ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሰለስተ

‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’

‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’

1, 2. ዓለም ካብ ግዜ ኖህ ኣትሒዛ ተቐዪራ ዝነበረት ብኸመይ እያ፧ ኣብራምከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ስምዒት እዩ ነይርዎ፧

ኣብራም ኣማዕድዩ ኺጥምት ከሎ፡ እቲ ኣብታ ዓዱ ዝነበረት ከተማ ኡር ጐሊሑ ዚርአ ዝነበረ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ንኣቓልቦኡ ሰረቖ። * ካብቲ ቤተ መቕደስ ያዕያዕታ ይስማዕ፡ ትኪ ኸኣ ይተክኽ ነበረ። ካህናት ኣምላኽ ወርሒ፡ ከም ቀደሞም መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ኣብራም ርእሱ እናነቕነቐ ተጸዊጉ ናብ ካልእ ገጹ ኺጥምት ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብማእከል እቲ ኣብ ጐደናታት ዚውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ እናኸደ ናብ ቤቱ ኺጐዓዝ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኡር ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኻብ ግዜ ኖህ ዝጀመረ ብልሹው ኣምልኾ ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ ነበረ።

2 ኖህ ምስ ሞተ ኽልተ ዓመት ጸኒሑ እዩ ኣብራም ተወሊዱ። ኖህን ስድራ ቤቱን ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኻብ መርከብ ምስ ወጹ፡ ኖህ ንየሆዋ ኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕሪቡሉ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ቀስተ ደመና ኸም ዚርአ ገበረ። (ዘፍ. 8:20፣ 9:12-14) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ዓለም ንጹህ ኣምልኾ ጥራይ እዩ ነይሩ። ብግዜ ኣብራም፡ ማለት ኣብቲ ዓስራይ ወለዶ ኖህ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ተዘርጊሑሉ ዝነበረ እዋን ግና፡ ብንጹህ ኣምልኾ ዚመላለሱ ሰባት ኣዝዮም ሒደት እዮም ነይሮም። ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ጣኦታት እዮም ዜምልኹ ነይሮም። ታራ ኣቦ ኣብራም እውን ከይተረፈ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ተጸሚዱ ነበረ፣ ምናልባት እውን ጣኦት ይሰርሕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እያ. 24:2

ኣብራም ሓለፍ ዝበለት እምነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

3. ኣብራም ካብ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈለየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

3 ኣብራም ግና ብምኽንያት እታ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ካብ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈለየ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንኣብራም፡ ‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’ ኸም ዝዀነ ጠቒስዎ ኣሎ። (ሮሜ 4:11 ኣንብብ።) ኣብራም ኣብዚ ደረጃ እዚ ብኸመይ ከም ዝበጽሐ ንርአ። ንሕና እውን ብኸመይ ብእምነት ክንዓቢ ኸም እንኽእል ክንምሃር ኢና።

ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረት ዓለም ንየሆዋ ምግልጋል

4, 5. ኣብራም ብዛዕባ የሆዋ ኻብ መን እዩ ተማሂሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ከምኡ እንብለሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧

4 ኣብራም ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኪፈልጥ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንየሆዋ ኣብ ምድሪ እሙናት ኣገልገልቲ ኸም ዝነበርዎ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ኻባታቶም ከኣ ሴም እዩ ነይሩ። ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ደቂ ኖህ፡ በዅሪ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ወትሩ መጀመርታ እዩ ዚጥቀስ። እዚ ድማ ሓለፍ ዝበለት እምነት ስለ ዝነበረቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * ድሕሪ ማይ ኣይሂ ገለ ግዜ ጸኒሑ፡ ኖህ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ሴም” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። (ዘፍ. 9:26) ሴም ንየሆዋን ንንጹህ ኣምልኾን ኣኽብሮት ከም ዝነበሮ ኣርእዩ እዩ።

