ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

“ናብ እትኸድዮ እኸይድ”

“ናብ እትኸድዮ እኸይድ”

1, 2. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ሩትን ናእሚን ዝገበራኦ ጕዕዞን ዝነበረን ከቢድ ሓዘንን ግለጽ። (ለ) ጕዕዞ ሩት ካብ ናይ ናእሚ ዚፍለ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ሩት በቲ ብርኽ ዝበለን ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎን ጐላጕል ሞኣብ ገይራ፡ ምስ ናእሚ ትጐዓዝ ነበረት። ኣብዚ ሰፊሕ ጐልጐል እዚ፡ ሩትን ናእሚን ንበይነን እየን ዝጐዓዛ ነይረን። ዓይኒ ኺሕዝ ምስ ጀመረ፡ ሩት ንሓማታ እናረኣየታ፡ መሕደሪ ዜናድያሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ኽትሓስብ ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣላ። ንናእሚ ኣዝያ ስለ እትፈትዋ፡ ንዓኣ ኣለይ መለይ ንምባል ዚከኣላ ዅሉ ኽትገብር ድልውቲ ነበረት።

2 ናእሚን ሩትን ኣብ ከቢድ ሓዘን እየን ነይረን። ናእሚ መበለት ካብ እትኸውን ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ኪልዮንን ማሕሎንን ዝስሞም ክልተ ደቃ ኻብ ዝሞቱ ብዙሕ ስለ ዘይገበሩ ግና ገና ኣብ ሓዘን እያ ነይራ። ሩት እውን እንተ ዀነት፡ ብሞት ማሕሎን ሰብኣያ ኣብ ሓዘን እያ ነይራ። እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚአን፡ ናብ ሓደ ቦታ፡ ማለት ናብታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቤት-ልሄም እየን ዚኸዳ ነይረን። ናብ ሓደ ቦታ ይኸዳ እኳ እንተ ነበራ፡ እቲ ጕዕዞአን ግና ንዓታተን እተፈላለየ ትርጉም እዩ ነይርዎ። ናእሚ ናብ ዓዳ እያ እትኸይድ ነይራ። ሩት ግና ኣዝማዳን ዓዳን ባህላን፡ እንተላይ ኣማልኽታ ሓዲጋ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ እያ እትኸይድ ነይራ።—ሩት 1:3-6 ኣንብብ።

3. መልሲ ኣየኖት ሕቶታት ምፍላጥና እዩ ንእምነት ሩት ክንቀድሓ ዚሕግዘና፧

3 ሩት ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ሓድሽ ህይወት ክትጅምርን ንናእሚ ኽትኣልያን ዜኽእላ ብርታዐ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ብምምርማር፡ ንእምነት ሩት እታ ሞኣባዊት ክንቀድሓ ንኽእል ኢና። (“ ንእሽቶ ግናኸ ብልጽቲ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።) ፈለማ፡ እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚአን ብኸመይ ብሓባር ናብ ቤት-ልሄም ኪጐዓዛ ኸም ዝኸኣላ እስከ ንርአ።

መሪር ሓዘን ዘጋጠማ ስድራ ቤት

4, 5. (ሀ) ስድራ ቤት ናእሚ ናብ ሞኣብ እተሰድደት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ናእሚ ኣብ ሞኣብ እንታይ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዋ፧

4 ሩት ኣብታ ኻብ ምዉት ባሕሪ ብሸነኽ ምብራቕ እትርከብ ሞኣብ እትብሃል ንእሽቶ ዓዲ እያ ዓብያ። እዚ ቦታ እዚ፡ ስንጭሮ ሰንጢቕዎ ዚሓልፍ ደጕዓ ዀይኑ፡ ሓሓሊፉ ጥራይ እዩ ኣእዋም ዚረኣዮ። ዋላ እውን ኣብ እስራኤል ጥሜት ይሃሉ፡ “ምድሪ ሞኣብ” መብዛሕትኡ እዋን ፍርያም እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እውን እያ ሩት ምስ ማሕሎንን ምስ ስድራ ቤቱን ክትፋለጥ ክኢላ።—ሩት 1:1

