ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ክልተ

ብኣምላኹ ተጸናንዐ

ብኣምላኹ ተጸናንዐ

1, 2. ኤልያስ ኣብ ሓንቲ ኣገዳሲት መዓልቲ እንታይ ፍጻመታት እዩ ርእዩ፧

ኤልያስ፡ ሰማይ ብደበና እናጸልመተ፡ ዝናም እውን እናሃረመ ይጐዪ ነበረ። ኣብ ይዝርኤል ንምብጻሕ ድማ፡ ገና ነዊሕ መገዲ ተሪፍዎ ነበረ። መንእሰይ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ “ኢድ የሆዋ” ኣብ ልዕሊኡ ብምንባራ፡ ደኺመ ኸይበለ ይጐዪ ነበረ። ቅድሚኡ ዘይነበሮ ሓይሊ ስለ ዝረኸበ ኸኣ፡ ነታ ንጉስ ኣከኣብ ዚጐዓዘላ ዝነበረ ሰረገላ ቐዲምዋ ሓለፈ።—1 ነገስት 18:46 ኣንብብ።

2 ነዊሕ መገዲ ኸኣ እዩ ኺጐዓዝ ነይርዎ። በቲ ብርቱዕ ዝናም እናጐየየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠሞ ፍጻመታት ኪሓስብ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣምላኽ ኤልያስ ዝዀነ የሆዋን እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾን፡ ዜደንቕ ዓወት ዝረኸቡላ እያ ነይራ። ኤልያስ ነቲ ብምኽንያት ሓያል ዝናም ብንጹር ኪርአ ዘይከኣል ዝነበረ ኸረን ቀርሜሎስ ዝባኑ ሂቡ እዩ ዚጐዪ ነይሩ፣ እቲ ቦታ እቲ፡ የሆዋ ብኤልያስ ኣቢሉ ንኣምልኾ በዓል ብሓያልን ብተኣምራውን መገዲ ዘዋረደሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ነብያት በዓል፡ መታለልቲ ምዃኖም ተቓልዑ፣ ኣብኡ ኸኣ ተቐትሉ። ድሕሪኡ፡ ኤልያስ፡ እቲ ነታ ዓዲ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘጥቀዓ ደርቂ ምእንቲ ኺዛዘም፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። ዝናም ከኣ ኰነ።—1 ነገ. 18:18-45

3, 4. (ሀ) ኤልያስ ናብ ይዝርኤል ኣብ ዚጐዓዘሉ ዝነበረ እዋን እንታይ ልዑል ትጽቢት እዩ ነይርዎ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኤልያስ በቲ ናብ ይዝርኤል ዚወስድ መገዲ ን30 ኪሎ ሜተር ኪጐዪ ኸሎ፡ ኵነታት ዚቕየር መሲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣከኣብ ነቲ ዅሉ ዘጋጠመ ነገራት ብዓይኑ ኻብ መስከረ፡ ንኣምልኾ በዓል ኪጥንጥኖ፡ ንኢዛቤል ሰበይቱ ኻብቲ እትገብሮ ዝነበረት ኪኽልክላ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚወርድ ዝነበረ መስጐጕቲ ኸኣ ኬቋርጾ ይግባእ ነይሩ።

“ኤልያስ . . . ክሳብ ይዝርኤል ቀቅድሚ ኣከኣብ ጐየየ”

4 ከምቲ ዝሓሰብናዮ ዚዀነልና ዘሎ እንተ መሲሉና፡ ተስፋና ይልምልም እዩ። ብዘይካዚ፡ ህይወትና እናተመሓየሸ ዚኸይድ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን፣ ምናልባት እውን ሽግራትና ምሉእ ብምሉእ ከም እተፈትሐ ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ኤልያስ ከምኡ እንተ ተሰምዖ እውን ዜገርም ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ነይሩ።” (ያእ. 5:17) ኰይኑ ግና፡ ጸገማት ኤልያስ በዚ ኣየብቅዐን። አረ ድሕሪ እተወሰነ ሰዓታትሲ ኣዝዩ ፈሪሁን ተጨኒቑን ስለ ዝነበረ፡ ሞት እውን ተመንዩ እዩ። እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ የሆዋኸ ንነብዪኡ እምነቱ ኼደልድልን ኪተብዕን ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ዘይተሓስበ ዅነታት ኣጋጠመ