5 እሞኸ፡ ኣብራም ንሴም ይፈልጦዶ ነይሩ እዩ፧ ኪፈልጦ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ። ንኣብራም ቈልዓ ኸሎ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። ኣብራም እቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ንዝገበረ ታሪኽ ወዲ ሰብ ብኣዒንቱ ዝረኣየ ኣባሓጎኡ ብህይወት ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጐሱ ነይሩ ይኸውን! ሴም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ንዝነበረ ኽፍኣት፡ ነቲ ንምድሪ ዘጽረየ ማይ ኣይሂ፡ ምስራት እተን ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ እተፈጥራ ቐዳሞት ሃገራት፡ ከምኡ እውን ኣብ ግምቢ ባቤል ኣብ እተገብረ ዕልወት ኒምሮድ ንዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ብኣዒንቱ ርእዩ እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ ሴም ኣብቲ ዕልወት ስለ ዘይተኻፈለ፡ የሆዋ ንቛንቋ እቶም ሃነጽቲ እቲ ግምቢ ምስ ደባለቖ፡ ሴምን ስድራ ቤቱን ከም ቀደሞም በቲ ኖህ ዚዛረበሉ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ቛንቋ ደቂ ሰብ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ኣብራም ኣባል ቤተ ሰብ ሴም እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብራም ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ንሴም ኣኽብሮት ከም ዝነበሮ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ዘመን ኣብራም፡ ሴም ብህይወት ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብራም ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ሴም ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብራም ነቲ ኣብ ኡር ገኒኑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ነጸጎ

6. (ሀ) ኣብራም ካብ ማይ ኣይሂ ትምህርቲ ኸም ዝቐሰመ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብራምን ሳራይን እንታይ ዓይነት ህይወት እዮም ዚመርሑ ነይሮም፧

6 እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኣብራም ካብቲ ማይ ኣይሂ ትምህርቲ ቐሲሙ እዩ። ከምቲ ኖህ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ፡ ንሱ እውን ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ ጽዒሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ንኣምልኾ ጣኦት ነጺጉ ኣብ ኡር ካብ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ምናልባት ካብ ቤተ ሰቡ እውን ከይተረፈ፡ እተፈልየ ዝነበረ። ይኹን እምበር፡ እትንኣድ መጻምድቲ ረኺቡ እዩ። እወ፡ ነታ ብመልክዓ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በታ ኣብ የሆዋ ዝነበረታ እምነት እውን ፍልይቲ ዝነበረት ሳራይ እዩ ተመርዕዩዋ። * ኣብራምን ሳራይን ውሉድ እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ሓቢሮም ንየሆዋ ብምግልጋሎም ብዙሕ ይሕጐሱ ኸም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዘኽታም ዝነበረ ወዲ ሓዉ ሎጥ እውን ከም ውላዶም ኣዕብዮምዎ እዮም።

7. ሰዓብቲ የሱስ ንኣብራም ኪመስልዎ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧

7 ኣብራም ንየሆዋ ገዲፉ ኣብቲ ኣብ ኡር ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ተኻፊሉ ኣይፈልጥን እዩ። ንሱን ሳራይን ካብቲ ኣምላኺ ጣኦት ዝነበረ ማሕበረ ሰብ እተፈልዩ ዀይኖም ኪነብሩ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። ንሕና እውን ናይ ሓቂ እምነት ከነጥሪ እንተ ደሊና፡ ከምኡ ዓይነት መንፈስ ኪህልወና ኣለዎ። ፈቲና ኻብ ካልኦት እተፈለና ኽንከውን ኣሎና። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፣ ስለዚ፡ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:19 ኣንብብ።) ንየሆዋ ኸተገልግል ብምውሳንካ ኣባላት ቤተ ሰብካ ወይ ማሕበረሰብካ ዜግልሉኻ እንተ ዀይኖም፡ በይንኻ ኸም ዘይኰንካ ኣይትረስዕ። ከም ኣብራምን ሳራይን ምስ ኣምላኽ ኢኻ እትመላለስ ዘለኻ።

“ካብ ምድርኻ . . . ውጻእ”

8, 9. (ሀ) ኣብራም እንታይ ዘይርሳዕ ነገር እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) የሆዋ ንኣብራም እንታይ እዩ ኢልዎ፧

8 ሓደ መዓልቲ፡ ኣብራም ዘይርሳዕ ነገር ኣጋጠሞ። ካብ የሆዋ ኣምላኽ መልእኽቲ ተቐበለ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ እሙን ዝነበረ ኣብራም ብኸመይ መልእኽቲ ኸም እተቐበለ ብዝርዝር ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ “ኣምላኽ ክብሪ” ኸም እተራእዮ ግና ይነግረና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3 ኣንብብ።) ኣብራም ምናልባት ብመልኣኽ ኣቢሉ፡ ዜደንቕ ክብሪ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዩኒቨርስ ርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ህያው ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግዜኡ ብዝነበሩ ሰባት ዚምለኹ ህይወት ዘይብሎም ጣኦታትን ዝነበረ ፍልልይ ምስ ረኣየ፡ ኣዝዩ ተደኒቑ ኪኸውን ኣለዎ።

