ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሸውዓተ

“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”

“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”

1, 2. ሳሙኤል ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ንህዝቢ እስራኤል ዚዛረቦም ነይሩ፧ ምእንቲ ኺንስሑ፡ ኪሕግዞም ዘድለዮኸ ስለምንታይ እዩ፧

ሳሙኤል ንህዝቢ እስራኤል ጠመቶም። እቶም ህዝቢ ኣብ ጊልጋል እዮም ተኣኪቦም ነይሮም፣ እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል ነብዪን ፈራድን ኰይኑ ብተኣማንነት ዘገልገለ ሰብኣይ ከኣ እዩ ኣብኡ ንኺእከቡ ጸዊዕዎም። እዋኑ ግንቦት ወይ ሰነ ኪኸውን ከሎ፡ ሓጋይ ካብ ዚጅምር እተወሰነ ግዜያት ሓሊፉ ነበረ። ንዓጺድ ዝበጽሐ ስርናይ ድማ ነቲ ግራውቲ ሸፊንዎ ነበረ። ሽዑ፡ ኣብቲ ህዝቢ ጸጥታ ሰፈነ። ሳሙኤል ብኸመይ ኰን እዩ ልቦም ኪትንክፍ ዚኽእል፧

2 እቶም ህዝቢ ዅነታቶም ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም እዮም ኣትሪሮም ሓቲቶም ነይሮም። ንየሆዋ ኣምላኾምን ንነብዪኡን ከም ዝነዓቕዎም ኣይተረድኡን ነይሮም። አረ ንየሆዋ ንጉሶም ከይከውን እዮም ነጺጎምዎ። እሞኸ ምእንቲ ኺንስሑ፡ ሳሙኤል ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ሳሙኤል ቈልዓ ኸሎ ዘርኣዮ ጠባይ፡ ሕማቕ ጽልዋ እናሃለወ እውን ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ክትዕቅብ ከም ዚከኣል ይምህረና

3, 4. (ሀ) ሳሙኤል ብዛዕባ ግዜ ንእስነቱ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ሳሙኤል ብእምነት ዝመጸ ዝሓደጎ ኣብነት ሎሚ ንዓና ዚጠቕመና ስለምንታይ እዩ፧

3 ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ፡ “ኣነ ኸኣ ኣሪገን ሸዪበን እየ” በሎም። እቲ ዝሸየበ ጸጕሩ፡ ንቓላቱ ዝያዳ ርዝነት ወሰኸሉ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ መሪሐኩም እየ” በሎም። (1 ሳሙ. 11:14, 15፣ 12:2) ኣሪጉ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ ንእስነቱ ዘሕለፎ ዅነታት ግና ኣይረስዖን። እቲ ተዘክሮታቱ ኻብ ኣእምሮኡ ኣይሃሰሰን ነይሩ። እቲ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገበሮ ውሳነ፡ ንኣምላኹ የሆዋ ብእምነትን ብተወፋይነትን ኬገልግል ሓጊዝዎ እዩ።

4 ሳሙኤል በቶም እምነት ዘይብሎምን ከዳዓትን ዝነበሩ ህዝቢ ተኸቢቡ ኽነሱ፡ እምነቱ ዓቂቡ ይመላለስ ነበረ። ሎሚ እውን፡ ኣብዛ እምነት ዘይብላን ብልሽውትን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ እምነትካ ዓቂብካ ምምልላስ ከቢድ እዩ። (ሉቃስ 18:8 ኣንብብ።) ካብቲ ሳሙኤል ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

“ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ . . . ኣብ ቅድሚ የሆዋ የገልግል ነበረ”

5, 6. ሳሙኤል ፍልይ ዝበለ ኣተዓባብያ ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧ ወለዱ እቲ ዜድሊ ኽንክን ከም ዚረክብ ርግጸኛታት ዝነበሩኸ ስለምንታይ እዮም፧