5. ድሕሪ እቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተፈጸመ ነገራት፡ ኣከኣብ ንየሆዋ ኣኽቢርዎ ድዩ፧ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 ኣከኣብ ኣብቲ ኣብ ይዝርኤል ዚርከብ ቤተ መንግስቱ ምስ በጽሐ፡ ከም እተለወጠ ኣርእዩ ድዩ፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ኣከኣብ ከኣ ኵሉ እቲ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነብያት ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ” ዚብል ነንብብ። (1 ነገ. 19:1) ኣከኣብ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ኪዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ኤልያስ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘይጠቐሶ ኣስተብህል። ስጋዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ተኣምራዊ ፍጻመ ኸኣ ብሰብኣዊ ዓይኒ ስለ ዝረኣዮ፡ “ኤልያስ ዝገበሮ” ኢሉ ተዛረበ። ብንጹር እምበኣር፡ ገና ንየሆዋ ኣምላኽ ኣየኽብሮን እዩ ነይሩ። እታ ቒመኛ ኢዛቤልከ እንታይ ምላሽ ሃበት፧

6. ኢዛቤል ንኤልያስ እንታይ መልእኽቲ እያ ልኢኻትሉ፧ እቲ መልእኽቲኸ እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧

6 ኢዛቤል ኣዝያ ተቘጥዐት። ብሓርቖት ሓሪራ ኸኣ ንኤልያስ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ንዓኻ ኸም ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረካስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኹሉ” ዚብል መልእኽቲ ለኣኸትሉ። (1 ነገ. 19:2) እዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ናይ ሞት መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኢዛቤል ነቲ ንነብያት በዓል ዝቐተለ ኤልያስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብምቕታል ሕነ እንተ ዘይፈድያ፡ ሞት ከም ዚሕሻ እያ እትዛረብ ነይራ። ኤልያስ ኣብታ ሓያል ዝናም እናዘነመ ኽነሱ ደቂሱላ ዝነበረ ኣብ ይዝርኤል እትርከብ ቦታ ኸሎ፡ ነቲ ኢዛቤል ብልኡኽ ገይራ ዝሰደደቶ ዜፍርህ መልእኽቲ ንምስማዕ ካብ ድቃሱ ኺበራበር ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እሞኸ እዚ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሉ፧

ተስፋ ቘሪጹን ፈሪሁን ነበረ

7. ምፍርራህ ኢዛቤል ንኤልያስ እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩሉ፧ እንታይከ ገበረ፧

7 ኤልያስ፡ እቲ ኣንጻር ኣምልኾ በዓል ዚግበር ዝነበረ ቓልሲ ኸም ዘብቅዐ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እንተ ነይሩ፡ ተስፋኡ ቕሂሙ እዩ ተሪፉ። ከመይሲ፡ ኢዛቤል ካብ ሓሳባ ምንቕ ኣይበለትን። ሓያሎ እሙናት ብጾት ኤልያስ፡ ንሳ ብዝሃበቶ ትእዛዝ ተቐቲሎም እዮም፣ ቀጺሉ ኸኣ ተራ ኤልያስ ዝበጽሐ እዩ ዚመስል ነይሩ። ምፍርራህ ኢዛቤል ንኤልያስ እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ድማ ፈርሀ” ይብለና። ኤልያስ፡ ኢዛቤል ከመይ ገይራ ኸም እትቐትሎ ኣብ ኣእምሮኡ ስኢልዎ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጥራይ እንተ ሓሲቡ፡ እዚ ኣፍሪህዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ‘ምእንቲ ህይወቱ ተንሲኡ ሃደመ።’—1 ነገ. 18:4፣ 19:3

