ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ክልተ

“ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”

“ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”

1, 2. ኖህን ስድራ ቤቱን እንታይ ዓይነት ዕዮ እዮም ዚዓይዩ ነይሮም፧ ገለ ኻብቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ብድሆታትከ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ኖህ ቅንዕ ኢሉ ነቲ ዝደኸመ ጭዋዳታቱ ይዝርግሕ ነበረ። ኣብ ሓደ ሉሕ ኮፍ ኢሉ፡ ነታ ዓባይ መርከብ እናረኣየ ኻብ ዕዮኡ ሓንሳእ ኬዕርፍ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ኣየር በቲ ዚመክኽ ዝነበረ ቕጥራን ተዓብሊኹ ነበረ፡ ናውቲ ጽርበት ዕንጨይቲ ዚፈጥሮ ደሃይ እውን ይስማዕ ነበረ። ኖህ ኣብቲ እተቐመጦ ዀይኑ፡ ደቁ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት እቲ መዋቕር ዕንጨይቲ ኣበርቲዖም ኪዓይዩ ይርኢ ነበረ። ሰበይቱን ደቁን ኣንስቲ ደቁን ኣብቲ ዕዮ እቲ ምስኡ ኻብ ዚጽመዱ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ክሳዕ ሽዑ፡ ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ዓመሙ፡ ገና ብዙሕ ይጽበዮም ነይሩ እዩ።

2 ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ ኵሎም እቶም ኣብቲ ዕዮ እተጸምዱ ዓያሹ ኸም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ ነይሮም። እታ መርከብ መልክዕ እናሓዘት ብዝኸደት መጠን፡ እቶም ሰባት በቲ ንምልእቲ ምድሪ ዚኸድን ማይ ኣይሂ ኸም ዚመጽእ ዚውሃብ ዝነበረ ሓሳብ ብዝያዳ ይስሕቁ ነበሩ። እቲ ኖህ መጠንቀቕታ ዚህበሉ ዝነበረ መዓት፡ ፈጺሙ ዘይከውን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ሓደ ሰብኣይ ህይወቱን ህይወት ስድራ ቤቱን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ዕሽነት ኢሎም ዝሓሰብዎ ዕዮ ዜባኽነሉ ምኽንያት ኪርድኦም ኣይከኣለን። እቲ ኖህ ዜምልኾ ዝነበረ የሆዋ ግና፡ ንዕኡ ኸም ዓሻ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮ ነይሩ።

3. ኖህ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ ብኸመይ እዩ፧

3 ቃል ኣምላኽ፡ “ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:9 ኣንብብ።) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ይመላለስ ነይሩ ማለት ኣይኰነን፣ ኖህ ናብ ሰማይ ከይዱ ነይሩ ማለት እውን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኖህ ንኣምላኹ ብጥብቂ ይእዘዞን ኣዝዩ የፍቅሮን ስለ ዝነበረ እዩ ንሱን የሆዋን ከም ኣዕሩኽ ብሓባር ከም እተመላለሱ እተገልጸ። መጽሓፍ ቅዱስ ድሕርዚ ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ ብዛዕባ ኖህ፡ “በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ” በለ። (እብ. 11:7) ኖህ ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ንሕናኸ ኻብ እምነቱ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብ ቄናን ዓለም ዝነበረ ኣበር ዘይብሉ ሰብኣይ

4, 5. ብግዜ ኖህ፡ ዓለም እናኸፍአት ትኸይድ ዝነበረት ብኸመይ እያ፧

4 ኖህ እናኸፍአት ትኸይድ ኣብ ዝነበረት ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ። ብግዜ እቲ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ ጻድቕ ዝነበረ ሄኖክ ዚብሃል ኣቦ ኣቦሓጎኡ እውን፡ ኵነታት ዓለም ሕማቕ እዩ ነይሩ። ሄኖክ ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት መዓልቲ ፍርዲ ኸም እትመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብግዜ ኖህ ከኣ፡ ክፍኣት ኣመና ገዲዱ ነበረ። ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ ብምንባራ ድማ፡ ብዓይኒ የሆዋ፡ ተበላሽያ እያ ነይራ። (ዘፍ. 5:22፣ 6:11፣ ይሁ. 14, 15) ነቲ ዅነታት ከም ዚገድድ ዝገበሮኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

5 ኣብ መንጎ እቶም መንፈስ ዝዀኑ ደቂ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ መንጎ መላእኽቲ፡ ሓደ ዜሕዝን ነገር ተፈጺሙ ነበረ። ሓደ ኻባታቶም ድሮ ኻብ የሆዋ ዓልዩስ፡ ንኣምላኽ ብምክፋኡን ንኣዳምን ንሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ብምግባሩን ሰይጣን ድያብሎስ ኰይኑ ነበረ። ብግዜ ኖህ ከኣ፡ ካልኦት መላእኽቲ ኻብቲ ፍትሓዊ ግዝኣት የሆዋ ኺዓልዉ ጀመሩ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝሃቦም ቦታ ሓዲጎም፡ ናብ ምድሪ መጹ፡ ስጋ ለበሱ፡ መልክዐኛታት ኣንስቲ ድማ ወሰዱ። እዞም ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ዕቡያትን ዓመጸኛታትን መላእኽቲ፡ ኣብ ሰባት ሕማቕ ጽልዋ እዮም ዜሕድሩ ነይሮም።—ዘፍ. 6:1, 2፣ ይሁ. 6, 7

6. ነፊሊም ኣብ ዓለም እንታይ ጽልዋ እዮም ኣሕዲሮም፧ የሆዋኸ እንታይ ኪገብር እዩ ወሲኑ፧

6 ካብቲ ኣብ መንጎ እቶም ስጋ ዝለበሱ መላእኽትን ሰብኣውያን ደቂ ኣንስትዮን እተገብረ ዘይባህርያዊ መውስቦ ኣዝዮም ገዘፍትን ብርቱዓትን ደቓሉ ተወልዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓታቶም፡ ነፊሊም ኢሉ እዩ ዚጽውዖም፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ኣውደቕቲ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ነፊሊም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ሕማቕ መንፈስ ኣጋደድዎ። ፈጣሪና፡ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን” ምርኣዩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ እኩይ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ 120 ዓመት ኬጥፍኦ ወሰነ።—ዘፍጥረት 6:3-5 ኣንብብ።

7. ኖህን ሰበይቱን ንደቆም ካብቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ሕማቕ ጽልዋ ኼዕቍብዎም ቀሊል ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣብ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም ስድራ ኽትገብር እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኖህ ግና ከምኡ እዩ ገይሩ። ንፍዕቲ ሰበይቲ ረኸበ። ወዲ 500 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሴምን ካምን ያፌትን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ወለደትሉ። * እቶም ወለዲ ብሓባር ኰይኖም፡ ንደቆም ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ሕማቕ ጽልዋ ኼዕቍብዎም ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ንኣሽቱ ኣወዳት ን“ስሙያት” ኰነ ን“ጀጋኑ” ሰባት የኽብርዎምን የድንቕዎምን እዮም፣ ነፊሊም ከኣ ከምኡ ዓይነት ሰባት እዮም ነይሮም። ኖህን ሰበይቱን ንደቆም ካብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ምዝመዛ እቶም ንጉዓት ሰባት ዚውረ ወረ ኼዕቍብዎም ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ እከይ ዘበለ ዚጸልእ የሆዋ ኣምላኽ ማራኺ ሓቂ ኺምህርዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። የሆዋ በቲ ኣብ ዓለም ዚግበር ዝነበረ ዓመጻን ዕልወትን ከም ዝጐሃየ እውን ኬረድእዎም የድልዮም ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 6:6

ኖህን ሰበይቱን ንደቆም ካብ ሕማቕ ጽልዋ ኼዕቍብዎም ኣገዳሲ ነበረ

8. ሎሚ ዘለዉ ጥበበኛታት ወለዲ ነቲ ኖህን ሰበይቱን ዝሓደግዎ ኣብነት ኪስዕብዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

8 ሎሚ ዘለዉ ወለዲ፡ እቲ ንኖህን ንሰበይቱን ዜጋጥሞም ዝነበረ ነገር ኪርድኦም ይኽእል እዩ። ዓለምና እውን ብዓመጻን ብዕልወትን ተመሪዛ እያ ዘላ። ከተማታት ፋሉል ብዝዀኑ ዓዋሉ መንእሰያት ዝመልኣ እየን። ንቘልዑ ተባሂሉ ዚዳሎ መዘናግዒ እኳ ኸይተረፈ፡ ብዓመጻ ዝመልአ እዩ። ጥበበኛታት ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ እቲ ንዅሉ ዓመጻ ዜጥፍእ ኣምላኽ ሰላም ዝዀነ የሆዋ ብምምሃር፡ ነዚ ጽልዋ እዚ ንምቅላስ ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ይገብሩ እዮም። (መዝ. 11:5፣ 37:10, 11) ወለዲ ኸምዚ እንተ ገይሮም ኪዕወቱ ይኽእሉ እዮም። ኖህን ሰበይቱን ተዓዊቶም እዮም። ደቆም ዓብዮም ንፉዓት ሰባት ኰይኖም እዮም፣ ከማታቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ህይወተን ቀዳምነት ኪህባ ፍቓደኛታት ዝዀና ኣንስቲ ኸኣ ተመርዕዮም እዮም።

“መርከብ ስራሕ”

9, 10. (ሀ) እንታይ ትእዛዝ የሆዋ እዩ ንህይወት ኖህ ዝቐየራ፧ (ለ) የሆዋ ንኖህ ብዛዕባ ንድፍን ዕላማን እታ መርከብ እንታይ እዩ ገሊጹሉ፧

9 ሓደ መዓልቲ፡ ህይወት ኖህ ንሓዋሩ ተቐየረ። የሆዋ ነዚ ፍቑር ኣገልጋሊኡ፡ ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ኬጥፍኣ ኸም ዝዓለመ ነገሮ። ኣምላኽ ንኖህ፡ “ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ ንዓኻ መርከብ ስራሕ” ኢሉ ኣዘዞ።—ዘፍ. 6:14

10 እታ መርከብ እቲኣ ኸምዘን ናይ ሎሚ ዓይነት መራኽብ ኣይነበረትን። ቀስታዊ ቕርጺ ኣይኰነን ነይርዋ፣ መእለዪ እውን ኣይነበራን። ዓባይ ሳጹን እያ ነይራ። የሆዋ ንኖህ ዓቐን እታ መርከብ፡ ብዛዕባ ንድፋ ዚገልጽ ገለ ዝርዝር ነጥብታት፡ ከምኡ ድማ ውሽጣን ግዳማን ብቕጥራን ኪልቕልቓ ነገሮ። ከምኡ ዚገብረሉ ምኽንያት ኪነግሮ ኸሎ ኸኣ፡ “ማይ ኣይሂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸምጽእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ እውን ኪጠፍእ እዩ” በሎ። ንኖህ ግና፡ “ንስኻ ድማ ምስ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን ናብታ መርከብ እቶ” ዚብል ኪዳን ኣትዩሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት እንስሳ ናብታ መርከብ ኬእቱ ትእዛዝ ሂብዎ እዩ። እቶም ኣብታ መርከብ ዝደየቡ ጥራይ እዮም ካብቲ ዚመጽእ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ኺድሕኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ።—ዘፍ. 6:17-20

ኖህን ስድራ ቤቱን ትእዛዝ ኣምላኽ ንምፍጻም ብሓባር ዓየዩ

11, 12. ኖህ እንታይ ከቢድ ስራሕ እዩ ነይርዎ፧ ነቲ ብድሆኸ ብኸመይ ሰጊርዎ፧

11 ኖህ ከቢድ ስራሕ እዩ ነይርዎ። እታ መርከብ፡ 133 ሜተር ዝንውሓታ፡ 22 ሜተር ዝግፍሓ፡ 13 ሜተር ከኣ ዝቝመታ ብምንባራ፡ ኣዝያ ዓባይ እያ ነይራ። ኣብ ግዜና ኣብ ባሕሪ ኺሰፍፋ ተባሂለን ካብ ዕንጨይቲ ኻብ እተሰርሓ መራኽብ እውን ኣዝያ ትዓቢ ነይራ እያ። ኖህ እቲ ዕዮ ኸቢድ ከም ዝዀነ ብምጕርምራም ድሕር ምሕር ኢሉ ድዩ፧ ወይ እቲ ዕዮ ምእንቲ ኪቐልለሉ ኢሉ ነቲ ዝርዝር መምርሒ ቐዪርዎ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኖህ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ” ዚብል መልሲ ይህበና።—ዘፍ. 6:22

12 እቲ ዕዮ ሓያሎ ዓመታት፡ ምናልባት እውን ካብ 40 ኽሳዕ 50 ዓመት ዚኸውን እዩ ወሲዱ። ኦም ቈሪጾም፡ ጐቲቶም፡ ጸልጺሎም፡ ጸሪቦም፡ ኬላግብዎ የድልዮም ነበረ። እታ መርከብ ታሕታይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ነበራ፣ ብዙሕ ክፍልታት፡ ብሓደ ጐድና ድማ ማዕጾ ነበራ። ኣብ ላዕላይ ሸነኻ መሳዅቲ፡ ከምኡ ድማ ማይ ምእንቲ ኺፈስስ፡ ኣብ ማእከሉ ብርኽ ኢሉ ቕንን ዝበለ ናሕሲ ነይርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘፍ. 6:14-16

13. ንኖህ መርከብ ካብ ምስራሕ ንላዕሊ በዳሂ ዝዀኖ እንታይ ካልእ መዳይ እቲ ዕዮ እዩ ነይሩ፧ ሰባትከ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

13 ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ እሞ፡ እታ መርከብ ቅርጺ እናሓዘት ምስ ከደት፡ ኖህ ካብ ስድራ ቤቱ ደገፍ ምርካቡ ብዙሕ ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግናኸ፡ መርከብ ካብ ምስራሕ ንላዕሊ በዳሂ ዝዀኖ ኻልእ መዳይ እቲ ዕዮ እውን ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ኸም ዝነበረ ይገልጸልና እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ነቶም ኣብቲ እኩይን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉን ማሕበረሰብ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ብትብዓት ኣብ ምጥንቃቕ መሪሕ ግደ ነይርዎ እዩ። እቶም ሰባትከ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኺዛረብ ከሎ፡ እቶም ሰባት እቲኦም “ኣየስተውዓሉን” በለ። ብመዓልታዊ ዋኒን፡ ማለት ብምብላዕን ብምስታይን ብምምርዓውን ትሑዛት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኖህ ዚብሎም ዝነበረ ኣየቕለቡሉን። (ማቴ. 24:37-39) ብዙሓት ሰባት ንዕኡን ንስድራ ቤቱን የላግጹሎም ከም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ፣ ገሊኦም እውን ኣፈራሪሆምዎን ኣበርቲዖም ተጻሪሮምዎን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኬተዓናቕፍዎ ጽዒሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣምላኽ ንኖህ ከም ዝባረኾ መርትዖ እናሃለወ ኽነሱ፡ ሰባት የላግጹሉን ንመልእኽቱ ዕሽሽ ይብልዎን ነበሩ

14. ሎሚ ክርስትያን ስድራ ቤታት ካብ ