ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓሙሽተ

ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም

ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም

1-3. (ሀ) ኣስቴር ኣብ ቅድሚ ሰብኣያ ኽትቀርብ ዝፈርሀት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ብዛዕባ ኣስቴር እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ኣስቴር ናብ መካባብያ እቲ ኣብ ሱሳን ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ኽትቀርብ ከላ ኽትሃድእ ጸዓረት። እቲ ዅነታት ቀሊል ኣይነበረን። ኵሉ እቲ ኣብቲ ግምቢ ዝነበረ ነገራት፡ ማለት እቶም ብእተፈላለየ ሕብሪ እተቐርጹ ኣኽናፍ ዘለዎም ኣብዑር፡ እቶም ወርወርቲ ቐስቲ፡ እቶም ብዜብረቕርቕ ሕጡብ እተሰርሑ ኣናብስ፡ እቲ ብኣእማን እተሰርሐ ኣዕኑድን እቲ ዜስተንክር ሓወልትታትን ኣዝዩ ዚምስጥ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ግምቢ ነቲ ጽሩይ ፈለግ ኮስፒስ ክትርእየሉ ኣብ እትኽእል ቦታ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራናት ዛግሮስ ኣብ ዚርከብ ጐላጕል እተሃንጸ ምዃኑ ዜደንቕ ትርኢት እዩ ነይርዎ። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ በጻሒ፡ እቲ ንርእሱ፡ “እቲ ዓብዪ ንጉስ” ኢሉ ዝሰመያ ሰብኣይ ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ዜዘኻኽሮ እዩ ነይሩ። ኣስቴር ነዚ ሰብኣይ እዚ እያ ኽትረኽቦ ደልያ ነይራ፣ ብዓል ቤታ ድማ እዩ ነይሩ።

2 እዚ ሓያልን ዜፍርህን ሰብ፡ ሰብኣይ ኣስቴር ኪኸውንሲ ዜገርምዶ ኣይኰነን! ከመይሲ ኣሓሽዌሮስ፡ ሓንቲ እምንቲ ኣይሁዳዊት ጓል ካብ እትጽበዮ ሰብኣይ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። * ንሱ ኸም ኣብርሃም ንዝኣመሰሉ ኣብነት ዝዀኑ ሰብኡት ኪመስል ዚጽዕር ሰብ ኣይነበረን። ኣብርሃም ነቲ ኣምላኽ ንሰበይቱ ሳራ ኺሰምዕ ዝሃቦ መምርሒ ብትሕትና እዩ ተቐቢልዎ። (ዘፍ. 21:12) እቲ ንጉስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣስቴር እተምልኾ ዝነበረት የሆዋ ዚስሙ ኣምላኽ ኰነ፡ ብዛዕባ ሕግታቱ ፍልጠት ኣይነበሮን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ሕግታት ፋርስ፡ እንተላይ ነቲ ኣስቴር ክትገብሮ ዝሓሰበት ነገር ዚኽልክል ሕጊ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ሕጊ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብንጉስ ከይተጸውዐ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ዚቐርብ ሰብ ብሞት ከም ዚቕጻዕ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ክትቀርብ ዘይተጸውዐት ክነሳ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽትቀርብ ቈሪጻ ነበረት። ናብቲ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ንጉስ ኪርእያ ዚኽእለሉ ውሽጣዊ መካበብያ እናቐረበት ምስ ከደት፡ ናብ ኣፍ ሞት ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣስቴር 4:11፣ 5:1 ኣንብብ።

3 ኣስቴር ነዚ ሓደገኛ ውሳነ እዚ ዝገበረት ስለምንታይ እያ፧ ካብቲ እዛ ፍልይቲ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኣየቶ እምነትከ እንታይ ኢና እንምሃር፧ መጀመርታ፡ ኣስቴር ኣይሁዳዊት ክነሳ፡ ብኸመይ ንግስቲ ፋርስ ከም ዝዀነት ንርአ።

