 የሱስ ነቶም ምስኡ ዚጻረሩን ጸኒሖም ኣብ ምቕታሉ ኢዶም ዘእተዉን ፈሪሳውያን ዚብሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። (ማቴ. 12:14፣ ሉቃ. 17:20) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ተሪር ልቦም ክትህሉስ ትኽእል ድያ፧ የሱስ ንዓታቶም፡ “ውሽጥኹም . . . ግብዝናን ጥሕሰት ሕግን ዝመላእኩም ኢኹም” ኢልዎም እዩ።—ማቴ. 23:27, 28

 ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ኣብ ሉቃስ 17:21 እተዛረቦ ቓላት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ኣላ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ኣላ” ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ። (ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እግረ ጽሑፍ) የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን፡ መንግስተ ሰማያት “ምሳኻትኩም” ወይ “ኣብ መንጎኹም ኣላ” ኺብሎም ከሎ፡ ኣብታ መንግስቲ ንጉስ ኪኸውን እተሸመ ንሱ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ።—ሉቃ. 1:32, 33

a ብዙሓት ሃይማኖታት ክርስትና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዝዀነት ይምህራ እየን። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ሳውዘርን ባብቲስት ኮንቨንሽን እትብሃል ጕጅለ ሃይማኖት ንመንግስቲ ኣምላኽ ፡ “ኣብ ልብን ህይወትን ውልቀ ሰባት እትርከብ ግዝኣት ኣምላኽ” ኢላ ገሊጻታ ኣላ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ድማ ኣብታ ጂሰስ ኦቭ ናዝሬት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ብሰማዒት ልቢ እያ እትመጽእ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።