ተባዓት ክንከውን እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እቲ ዜፍርሃና ሓደጋታት ጥራይ ክንሓስብ የብልናን

8. (ሀ) እቲ ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ ጸገም ምስቲ ንኤልያስ ዘጋጠሞ ጸገም ብኸመይ ይመሳሰል፧ (ለ) ካብ ኤልያስን ጴጥሮስን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

8 ካብቶም ብእምነት እተመላለሱ ሰባት፡ ኤልያስ ጥራይ ኣይኰነን ብፍርሂ ተሰኒፉ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እውን ንሃዋርያ ጴጥሮስ ከምኡ ኣጋጢምዎ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ማይ ኪኸይድ እኳ እንተ ኣኽኣሎ፡ ጴጥሮስ “ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ” ፈርሀ፡ ኪጥሕል ከኣ ጀመረ። (ማቴዎስ 14:30 ኣንብብ።) እቲ ኤልያስን ጴጥሮስን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ጽቡቕ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና። ተባዓት ክንከውን እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እቲ ዜፍርሃና ሓደጋታት ጥራይ ኣብ ክንዲ እንሓስብ፡ ኣብቲ ምንጪ ተስፋናን ብርታዐናን ከነተኵር ኣሎና።

“ይኣኽለኒ”

9. ጉዕዞ ኤልያስን ኪሃድም ከሎ ዝነበሮ ስምዒትን ከመይ ከም ዝነበረ ግለጽ።

9 ኤልያስ ብሰንኪ ፍርሂ፡ ናብታ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 150 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ዶብ ይሁዳ እትርከብ ከተማ ብኤር-ሸባዕ ሃደመ። ንጊልያኡ ኣብኡ ሓዲግዎ ኸኣ፡ በይኑ ናብ በረኻ ኸደ። እቲ ጸብጻብ፡ “መገዲ መዓልቲ” ኸም ዝኸደ ስለ ዚሕብረና፡ ነቲ ጕዕዞ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ስንቂ ብጊሓት ጀሚርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ በታ መራር ጸሓይ እናተወቕዐ ኣብቲ ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖ መሬት ብሃውሪ ይጐዓዝ ነበረ። ጸሓይ ክትዓርብ ምስ ጀመረት ግና፡ ሓይሉ ጠለሞ። ኣመና ስለ ዝደኸመ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣብቲ ዝባደመ መሬት ዝረኸቦ ቘጥቋጥ ሮተም ኮፍ በለ።—1 ነገ. 19:4

10, 11. (ሀ) እቲ ኤልያስ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ብመሰረት እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት፡ ተጨኒቖም ዝነበሩ ኻልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ስምዒት ከም ዝነበሮም ግለጽ።

10 ኤልያስ ብዓቕሊ ጽበት ናብ የሆዋ ጸለየ። ኪመውት ከኣ ለመነ። “ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ” በለ። እቶም ኣብ መቓብር ዝነበሩ ኣቦታቱ ድሮ በስቢሶም ናብ ሓመድ ከም እተቐየሩን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኪሕግዙ ኸም ዘይክእሉን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መክ. 9:10) ንሱ እውን ልክዕ ከማታቶም ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰምዖ። “ይኣኽለኒ” ብምባል ንህይወቱ ሞት እንተ ለመነላ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

11 ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክሳዕ ክንድዚ ምጭናቑ ዜሰንብድ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከም ርብቃን ያእቆብን ሙሴን እዮብን ዝኣመሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓያሎ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣዝዮም ካብ ምጕሃዮም እተላዕለ፡ ሞት ተመንዮም ነይሮም እዮም።—ዘፍ. 25:22፣ 37:35፣ ዘሁ. 11:13-15፣ እዮ. 14:13

12. ንስኻ እውን እንተ ተጨኒቕካ፡ ኣብነት ኤልያስ ክትስዕብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

12 ሎሚ፡ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ስለ ዘለና፡ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ እንተ ተጨነቑ ኺገርመና የብሉን። (2 ጢሞ. 3:1) ንስኻ እውን ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ነቲ ኤልያስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልብኻ ኣፍስስ። ከመይሲ፡ የሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) እሞኸ ንኤልያስ ኣጸናኒዕዎ ድዩ፧