5 ኣብ እስራኤል ጥሜት ምስ ኰነ፡ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ንሰበይቱን ንኽልተ ደቁን ሒዙ፡ ካብ ዓዱ ናብ ምድሪ ሞኣብ ተሰድደ። እስራኤላውያን ኣዘውቲሮም ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቕድስቲ ቦታ ኼምልኹ ስለ ዝነበሮም፡ እዚ ንእምነት ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ዚብድህ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 16:16, 17) እምነት ናእሚ ግና ህያው እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣያ ምስ ሞተ፡ ብሓዘን ተደቝሰት።—ሩት 1:2, 3

6, 7. (ሀ) ናእሚ ደቃ ሞኣባውያን ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ ኣተሓሳሲብዋ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ናእሚ ንኣንስቲ ደቃ ዝሓዘትሉ መገዲ ዚነኣድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

6 ናእሚ፡ ደቃ ጸኒሖም ሞኣባውያን ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ እውን፡ ጕህያ ኽትከውን ኣለዋ። (ሩት 1:4) እቲ ኣቦሓጎ እስራኤላውያን ዝነበረ ኣብርሃም፡ ካብቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ዓሌቱ ንይስሃቅ ወዱ እትኸውን ሰበይቲ ንምርካብ ብዙሕ ከም ዝጸዓረ ትፈልጥ ነይራ እያ። (ዘፍ. 24:3, 4) ጸኒሑ እውን ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ምእንቲ ኸይመርሕዎም፡ ንኣወዳቶምን ንኣዋልዶምን ምስ ጓኖት ከየመራዕዉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ዘዳ. 7:3, 4

7 ይኹን እምበር፡ ማሕሎንን ኪልዮንን ሞኣባውያን ኣንስቲ ተመርዓዉ። እዚ ነገር እዚ ንናእሚ ኣተሓሳሲብዋ ወይ ኣጕህይዋ ኪኸውን ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነተን ሩትን ዖርጳን ዝስመን ኣንስቲ ደቃ፡ ናይ ሓቂ ለውሃትን ፍቕርን ኣርእያተን ክትከውን ኣለዋ። ሓደ መዓልቲ ንሳተን እውን ከምኣ ንየሆዋ ኸም ዜምልኻ ተስፋ ትገብር ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሩትን ዖርጳን ንናእሚ ይፈትዋኣ ነበራ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሰለስተ ኣንስቲ ዝነበረ ጽቡቕ ርክብ፡ ዜሕዝን ፍጻመታት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ሓጊዝወን እዩ። ከመይሲ፡ ሩትን ዖርጳን ገና ኸይወለዳ እየን መበለታት ኰይነን።—ሩት 1:5

8. ሩት ናብ የሆዋ ኽትቀርብ ዝሓገዛ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

8 እቲ ሩት እትስዕቦ ዝነበረት ሃይማኖት፡ ነቲ ዘጋጠማ ዜሕዝን ፍጻመ ኣዳልዩዋ ድዩ፧ እዚ ኪኸውን ዘይክእል እዩ። ሞኣባውያን ንብዙሓት ኣማልኽቲ፡ እንተላይ ነቲ ቐንዲ ዝዀነ ከሞሽ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። (ዘሁ. 21:29) እቲ ሞኣባውያን ዚስዕብዎ ዝነበሩ ሃይማኖት፡ ከም መስዋእቲ ሕጻናት ዝኣመሰለ ጭካነን ዜስካሕክሕ ተግባራትን ዚንጸባረቖ እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ሩት ካብ ማሕሎን ወይ ካብ ናእሚ እተማህረቶ ብዛዕባ እቲ ፈቃርን ርሕሩሕን ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ የሆዋ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ልባ ተንኪፍዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ደኣ እምበር፡ ብራዕዲ ኣይገዝእን እዩ። (ዘዳግም 6:5 ኣንብብ።) ሩት ድሕሪ እቲ ሓዘን፡ ናብ ናእሚ ብዝያዳ ቐሪባ ኽትከውን ኣለዋ፣ ናእሚ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ብዛዕባ ዜደንቕ ተግባራቱን ብዛዕባ እቲ ንህዝቡ ዝሓዘሉ ፍቕርን ርሕራሐን ዚንጸባረቖ መገድን ክትነግራ ኸላ ድማ፡ ጽን ኢላ ትሰምዓ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።

ሩት ኣብ እዋን ሓዘን ብዝያዳ ናብ ናእሚ ቐረበት

9-11. (ሀ) ናእሚን ሩትን ዖርጳን እንታይ ውሳነ እየን ገይረን፧ (ለ) ካብቲ ናእሚን ሩትን ዖርጳን ዘጋጠመን ዜሕዝን ፍጻመታት እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧

9 ናእሚ ደሃይ ዓዳ ኽትሰምዕ ብሃንቀውታ እያ እትጽበ ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ምናልባት ካብ ሓደ ነጋዳይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ጥሜት ከም ዘብቅዐ ሰምዐት። የሆዋ ንህዝቡ ቘላሕታ ገይሩሎም ነበረ። ቤት-ልሄም እንደገና ኸም ትርጉም ስማ፡ “ቤት እንጌራ” ዀይና ነበረት። ናእሚ ነዚ ምስ ሰምዐት፡ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ወሰነት።—ሩት 1:6

10 ሩትን ዖርጳንከ፧ (ሩት 1:7) ምስ ናእሚ ዀይነን ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘሕለፋ፡ ኣዝየን ተቐራሪበን ነይረን እየን። ብሕልፊ ሩት፡ ብለውሃት ናእሚን በታ ናእሚ ኣብ የሆዋ ዝነበረታ ዘይትነቓነቕ እምነትን ተሳሒባ ነበረት። ስለዚ፡ እተን ሰለስተ መበለታት፡ ብሓባር ኰይነን ናብ ይሁዳ ኺጐዓዛ ጀመራ።

11 እቲ ኣብ መጽሓፍ ሩት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንጥዑያትን ንቕኑዓትን ሰባት ኰነ ንእኩያት ሰባት፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥሞም ከም ዚኽእል የዘኻኽረና እዩ። (መክ. 9:2, 11) ብዘይካዚ፡ ብሓዘን ኣብ እንድቈሰሉ እዋን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣብቲ ናእሚ እተምልኾ ዝነበረት ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ የሆዋ ዚምዕቈቡ ሰባት ምጽንናዕ ክንረክብ ምድላይና ጥበባዊ ምዃኑ ይሕብረና እዩ።—ምሳ. 17:17

ሩት ብተኣማንነት ዘርኣየቶ ፍቕሪ

12, 13. ናእሚ ሩትን ዖርጳን ምስኣ ኣብ ክንዲ ዚኸዳ ናብ ዓደን ኪምለሳ ዝደለየተን ስለምንታይ እያ፧ እተን ክልተ ኣንስቲኸ ኣብ ፈለማ እንታይ ተሰሚዑወን፧

12 እተን ሰለስተ መበለታት ብዙሕ ኪሎ ሜተር ምስ ተጓዕዛ፡ ሓደ ጕዳይ ንናእሚ ኼተሓሳስባ ጀመረ። እተን ኣብ የማናን ጸጋማን ዝነበራ ኽልተ ኣንስቲ ንዓኣን ንደቃን ብዛዕባ ዘርኣያኦ ፍቕሪ ሓሰበት። ካልእ ጾር ክትውስኸለን ድማ ኣይደለየትን። ከመይሲ፡ ንዓደን ሓዲገን ምስኣ ናብ ቤት-ልሄም እንተ ኸይደን፡ ናእሚ እንታይ እያ ኽትገብረለን እትኽእል፧

13 ኣብ መወዳእታኡ ናእሚ፡ “ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ዝሞቱን ንዓይን ዝገበርክናኦ፡ የሆዋ ብተኣማንነት የፍቅርክን” በለተን። የሆዋ ንዓታተን ሰብኡትን ሓድሽ ህይወትን ብምሃብ ኪባርኸን ድማ ተመነየትለን። “ሽዑ፡ ሰዓመተን፣ ንሳተን ድማ ዓው ኢለን በኸያ።” ሩትን ዖርጳን ካብታ ለዋህን ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደልን ሰበይቲ ኺፍለያ እንተ ኸበደን ኣየገርምን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ክልቲአን ብተደጋጋሚ፡ “ኣይፋልናን፡ ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ኽንከይድ ኢና” በላኣ።—ሩት 1:8-10