ኣተዓባብያ ኣስቴር

4. ኣስቴር እንታይ ዓይነት ኣተዓባብያ እዩ ነይርዋ፧ ምስ ወዲ ሓው ኣቦኣ ማርዶካይ ትነብር ዝነበረትከ ስለምንታይ እያ፧

4 ኣስቴር ዘኽታም እያ ነይራ። ብዛዕባ እቶም ሃዳሳ ኢሎም ዝሰመይዋ ወለዳ ብዙሕ እንፈልጦ ነገር የለን። እታ ሃዳሳ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ መጸውዒ እቲ ባህ ዜብል ጻዕዳ ዕምባባ ዘለዎ ቘጥቋጥ “ኦም ኣደስ” እያ። ወለዲ ኣስቴር ምስ ሞቱ፡ እቲ ብዕድመ ዓብዪ ዝነበረ ማርዶካይ ዝስሙ ለዋህ ወዲ ሓው ኣቦኣ ደንገጸላ። ናብ ቤቱ ወሲዱ ድማ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።—ኣስ. 2:5-7, 15

ማርዶካይ በታ ዘዕበያ ጓሉ ኺሕበን ብቑዕ ምኽንያት ነበሮ

5, 6. (ሀ) ማርዶካይ ንኣስቴር ብኸመይ እዩ ኣዕብዩዋ፧ (ለ) ኣስቴርን ማርዶካይን ኣብ ሱሳን እንታይ ዓይነት ህይወት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፧

5 ማርዶካይን ኣስቴርን ኣብ ርእሰ ኸተማ ፋርስ ዚነብሩ ምሩኻት ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ሃይማኖቶምን እቲ ኺሕልውዎ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ሕጊ ኣምላኽን ኣብ ፋርስ ብንዕቀት ይርአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ማርዶካይ ንኣስቴር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንህዝቡ ብዙሕ ሳዕ ካብ ጸበባ ዘድሓኖምን ንዚመጽእ ድማ ዜድሕኖምን መሓሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኺምህራ ኸሎ፡ ኣስቴር ንሓወቦኣ ብዝያዳ ቐረበቶ። (ዘሌ. 26:44, 45) ኣስቴርን ማርዶካይን ድልዱል ፍቕርን ምትእምማንን ከም ዝነበሮም እምበኣር ፍሉጥ እዩ።

6 ማርዶካይ ምስ ኣገልገልቲ ንጉስ ኣዘውቲሩ ኣብ ደገ ግምቢ ሱሳን ኮፍ ይብል ስለ ዝነበረ፡ ገለ ሓላፍነት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ኣስ. 2:19, 21፣ 3:3) ኣስቴር ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እንታይ ትገብር ከም ዝነበረት ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ብዕድመ ዓብዪ ዝነበረ ወዲ ሓው ኣቦኣን ንቤቱን ብጽቡቕ ትኣሊ ኸም ዝነበረት ክንግምት ንኽእል ኢና። መንበሪኦም ካብቲ ቤተ መንግስቲ ርሒቑ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ኣብ ዝነበረ ሰፈር ድኻታት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር፡ ምናልባት ናብቲ ወርቅን ብሩርን ካልእ ኣቕሑን ዚሽየጠሉ ዕዳጋ ሱሳን ትኸይድ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ነዚ ዅሉ ኣቕሑ ምሾት ኣብ መጻኢ ብቐሊሉ ኸም እትረኽቦ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ።

“ማራኺ ዝትርኢታ”

7. ንግስቲ ዋሽቲ ኻብ ስልጣና ዝወረደት ስለምንታይ እያ፧ ብድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧

7 ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሱሳን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘጋጠመ ህውከት ትሒምታ ዀነ። ኣሓሽዌሮስ ዓብዪ ምሳሕ ገይሩ ንልዑላኑ ብብሉጽ ብልዕን ወይንን ኪምግቦም ከሎ፡ ነታ ንበይና ተፈልያ ምስ ኣንስቲ ምሳሕ ገይራ ዝነበረት መልክዐኛ ንግስቲ ዋሽቲ ኺጽውዓ ወሰነ። ዋሽቲ ግና ምምጻእ ኣበየት። እቲ ንጉስ ከም እተዋረደ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ እታ ንግስቲ ብኸመይ ክትቅጻዕ ከም ዘለዋ ንኣማኸርቱ ሓተቶም። ብመሰረት እቲ ዝሃብዎ ምኽሪ ኸኣ ነታ ንግስቲ ኻብ ስልጣና ኣውረዳ። እቲ ንጉስ ንግስቲ ምእንቲ ኺመርጽ ድማ፡ ኣገልገልቲ ንጉስ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ምልኩዓት ደናግል ኣዋልድ ኪደልዩ ጀመሩ።—ኣስ. 1:1–2:4

8. (ሀ) ኣስቴር እናዓበየት ክትከይድ ከላ፡ ማርዶካይ ዚሻቐል ዝነበረ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ጽባቐ ዚገልጽ ሚዛናዊ ርእይቶ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ይመስለካ፧ (ምሳሌ 31:30 እውን ርአ።)

8 ማርዶካይ እታ ንእሽቶ ዝነበረት ኣዝያ መልክዐኛ ዝዀነት ጓል ሓዉ በብግዜኡ እናዓበየት ክትከይድ ኪርእያ ኸሎ፡ ብሓደ ወገን ተዅርዖ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ተሻቕሎ ነይራ ኽትከውን ከም እትኽል ክንግምት ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ጓል ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጻን ማራኺ ዝትርኢታን ነበረት” ይብል። (ኣስ. 2:7) ቃል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ጽባቐ ሚዛናዊ ርእይቶ እዩ ዚህብ። ኣካላዊ ጽባቐ ደስ ዜብል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ጥበብን ትሕትናን ሓቢሩ ኪኸይድ ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ትምክሕትን ትዕቢትን ካልእ ክፉእ ባህርያት ልብን እዩ ዜስዕብ። (ምሳሌ 11:22 ኣንብብ።) ከምዚ ኼጋጥምሲ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ንኣስቴር ጽባቐኣ እንታይ ኰን ኣስዒቡላ ይኸውን፧ ጠቒምዋዶ ጐዲእዋ፧ ነዚ፡ ግዜ መሊስዎ እዩ።

9. (ሀ) ገላዉ ንጉስ ንኣስቴር ምስ ረኣይዋ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ኣስቴርን ማርዶካይን ኪፈላለዩ ኸቢድዎም ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ማርዶካይ ንኣስቴር ዘይኣማኒ ኽትምርዖ ዝፈቐደላ ስለምንታይ እዩ፧ (ሳጹን እውን ርአ።)

9 ኣገልገልቲ ንጉስ ንኣስቴር ኣስተብሃሉላ። ካብ ማርዶካይ ፈልዮም ድማ ምስተን ካልኦት ዝሓረይወን ኣዋልድ ናብቲ ኣብ ስግር ፈለግ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ። (ኣስ. 2:8) ማርዶካይን ኣስቴርን ከም ኣቦን ጓልን ስለ ዝነበሩ፡ ኪፈላለዩ ኸለዉ ኣዝዩ ኸቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ። ማርዶካይ እታ ዘዕበያ ጓሉ ንዘይኣማኒ፡ ንንጉስ እውን እንተ ዀነ፡ ክትምርዖ ዘይደሊ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዅነታት ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ እዩ ነይሩ። * ኣስቴር ነቲ ማርዶካይ ቀቅድሚ ምኻዳ ዝሃባ ምኽሪ፡ ብኣቓልቦ ሰሚዓቶ ኽትከውን ኣለዋ። ናብ ኣዳራሽ ሱሳን ክትኣቱ ኸላ፡ ኣብ ኣእምሮኣ እተፈላለየ ሕቶታት ተቐጂሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር እንታይ ዓይነት ናብራ ዀን እዩ ዚጽበያ ነይሩ፧

“ኣብ ቅድሚ እቶም ዝረኣይዋ ዘበሉ ዅሎም ሞገስ ትረክብ ነበረት”

10, 11. (ሀ) እቲ ኣስቴር ዝነበረቶ ሃዋህው ብቐሊሉ ኺጸልዋ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ማርዶካይ ንኣስቴር ይሓልየላ ኸም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣስቴር ኣብ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽን ርእያቶ ዘይትፈልጥን ኵነታት ኣተወት። ምስተን ካብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ፋርስ እተኣከባ “ብዙሓት ኣዋልድ” እያ ተጸምቢራ። እተን ኣዋልድ ኣዝዩ እተፈላለየ ልምድታትን ቋንቋታትን ባህርያትን ነይርወን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ኢድ እቲ ሓላው ኣንስቲ ዝዀነ ሄጋይ ብምዃን፡ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ብምኡዝ ቅብኢ እናተቐብኣ፡ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ይግበረለን ነበረ። (ኣስ. 2:8, 12) እቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህውን ናብራን ነተን ኣንስቲ ብዛዕባ መልክዐን ጥራይ ከም ዚሓስባ ብምግባር፡ ትዕቢትን ናይ ውድድር መንፈስን ኣሕዲሩለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣስቴርከ እንታይ ጽልዋ ዀን ኣሕዲሩላ ይኸውን፧