የሆዋ ንነብዪኡ ተኸናኸኖ

13, 14. (ሀ) የሆዋ ነቲ ተጨኒቑ ዝነበረ ነብዪኡ ብመልኣኹ ኣቢሉ ፍቕራዊ ሓልዮት ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ሓሳብናን ዓቕምናን ካባና ብዝሓሸ መገዲ ዚርድኣልና ምዃኑ ምፍላጥና ዜጸናንዕ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ነቲ ዜፍቅሮ ነብዪኡ ኣብቲ በረኻ ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ኢሉ ሞት ኪምነ ኺርእዮ ኸሎ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ኤልያስ ምስ ደቀሰ፡ የሆዋ መልኣኹ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ከኣ ንኤልያስ ቀስ ኣቢሉ ብምትንካይ ኣበራቢሩ፡ “ተንሲእካ ብላዕ” በሎ። ኤልያስ ድማ፡ ነቲ እቲ መልኣኽ ዘዳለዎ ኣብ ርሱን እምኒ እተሰንከተ ቕጫ በልዖ፡ ነቲ ዘምጸኣሉ ማይ ከኣ ሰተዮ። ንምዃኑኸ ነቲ መልኣኽ ኣመስጊንዎዶ፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ በሊዑን ሰትዩን መሊሱ በጥ ከም ዝበለ ጥራይ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ብጭንቀት ስለ እተዋሕጠ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ መልኣኽ ንኤልያስ፡ እንደገና ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ኣበራበሮ። “መገዲ ኺነውሓካ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ብላዕ” ድማ በሎ።—1 ነገ. 19:5-7

14 እቲ መልኣኽ፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምስትውዓል፡ ኤልያስ ናበይ ከም ዚኸይድን ነቲ ጕዕዞ ብሓይሉ ጥራይ ኺፍጽሞ ኸም ዘይክእልን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነቲ ሓሳብናን ዓቕምናን ካባና ብዝሓሸ መገዲ ዚርድኣልና ኣምላኽ ከነገልግልሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።) እሞኸ እቲ ምግቢ ንኤልያስ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧

15, 16. (ሀ) እቲ የሆዋ ንኤልያስ ዝመገቦ ምግቢ እንታይ ኪገብር እዩ ኣኽኢልዎ፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ሎሚ ንኣገልገልቱ ዚምግበሉ መገዲ ኸነማስወሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዐን ሰተየን፣ ብሓይሊ እቲ ብልዒ ኸኣ ክሳብ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ 40 መዓልትን 40 ለይትን ተጓዕዘ” ዚብል ነንብብ። (1 ነገ. 19:8) ኤልያስ፡ ከምቲ ኻብኡ ሽዱሽተ ዘመን ኣቐዲሙ ዝነበረ ሙሴን ከምቲ ድሕሪኡ ኣስታት ዓሰርተ ዘመን ጸኒሑ ዝመጸ የሱስን፡ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እዩ። (ዘጸ. 34:28፣ ሉቃ. 4:1, 2) እቲ ዝበልዖ ምግቢ፡ ንዅሉ ጸገማቱ እኳ እንተ ዘየወገዶ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ግና ኣጽኒሕዎ እዩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኤልያስ፡ መዓልትታት ኰነ ሰሙናት እናሓለፈ፡ ንወርሕን ፈረቓን ዚኣክል በቲ መገዲ ኣጋር እኳ ዘይብሉ በረኻ ኺጐዓዝ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ!