14, 15. (ሀ) ዖርጳ ናበይ እያ ተመሊሳ፧ (ለ) ናእሚ ንሩት፡ ሓዲጋታ ንኽትምለስ ከተእምና ዝጸዓረት ብኸመይ እያ፧

14 ይኹን እምበር፡ ናእሚ ነቲ ሩትን ዖርጳን ዝበላኣ ብቐሊሉ ኣይተቐበለቶን። ዚናብያ ሰብኣይ ስለ ዘይብላን ንዓታተን ዚዀኑ ኣወዳት ክትወልድ ስለ ዘይትኽእልን፡ ኣብ እስራኤል ዋላ ሓንቲ ኽትገብረለን ከም ዘይትኽእል ኣትሪራ ነገረተን። ንዓታተን ክትኣልየን ብዘይምኽኣላ ኣዝያ ኸም እተመረረት ከኣ ሓበረተን። ቃላት ናእሚ ድማ ንዖርጳ ኣእመና። ኣብ ሞኣብ ቤተ ሰብን ኣደን ቤትን ስለ ዝነበራ፡ ኣብኡ ምንባር ዚሓይሽ ኰይኑ ተሰምዓ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንናእሚ እናጐሃየት ሰዓመታ፣ ተሰናቢታታ ድማ ናብ ቤታ ተመልሰት።—ሩት 1:11-14

15 ሩትከ፧ እቲ ናእሚ እተዛረበቶ ዘረባ ንዓኣ እውን ይምልከታ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ሩት ግና ምስኣ ለገበት” ዚብል ነንብብ። ምናልባት ናእሚ ጕዕዞኣ ኽትቅጽል ከላ፡ ሩት ትስዕባ ኸም ዘላ ኣስተብሂላ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሽዑ፡ “እንሃ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ። ምስ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ። (ሩት 1:15) እዚ ናእሚ እተዛረበቶ ቓላት፡ ንኣንባቢ ዚጠቅም ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ዖርጳ ናብ ህዝባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ “ኣማልኽታ” እውን እያ ተመሊሳ። ንከሞሽን ንኻልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽትን ከተምልኽ እያ እትደሊ ነይራ። ሩትከ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓ ነይሩ፧

16-18. (ሀ) ሩት ብተኣማንነት ፍቕሪ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ካብ ሩት ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ስእሊ እተን ክልተ ኣንስቲ እውን ርአ።)

16 ሩትን ናእሚን ኣብቲ ጸምጸም መገዲ ንበይነን ምስ ተረፋ፡ ሩት በቲ ዝገበረቶ ውሳነ ኣይተወላወለትን። ንናእሚን ነቲ ናእሚ እተምልኾ ኣምላኽን ኣዝያ ተፍቅሮም እያ ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንናእሚ፡ “ምሳኺ ኸይከይድ ሓዲገኪ ኽምለስ ኣይትለምንኒ፣ ከመይሲ፡ ናብ እትኸድዮ እኸይድ፡ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሓድር። ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ እውን እቕበር። ብዘይካ ሞት ካልእ ንዓይ ካባኺ እንተ ፈልዩንስ፡ የሆዋ ኸምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸሉ” በለታ።—ሩት 1:16, 17

“ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ”

17 ቃላት ሩት ብሓቂ ዜደንቕ ስለ ዝዀነ፡ ሕጂ ኻብ እትመውት 3,000 ዓመት እንተ ሓለፈ እውን፡ ብዙሓት ሰባት ይፈልጥዎ እዮም። እቲ እተዛረበቶ ቓላት፡ ክቡር ባህርይ ከም ዝነበራ፡ ማለት ብተኣማንነት ፍቕሪ ተርኢ ኸም ዝነበረት ዚሕብር እዩ ነይሩ። ሩት ንናእሚ ዝነበረታ ፍቕሪ፡ ድልድልትን ኣብ ተኣማንነት እተመርኰሰትን ስለ ዝነበረት፡ ምስ ናእሚ ጠቢቓ እያ። ንኽልቲአን ሞት ጥራይ እዩ ኺፈልየን ዚኽእል ነይሩ። ሩት ንዅሉ እቲ ኣብ ሞኣብ እትፈልጦ ነገራት፡ እንተላይ ንኣማልኽቲ ሞኣብ ክትሓድጎም ድልውቲ ስለ ዝነበረት፡ ህዝቢ ናእሚ ህዝባ ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ሩት ከም ዖርጳ ስለ ዘይነበረት፡ እቲ ናእሚ እተምልኾ ዝነበረት የሆዋ፡ ኣምላኻ ኪኸውን ከም እትደሊ ኣፋ መሊኣ ኽትዛረብ ትኽእል ነይራ እያ። *

18 ናእሚን ሩትን ብሓባር ኰይነን፡ ኣብቲ ናብ ቤት-ልሄም ዚወስድ ነዊሕ መገዲ ጕዕዞአን ቀጸላ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም፡ እቲ ጕዕዞ ሰሙን ኣቢሉ ወሲዱለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሓድሕደን ይጸናንዓ ነይረን ኪዀና ኣለወን።

19. ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ዕርክነትናን ኣብ ጉባኤን ነታ ሩት ብተኣማንነት ዘርኣየታ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ብዙሕ ዜጕህየና ነገራት ኣሎ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና መጽሓፍ ቅዱስ “ጽንኩር ግዜ” ዚብሎ እዋን፡ ኵላትና እተፈላለየ ዓይነት ጕድኣትን ሓዘንን የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ስለዚ፡ እታ ሩት ዘንጸባረቐታ ባህርይ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲት እያ። እወ፡ እታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ፡ ማለት ንሓደ ነገር ኣጥቢቓ እትሕዝን ፈጺማ ዘይትሓድግን ዓይነት ፍቕሪ፡ ኣብዛ ጸልማት ዓለም ክትሕግዘና ትኽእል እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ኣብ ሓዳርን ኣብ ርክባት ስድራ ቤትን ኣብ ዕርክነትን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤን ተድልየና እያ። (1 ዮሃንስ 4:7, 8, 20 ኣንብብ።) ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና፡ ነቲ ብሉጽ ኣብነት ሩት ንቐድሖ ኣለና ማለት እዩ።

ሩትን ናእሚን ኣብ ቤት-ልሄም

20-22. (ሀ) ንናእሚ እቲ ኣብ ሞኣብ ዘሕለፈቶ ህይወት እንታይ ዓይነት ጽልዋ እዩ ገይሩላ፧ (ለ) ናእሚ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ጸበባ እንታይ ግጉይ ምርዳእ እዩ ነይሩዋ፧ (ያእቆብ 1:13 እውን ርአ።)

20 ሓቂ እዩ፡ ብተኣማንነት ተደሪኽካ እተርእያ ፍቕሪ ኸም ዘላትካ ምዝራብን ብግብሪ ምርኣይን ክልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ። ሩት፡ ንናእሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣምላኻ ኪኸውን ዝመረጸቶ የሆዋ እውን ብተኣማንነት ኸም እተፍቅሮ ኸተርኢ ዜኽእላ ኣጋጣሚ ረኺባ እያ።

21 ኣብ መወዳእታኡ፡ እተን ክልተ ኣንስቲ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ብሸነኽ ደቡብ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቤት-ልሄም በጽሓ። ብዘላ እታ ንእሽቶ ኸተማ ብዛዕባ ምምላስ ናእሚ ተውሪ ስለ ዝነበረት፡ ናእሚ ምስ ስድራ ቤታ ፍልጥቲ ዝነበረት እዩ ዚመስል። ኣንስቲ እታ ዓዲ ምስ ጠመታኣ ኸኣ፡ “እዚኣስ ናእሚ ድያ፧” በላ። እቲ ናእሚ ናብ ሞኣብ ክትከይድ ከላ ዝነበራ መልክዕ ተለዊጡ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘሕለፈቶ ጸገምን ሓዘንን ድማ ኣብ ገጻ ይንበብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ሩት 1:19

22 ናእሚ ነተን ኣዝማዳን ጐረባብታን፡ ብህይወታ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተመረረት ነገረተን። እቲ ናእሚ ዚብል “ደስታይ” ዝትርጉሙ ስማ፡ ናብቲ ማራ ዚብል “መራር” ዝትርጉሙ ስም ኪቕየር ከም ዘለዎ እውን ገለጸትለን። ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ እተሕዝነካ! ልክዕ ከምቲ ንእዮብ እተሰምዖ፡ ንሳ እውን፡ ምንጪ ዅሉ መከራኣ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይራ ትኣምን ነበረት።—ሩት 1:20, 21፣ እዮ. 2:10፣ 13:24-26

23. ሩት ብዛዕባ እንታይ እያ ኽትሓስብ ጀሚራ፧ ሕጊ ሙሴ ንድኻታት እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩሎም፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