5 ሳሙኤል፡ ፍልይ ዝበለ ኣተዓባብያ እዩ ነይርዎ። ጡብ ምስ ሓደገ፡ ማለት ወዲ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ካብ ዓዱ ራማ ልዕሊ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ፡ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረ ቕዱስ ማሕደር የሆዋ ኼገልግል ጀመረ። ከመይሲ፡ ወለዱ ኤልቃናን ሃናን፡ ናዝራዊ ዀይኑ ምሉእ ህይወቱ ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት ምእንቲ ኼገልግል ንየሆዋ ወፍዮምዎ እዮም። * ወለዱ ኸምዚ ምግባሮም ግና፡ ዘይፈትውዎ ስለ ዝነበሩ ደርብዮምዎ ኸይዶም ማለት ድዩ፧

6 ከምኡ ማለት ኣይነበረን። ወዶም ኣብ ሺሎ ኽንክን ከም ዚረክብ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሳሙኤል ምስ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ብቐረባ ይዓዪ ስለ ዝነበረ፡ ኤሊ ይከናኸኖ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣብቲ ማሕደር ብእተወደበ መገዲ ዜገልግላ ኣንስቲ ነይረን እየን።—ዘጸ. 38:8፣ መሳ. 11:34-40

7, 8. (ሀ) ወለዲ ሳሙኤል ንወዶም ዓመት ዓመት ፍቕራዊ መተባብዒ ዚህብዎ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብ ወለዲ ሳሙኤል እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

7 ብተወሳኺ፡ ሃናን ኤልቃናን ነቲ ብጸሎት እተረኽበ ዜፍቅርዎ በዅሪ ወዶም ፈጺሞም ኣይረስዕዎን። ሃና ንኣምላኽ ወዲ ኺህባ ለሚናቶ ነይራ እያ፣ ነቲ እትወልዶ ወዲ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ኬቕርብ ከም እትውፍዮ ድማ ተመባጺዓ ነይራ እያ። ንሳሙኤል ክትበጽሖ ኢላ ዓመት ዓመት ናብኡ ኽትከይድ ከላ፡ ኣብ ዕዮ እቲ ማሕደር ዚኽደኖ ሓድሽ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ትወስደሉ ነበረት። እቲ ንእሽቶ ወዲ ዝነበረ ሳሙኤል ነቲ ወለዱ ዚገብሩሉ ዝነበሩ ምብጻሕ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ወለዱ ዚህብዎ ዝነበሩ ፍቕራዊ ምትብባዕን መምርሕን ኰነ ኣብቲ ፍሉይ ቦታ ንየሆዋ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ከም ዝዀነ ዚምህርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ የበራትዖ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

8 ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብ ሃናን ኤልቃናን ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ እናበሉ ንደቆም ስጋዊ ነገራት ኬማልኡሎም ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ጥራይ የተኵሩ ይዀኑ። ወለዲ ሳሙኤል ግና ንመንፈሳዊ ነገራት እዮም ቀዳምነት ዚህቡ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሳሙኤል ዓብዪ ጽልዋ ነይርዎ እዩ።—ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።

9, 10. (ሀ) እቲ ማሕደር ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ፡ ሳሙኤል ከኣ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ቦታ እቲ እንታይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ ግለጽ። (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ገለ ኻብቲ ንሳሙኤል ዝነበሮ ሓላፍነት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ኣብነቱ ኺስዕቡ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧

9 ሳሙኤል ነቲ ኣብ ከባቢ ሺሎ ዝነበረ ዅርባታት እናዳህሰሰ ኺዓቢ ኸሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ነታ ትሕት ኢላ እትርከብ ከተማን ነቲ ብሓደ ሸነኻ ዝነበረ ስንጭሮን ይርኢ እኳ እንተ ነበረ፡ ንማሕደር የሆዋ ኺርኢ ኸሎ ግና፡ ልቡ ብሓጐስን ብሓበንን ይምላእ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ማሕደር፡ ቅዱስ ቦታ እዩ ነይሩ። * እቲ ማሕደር እቲ፡ ኣስታት 400 ዓመት ኣቐዲሙ ብመሪሕነት ሙሴ እተሰርሐ ዀይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ።

10 እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ነቲ ማሕደር እናፈተዎ ኸደ። እቲ ጸኒሑ ባዕሉ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ “ሳሙኤል ከኣ ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ኤፎድ በፍታ ተዓጢቑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የገልግል ነበረ።” (1 ሳሙ. 2:18) እቲ ዚዕጠቖ ዝነበረ ቐምሽ ላዕሊ፡ ኣብቲ ማሕደር ንዝነበሩ ኻህናት ይሕግዞም ምንባሩ ዚሕብር እዩ። ሳሙኤል ካብ ክፍሊ ኻህናት እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንግሆ ንግሆ መዓጹ እቲ ማሕደር ናይ ምኽፋትን ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤሊ ናይ ምግልጋልን ሓላፍነት ነበሮ። ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ተሓጒሱ ይገብሮ እኳ እንተ ነበረ፡ ዜጕህዮ ነገራት ግና ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣዝዩ ዜሰንብድ ነገራት ይግበር ነይሩ እዩ።

ብልሽውና እናረኣየ ኽነሱ፡ ንጽህናኡ ሓለወ

11, 12. (ሀ) ሆፍንን ፊንሃስን እንታይ ርኡይ ጕድለት እዩ ነይርዎም፧ (ለ) ሆፍንን ፊንሃስን ኣብ ማሕደር የሆዋ እንታይ ዓይነት እከይን ብልሽውናን እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

11 ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኸሎ፡ እከይን ብልሽውናን ረኣየ። ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ዚብሃሉ ኽልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ሳሙኤል ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “ደቂ ኤሊ ኸኣ እኩያት ነበሩ፣ ንየሆዋ ድማ ኣኽብሮት ኣይነበሮምን” ይብል። (1 ሳሙ. 2:12) እዚ ኣብዛ ጥቕሲ ዚርከብ ክልተ ሓሳብ፡ ሓቢሩ ዚኸይድ እዩ። ሆፍንን ፊንሃስን ንየሆዋ ኣኽብሮት ስለ ዘይነበሮም፡ “እኩያት” እዮም ነይሮም። ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ስርዓታትን ብቕዓታትን የሆዋ ግዲ ኣይነበሮምን። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓጢኣት ፈጸሙ።

12 እቲ ብዛዕባ ሓላፍነት ካህናትን ኣብቲ ማሕደር መስዋእቲ ብዛዕባ ዜቕርቡሉ መገድን ዚገልጽ ሕጊ ኣምላኽ ንጹር እዩ ነይሩ። ከምኡ ምዃኑ ኸኣ ግቡእ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት፡ ነቲ ኣምላኽ ንሓጢኣት ይቕረ ንምባል ዝገበሮ መሰናድዎ ዜመልክት እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ንጹሃት ይዀኑ፡ በረኸቱን መምርሒኡን ኪረኽቡ ድማ ይበቕዑ ነበሩ። ብሰንኪ ሆፍንን ፊንሃስን ግና፡ እቶም ካህናት ነቲ መስዋእቲ ኺንዕቅዎ ጀመሩ። *

13, 14. (ሀ) ቅኑዓት ሰባት በቲ ኣብ ማሕደር የሆዋ ዚፍጸም ዝነበረ እከይ ዚጕድኡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኤሊ ነቲ ኸም ኣቦን ከም ሊቀ ኻህናትን መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ብዚግባእ ዘይፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧

13 እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ኪብሃል ኪርኢ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። መንፈሳዊ ምጽንናዕን ምብርታዕን ኪረኽቡ ኢሎም ናብቲ ቕዱስ ማሕደር ዚመጹ ድኻታትን ግፉዓትን ዚርከብዎም ሰባት፡ ጕህዮምን ተዋሪዶምን ኪኸዱ ኸለዉ ኺርኢ ኸሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሳሙኤል፡ ሆፍንን ፊንሃስን ነቲ የሆዋ ንጾታዊ ስነ ምግባር ብዚምልከት ዘውጽኦ ሕጊ ዕሽሽ ኢሎም፡ ምስተን ኣብቲ ማሕደር ዜገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ኸም ዚድቅሱ ምስ ፈለጠ እንታይ ኰን ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ (1 ሳሙ. 2:22) ምናልባት ሳሙኤል፡ ኤሊ ገለ ስጕምቲ ኺወስድ ተጸብዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሳሙኤል ነቲ ደቂ ኤሊ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ እከይ ኪርኢ ኸሎ ብዙሕ ይጕሂ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ

14 ኤሊ ነቲ ዅነታት ንምትዕርራይ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ። ሊቀ ኻህናት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብቲ ማሕደር ዚግበር ነገራት ብሓላፍነት ይሕተተሉ ነይሩ እዩ። ኣቦ ሆፍንን ፊንሃስን ብምዃኑ ድማ፡ ንደቁ ናይ ምእራም ግዴታ ነይርዎ እዩ። ከመይሲ፡ ደቁ ንርእሶምን ንብዙሓት ሰባትን እዮም ዚጐድኡ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኤሊ ነቲ ኸም ኣቦን ከም ሊቀ ኻህናትን መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ብዚግባእ ኣይፈጸሞን። ንደቁ ኣፍኵስ ኣቢሉ ጥራይ ገንሖም። (1 ሳሙኤል 2:23-25 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ይፍጽሙ ስለ ዝነበሩ፡ ሓያል ተግሳጽ እዩ ዜድልዮም ነይሩ።

15. የሆዋ ንኤሊ እንታይ ሓያል መልእኽቲ እዩ ልኢኹሉ፧ ስድራ ቤት ኤሊኸ ነቲ መጠንቀቕታ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧

15 እቲ ዅነታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ፡ የሆዋ ንሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” ንኤሊ ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ኺነግሮ ለኣኾ። የሆዋ ንኤሊ፡ “ካባይ ኣብሊጽካ ንደቅኻ ኣኽቢርካ” በሎ። ኣስዒቡ እውን፡ እቶም እኩያት ደቂ ኤሊ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኸም ዚሞቱ፡ ስድራ ቤት ኤሊ ድማ መዓት ከም ዚወርዳን ኣብቲ ኽህንነት ዝነበራ ፍሉይ መሰል ከም እትስእንን ተነበየ። እዚ ሓያል መጠንቀቕታ ኣብታ ስድራ ቤት ለውጢ ኣምጺኡዶ፧ እቲ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣይገበሩን።—1 ሳሙ. 2:27–3:1

16. (ሀ) ብዛዕባ ዕቤት ሳሙኤል እንታይ ጸብጻብ ኢና እነንብብ፧ (ለ) እቲ ጸብጻብ ልብኻ ተንኪፉካዶ፧ ግለጽ።

16 እዚ ብልሽውና እዚ ንሳሙኤል ጽልዋ ገይሩሉ ድዩ፧ ኣብ መንጎ እዚ ብሕማቕ ተግባራት ዝመልአ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ዕቤት ሳሙኤል ዚገልጽ ባህ ዜብል ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:18 ዚርከብ፡ “ሳሙኤል ከኣ ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ . . . ኣብ ቅድሚ የሆዋ የገልግል ነበረ” ዚብል ጸብጻብ ትዝክሮ ትኸውን። ገና ቘልዓ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ህይወቱ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘተኰረት እያ ነይራ። ኣብ ፍቕዲ 21፡ “ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ” ዚብል ዝያዳ ልቢ ዚትንክፍ ጸብጻብ ነንብብ። ሳሙኤል እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ እናደልደለ ኸደ። እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ድልዱል ብሕታዊ ርክብ ከኣ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዜበላሹ ነገራት ከም ዝሓለዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

17, 18. (ሀ) ክርስትያን መንእሰያት ብልሽውና ኼጋጥሞም ከሎ ኣብነት ሳሙኤል ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሳሙኤል ቅኑዕ መገዲ ኸም ዝመረጸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

17 ሳሙኤል፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ደቁን ሓጢኣት ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ንሱ እውን ድላዩ ኺገብር ከም ዚኽእል ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ሰባት፡ እንተላይ እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ዜርእይዎ ብልሽውና፡ ሓጢኣት ክትገብር ምኽኒት ኣይከውንን እዩ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቀረባኦም ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ኣብነት እኳ እንተ ዘይኰንዎም፡ ኣብነት ሳሙኤል ብምስዓብ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓብዩ’ ኣለዉ።

18 ሳሙኤል ብንጽህና ብምምልላሱ እንታይ ዓስቢ እዩ ረኺቡ፧ “ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ ብቝመትን ብሞገስን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ሰባትን ይዓቢ ነበረ” ዚብል ነንብብ። (1 ሳሙ. 2:26) ስለዚ፡ ሳሙኤል እንተ ወሓደ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅኑዓት ሰባት ተፈታዊ እዩ ነይሩ። ብተኣማንነቱ ድማ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ሳሙኤል፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብ ሺሎ ዚግበር ዝነበረ ኽፋእ ንምውጋድ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ መዓስ ከም ዚኸውን ግና የተሓሳስቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ለይቲ፡ እቲ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ነገር ምላሽ ረኸበ።

“ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ”

19, 20. (ሀ) ሓደ ለይቲ ኣብ ማሕደር የሆዋ ንሳሙኤል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ግለጽ። (ለ) ሳሙኤል እቲ መልእኽቲ ኻብ መን ከም ዝመጸ ብኸመይ እዩ ፈሊጡ፧ ምስ ኤሊ ዝነበሮ ርክብከ ኸመይ እዩ ነይሩ፧

19 ገና ምድሪ ኸይወግሐ፡ እቲ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ዓብዪ መብራህቲ ድማ በሪሁ ኸሎ፡ ሳሙኤል ስሙ ኺጽዋዕ ሰምዐ። እቲ ኣዝዩ ኣሪጉን ዳርጋ ዓዊሩን ዝነበረ ኤሊ ዝጸውዖ መሰሎ። “ጐይዩ” ድማ ናብኡ ኸደ። እዚ ንእሽቶ ወዲ፡ ኤሊ እንታይ ከም ዝደለየ ንምፍላጥ ጥራይ እግሩ ኺጐዪ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ሳሙኤል ንኤሊ የኽብሮን ይልውሃሉን ከም ዝነበረ ምፍላጥና ልቢ ዚትንክፍ እዩ። ኤሊ ብዙሕ ሓጢኣት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሊቀ ኻህናት የሆዋ እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 3:2-5

20 ሳሙኤል ንኤሊ ኣበራቢሩ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ኤሊ ግና ከም ዘይጸውዖ ብምዝራብ፡ ተመሊሱ ኺድቅስ ነገሮ። ብተደጋጋሚ ኸኣ ከምዚ ኣጋጠመ። ኣብ መወዳእታ፡ ኤሊ እንታይ ከም እተፈጥረ ኣስተውዓለ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሆዋ ብራእይ ወይ ብትንቢታዊ መልእኽቲ ኣቢሉ ንህዝቡ ዚዛረቦም ዝነበረ ሓሓሊፉ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ሕጂ ግና ኤሊ፡ የሆዋ ነቲ ንእሽቶ ወዲ ይዛረቦ ኸም ዘሎ ፈለጠ። ኤሊ ንሳሙኤል ተመሊሱ ኺድቅስ ብምንጋር፡ ብኸመይ ብግቡእ ኪምልስ ከም ዚግብኦ መኸሮ። ሳሙኤል ከኣ ተኣዘዘ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ሳሙኤል፡ ሳሙኤል” ዚብል ድምጺ ሰምዐ። እቲ ወዲ ድማ፡ “ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ” ኢሉ መለሰ።—1 ሳሙ. 3:1, 5-10

21. ሎሚ ንየሆዋ ብኸመይ ክንሰምዖ ንኽእል፧ ከምኡ ኽንገብር ጠቓሚ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

21 የሆዋ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሺሎ ዚሰምዖ ኣገልጋሊ ረኸበ። ከመይሲ፡ ሳሙኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ ይሰምዖ ነይሩ እዩ። ንሕናኸ፧ ለይቲ ልዕለ ባህርያዊ ድምጺ ኺዛረበና ኽንጽበ የብልናን። ኰይኑ ግና፡ በቲ እተማልአ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ ድምጺ ኣምላኽ ወትሩ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕና ምላሽ ብዝሃብና መጠን፡ እምነትና እውን እናደልደለት እያ እትኸይድ። እምነት ሳሙኤል እውን እናደልደለት እያ ኸይዳ።

ሳሙኤል ፈሪሁ እኳ እንተ ነበረ፡ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ብተኣማንነት ንኤሊ ነገሮ

22, 23. (ሀ) እቲ ሳሙኤል ኪዛረበሉ ዘፍርሆ መልእኽቲ ብኸመይ ተፈጸመ፧ (ለ) ሳሙኤል ዝነበሮ ዝና እናዓበየ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧

22 እቲ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ሺሎ ዘጋጠመ ዅነታት፡ ኣብ ህይወት ሳሙኤል ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ ኺፈልጦ ጀሚሩ እዩ፣ ነብዪን ኣፈኛን ኣምላኽ ከኣ ኰይኑ እዩ። ፈለማ፡ ሳሙኤል እቲ ብዛዕባ ስድራ ኤሊ እተዘርበ ትንቢት ዚፍጸመሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዚሕብር ናይ መወዳእታ መልእኽቲ የሆዋ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሀ። ኰይኑ ግና፡ ሳሙኤል ብትብዓት ንኤሊ ተዛረቦ፡ ኤሊ ኸኣ ነቲ መለኮታዊ ፍርዲ ብትሕትና ተቐበሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ተፈጸመ። እስራኤላውያን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ምስ ከዱ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ብሓንቲ መዓልቲ ተቐትሉ። ኤሊ ኸኣ እቲ ቕዱስ ታቦት የሆዋ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዐ፡ ሞተ።—1 ሳሙ. 3:10-18፣ 4:1-18

23 ይኹን እምበር፡ ሳሙኤል ከም እሙን ነብዪ ኣምላኽ መጠን ዝነበሮ ዝና እናዓበየ ኸደ። እቲ ጸብጻብ፡ “የሆዋ ኸኣ ምስኡ ነበረ” ይብል። ካብቲ ሳሙኤል እተዛረቦ ትንቢታት ዋላ ሓደ እውን ይኹን ከይተፈጸመ ኺተርፍ የሆዋ ኸም ዘይፈቐደ እውን ተገሊጹ ኣሎ።—1 ሳሙኤል 3:19 ኣንብብ።

“ሳሙኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ”

24. ድሕሪ ግዜ፡ እስራኤላውያን እንታይ እዮም ደልዮም፧ እዚ ኸቢድ ሓጢኣት ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

24 እሞኸ እስራኤላውያን ንመሪሕነት ሳሙኤል ተቐቢሎም መንፈሳውያንን እሙናትን ህዝቢ ዀይኖምዶ፧ ኣይኰኑን። ድሕሪ ግዜ፡ ነብዪ ጥራይ ዝዀነ ሰብ ኪፈርዶም ኣይደለዩን። ከም ካልኦት ኣህዛብ፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪገዝኦም ደለዩ። ሳሙኤል ከኣ ብመሪሕነት የሆዋ ነቲ ዝደለይዎ ፈጸመሎም። ኰይኑ ግና፡ ንእስራኤላውያን ክብደት እቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ነገሮም። ከመይሲ፡ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እዮም ዚነጽግዎ ነይሮም። ስለዚ ድማ እዩ ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ኣብ ጊልጋል ዝኣከቦም።

ሳሙኤል ብእምነት ጸለየ፡ የሆዋ ኸኣ ነጕድን ዝናምን ብምስዳድ መለሰሉ

25, 26. ኣብ ጊልጋል፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ንኽብደት እቲ ኣብ የሆዋ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ኪርድኡ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

25 ኣብቲ ሳሙኤል ንእስራኤላውያን ኣብ ጊልጋል ኪዛረቦም ከሎ ዝነበረ ውጥረት ዝመልኦ ዅነታት ከም ዝነበርና ጌርና እሞ ንሕሰብ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ብተኣማንነት ንጽህናኡ ሓልዩ ኸም እተመላለሰ ንእስራኤላውያን ኣዘኻኸሮም። ድሕሪኡ፡ “ሳሙኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ” ዚብል ነንብብ። ንየሆዋ ነጕድን ዝናምን ኪሰድድ እዩ ለሚንዎ።—1 ሳሙ. 12:17, 18

26 ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ነጕድን ዝናምን ኪህሉ ፈጺሙ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ! እቶም ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ይጠራጠሩ ወይ የላግጹ እንተ ነይሮም፡ ጥርጣረኦም ወይ ላግጾም ነዊሕ ኣይጸንሐን። ሰማይ ብሃንደበት ብደበና ተሸፈነ። ንፋስ ኪነፍስ ጀመረ፡ ነቲ ኣብ ግራውቲ ዝነበረ ስርናይ ከኣ ኣወዛወዞ። እዝኒ ዜጽምም ድምጺ ነጐዳ ድማ ይስማዕ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ዝናም ኪዘንም ጀመረ። እቶም ህዝቢ እንታይ ተሰምዖም፧ “ንየሆዋን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርህዎም።” እወ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓጢኦም ከም ዝነበሩ ኣስተብሃሉ።—1 ሳሙ. 12:18, 19

27. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣስኣሰር እምነት ሳሙኤል ዚስዕቡ ሰባት እንታይ እዩ ዚስምዖ፧

27 ልቢ እዞም ዓለወኛታት ህዝቢ ዝተንከፈ፡ ሳሙኤል ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ሳሙኤል ካብ ግዜ ንእስነቱ ኽሳዕ እርጋኑ ብኣምላኽ ኣሚኑ እዩ። የሆዋ ኸኣ ባሪኽዎ እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኣይተለወጠን። ነቶም ኣስኣሰር እምነት ሳሙኤል ዚስዕቡ ይድግፎም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ናዝራውያን ኣልኮላዊ መስተ ኸይሰትዩን ጸጕሮም ከይቈርጹን ቃል ይኣትዉ ነበሩ። መብዛሕትኦም ሰባት ንእተወሰነ እዋን ጥራይ እዮም ናዝራውያን ዝዀኑ ነይሮም፣ ከም ሲምሶንን ሳሙኤልን ዮሃንስ መጥምቕን ዝኣመሰሉ ግና፡ ምሉእ ህይወቶም እዮም ናዝራውያን ኰይኖም።

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ መቕደስ፡ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ዓብዪ ድንኳን ኰይኑ፡ ቅርጹ ቕኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብብሉጽ ነገራት፡ ማለት ብቘራብቲ ታሓሽን ብዜደንቕ መገዲ ብእተጠልፈ ዓለባን ወርቅን ብሩርን ብእተለበጦ ኣዝዩ ኽቡር ዕንጨይትን እዩ ተሰሪሑ። እቲ መቕደስ፡ ቅኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ ኣብ ዝቕርጹን መስዋእቲ ዚቐርበሉ ዜደንቕ መሰውኢ ኣብ ዘለዎን ኣጸድ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ማሕደር፡ ካህናት ዚጥቀሙሉ ተወሳኺ ኽፍልታት ተሰሪሑ ኪኸውን ኣለዎ። ሳሙኤል ኣብ ሓደ ኻብቲ ኽፍልታት እቲ ይድቅስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብቲ ጸብጻብ፡ ክልተ ዓይነት ንዕቀት እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብቐዳምነት፡ እቶም ካህናት ካብቲ ዝቐረበ መስዋእቲ ነየናይ ክፋል ኪበልዑ ኸም ዚኽእሉ፡ ኣብቲ ሕጊ ብንጹር ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 18:3) ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብቲ ማሕደር ዝነበሩ እኩያት ካህናት ምስዚ ዚጻረር ተግባር ይፍጽሙ ነበሩ። ጊልያኦም ዓብዪ ሻኳ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ ናብ ቍራዕ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዓሎ ዘበለ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ንርእሶም ይወስድዎ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ መስዋእቲ ኬቕርብ ኢሉ ናብቲ መሰውኢ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም እኩያት ካህናት ብጊልያኦም ኣቢሎም ብምፍርራህ፡ እቲ ስብሒ ሓሪሩ ንየሆዋ ገና ኸይቀረበ ኸሎ፡ ጥረ ስጋ ይወስዱ ነበሩ።—ዘሌ. 3:3-5፣ 1 ሳሙ. 2:13-17