11 ንኣስቴር ከም ማርዶካይ ገይሩ ኺሓልየላ ዚኽእል ማንም ሰብ ኣይነበረን። ማርዶካይ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ኣስ. 2:11) ምናልባት እቶም ኣብቲ ቤት ዝነበሩ ተሓባበርቲ ኣገልገልቲ፡ ንማርዶካይ ብዛዕባ ኣስቴር ሓድሓደ ነገራት ይነግርዎ ነይሮም ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ማርዶካይ ብኣስቴር ይሕበን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ገለ ኻብቲ ኣሐቢንዎ ኪኸውን ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ ነይሩ፧

12, 13. (ሀ) ኣስቴር ኣብ ዓይኒ እቶም ዚርእይዋ እንታይ ጦብላሕታ እያ ኣሕዲራ፧ (ለ) ኣስቴር ካብ ኣይሁድ ከም ዝዀነት ዘይምንጋራ ንማርዶካይ ዘሐጐሶ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሄጋይ ብኣስቴር ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ ሸውዓተ ኣግራድን ኣብቲ ቤት ኣንስቲ ኸኣ ዝበለጸ ስፍራን ብምሃብ ሞገሱ ኣርኣያ። እቲ ጸብጻብ፡ “ኣስቴር ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝረኣይዋ ዘበሉ ዅሎም ሞገስ ትረክብ ነበረት” ይብል። (ኣስ. 2:9, 15) መልክዕ ጥራይ ንበይኑስ ንዅሉ ሰብ ባህ መበሎዶ፧ ኣይፋልን። ንኣስቴር ከም እትፍቶ ዝገበራ ኻልእ ነገራት እውን ነይሩ እዩ።

ኣስቴር፡ ትሕትናን ጥበብን ካብ ደጋዊ ትርኢት ብዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ ነበረት

13 ንኣብነት፡ “ማርዶካይ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፡ ኣስቴር ብዛዕባ ህዝባ ወይ ኣዝማዳ ኣይነገረትን” ዚብል ጸብጻብ ንረክብ ኢና። (ኣስ. 2:10) ማርዶካይ ንኣስቴር ካብ ወለዶ ኣይሁድ ምዃና ምእንቲ ኸይትፍለጥ ጥንቃቐ ኽትገብር ካብ ነገራ፡ ህዝቡ ኣብ ነገስታት ፋርስ ብዘይ ምኽንያት ይጽልኡ ኸም ዝነበሩ ተዓዚቡ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ኣስቴር ምስኡ እኳ እንተ ዘይነበረት፡ ከም ቀደማ ጥበበኛን ምእዝዝትን ኰይና ኺርእያ ኸሎስ፡ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሱ ይኸውን!

14. ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ነቲ ኣስቴር ዝሓደገቶ ኣብነት ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እውን ንልቢ ወለዶም ወይ ንልቢ መዕበዪኦም ኬሐጕሱ ይኽእሉ እዮም። ምስ ወለዶም ኣብ ዘይኰኑሉ እዋናት፡ ምስቶም ቍም ነገር ዘይብሎምን ርኹሳትን እኩያትን ሰባት ኣብ ዝዀኑሉ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ንሕማቕ ጽልዋታት ኪጻረርዎን ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዚፈልጥዎ ስርዓታት ብጥብቂ ኺሕልውዎን ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ከም ኣስቴር፡ ንልቢ ሰማያዊ ኣቦኦም የሐጕስዎ እዮም።—ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

15, 16. (ሀ) እቲ ንጉስ ንኣስቴር ዘፍቀራ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ንኣስቴር ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ሓድሽ ኵነታት ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እትቐርበሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ዜድልያ ዘበለ መሪጻ ኽትወስድ ተፈቒዱላ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ብዝያዳ ንኽትጸባበቕ ዚሕግዛ ነገራት ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዘይካ እቲ ሄጋይ ዝበላ ነገር፡ ካልእ ኣይሓተተትን። (ኣስ. 2:15) ጽባቐ ጥራይ ንበይኑ ንልቢ ንጉስ ከም ዘየሐጕስ፡ ትሕትና ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ኣኽቢርካ እትርአ ባህርይ ምዃና ተገንዚባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እሞኸ ልክዕ ድያ ነይራ፧

16 እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን ኣንስቲ ብዝያዳ ኣፍቀራ፣ ሓለፋ ዅለን ደናግል ከኣ ሞገሱን ስምረቱን ረኸበት። ስለዚ፡ ኣብ ርእሳ ዘውዲ ገበረላ፡ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ እውን ኣንገሳ።” (ኣስ. 2:17) እዛ ትሕትቲ ኣይሁዳዊት ጓል፡ ምስቲ ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ሓድሽ ኵነታት ተሰማሚዓ ኽትነብር፡ ማለት ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት እቲ ዝሓየለ ዝነበረ ንጉስ ሰበይቱ ዀይና ነጊሳ ኽትነብር ቀሊል ኣይነበረን። ግናኸ፡ እዚ ሓድሽ ኵነታታ ብትዕቢት ከም እትንፋሕ ገይርዋ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይገበራን!

17. (ሀ) ኣስቴር ነቲ ኸም ኣቦኣ ዀይኑ ዘዕበያ ማርዶካይ ትእዘዞ ዝነበረት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣስቴር ዝሓደገቶ ኣብነት ንዓና እውን ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ኣስቴር ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ኸም ኣቦኣ ዀይኑ ዘዕበያ ማርዶካይ ትእዘዞ ነበረት። ነቲ ምስ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበራ ዝምድና ብምስጢር እያ ሒዛቶ። ብዘይካዚ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እቲ ንኣሓሽዌሮስ ንምቕታል እተገብረ ውዲት ምስ ፈለጠ፡ ኣስቴር ንማርዶካይ ተኣዚዛ ነቲ ንጉስ ነገረቶ። እቲ ውዲት ድማ ፈሸለ። (ኣስ. 2:20-23) እወ፡ ኣስቴር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን መንፈስ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ብምንጽብራቕ ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት ኣርእያ እያ። ሎሚ ተኣዛዝነት ከም ጽቡቕ ባህርይ ጌርካ ዳርጋ ኣይርአን እዩ። ዘይተኣዛዝነትን ዕልወትን ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘለዎም ሰባት ግና፡ ልክዕ ከም ኣስቴር፡ ንተኣዛዝነት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ።

እምነት ኣስቴር ተፈተነት

18. (ሀ) ማርዶካይ ንሃማን ኪሰግደሉ ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ሎሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኣስኣሰር እምነት ማርዶካይ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

18 ሃማን ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ክብ ዝበለ ስልጣን ረኸበ። እቲ ንጉስ ንሃማን ቀንዲ ኣማኻሪኡ ኸም ዚኸውን ብምግባርን ኣብ ግዝኣቱ ድማ ካልኣይ ቦታ ብምሃብን ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ሸሞ። እቲ ንጉስ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ሰባት ነዚ ብዓል ስልጣን እዚ ኺርእይዎ ኸለዉ ፍግም ኢሎም ንኺሰግዱሉ ኣዘዘ። (ኣስ. 3:1-4) እቲ ሕጊ ንማርዶካይ ኣብ ጸገም ዜውድቖ እዩ ነይሩ። ማርዶካይ ነቲ ንጉስ ኪእዘዞ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ኪንዕቕ ከም ዘይብሉ እውን ይኣምን ነይሩ እዩ። ሃማን፡ ኣጋጋዊ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ዘርኢ እቲ ብነብዪ ሳሙኤል እተቐትለ ኣጋግ ዝስሙ ኣማሌቃዊ ንጉስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ሳሙ. 15:33) ኣማሌቃውያን ኣዝዮም እኩያት ስለ ዝነበሩ፡ ጸላእቲ የሆዋን እስራኤልን እዮም ነይሮም። ብደረጃ ህዝቢ ኸኣ ብኣምላኽ ተዀነኑ። * (ዘዳ. 25:19) ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እሞ ሓደ እሙን ኣይሁዳዊ ንኣማሌቃዊ ኪሰግደሉ ዚኽእል፧ ማርዶካይ ኪሰግደሉ ኣይከኣለን። ካብ መትከሉ ምንቕ ኣይበለን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ ነቲ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ይሕልውዎ እዮም።—ግብ. 5:29

19. ሃማን እንታይ እዩ ኺገብር ደልዩ፧ ብዛዕባኡ ነቲ ንጉስ ምእንቲ ኼእምኖኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧

19 ሃማን ኣዝዩ ተቘጥዐ። ኰይኑ ግና፡ ንማርዶካይ ጥራይ ቀቲሉ ኺዓርፍ ኣይደለየን። ንዅሎም ህዝቢ ማርዶካይ ኬጽንቶም ተሃንደደ! ስለዚ ድማ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣጸለሞም። ስሞም ከይጠቐሰ፡ ‘ኣብ መንጎ ህዝብታት ፋሕ ዝበሉን እተበተኑን’ ዘይረብሑ ህዝቢ ኸም ዝዀኑ ገይሩ ኸሰሶም። ዝገደደ ድማ፡ ንሕግታት ንጉስ ከም ዘይእዘዙ ገይሩ ብምጥቃን ከም ሓደገኛታት ተቓወምቲ መንግስቲ ገይሩ ኣቕረቦም። ነቲ ኣብቲ ግዝኣት ንዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድ ንምጥፋእ ዚወጽእ ወጻኢታት ንምሽፋን ከኣ፡ ናብ መዝገብ ንጉስ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዜእቱ ቓል ኣተወ። * ኣሓሽዌሮስ ድማ ንሃማን፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ገይሩ ትእዛዝ ምእንቲ ኺሓትም፡ ቀለቤቱ ሃቦ።—ኣስ. 3:5-10

20, 21. (ሀ) እቲ ሃማን ዝኣወጆ ኣዋጅ ንዅሎም እቶም ኣብ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ ኣይሁድ ዚትንክፎም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ማርዶካይ ንኣስቴር እንታይ ክትገብር እዩ ተማሕጺንዋ፧

20 ድሕርዚ፡ ቅልጡፋት ፈረሰኛታት፡ ኣይሁድ ኪቕተሉ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ደብዳቤታት ናብ ኵሉ ዅርናዓት እቲ ግዝኣት ኬብጽሑ ተላእኩ። እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ኣብቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ተመሊሶም ነታ ቐጽሪ ዘይነበራ ኸተማ ኺሃንጹ ዚቃለሱ ዝነበሩ ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ተረፍ ኣይሁድ ምስ በጽሐ፡ ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ገምቶ። ምናልባት ማርዶካይ ነዚ ዜሕዝን ወረ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባኦምን ብዛዕባ እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ፈተውቱን ኣዝማዱን ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ምጭናቑ እተላዕለ ድማ፡ ክዳኑ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱ ሓመዅሽቲ ነስነሰ፡ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ዀይኑ ኸኣ ብርቱዕ ኣውያት ኣእወየ። ሃማን ግና፡ በቲ ባዕሉ ኣብቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ሓያሎ ኣይሁድን ፈተውቶምን ዘውረዶ ሓዘን ቅጭጭ ከይበሎ፡ ምስቲ ንጉስ ኰይኑ ኽሰቲ ተቐመጠ።—ኣስቴር 3:12–4:1 ኣንብብ።

21 ማርዶካይ ሓደ ነገር ኪገብር ከም ዘለዎ ፈለጠ። ግናኸ፡ እንታይ እሞ እዩ ኺገብር፧ ኣስቴር ብዛዕባ ጭንቀቱ ምስ ሰምዐት ክዳውንቲ እኳ እንተ ለኣኸትሉ፡ ምጽንናዕ ኣበየ። እታ ዚፈትዋ ኣስቴር ካብኡ ተወሲዳ ሰበይቲ ሓደ ኣረማዊ ንጉስ ክትከውን የሆዋ ኣምላኹ ዝፈቐደሉ ምኽንያት፡ ንነዊሕ እዋናት የጨንቖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግና፡ እቲ ምኽንያት ኪንጽረሉ ዝጀመረ ይመስል። ማርዶካይ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መልእኽቲ ሰዲዱ፡ ናብ ንጉስ ቀሪባ፡ “ኣብ ክንዲ ህዝባ ኸተማልድ” ነገራ።—ኣስ. 4:4-8

22. ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣያ ዝነበረ ንጉስ ክትቀርብ ዝፈርሀት ስለምንታይ እያ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

22 ኣስቴር ነቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዐት፡ ልባ መኺኹ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ እምነታ ዚፍተነሉ ዝጸንከረ ዅነታት እዩ ነይሩ። ከምቲ ንማርዶካይ ከይተሰከፈት ዝገለጸትሉ ኸኣ ፈሪሃ እያ ነይራ። ንማርዶካይ ብዛዕባ ሕጊ እቲ ንጉስ ኣዘኻኸረቶ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከይተጸዋዕካ ምቕራብ ሞት እዩ ዜስዕብ። እቲ ንጉስ፡ ዘንጊ ወርቂ ዚዝርግሓሉ ጥራይ እዩ ዚድሕን ነይሩ። ብፍላይ ነቲ ዋሽቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክትቀርብ ምስ ተሓትተት ብምእባያ ዘጋጠማ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣስቴር ምሕረት ክትረክብ ዘይመስል እዩ ነይሩ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ፡ እቲ ንጉስ ን30 መዓልቲ ዚኣክል ከም ዘይጸውዓ ነገረቶ። ንኽንድዚ ዚኣክል መዓልትታት ከይተጸውዐት ምጽናሓ፡ ምናልባት እቲ ተቐያያሪ ጠባይ ዝነበሮ ንጉስ ሞገሱ ኸም ዝነፈጋ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። *ኣስ. 4:9-11

