ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሰለስተ

ካብ ጌጋታቱ ተማህረ

ካብ ጌጋታቱ ተማህረ

1, 2. (ሀ) ዮናስ ንርእሱን ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ባሕረኛታትን እንታይ እዩ ኣምጺኡ፧ (ለ) ዛንታ ዮናስ እንታይ ይምህረና፧

ዮናስ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ ስቕ ኬብሎ ተመነየ። እቲ ድምጺ፡ በቲ ገመዳት እታ መርከብ እናኣፋጸየ ዚሓልፍ ደሃይ ብርቱዕ ንፋስ ጥራይ ኣይነበረን፣ እቲ ምስ ጐድኒ እታ መርከብ ዚላኻዕን ዓጠጠጥ ዜብላን ዝነበረ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበላት ጥራይ እውን ኣይነበረን። የግዳስ፡ እቶም ባሕረኛታት፡ ማለት እቲ ሓለቓ መርከብን እቶም ሰራሕተኛታቱን ነታ መርከብ ከይትጥሕል ኪቃለሱ ኸለዉ፡ ዚጭድርዎ ዝነበሩ ጭድርታ እዩ ረቢሽዎ። እዞም ሰባት እዚኦም ብሰንኩ ሓደጋ ሞት ኣንጸላልይዎም ከም ዝነበረ ተሰሚዕዎ ነበረ።

2 ዮናስ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብዚ ሓደገኛ ዅነታት ኣትዩ፧ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ከቢድ ጌጋ ገይሩ ነይሩ እዩ። እንታይ እዩ ገይሩ፧ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብከ ኺመሓየሽ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ድዩ በጺሑ ነይሩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ብዙሕ ኪምህረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘላቶም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብኸመይ መገዶም ኪስሕቱን መገዶም ኬዐርዩን ከም ዚኽእሉ፡ ካብ ታሪኽ ዮናስ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ካብ ገሊላ ዝወጸ ነብዪ

3-5. (ሀ) ሰባት ብዛዕባ ዮናስ ኪሓስቡ ኸለዉ ኣብ ምንታይ እዮም ዜተኵሩ፧ (ለ) ብዛዕባ ዮናስ እንታይ እተወሰነ ሓበሬታ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ሐ) እቲ ዮናስ ከም ነብዪ መጠን ዚፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ቀሊል ወይ ባህ ዜብል ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧

3 ሰባት ብዛዕባ ዮናስ ኪሓስቡ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣሉታዊ ባህርያቱ፡ ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ሓደ ግዜ ዘይተኣዘዘሉ እዋን ወይ ኣብ ንቕጽናኡ እዮም ዜተኵሩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙሕ ክንፈልጦ ዚግባእ ኣወንታዊ ነገራት ኣሎ። ዮናስ፡ ነብዪ የሆዋ ኣምላኽ ኰይኑ ኼገልግል ከም እተመርጸ ኣይንረስዕ። ዘይእሙን ወይ እኩይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓላፍነት ኣይምሓረዮን።

ብዛዕባ ዮናስ ብዙሕ ክንፈልጦ ዚግባእ ኣወንታዊ ነገራት ኣሎ

4 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዮናስ እተወሰነ ሓበሬታ ይህበና እዩ። (2 ነገስት 14:25 ኣንብብ።) ዮናስ ካብ ጋት-ሔፈር እዩ ነይሩ፣ እዛ ዓዲ እዚኣ ድማ ካብታ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሸሞንተ ዘመን ዝዓበየላ ናዝሬት ኣርባዕተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። * ዮናስ ብዘመን እቲ ንጉስ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ዝነበረ የሮብዓም ዳግማይ፡ ነብዪ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤልያስ ካብ ዚመውት ነዊሕ ሓሊፉ ነበረ፣ ንዕኡ ተኪኡ ዜገልግል ዝነበረ ኤልሳእ እውን ብዘመን ንግስና ኣቦ የሮብዓም እዩ ሞይቱ። የሆዋ በዞም ሰባት እዚኦም ተጠቒሙ ንኣምልኾ በዓል እኳ እንተ ኣጥፍኦ፡ እስራኤላውያን ግና ብፍታዎም ናብ ኣምልኾ በዓል ይምለሱ ነበሩ። እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ እቲ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ” እተባህለሉ ንጉስ እያ ነይራ። (2 ነገ. 14:24) ስለዚ፡ ዮናስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ቀሊል ወይ ባህ ዜብል ኣይነበረን። እንተዀነ ግና፡ ብተኣማንነት ዕዮኡ ፈጺሙ እዩ።