16 የሆዋ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንዘለዉ ኣገልገልቱ እውን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ስጋዊ ምግቢ ብምሃብ ዘይኰነስ፡ ብኻልእ ኣገዳሲ መገዲ ይከናኸኖም እዩ። እወ፡ ንኣገልገልቱ መንፈሳዊ ምግቢ ይህቦም እዩ። (ማቴ. 4:4) ካብ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋትን ብዛዕባ ኣምላኽ እንተ ተማሂርና፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንዕንገል ንኽእል ኢና። ነዚ መንፈሳዊ ምግቢ እዚ ስለ እተመገብና፡ ኵሉ ጸገማትና ኣይውገድን ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዘይ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪጽወር ዘይከኣል ጸገማት ክንጾሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እዩ ዚመርሓና።—ዮሃ. 17:3

17. ኤልያስ ናበይ እዩ ኸይዱ፧ እቲ ቦታ እቲ ኣገዳሲ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 ኤልያስ ንኣስታት 320 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ኣብ ከረን ሆሬብ በጽሐ። ነዊሕ ይገብር፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ ቦታ እዚ ንሙሴ፡ ብመልኣኹ ኣቢሉ ኻብ ማእከል እትነድድ ዝነበረት ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእይዎ፡ ጸኒሑ ድማ ምስ እስራኤላውያን ኪዳን ገይሩ ነይሩ እዩ። ኤልያስ ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሐ፡ ናብ በዓቲ ኣተወ።

የሆዋ ንነብዪኡ ዘጸናንዖን ዘበራትዖን ብኸመይ እዩ፧

18, 19. (ሀ) መልኣኽ የሆዋ እንታይ ሕቶ እዩ ሓቲቱ፧ ኤልያስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ (ለ) ኤልያስ ስለምንታይ ከም እተጨነቐ ዚሕብር እንታይ ሰለስተ ምኽንያት እዩ ሂቡ፧

18 ኣብ ሆሬብ፡ “ቃል” የሆዋ፡ ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ ንኤልያስ፡ “ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እዛ ሕቶ እዚኣ ብለውሃት ቀሪባ ኽትከውን ስለ ዘለዋ፡ ኤልያስ ስምዒቱ ኣውጺኡ ኺዛረብ ተደረኸ። “ህዝቢ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም፡ መሰውኢታትካ ኸኣ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ እውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ኣዝየ ቐኒአ፣ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ። ሕጂ ድማ ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ይደልይዋ ኣለዉ” ድማ በለ። (1 ነገ. 19:9, 10) እዘን እተዛረበን ቃላት፡ ስለምንታይ ከም እተጨነቐ ዚሕብር ሰለስተ ምኽንያት ዝሓዛ እየን።

19 ቀዳማይ፡ ኤልያስ ንኸንቱ ዚዓዪ ዝነበረ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ነቲ ቕዱስ ስምን ኣምልኾን የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ብምስራዕ፡ ንብዙሕ ዓመታት ንየሆዋ ‘ብቕንኣት’ እኳ እንተ ኣገልገሎ፡ እቲ ዅነታት ግና እናኸፍአ ዚኸይድ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቶም ህዝቢ ዘይእሙናትን ዓለወኛታትን እዮም ነይሮም፣ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸኣ የስፋሕፍሕ ነይሩ እዩ። ካልኣይ፡ ኤልያስ ጽምዋ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። “ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ” ብምባል ድማ፡ ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ ንሱ በይኑ ጥራይ ከም ዝተረፈ ገይሩ ተዛረበ። ሳልሳይ፡ ኣመና ፈሪሁ ነይሩ እዩ። መብዛሕትኦም ብጾቱ ዝዀኑ ነብያት ስለ እተቐትሉ፡ ንሱ እውን ቀጺሉ ኸም ዚቕተል ገይሩ ንርእሱ ኣእመና። ከምዚ ገይሩ ስምዒቱ ኣውጺኡ ኺዛረብ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኵርዓት ወይ ሕፍረት ኪዓግቶ ግና ኣይፈቐደን። ብጸሎት ኣቢሉ ንልቡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብምፍሳስ፡ ንዅሎም እሙናት ሰባት ሰናይ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ።—መዝ. 62:8

20, 21. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኤልያስ ኣብ ኣፍ በዓቲ ኸረን ሆሬብ ዝረኣዮ ነገራት ግለጽ። (ለ) እቲ የሆዋ ሓይሉ ዝገለጸሉ መገድታት ንኤልያስ እንታይ እዩ ምሂርዎ፧

20 የሆዋ ንፍርህን ንሻቕሎትን ኤልያስ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ እቲ መልኣኽ ንኤልያስ፡ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው ኪብል ነገሮ። ኤልያስ፡ ቀጺሉ እንታይ ከም ዚኸውን ከይፈለጠ፡ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። ብርቱዕ ንፋስ ከኣ ነፈሰ። እቲ ንፋስ ካብ ሓይሉ እተላዕለ ንኣኽራን ዚስንጥቕን ንኣኻውሕ ዚሰባብርን ስለ ዝነበረ፡ እዝኒ ዚቐድድ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኤልያስ ንዓይኑ ኺሽፍንን ነቲ ረጒድን ሓርፋፍን ክዳኑ ኣጥቢቑ ኺሕዝን ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ድሕሪኡ ድማ፡ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዘጋጠመ፡ ብእተኻእሎ ዓቕሚ፡ ሚዛኑ ኺሕሉ ይቃለስ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ሓዊ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ፡ ንርእሱ ኻብቲ ሃፈጽታ ንኼዕቍባ፡ ናብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ኺኣቱ ተገደደ።—1 ነገ. 19:11, 12

የሆዋ በቲ ዜደንቕ ሓይሉ ገይሩ ንኤልያስ ኣጸናንዖን ኣተባብዖን

21 እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ኺገልጽ ከሎ፡ የሆዋ ኣብቲ ዜደንቕ ናይ ተፈጥሮ ሓይሊ ኸም ዘይነበረ ይሕብር እዩ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ በቶም እተታለሉ ሰባት ከም “ተወጣሒ ደበናታት” ወይ ከም መምጽኢ ዝናም ዚርአ ዝነበረ በዓል ከም ዘይኰነ፡ ንተፈጥሮ ዚቈጻጸር ጽውጽዋያዊ ኣምላኽ እውን ዘይምዃኑ፡ ኤልያስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ናይ ሓቂ ምንጪ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ዜደንቕ ሓይሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ዝገበሮ ነገራት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ። ግኡዝ ሰማያት እውን ከይተረፈ፡ ንዕኡ ኺሕዞ ኣይክእልን እዩ። (1 ነገ. 8:27) ኰይኑ ግና፡ እዚ ዅሉ ንኤልያስ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ ኣመና ፈሪሁ ምንባሩ ንዘክር። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ጐድኒ ኤልያስ ካብ ኰነ፡ ኤልያስ ንኣከኣብን ንኢዛቤልን ዚፈርሃሉ ምኽንያት ኣይነበሮን።—መዝሙር 118:6 ኣንብብ።

22. (ሀ) እቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ንኤልያስ፡ ዘይረብሕ ከም ዘይኰነ ዘረጋገጸሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ምንጪ እቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” መን እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (እግረ ጸሑፍ ርአ።)

22 ኤልያስ ደድሕሪ እቲ ሓዊ፡ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ሰምዐ። እቲ ደሃይ ድማ ንኤልያስ እንደገና ስምዒቱ ኺገልጽ ዓደሞ፣ ንሱ እውን ንኻልኣይ ሳዕ ብዛዕባ ሻቕሎቱ ተዛረበ። * ምናልባት ከምኡ ብምግባሩ፡ እፎይታ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ቀጺሉ ዝነገሮ ምስ ሰምዐ፡ ብዝያዳ ተጸናንዐ። የሆዋ ንኤልያስ፡ ዘይረብሕ ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸሉ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ንኣምልኾ በዓል ካብ እስራኤል ንምጥፋእ ዘውጸኦ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ ንኤልያስ ነገሮ። ብንጹር እምበኣር፡ ዕላማ ኣምላኽ ንቕድሚት ይግስግስ ስለ ዝነበረ፡ ዕዮ ኤልያስ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ ዝርዝር መምርሒታት ሂቡ እንደገና ስለ ዝለኣኾ፡ ኤልያስ ገና ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ግደ ነይርዎ እዩ።—1 ነገ. 19:12-17

23. ኤልያስ ጽምዋ ምስ ተሰምዖ፡ የሆዋ በየኖት ክልተ መገድታት እዩ ኣጸናኒዕዎ፧

23 ብዛዕባ እቲ ኤልያስ እተሰምዖ ጽምዋኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ነዚ ብዚምልከት፡ የሆዋ ኽልተ ነገራት ገበረ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ነቲ ጸኒሑ ዚትክኦ ነብዪ ኤልሳእ ኪቐብኦ ነገሮ። እዚ መንእሰይ እዚ፡ ድሕሪኡ ንኤልያስ ብጻዩን ሓጋዚኡን ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊልዎ እዩ። ከመይ ዝበለ ጠቓሚ መጸናንዒ ዀን እዩ! ካልኣይ፡ የሆዋ፡ “ኣነ ድማ ኣብራኾም ንበዓል ዘይተምበርከኻሉን ኣፎም ዘይሰዓሞን ዘበሉ፡ ኣብ እስራኤል ገና 7,000 ንዓይ ኣትሪፈ ኣለኹ” ብምባል ባህ ዜብል መልእኽቲ ነገሮ። (1 ነገ. 19:18) እምበኣር፡ ኤልያስ ንበይኑ ኣይኰነን ተሪፉ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ንበዓል ዘየምለኹ እሙናት ሰባት ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኤልያስ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ካብ የሆዋ ዚዓልዉሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኣገልግሎቱ ብምቕጻል ኣብነት ኪኸውን እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኤልያስ ነቲ ብልኡኽ የሆዋ እተመሓላለፈ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ኣምላኹ ምስማዑ፡ ንልቡ ተንኪፍዎ ኪኸውን ኣለዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኪመርሓና እንተ ፈቒድናሉ፡ ልክዕ ከምቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ኪኸውን ይኽእል እዩ

24, 25. (ሀ) ሎሚ ነቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንሰምዖ እንኽእል፧ (ለ) ኤልያስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መጸናንዒ ኸም እተቐበሎ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

24 ከም ኤልያስ፡ በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ንድነቕ ንኸውን፣ እዚ ኸኣ ግቡእ እዩ። ከመይሲ፡ ሓይሊ ፈጣሪ ኣብ ተፈጥሮ ብንጹር ይርአ እዩ። (ሮሜ 1:20) የሆዋ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ንምሕጋዝ፡ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ኺጥቀመሉ ይደሊ እዩ። (2 ዜና 16:9) ይኹን እምበር፡ ብቐንዱ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚዛረበና። (ኢሳይያስ 30:21 ኣንብብ።) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኪመርሓና እንተ ፈቒድናሉ፡ ልክዕ ከምቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ የሆዋ ብእኡ ኣቢሉ እዩ ዚእርመናን ዜተባብዓናን ፍቕሩ ዚገልጸልናን።

25 ኤልያስ ነቲ የሆዋ ኣብ ከረን ሆሬብ ዝሃቦ መጸናንዒ ተቐቢልዎዶ፧ እሂናይ ደኣ! ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ንእከይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተቓወመ ተባዕን እሙንን ነብዪ፡ ናብ ዕዮኡ ተመልሰ። ንሕና እውን ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት፡ ማለት ነቲ ‘ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’ ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮ፡ ኣስኣሰር እምነት ኤልያስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4

^ ሕ.ጽ. 22 ምንጪ እቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ምስቲ ኣብ 1 ነገስት 19:9 ተጠቒሱ ዘሎ “ቓል የሆዋ” ዘመሓላለፈ መንፈስ ሕደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መንፈስ፡ ኣብ ፍቕዲ 15፡ “የሆዋ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብበረኻ ንምምራሕ እተጠቕመሉ መልኣኽ ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ፣ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ስመይ ኣብኡ [እዩ]” በለ። (ዘጸ. 23:21) ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ የሱስ፡ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ “ቃል፡” ማለት ናብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚለኣኽ ፍሉይ ኣፈኛ ዀይኑ የገልግል ምንባሩ ኸነቕልበሉ ይግባእ።—ዮሃ. 1:1