23. (ሀ) ማርዶካይ ንኣስቴር እምነታ ምእንቲ ኼደልድለላ እንታይ እዩ ኢሉ፧ (ለ) ማርዶካይ ሰናይ ኣብነት ዝዀነና ስለምንታይ እዩ፧

23 ማርዶካይ ንኣስቴር እምነታ ምእንቲ ኼደልድለላ ኣትሪሩ መለሰላ። ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዳ፡ ድሕነት ካብ ካልእ ምንጪ ኺመጽእ ከም ዚኽእል ኣረጋገጸላ። ግናኸ፡ እቲ ስደት ተወሊዑ ኽነሱ፡ ከመይ ገይራ እያ እሞ ኽትድሕን እትኽእል፧ ማርዶካይ ኣብቲ ህዝቡ ኺጸንቱን ተስፋታቱ ኺፈሽልን ፈጺሙ ዘይፈቅድ የሆዋ፡ ድልዱል እምነት ከም ዝነበሮ ኣርኣየ። (እያ. 23:14) ሽዑ፡ ማርዶካይ ንኣስቴር፡ “ንኸምዚ ዝበለ እዋን መዓርግ ንግስና ረኺብኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧” ኢሉ ሓተታ። (ኣስ. 4:12-14) ማርዶካይ ሰናይ ኣብነት ደይኰነን ዚዀነና፧ ከመይሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ይእመን ነይሩ እዩ። ንሕናኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ኣሎናዶ፧—ምሳ. 3:5, 6

ንፍርሂ ሞት እተሰንፍ እምነት

24. ኣስቴር እምነትን ትብዓትን ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

24 እቲ ኣስቴር ስጕምቲ እትወስደሉ ወሳኒ ህሞት በጽሐ። ንማርዶካይ፡ ንደቂ ዓዳ ኣኪቡ ንሰለስተ መዓልቲ ምስኣ ኺጾሙ ኺነግሮም ሓበረቶ። ንመልእኽታ ድማ በተን ንእምነታን ንትብዓታን ዜንጸባርቓ፡ ንዘመናት ዚኣክል ድማ ኪቕዳሓ ዝጸንሓ፡ “እንተ ጠፊአ ኸኣ፡ እጥፋእ” ዚብላ ቓላት ደምደመቶ። (ኣስ. 4:15-17) ኣብተን ሰለስተ መዓልትታት እቲአን ካብቲ ቕድሚኡ እትገብሮ ዝነበረት፡ ዝያዳ ዕምቈት ዘለዎ ጸሎት ኣቕሪባ ኽትከውን ኣለዋ። መወዳእታኡ ኸኣ እታ ስጕምቲ እትወስደላ ህሞት በጽሐት። ብእተኻእላ መጠን ነቲ ንጉስ ክትማርኸሉ እትኽእል ነገራት ብምግባር፡ እቲ ዝበለጸ ዓይነት ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ተበገሰት።

ኣስቴር ንህዝቢ ኣምላኽ ምእንቲ ኸተዕቍብ ንህይወታ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ኣእተወታ

25. ኣስቴር ኣብ ቅድሚ ሰብኣያ ኽትቀርብ ከላ ብዛዕባ ዝነበረ ዅነታት ግለጽ።

25 ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ እተገልጸ፡ ኣስቴር ናብ ዝፋን ንጉስ እያ ኸይዳ። ክሳዕ ክንደይ ትጭነቕን ትጽልን ከም ዝነበረት ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ናብቲ ኣሓሽዌሮስ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ዚርኣየሉ ኣዳራሽ ኣተወት። ሽዑ፡ ነቲ ብምዕሩይ ኣገባብ ብእተዓዅለለ ጸጕርን ብትርብዒታዊ ቕርጺ ብእተቐምቀመ ጭሕምን ተሰሊሙ ዝነበረ ገጽ ንጉስ ከተንብብ ፈቲና ኽትኸውን ትኽእል እያ። ክሳዕ ዚርእያ ተጸብያ እንተ ዀይና፡ ዓመት ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ እታ ህሞት እቲኣ ሓለፈት፡ ብዓል ቤታ ድማ ረኣያ። ሽዑ፡ ደንጽይዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሩህ ገጽ እዩ ነይርዎ፣ ነቲ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሓላ!—ኣስ. 5:1, 2

26. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ኣስቴር ተባዓት ኪዀኑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝወሰደቶ ስጕምቲ መጀመርታ ጥራይ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

26 ኣስቴር ተሰማዕነት ረኸበት። መትከላ ምስ ኣምላኻን ምስ ህዝባን ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኰነ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ሰርዓትሎም። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብነት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። የሱስ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ በታ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዜርእይዋ ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።) ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ንምርኣይ ከም ኣስቴር ተባዕ ክትከውን ዚሓትት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣስቴር ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንህዝቢ ኣምላኽ እኳ እንተ ተሓለቐትሎም፡ ብድሕሪኡ እውን ክትገብሮ ዝነበራ ነገር ነይርዋ እዩ። ነቲ ንጉስ፡ እቲ ዝፈትዎ ኣማኻሪኡ ዝዀነ ሃማን እኩይ ሰብ ምዃኑ ብኸመይ እያ ኸተእምኖ፧ ንህዝባ ንምድሓን እንታይ ስጕምቲ እያ ኽትወስድ፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእየን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣሓሽዌሮስ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ ሃጸያዊት ግዝኣት ፋርስ ዝነበረ ዘርክሲስ ቀዳማይ ከም ዝዀነ እዩ ዚሕሰብ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ ምዕራፍ 16 ዘላ፡ “ብዛዕባ ኣስቴር ዚቐርብ ሕቶታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 18 ንጉስ ህዝቅያስ ኣቐድም ኣቢሉ ነቶም “ዝተረፉ” ኣማሌቃውያን ኣጽኒትዎም ስለ ዝነበረ፡ ሃማን ሓደ ኻብቶም ዘምለጡ ናይ መወዳእታ ኣማሌቃውያን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ዜና 4:43

^ ሕ.ጽ. 19 ሃማን 10,000 ታለንት ብሩር፡ ብናይ ሎሚ ሸርፊ ኸኣ ኣማእታት ሚልዮናት ዶላራት እዩ ወፍዩ። ኣሓሽዌሮስ፡ ዘርክሲስ ቀዳማይ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሃማን ዝወፈዮ ገንዘብ ነቲ ንጉስ ዝያዳ ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ዘርክሲስ ነቲ ምስ ግሪኻውያን ኪዋጋእ ንነዊሕ እዋን ወጢንዎ ዝነበረ ውጥን ዚኸውን ብዙሕ ገንዘብ የድልዮ ነይሩ እዩ። እቲ ውግእ እቲ ግና መወዳእታኡ ብዙሕ ክሳራ እዩ ኣስዒቡሉ።

^ ሕ.ጽ. 22 ዘርክሲስ ቀዳማይ፡ ተቐያያሪ ጠባይ ዝነበሮ ቝጡዕ ንጉስ ከም ዝነበረ እዩ ዚፍለጥ። ሄሮዶተስ ዚብሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ገለ ኻብቲ ዘርክሲስ ቀዳማይ ምስ ግሪኽ ዝገበሮ ውግእ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ንጉስ፡ ጃላቡ ኣብቲ ጸቢብ ፈለግ ሄሌስፖንት ከም ድልድል ኰይነን ምእንቲ ኼገልግላ፡ ተሰሪዐን ኪገጣጠማ ኣዚዙ ነበረ። እቲ ድልድል ብማዕበል ምስ ዓነወ፡ ዘርክሲስ እቶም መሃንድሳት ኪስየፉ ኣዘዘ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንገላዉኡ ናይ ጸርፊ ኣዋጅ ኪንበብ ከሎ፡ ንፈለግ ሄሌስፖንት ብጭጕራፍ ገሪፎም “ኪቐጽዕዎ” ኣዘዞም። ኣብቲ ወፍሪ እቲ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ወዱ ኣብ ሰራዊት ከይካፈል ምሕረት ኪግበረሉ ምስ ሓተተ፡ ዘርክሲስ ነቲ ወዲ ኣካላቱ ኣብ ክልተ ቘሪጾም፡ ንመጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን ኣብ ኣደባባይ ከም ዚርአ ኺገብርዎ ኣዘዘ።