5 ሓደ መዓልቲ ግና፡ ንህይወት ዮናስ ዚቕይር ኵነታት ኣጋጠመ። የሆዋ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዕዮ ሃቦ። እንታይ ኪገብር እዩ ሓቲትዎ፧

‘ተንስእ፡ ናብ ነነዌ ኺድ’

6. የሆዋ ንዮናስ እንታይ ዕዮ እዩ ሂብዎ፧ እቲ ዕዮ ኣዝዩ ኸቢድ ዚመስል ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 የሆዋ ንዮናስ፡ “እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ እታ ዓባይ ኸተማ ኼድካ፡ ፍርዲ ኣውጀላ” በሎ። (ዮና. 1:2) እዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ዚመስለሉ ምኽንያት ንምርዳኡ ኣየጸግመናን እዩ። ነነዌ ብምብራቕ ኣስታት 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ፣ ብእግሪ ዚግበር ጕዕዞ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ይወስድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጕዕዞ ኻብ ዜምጽኦ ጸገማት ንላዕሊ፡ እቲ እተዋህቦ ዕዮ ኣዝዩ ኸቢድዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዮናስ ኣብ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ መልእኽቲ የሆዋ ነቶም ብዓመጻኦምን ብጭካነኦምን ዕሉላት ዝነበሩ ኣሶራውያን እዩ ኼብጽሓሎም ተላኢኹ። ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ተቐባልነት ካብ ዘይረኸበ፡ ካብቶም ኣረማውያን ደኣ እሞ እንታይ እዩ ኺጽበ፧ እዚ በይኑ ዝኸደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብታ ድሕሪ ግዜ “ኸተማ ምፍሳስ ደም” እተባህለት ዓባይ ከተማ ነነዌ ብኸመይ እዩ ኺዕወት፧—ናሆ. 3:1, 7

7, 8. (ሀ) ዮናስ ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኺሃድም ክሳዕ ክንደይ እዩ ቘሪጹ ነይሩ፧ (ለ) ንዮናስ ከም ፈራህ ሰብ ጌርና ኽንፈርዶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

7 ዮናስ ከምኡ ሓሲቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ከም ዝሃደመ ግና ንፈልጥ ኢና። የሆዋ ናብ ምብራቕ ገጹ ኪኸይድ መምርሒ እኳ እንተ ሃቦ፡ ዮናስ ግና ብእተኻእሎ መጠን ናብ ምዕራብ ገጹ ኣርሒቑ ኺጐዓዝ ተበገሰ። ናብታ ወደባዊት ከተማ ያፎ ኸይዱ፡ ኣብኣ ናብ ተርሲስ እትወስዶ መርከብ ረኸበ። ገሊኦም ምሁራት፡ ተርሲስ ኣብ ስጳኛ ኸም ዝነበረት ይገልጹ እዮም። ልክዕ እንተ ዀይኖም፡ ዮናስ ካብ ነነዌ 3,500 ኪሎ ሜተር እዩ ኺርሕቕ መዲቡ። እዚ ናብ ጫፍ እቲ ሽዑ ዓብዪ ባሕሪ ዚብሃል ዝነበረ ባሕሪ መዲተራነያን ኪገብሮ ዝመደበ ጕዕዞ፡ ክሳዕ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ምወሰደሉ ነይሩ! ዮናስ ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኺሃድም፡ ማዕረ ኽንድዚ እዩ ቘሪጹ ነይሩ።—ዮናስ 1:3 ኣንብብ።