23 እተን ክልተ ኣንስቲ ኣብ ቤት-ልሄም ናብራአን ኬጣጥሓ ምስ ጀመራ፡ ሩት ንርእሳን ንናእሚን ብኸመይ ክትኣሊ ኸም እትኽእል ክትሓስብ ጀመረት። እቲ የሆዋ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ንድኻታት ዚኸውን ፍቕራዊ መሰናድዎ ኸም ዜጠቓልል ፈለጠት። እቶም ድኻታት፡ ኣብ እዋን ዓጺድ ናብ ግራት ብምእታው፡ ነቲ እቶም ዓጻዶ ዝሓደግዎን ነቲ ኣብ ደረት እቲ ግራት ዝበቘለን እናቐረሙ ደድሕሪ ዓጻዶ ኪኸዱ ይኽእሉ ነበሩ። *ዘሌ. 19:9, 10፣ ዘዳ. 24:19-21

24, 25. ሩት ብኣጋጣሚ ናብ ግራት ቦኣዝ ምስ ኣተወት፡ እንታይ እያ ገይራ፧ ዓጺድከ ከመይ እዩ ነይሩ፧

24 እዋኑ ኣብ ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ሚያዝያ ዚውዕል ግዜ ዓጺድ ስገም እዩ ነይሩ፣ ሩት ድማ ክትቅርም ናብ ግራውቲ ኸደት። ብኣጋጣሚ ኸኣ ናብ ግራት ቦኣዝ ኣተወት፣ ንሱ ሃብታም ዘመድ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ክትቅርም መሰላ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ግና ከም ትሑዝ ገይራ ኣይረኣየቶን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያ፡ ክትቅርም ኪፈቕደላ ሓተተቶ። ምስ ፈቐደላ ኸኣ፡ ብኡብኡ ስራሓ ጀመረት።—ሩት 1:22–2:3, 7

25 ሩት ነቶም ዓጻዶ ኽትስዕቦም ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣላ። ነቲ ኻብ ጽንጽሕለ ማዕጺዶም ዝተረፈ ወይ ነቲ ዝሓደግዎ ስገም ትእክቦ እሞ፡ ነቲ ዝቐረመቶ እንዳእቲ ናብቲ እትዘብጠሉ ቦታ ተሰኪማቶ ትኸይድ ነበረት። ዕዮኣ ዝሑልን ዜድክምን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እናረፈደ ምስ ከደ ኸኣ ብዝያዳ እናኸበደ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሩት፡ ረሃጻ ኽትጸርግን “ኣብ ቤት፡” ማለት ኣብቲ ነቶም ሰራሕተኛታት መጽለሊ ኪዀኖም ተባሂሉ እተዳለወ ቦታ ዀይና ምሳሕ ኽትበልዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ዕዮኣ ኣየቋረጸትን።

ሩት ንገዛእ ርእሳን ንናእሚን ኢላ፡ ከቢድን ትሑትን ስራሕ ክትሰርሕ ፍቓደኛ ነበረት

26, 27. ቦኣዝ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ ንሩትከ ብኸመይ እዩ ሓልዩላ፧

26 ሩት ኣቓልቦ ዚግበረላ እኳ እንተ ዘይመሰላ፡ ዚዕዘባ ሰብ ግና ነይሩ እዩ። ቦኣዝ ረኣያ እሞ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበረ ጐበዝ፡ ብዛዕባኣ ሓተቶ። እቲ እተደንቕ እምነት ዝነበረቶ ቦኣዝ፡ ነቶም ሸቃሎ ወይ እውን ነቶም ጓኖት ኪዀኑ ዚኽእሉ ዓየይቲ፡ “የሆዋ ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ሰላም በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “የሆዋ ይባርኽካ” ኢሎም መለሱሉ። እዚ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብኣይ እዚ፡ ንሩት ከም ኣቦ ኺሓልየላ ጀመረ።—ሩት 2:4-7

27 ቦኣዝ ንሩት “እዛ ጓለይ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ክትቅርም ኢላ ናብ ካልእ ግራት ከይትኸይድ፡ ካልኦት ዓየይቲ ምእንቲ ኸየሸግርዋ ድማ ምስ ኣግራዱ ኽትለግብ ነገራ። ምሳሕ ከም እትረክብ እውን ገበረ። (ሩት 2:8, 9, 14 ኣንብብ።) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ነኣዳን ኣተባብዓን። ብኸመይ፧

28, 29. (ሀ) ሩት እንታይ ዓይነት ስም እዩ ነይሩዋ፧ (ለ) ንስኻኸ ኸም ሩት ኣብ የሆዋ ኽትዕቈብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

