ዘጸኣት 23:1-33

  • ንእስራኤላውያን እተዋህበ ፍርድታት (1-19)

    • ብዛዕባ ቕንዕናን ፍትሕን (1-9)

    • ብዛዕባ ሰንበትን በዓላትን (10-19)

  • መልኣኽ ንእስራኤላውያን ኪመርሖም እዩ (20-26)

  • ዚወርስዎ ምድርን ዶባትን (27-33)

23  “ወረ ሓሶት ኣይትንዛሕ።*+ ብተንኰል ብምምስካር፡ ምስ እኩይ ኣይትተሓባበር።+  እከይ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ፣ ምስ ብዙሓት ወጊንካ ፍትሒ ንምቕናን ኣይትመስክር።*  ኣብ ነገር ድኻ ኣይተዳሉ።+  “ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኺብካ፡ ምለሰሉ።+  ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኢኻ፡ ዕሽሽ ኢልካ ኣይትሕደጎ። ጽዕነቱ ንምእላይ ሓግዞ።+  “ኣብ ነገር እቲ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ድኻ፡ ፍርዲ ኣይተቕንን።+  “ካብ ክሲ* ሓሶት ርሓቕ፣ ንንጹህን ንጻድቕን ከኣ ኣይትቕተል፣ ከመይሲ፡ ኣነ ንእኩይ ኣየጽድቖን* እየ።+  “ጉቦ ብንጹር ንዚርእዩ የዕውር፡ ንቓላት ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ ጉቦ ኣይትቀበል።+  “ንጓና ኣይትጨቍኖ። ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ምዃን ከመይ ከም ዝዀነ* ትፈልጡ ኢኹም።+ 10  “ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፡ ፍርያታ ኸኣ ኣክብ።+ 11  ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፡ ቃድራ ሕደጋ እምበር ኣይትሕረሳ፣ ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘሎ ድኻ ድማ ይብልዓያ፣ ነቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣእዋም ኣውልዕካን ከምኡ ግበር። 12  “ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኺዓርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን ጓናን ከኣ እፎይ ምእንቲ ኺብሉ፡ ኣዕርፍ።+ 13  “ንዅሉ እቲ ዝበልኩኹም ሓልውዎ፣+ ስማት ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ኣብ ከናፍርካ* እውን ኣይሰማዕ።+ 14  “ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ በዓል ግበረለይ።+ 15  በዓል ቅጫ ኣብዕል።+ ኣብታ ግዜ እቲኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣቢብ፡* ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ።+ 16  ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ በዅሪ ፍረ ጻዕርኻ በዓል ዓጺድ* ኣብዕል፣+ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት በዓል ምእካብ* ኣብዕል።+ 17  ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ።+ 18  “ደም መስዋእተይ ምስ ብኹዕ ኣይትሰውእ። ኣብ በዓላተይ ዚቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ኸኣ፡ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። 19  “እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣምጽእ።+ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።+ 20  “ኣብ መገዲ ኺሕልወካን ናብታ ዘዳለኽዋ ቦታ ኼእትወካን+ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ።+ 21  ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ተኣዘዝ። ስመይ ኣብኡ ስለ ዝዀነ፡ ኣበሳኹም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ እሞ፡ ካብኡ ኣይትዕሎ።+ 22  ግናኸ፡ ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ተኣዚዝካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ጌርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ ኽጻልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ ክጻረሮም እየ። 23  ከመይሲ፡ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ፣ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ፣ ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ።+ 24  ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን፣ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር።+ የግዳስ፡ ኣፍርሶም፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ከኣ ሰባብር።+ 25  ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፣+ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ።+ ሕማም ከኣ ካብ መንጎኻ ኼርሕቕ እየ።+ 26  ጥንሲ ዚኸዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣብ ምድርኻ ኣይክትርከብን እያ፣+ ነዊሕ ዕድመ ድማ ክህበካ እየ።* 27  “ቀቅድሜኻ ብዛዕባይ ፍርሂ ኽሰድድ፡+ ነቶም ዜጓንፉኻ ህዝቢ ኸኣ ከሸብሮም እየ፣ ኵሎም ጸላእትኻ ድማ ተሳዒሮም ካባኻ ኸም ዚሃድሙ ኽገብር እየ።*+ 28  ቀቅድሜኻ ሕልናኦም ከዕርበሎም* እየ፣+ እዚ ኸኣ ንሒዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜኻ ኺሰጕግ እዩ።+ 29  እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ድማ ምእንቲ ኸይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜኻ ኣይክሰጕጎምን እየ።+ 30  ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትርስተያ፡ በብቝሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም እየ።+ 31  “ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ድማ ክትሰጕጎም ኢኻ እሞ፡+ ዶብካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ካብ በረኻ ኽሳብ እቲ ፈለግ* ክገብሮ እየ።+ 32  ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትተኣታቶ።+ 33  ኣብ ቅድመይ ምእንቲ ኸየሕጥኡኻ፡ ኣብ ምድርኻ ኣይቀመጡ። ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልጊልካ፡ እዚ ብርግጽ ንዓኻ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣይተልዕል።”
ወይ፡ “ህቡብ ምስክርነት ብምሃብ ፍትሒ ኣይተቕንን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቃል።”
ወይ፡ “ናጻ ኣይገብሮን።”
ወይ፡ “ህይወት (ነፍሲ) ስደተኛ ኸመይ ከም ዝዀነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍካ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
በዓል ዳስ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ።
በዓል ሰሙናት ወይ ጰንጠቈስጠ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ።
ወይ፡ “ቍጽሪ መዓልትታትካ ምሉእ ኽገብሮ እየ።”
ወይ፡ “ኵሎም ጸላእትኻ ድማ ዝባኖም ከም ዚህቡኻ ኽገብር እየ።”
ወይ፡ “ከሰምብዶም፣ ከሸብሮም” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።