8 እሞኸ ንዮናስ ከም ፈራህ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ተሃዊኽና ኽንፈርዶ የብልናን። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ዜደንቕ ትብዓት እውን ኣርእዩ እዩ። ከም ኵላትና ግና፡ ንዝነበሮ ሓያሎ ጕድለታት ኬሰንፍ ዚቃለስ ዝነበረ ዘይፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። (መዝ. 51:5) መን ካባና እሞ እዩ ፍርሂ ኼሰንፍ ተቓሊሱ ዘይፈልጥ፧

9. ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዚውሃበና ዕዮ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታትከ ነየናይ ሓቂ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

9 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ጌርና እንርእዮ ነገራት ክንገብር ከም ዝሓተተና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ከም ክርስትያናት መጠን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እውን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። (ማቴ. 24:14) ነቲ የሱስ፡ “ብኣምላኽሲ ዅሉ ይከኣል እዩ” ብምባል እተዛረቦ ኣገዳሲ ሓቂ ብቐሊሉ ኽንርስዖ ንኽእል ኢና። (ማር. 10:27) ነዚ ሓቂ እዚ ዝረሳዕናሉ እዋን እንተ ኣልዩ፡ ንዮናስ ኣጸጊምዎ ዝነበረ ነገር ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ዮናስ ብምህዳሙ ግና እንታይ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡ፧

የሆዋ ነቲ ዘይተኣዘዘ ነብዪኡ ገሰጾ

10, 11. (ሀ) ዮናስ እታ መርከብ ጽዕነት ክትነቅል ምስ ጀመረት እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ነታ መርከብን ነቶም ሰራሕተኛታትን እንታይ ሓደጋ እዩ ኣጋጢምዎም፧

10 ዮናስ ኣብታ መርከብ ጽዕነት ፊንቄኣውያን ነይራ ኽትከውን እትኽእል መርከብ ደዪቡ ቦታኡ ኺሕዝ ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ንሱ እቲ ሓለቓ መርከብን ሰራሕተኛታቱን ነታ መርከቦም ሒዞም ካብቲ ወደብ ኪነቕሉ ኸለዉ ረኣዮም። ካብቲ ገማግም ባሕሪ እናረሓቐ ምስ ከደ፡ ካብቲ ዝፈርሆ ሓደጋ ኸም ዘምለጠ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሃንደበት ግና ኵነታት ኣየር ተቐያየረ።

11 ብርቱዕ ንፋሳት ነቲ ባሕሪ ኣናወጾ፣ ሎሚ ንዘለዋ መራኽብ እውን ከይተረፈ ኪውሕጥ ዚኽእል ማዕበላት ድማ ተላዕለ። እታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት መርከብ ኣብ ቅድሚ እቲ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበላት ኣዝያ ደቃቕን ተነቃፊትን መሰለት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮናስ ከምቲ ጸኒሑ ዝጸሓፎ፡ ‘ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ዝሰደደ የሆዋ ምዃኑ’ ፈሊጡ ነይሩ ድዩ፧ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ዮናስ እቶም ባሕረኛታት ዓው ኢሎም ናብ ኣማልኽቶም ኪምህለሉ ኸለዉ ርእዩ እዩ፣ ካብቶም ኣማልኽቶም ሓገዝ ከም ዘይረኽቡ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 19:4) እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ ድማ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ” ይብል። (ዮና. 1:4) ዮናስ ካብ ኣምላኽ እናሃደመ ኽነሱ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ናብኡ ኺጽሊ ዚኽእል፧