28 ሩት ንቦኣዝ፡ ጓና ኽነሳ እዚ ዅሉ ለውሃት ዜርእያ ዘሎ እንታይ ስለ ዝገበረት ምዃኑ ምስ ሓተተቶ፡ ቦኣዝ፡ ንናእሚ ሓማታ ብዛዕባ ዝገበረትላ ዅሉ ነገራት ከም ዝሰምዐ ነገራ። ምናልባት ናእሚ ንሩት ኣብ ቅድሚ ኣንስቲ ቤት-ልሄም ንኢዳታ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ ቦኣዝ በጺሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ቦኣዝ ንሩት፡ “የሆዋ ኸም ግብርኺ ይፍደኺ፣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ እተማዕቈብክሉ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ዓስብኺ ምሉእ ይኹን” ስለ ዝበላ፡ ንየሆዋ ኸተምልኽ ከም ዝጀመረት ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ሩት 2:12

29 እዚ ቓላት እዚ ንሩት ኣዝዩ ኣተባቢዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። ልክዕ ከምታ ኣብ ትሕቲ ኽንፊ ወላዲኣ እትዕቈብ ንእሽቶ ዑፍ፡ ሩት እውን ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ኣምላኽ ክትዕቈብ ወሲና ነይራ እያ። ንቦኣዝ ድማ ስለቲ ዜጸናንዕ ቃላቱ ኣመስገነቶ። ክሳዕ ምሸት ከኣ ዕዮኣ ቐጸለት።—ሩት 2:13, 17

30, 31. ካብ ሩት ብዛዕባ ናይ ስራሕ ልማድን ሞሳን ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

30 ሩት ዝነበረታ እምነት፡ ነቶም ኣብዚ ብቝጠባዊ መዳይ ኣጸጋሚ ዝዀነ እዋን እንነብር ዘለና ሰባት፡ ብሉጽ ኣብነት ትዀነና እያ። ይግብኣኒ እዩ ዚብል መንፈስ ስለ ዘይነበራ፡ ንዅሉ እተዋህባ ነገራት ብሞሳ እያ እትቕበሎ ነይራ። ምእንቲ እታ እትፈትዋ ናእሚ ኢላ፡ ትሑት ዕዮ እውን እንተ ዀነ ብትሕትና ንነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ኣየሕፈራን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ብዘይ ጕድኣት ብኸመይ ከም እትሰርሕን ምስ መን ከም እትሰርሕን ዚገልጽ ጥበባዊ ምኽሪ ብሞሳ ተቐቢላ ተግቢራቶ እያ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ናይ ሓቂ መዕቈቢኣ፡ ኣቦኣ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይረስዐትን።

31 ንሕና እውን ከም ሩት ብተኣማንነት ፍቕሪ ነርኢ እንተ ዄንና፡ ንትሕትናኣን ንጻዕራን ንሞሳኣን ከኣ ንቐድሖ እንተ ዄንና፡ እምነትና ንኻልኦት ሰባት ብልጽቲ ኣብነት ክትኰኖም ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሩትን ንናእሚን እተኸናኸነን ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንምርምሮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 17 እቲ ዜገርም፡ ሩት ከምቲ ብዙሓት ጓኖት ዚገብርዎ፡ ነቲ “ኣምላኽ” ዚብል መዓርግ ጥራይ ኣይኰነትን ተጠቒማ፣ ነቲ “የሆዋ” ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እውን ተጠቒማትሉ እያ። ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል፡ “በዚ ኸምዚ፡ እቲ ጸሓፊ፡ እዛ ጓና ሰበይቲ እዚኣ ሰዓቢት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ኣጕልሐ” ይብል።

^ ሕ.ጽ. 23 እዚ ሕጊ እዚ፡ ሩት ኣብ ዓዳ ፈጺማ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዜደንቕ ሕጊ እዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊ ቐረባ ምብራቕ፡ መበለታት ብጽቡቕ ኣይተሓዛን እየን ነይረን። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ በለ፦ “ሓንቲ መበለት፡ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ፡ ደቃ እዮም ዚድግፍዋ ነይሮም፣ ደቂ እንተ ዘይብላ ኸኣ፡ ባርያ ወይ ኣመንዝራ ትኸውን፡ ወይ ከኣ ትመውት ነበረት።”