9 የሆዋ ንኣብራም እንታይ እዩ ኢልዎ፧ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፣ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ” እዩ ኢልዎ። ናብ ኣየነይቲ ምድሪ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ኣይነገሮን፣ ከም ዜርእዮ ጥራይ እዩ ነጊርዎ። መጀመርታ ግና፡ ኣብራም ዓዱን ኣዝማዱን ሓዲጉ ኺወጽእ የድልዮ ነይሩ እዩ። ጥንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ቤተ ሰብ ከም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ሓደ ሰብ ካብ ኣዝማዱ ርሒቑ እንተ ግዒዙ፡ ከም ሕማቕ ዕድል ጌርካ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ፣ አረ ገሊኦምሲ ካብዝስ ሞት ከም ዚሓይሽ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ ነይሮም።

10. ኣብራምን ሳራይን ነታ ኣብ ኡር ዝነበረት ቤቶም ሓዲጎም ኪወጹ መስዋእቲ ዚሓትቶም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣብራም ካብ ምድሩ ወጺኡ ኪኸይድ መስዋእቲ ዚሓትቶ እዩ ነይሩ። ኡር ብዙሕ ንጥፈታት ዚካየደላ ብልጽግቲ ኸተማ እያ ነይራ። (“ እታ ኣብራምን ሳራይን ዝሓደግዋ ኸተማ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ብዅዕታ መሬት ከም እተረኽበ፡ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኡር ብዙሕ ምሾት ዘለዎ ኣባይቲ ነይሩ እዩ፣ ገሊኡ ኣባይቲ፡ ኣባላት ስድራ ቤትን ኣገልገልትን ዚነብሩሉ ብዙሕ ክፍልታትን እምኒ እተነጽፎ ቐጽርን ነይርዎ እዩ። መስመር ማይን መሕጸብ ሰብነትን መወገዲ ረሳሕ ፈሳስን እውን ነይርዎ እዩ። ኣብራምን ሳራይን መንእሰያት ከም ዘይነበሩ ድማ ኣይትረስዕ፣ ኣብራም ምናልባት ኣብ 70ታት ዓመት ዕድሚኡ፡ ሳራይ ከኣ ኣብ 60ታት ዓመት ዕድሚኣ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ሓደ ሕያዋይ ሰብኣይ ንሰበይቱ ጸጽቡቑ ኽትረክብ ዚምነየላ፡ ኣብራም እውን ንሳራይ ምሾትን ክንክንን ክትረክብ ይምነየላ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ እቲ እተዋህቦም መዝነት ዝነበሮም ሕቶታትን ሻቕሎትን ኪዘራረቡ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሳራይ ነቲ ጕዳይ ምስ ተሰማምዓትሉ፡ ኣብራም ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ንሳ እውን ከም ኣብራም ንዅሉ እቲ ኣብ ዓዶም ዝነበሮም ምሾት ራሕሪሓ ኽትወጽእ ፍቓደኛ እያ ነይራ።

11, 12. (ሀ) ኣብራምን ሳራይን ካብ ከተማ ኡር ንኺወጹ እንታይ ምድላዋትን ውሳነታትን ኪገብሩ እዩ ዜድልዮም ነይሩ፧ (ለ) ነታ ዝነቐሉላ መዓልቲ ኣብ ኣእምሮና ብኸመይ ክንስእላ ንኽእል፧

11 ኣብራምን ሳራይን ኪኸዱ ምስ ወሰኑ፡ ዚዓይዎ ብዙሕ ነገራት ነይርዎም እዩ። ኣቕሑኦም ኪጥርንፉን ንዅሉ ነገራት ኪውድቡን የድልዮም ነይሩ እዩ። ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር እንታይ ሒዞም ከም ዚኸዱን እንታይ ኸም ዚገድፉን ኪውስኑ እውን የድልዮም ነይሩ እዩ። እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝነበረ ግና፡ ነቶም ምሳታቶም ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ዚምልከት እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ታራኸ እንታይ እዮም ወሲኖም፧ ምሳታቶም ኪማልእዎን ኪኣልይዎን እዮም ወሲኖም። እቲ ጸብጻብ፡ ታራ ንቤተ ሰቡ ሒዙ ኸም ዝወጸ ስለ ዚገልጽ፡ በቲ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። ኣምልኾ ጣኦት ከኣ ሓዲግዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብራምን ሳራይን ንሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም እውን ምሳታቶም ኪማልእዎ ወሰኑ።—ዘፍ. 11:31

12 ኣብ መወዳእታ፡ ዚነቕሉላ መዓልቲ በጽሐት። ኣብ ወጻኢ ቐጽሪ እታ ኸተማ ኣብ ጥቓ ማይ፡ ቃፍላይ ተኣኪቦም ኪጽበዩ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣግማልን ኣእዱግን ኣቕሑ ተጻዒነን፡ መጓሰ ተኣኪበን፡ ቤተ ሰብን ኣገልገልትን ኣብራም ከኣ ደው ኢሎም ነታ ዚነቕሉላ ህሞት ብሃንቀውታ ይጽበይዋ ነበሩ። * ምናልባት፡ ኣብራም ‘ንንቀል’ ክሳዕ ዚብሎም ኣዒንቶም ተኺሎም ይጥምትዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። መወዳእታኡ፡ እታ ዚነቕሉላ ህሞት ኣኸለት እሞ ንኸተማ ኡር ንሓዋሩ ገዲፎምዋ ኸዱ።

13. ሎሚ ሓያሎ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቲ ኣብራምን ሳራይን ዘርኣይዎ መንፈስ ዜርእዩ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

13 ሎሚ፡ ሓያሎ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ኬገልግሉ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኼስፍሑ፡ ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃሩ ወሲኖም እዮም። ወይ ከኣ ዘይለመድዎ ዓይነት መዳያት ኣገልግሎት ኪፍትኑ ወሲኖም እዮም። ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ክትገብር መስዋእቲ ዚሓትት እዩ። እወ፡ ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ፡ ስጋዊ ምሾት ክትሓድግ ፍቓደኛ ኽትከውን ኣሎካ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ብምርኣይ ንኣብራምን ንሳራይን ክትመስሎም ምጽዓር ብሓቂ ዚንኣድ እዩ። ከምኡ ዓይነት እምነት እንተ ኣልዩና፡ የሆዋ ኻብቲ ዝሃብናዮ ንላዕሊ ብምሃብ ከም ዚኽሕሰና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብእነርእዮ እምነት ዓስቢ ኸይሃበ ስቕ ኣይብልን እዩ። (እብ. 6:10፣ 11:6) እሞኸ፡ ንኣብራም ዓስቡ ሂብዎ ድዩ፧

ፈለግ ኤፍራጥስ ምስጋር

14, 15. እቲ ኻብ ኡር ናብ ካራን እተገብረ ጕዕዞ ከመይ ይመስል ነበረ፧ ኣብራም ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ካራን ኪቕመጥ ዝወሰነኸ ስለምንታይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

14 እቶም ቃፍላይ በብቝሩብ ነቲ ጕዕዞ ለመድዎ። ኣብራምን ሳራይን ሓንሳእ ብእግሮም ሓንሳእ ከኣ መጽዓኛ ተወጢሖም ኪኸዱን እቲ ኣብተን እንስሳታት ተንጠልጢሉ ዝነበረ ቓጭል ጭልጭል እናበለ ኼዕልሉን ከለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። በብቝሩብ ድማ፡ እዞም ብዙሕ ተመክሮ ዘይነበሮም ተጓዓዝቲ፡ ድንኳን ምስራሕን ምጥርናፍን ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ታራ ኣብ ልዕሊ ገመል ወይ ኣድጊ ኸም ዚውጣሕ ምግባርን ብዝያዳ እናለመድዎ ኸዱ። ነቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ እናሰዓቡ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ጕዕዞኦም ቀጸሉ። መዓልትታት ሓሊፉ ሰሙናት እናተቘጽረ ነዊሕ መገዲ ተጓዕዙ።

15 ኣብ መወዳእታ፡ ኣስታት 960 ኪሎ ሜተር ድሕሪ ምጕዓዞም ናብታ ብኣጓዱ መሊኣ ዝነበረት ካራን በጽሑ፣ ካራን ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ዚዝርጋሕ መገድታት ንግዲ ኣብ ዝራኸበሉ ኽሊ እትርከብ ብልጽግቲ ኸተማ እያ ነይራ። እቶም ቤተ ሰብ ኣብኣ ኣዕረፉ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኸኣ ተቐመጡ። ምናልባት፡ ታራ ኣዝዩ ኻብ ምድካሙ እተላዕለ ጕዕዞኡ ኪቕጽል ኣጸጊምዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

16, 17. (ሀ) ንኣብራም ዘሐጐሶ ኺዳን እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብራም ኣብ ካራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብየሆዋ እተባረኸ ብኸመይ እዩ፧

16 ድሕሪ ግዜ፡ ታራ ኣብ መበል 205 ዓመት ዕድሚኡ ሞተ። (ዘፍ. 11:32) ኣብዚ ዜሕዝን ኵነታት እዚ፡ የሆዋ ንኣብራም እንደገና ስለ እተዛረቦ፡ ኣብራም ብዙሕ ተጸናኒዑ እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ ኡር ዝሃቦ ትእዛዝ እንደገና ደገሞ፡ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸኣ ኣስፍሖ። ንኣብራም፡ “ዓብዪ ህዝቢ” ኸም ዚኸውን፡ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብእኡ ኸም ዚባረኹ ቓል ኣተወሉ። (ዘፍጥረት 12:2, 3 ኣንብብ።) ኣብራም ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣምላኽን እዚ ዜሐጕስ ኪዳን እዚ ምስ ተገብረ፡ ጕዕዞኡ ኪቕጽል ተደረኸ።

17 ኣብራም ኣብ ካራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብየሆዋ ስለ እተባረኸ፡ ዚጥርንፎ ነገራት ወሲኹ እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ ኣብራም “ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን” ከም ዝወሰደ ይገልጽ እዩ። (ዘፍ. 12:5) ንሱ ህዝቢ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ስጋዊ ነገራትን ኣገልገልትን ኪህልዎ፡ ማለት ዓብዪ ቤተ ሰብ ኪኸውን የድልዮ ነበረ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ዜሀብትሞም ኵሉ ሳዕ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኺፍጽም ግና ዜድልዮም ዘበለ ይህቦም እዩ። ኣብራም በዚ ኸምዚ ተዓጢቑ፡ ንቓፍላዩ መሪሑ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከደ።

ኣብራምን ሳራይን ነቲ ኣብ ኡር ዝነበሮም ምሾት ሓዲጎም ምውጻኦም ብድሆታት ኣምጽኣሎም

18. (ሀ) ኣብራም ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝበጽሐ መዓስ እዩ፧ (ለ) ድሕሪ ግዜ ብ14 ኒሳን እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመታት እዩ እተራእየ፧ (“ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዕለት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

18 ካብ ካራን እተወሰነ መዓልትታት ተጓዒዝካ ኣብ ከርከሚሽ ኢኻ እትበጽሕ፣ ቃፍላይ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብእኣ ኣቢሎም እዮም ኤፍራጥስ ዚሳገሩ ነይሮም። ምናልባት፡ ኣብራም ኣብ ታሪኽ እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝበጽሐ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንቃፍላዩ መሪሑ ነቲ ፈለግ ዝሰገሮ ድማ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ዳሕራይ ኒሳን እተባህለት ወርሒ፡ ብ1943 ቅ.ክ. ኪኸውን ኣለዎ። (ዘጸ. 12:40-43) ብሸነኽ ደቡብ ከኣ እታ የሆዋ ንኣብራም ዘተስፈዎ ምድሪ ትርከብ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣምላኽ ምስ ኣብራም ዝኣተዎ ኺዳን ጸንዐ።

19. እቲ የሆዋ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ እንታይ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፧ እዚኸ ንኣብራም እንታይ ኣዘኻኺርዎ ኪኸውን ይኽእል፧

19 ኣብራም ናብ ሸነኽ ደቡብ እታ ምድሪ ኣቢሉ ተጓዕዘ፣ እቶም ቃፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ሴኬም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ኣዕረፉ። ኣብኡ ድማ ኣብራም ከም ብሓድሽ ካብ የሆዋ መልእኽቲ ተቐበለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኣምላኽ፡ ዘርኢ ኣብራም ነታ ምድሪ ኸም ዚወርሳ ኣተስፈወ። ሽዑ ኣብራም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ድሕሪ ግዜ ንደቂ ሰብ ዜድሕን “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ኣብ ገነት ኤደን ዘተስፈዎ ተስፋ ሓሲቡዶ ይኸውን፧ (ዘፍ. 3:15፣ 12:7) ምናልባት ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብእተወሰነ ደረጃ እውን ይኹን፡ ክፍሊ እቲ የሆዋ ዘለዎ ዓብዪ ዕላማ ኸም ዝዀነ ኺርዳእ ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

20. ኣብራም ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ፍሉይ መሰል የማስወሉ ኸም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

20 ኣብራም ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ፍሉይ መሰል ኣጸቢቑ እዩ ዜማስወሉ ነይሩ። በታ ከነኣናውያን ዚቕመጡላ ዝነበሩ ምድሪ ተጠንቂቑ ኺሓልፍ ከሎ፡ ፈለማ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ኣዕሪፉን ንየሆዋ መሰውኢ ሰሪሑን እዩ። ኣብኡ ኸኣ ስም የሆዋ ጸውዐ፣ ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ዘርኡ ኼስተንትን ከሎ ድማ ንኣምላኽ ካብ ልቡ የመስግኖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ጐረባብቱ እውን ይሰብከሎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 12:7, 8 ኣንብብ።) ኣብ ጕዕዞ ህይወቱ ንእምነቱ ዚፍትን ከቢድ ብድሆታት ይጽበዮ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኡር ገዲፍዎ ዝመጸ ቤትን ምሾትን ግና ኣይሓስብን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ መጻኢ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። እብራውያን 11:10 ብዛዕባ ኣብራም፡ “ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ” ትብለና።

21. እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ምስቲ ኣብራም ዝነበሮ ፍልጠት ብኸመይ ይነጻጸር፧ እንታይ ክትገብርከ ኢኻ እትድረኽ፧

21 እቶም ሎሚ ንየሆዋ እነገልግል ሰባት ብዛዕባ እታ ምሳልያዊት ከተማ፡ ማለት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኣብራም ንላዕሊ ንፈልጥ ኢና። እታ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ትገዝእ ከም ዘላን ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኸም እተጥፍኦን ንፈልጥ ኢና፣ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ዘርኢ ኣብራም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነታ መንግስቲ ይገዝኣ ኸም ዘሎ እውን ንፈልጥ ኢና። ኣብራም ካብ ምዉታት ኪትንስእን ንዕላማ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦን ከሎ ኽንርእስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! የሆዋ ንዅሉ ተስፋታቱ ኺፍጽሞ ኸሎ ኽትርኢ ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ወትሩ ንኣብራም ክትመስሎ ጽዓር። ጥቕሚ ርእስኻ ሰውእ፡ እዙዝ ኩን፡ የሆዋ ንዚህበካ ፍሉይ መሰላት ድማ ኣማስወሉ። ነቲ ‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’ ዝዀነ ኣብራም ዝሓደጎ እምነት ምስ እትስዕብ፡ ኣብራም ንዓኻ እውን ኣቦ ኪዀነካ እዩ!

^ ሕ.ጽ. 1 ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ኣምላኽ ንስም ኣብራም ናብ ኣብርሃም ቀየሮ፣ ትርጉሙ፡ “ኣቦ ህዝቢ፡ ኣቦ ብዙሓት” ማለት እዩ።—ዘፍ. 17:5

^ ሕ.ጽ. 4 ብተመሳሳሊ፡ ኣብራም እውን በዅሪ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ደቂ ታራ መጀመርታ እዩ ዚጥቀስ።

^ ሕ.ጽ. 6 ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ኣምላኽ ንስም ሳራይ ናብ ሳራ ቐየሮ፣ ትርጉሙ፡ “ልዕልቲ” ማለት እዩ።—ዘፍ. 17:15

^ ሕ.ጽ. 12 ገሊኦም ምሁራት፡ ኣግማል ብግዜ ኣብራም ከም እንስሳ ዘቤት የገልግላ እንተ ነይረን፡ ሕቶ የበግሱ እዮም። እዚ ተቓውሞ እዚ ግና መሰረት የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብራም ኣግማል ኣጥርዩ ኸም ዝነበረ ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ።—ዘፍ. 12:16፣ 24:35