12. (ሀ) ዮናስ ማዕበል ተላዒሉ ኸሎ ብምድቃሱ ተሃዊኽና ኽንፈርዶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) የሆዋ ጠንቂ እቲ ማዕበል መን ምዃኑ ኸም ዚቕላዕ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

12 ዮናስ እንታይ ከም ዚገብር ስለ ዝሓርበቶ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፡ በጥ በለ። ከቢድ ድቃስ ድማ ደቀሰ። * እቲ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ ምስ ረኸቦ፡ ኣበራበሮ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ሰባት ከኣ ናብ ኣምላኹ ኺጽሊ ተማሕጸኖ። እቶም ባሕረኛታት፡ እቲ ማዕበል ልዕለ ባህርያዊ ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ፡ ብሰሪ መን እዚ ኸም ዝረኸቦም ንምፍላጥ፡ ዕጫ ኣውደቑ። ዕጫ ኼውድቑን በብሓደ ሓራ ኪዀኑን ከለዉ፡ ትርግታ ልቢ ዮናስ ይውስኽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ እታ ሓቂ ወጸት። ማዕበል ከም ዜጓንፍን እታ ዕጫ ኣብ ዮናስ ከም እትበጽሕን ዝገበረ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ።—ዮናስ 1:5-7 ኣንብብ።

13. (ሀ) ዮናስ ነቶም ባሕረኛታት እንታይ ኢሉ እዩ ተናዚዙሎም፧ (ለ) ዮናስ ነቶም ባሕረኛታት እንታይ ኢሉ እዩ ተማሕጺንዎም፧ ስለምንታይከ፧

13 ዮናስ ነቶም ባሕረኛታት ኵሉ ነገር ነገሮም። ኣገልጋሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ሓበሮም። ካብቲ ኣምላኽ እቲ ይሃድም ከም ዘሎን ከም ዘጕሃዮን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንዅሎም ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእተዎም ገለጸሎም። እቶም ሰባት ሰምበዱ። ሽዑ ዮናስ ኣብ ኣዒንቶም ፍርሆም ኬንብብ ይኽእል ነይሩ እዩ። እቶም ሰባት ከኣ ነታ መርከብን ንህይወቶምን ንምድሓን፡ እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዘለዎም ሓተትዎ። ንሱኸ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧ ኣብቲ ቘራርን ዚናወጽን ዝነበረ ባሕሪ ብዛዕባ ምጥሓል ኪሓስብ ከሎ፡ ቅዝሕዝሕ ኢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ኬድሕኖም ከም ዚኽእል እናፈለጠ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ኺሞቱ ስቕ ኢሉ ኺርኢ ዚኽእል፧ ስለዚ ድማ፡ “እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝመጸኩም እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ድማ ኪሃድኣልኩም እዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—ዮና. 1:12

14, 15. (ሀ) ኣስኣሰር እምነት ዮናስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እቶም ባሕረኛታት፡ ዮናስ ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ምስ ነገሮም እንታይ ገበሩ፧

14 እዘን ቃላት እዚአን፡ ሓደ ፈራህ ሰብ ኪዛረበን ኣይክእልን እዩ። ዮናስ ኣብቲ ጽንኩር ኵነታት ትብዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ምርኣዩ፡ ንየሆዋ ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። እምነት ዮናስ ክሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምዃና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ሎሚ ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕምና ብምቕዳም፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 13:34, 35) ሓደ ሰብ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ወይ መንፈሳዊ ሽግር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ንምሕጋዙ ጻዕሪ ንገብር ዲና፧ ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነሐጕሶ!

15 እቶም ባሕረኛታት እውን በቲ ዮናስ ዝበሎም ተደሪኾም እዮም ዚዀኑ፡ ኣብ ፈለማ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ኣይደለዩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ማዕበል ንምምላጥ ዚከኣሎም ኵሉ ገበሩ፡ ግናኸ ኣይሰለጦምን። እቲ ማዕበል እናበርትዐ ኸደ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ረኣዩ። እቲ ንዮናስ ኣምላኹ ዝዀነ የሆዋ ምሕረት ኪገብረሎም ድሕሪ ምምህላል፡ ንዮናስ ኣልዒሎም ናብ ባሕሪ ደርበይዎ።—ዮና. 1:13-15

ዮናስ ነቶም ባሕረኛታት ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ምስ ተማሕጸኖም፡ ኣልዒሎም ደርበይዎ

ዮናስ ምሕረትን ድሕነትን ረኸበ

16, 17. ዮናስ ካብታ መርከብ ምስ ተደርበየ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ግለጽ። (ስእልታት እውን ርአ።)

16 ዮናስ ናብቲ ዚናወጽ ማዕበላት ተደርበየ። ምናልባት ንእተወሰነ እዋን ንኸይጥሕል ፈንጠርጠር ኢሉ ይኸውን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዚጸፍዖ ዝነበረ ማያት እውን እታ መርከብ ካብኡ ቐልጢፋ ኸም ዝረሓቐት ርእዩ ይኸውን። እቲ ብርቱዕ ማዕበላት ግና ጸቐጦ፡ ናብ ውሽጢ ድማ ኣጥሓሎ። እናጠሓለ ኪኸይድ ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

17 ዮናስ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም እተሰምዖ፡ ጸኒሑ ገሊጽዎ ኣሎ። ብዙሕ ነገራት ኣብ ኣእምሮኡ መጾ። ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ጽብቕቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይርእያ ስለ ዝመሰሎ ጐሃየ። ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ምስ ጠሓለ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ኣኽራን፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኸም እተጠምጠሞ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ጕድጓዱ ወይ መቓብሩ ዝዀነ መሰሎ።—ዮናስ 2:2-6 ኣንብብ።

18, 19. ዮናስ ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንታይ ኣጋጠሞ፧ እንታይ ዓይነት ፍጥረት እዩ ረኺብዎ፧ ነቲ ፍጻመታት ዚቈጻጸሮ ዝነበረኸ መን እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

18 ግናኸ፡ ሓደ ዓብዪን ጸሊም ዚመስልን ህያው ፍጥረት ናብኡ ኪቐርብ ጀመረ። ኣብ ከባቢኡ ድሕሪ ምዛር፡ ናብኡ ተወርወረ። ነቲ ዓብዪ ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ድማ ወሓጦ!

የሆዋ “ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ሰደደ”

19 ሕጂ ዮናስ ሞት ዘርከቦ መሲልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግናኸ፡ ሓደ ዜገርም ነገር ኣስተውዓለ። ገና ህያው እዩ ዘሎ! ኣይተሓይከን፡ ኣይተጣሕነን፡ ትንፋስ እውን ኣይሓጸሮን። ኣብቲ መቓብሩ ኪኸውን ዚኽእል ዝነበረ ቦታ እኳ እንተ ነበረ፡ ገና እስትንፋስ ህይወት ነይርዎ እዩ። በብቝሩብ ድማ ኪድንጽዎ ጀመረ። ንዕኡ “ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ” ዝሰደደ የሆዋ ኣምላኹ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። *ዮና. 1:17

20. ካብቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ዀይኑ ዘቕረቦ ጸሎት እንታይ ንምሃር፧

20 ደቓይቕ ሓለፈ፡ ሰዓታት እውን መልአ። ዮናስ ኣብቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ድቕድቕ ጸልማት፡ ሓሳባቱ ጠርኒፉ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸለየ። እቲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ዮናስ ብምሉኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ እዩ ዚገልጸልና። ዮናስ ብተደጋጋሚ ኻብ መጽሓፍ መዝሙር ስለ ዝጠቐሰ፡ ሰፊሕ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝነበሮ ይሕብረና። መመስገኒ ምንባሩ እውን ተራእዩ እዩ። “ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ እየ። እተመባጻዕክዎ ኽፍጽም እየ። ድሕነት ካብ የሆዋ እዩ” ኢሉ ኸኣ ደምደመ።—ዮና. 2:9

21. ዮናስ ብዛዕባ ድሕነት እንታይ እዩ ተማሂሩ፧ ካብዚኸ እንታይ ንምሃር፧

21 ዮናስ “ኣብ ከብዲ ዓሳ” ዀይኑ፡ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ከም ዜድሕን ፈለጠ። እወ፡ የሆዋ ነቲ እተሸገረ ኣገልጋሊኡ፡ ኣብ ከብዲ ዓሳ እኳ እንተ ነበረ፡ ረኺቡ ኣድሒንዎ እዩ። (ዮና. 1:17) ሰብ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ንሰለስተ መዓልትን ንሰለስተ ለይትን ህያው ኰይኑ ኸም ዚጸንሕ ኪገብር ዚኽእል፡ የሆዋ ጥራይ እዩ። ንሕና እውን፡ ‘ትንፋስና ኣብ ኢድ ኣምላኽ’ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (ዳን. 5:23) ሳላኡ ኢና ትንፋስ ኪህልወናን ብህይወት ክንህሉን ዝኸኣልና። እሞኸ ነመስግኖ ዲና፧ ክንእዘዞኸ ኣይግባእንዶ፧

22, 23. (ሀ) ዮናስ ክሳዕ ክንደይ መመስገኒ ምዃኑ እተፈተነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ጌጋታትና ኻብ ዮናስ እንታይ ንምሃር፧

22 ዮናስከ ብተኣዛዝነት ኣቢሉ ንየሆዋ ኼመስግኖ ኸም ዘለዎ ተማሂሩ ድዩ፧ እወ፡ ተማሂሩ እዩ። ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ ዓሳ ድሕሪ ምጽናሑ፡ እቲ ዓሳ ንዮናስ ናብ ገምገም ባሕሪ ኣምጺኡ፡ “ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።” (ዮና. 2:10) ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ንምብጻሕ ኪሕምብስ እውን ኣየድለዮን! ልክዕ እዩ፡ ኣበየናይ ገምገም ባሕሪ ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ካብኡ ተበጊሱ ባዕሉ እዩ ኪኸይድ ነይርዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ መመስገኒ ምዃኑ ተፈተነ። ዮናስ 3:1, 2፡ “ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ ካልኣይ ሳዕ መጸ፦ ‘ተንስእ፡ ናብ ነነዌ እታ ዓባይ ከተማ ኼድካ፡ እቲ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣውጀላ’” ትብል። ዮናስከ እንታይ እዩ ገይሩ፧

23 ሰጋእ መጋእ ኣይበለን። “ንቓል የሆዋ ተኣዚዙ፡ ተንሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ።” (ዮና. 3:3) እወ፡ ከምቲ እተነግሮ ገበረ። ካብ ጌጋታቱ ኸም እተማህረ ንጹር እዩ። በዚ መዳይ እዚ እውን ኣስኣሰር እምነቱ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና። ኵላትና ንሓጥእ፡ ኵላትና እውን ንጋገ ኢና። (ሮሜ 3:23) ኰይኑ ግና፡ ንሕለል ዲና፡ ወይስ ካብ ጌጋታትና ተማሂርና ንኣምላኽ ብተኣዛዝነት ምግልጋል ኢና እንቕጽል፧

24, 25. (ሀ) ዮናስ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ዓስቢ እዩ ረኺቡ፧ (ለ) ዮናስ ኣብ ዚመጽእ እንታይ ዓስቢ እዩ ኺረክብ፧

24 የሆዋኸ ንዮናስ ብምኽንያት ተኣዛዝነቱ ዓስቡ ሂብዎ ድዩ፧ ብርግጽ ሂብዎ እዩ። ብቐዳምነት፡ እቶም ባሕረኛታት ከም ዝደሓኑ፡ ዮናስ ዝፈለጠ እዩ ዚመስል። ዮናስ ንርእሱ መስዋእቲ ምስ ገበረ፡ እቲ ባሕሪ ኻብ ምንዋጹ ሃድአ፡ እቶም ባሕረኛታት ከኣ ንየሆዋ “ኣዝዮም ፈርህዎ።” ሽዑ ናብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቶም ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡ።—ዮና. 1:15, 16

25 ዮናስ ነዊሕ ጸኒሑ እውን ዝዓበየ ዓስቢ ረኺቡ እዩ። የሱስ፡ እቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ዘሕለፎ እዋን፡ ነቲ ንሱ ንባዕሉ ኣብ መቓብር ወይ ሲኦል ዜሕልፎ እዋን ዜመልክት ትንቢታዊ ምሳሌ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 12:38-40 ኣንብብ።) ዮናስ ኣብ ምድሪ ንምንባር ምስ ተንስአስ፡ ብዛዕባ እቲ በረኸት እቲ ምፍላጡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኬሐጕሶ እዩ! (ዮሃ. 5:28, 29) ንዓኻ እውን፡ የሆዋ ኺባርኸካ ይደሊ እዩ። እሞኸ ኸም ዮናስ፡ ካብ ጌጋታትካ ተማሂርካ፡ ተኣዛዝነትን ርእሰ መስዋእታዊ መንፈስን ከተርኢ ዲኻ፧

^ ሕ.ጽ. 4 ፈሪሳውያን ብዛዕባ የሱስ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ብትዕቢት ተደሪኾም፡ “መርምር እሞ፡ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” ስለ ዝበሉ፡ ዮናስ ካብ ሓንቲ ኣብ ገሊላ እትርከብ ዓዲ ምዃኑ፡ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ዮሃ. 7:52) ብዙሓት ተርጐምትን ተመራመርትን፡ ፈሪሳውያን ካብታ ኣትሒትካ እትርአ ገሊላ ዋላ ሓደ ነብዪ ኸም ዘይተንስአ ወይ ከም ዘይትንስእ ብድብድቡ ይዛረቡ ኸም ዝነበሩ፡ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ነይርዎም፡ ንታሪኽን ትንቢትን እዮም ዕሽሽ ዚብሉ ነይሮም።—ኢሳ. 9:1, 2

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ ዮናስ ይሕርንኽ ከም ዝነበረ ስለ እተገልጸ፡ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ ኸም ዝነበረ ጐሊሑ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ምድቃሱ፡ ከም ግዲ ዘይብሉ ሰብ ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣመና እተጨነቑ ሰባት ድቃስ ከም ዚስዕሮም ክንርስዕ የብልናን። ኣብቲ የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ተጨኒቑሉ ዝነበረሉ ሰዓታት፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እውን “ካብ ጓሂ እተላዕለ ብምድካሞም ተታኺሶም” ነይሮም እዮም።—ሉቃ. 22:45

^ ሕ.ጽ. 19 እታ “ዓሳ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ናብ ግሪኽኛ ኽትትርጐም ከላ፡ “ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ” ወይ “ገዚፍ ዓሳ” ተባሂላ ኣላ። እንታይ ዓይነት ፍጥረት ባሕሪ ኸም ዝወሓጦ ብልክዕ ኽንፈልጥ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ባሕሪ መዲተራነያን ምሉእ ሰብኣይ ኪውሕጡ ዚኽእሉ ዓይነት ከልብ ዓሳ (ሻርክ) ኸም ዘለዉ ግና ይፍለጥ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ዝዓበዩ ዓይነት ከልብ ዓሳ ኣለዉ። ዌል ሻርክ ዚበሃል ሓደ ዓይነት ከልብ ዓሳ፡ ንውሓቱ ኽሳብ 15 ሜተር ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኺበጽሕ ይኽእል እዩ።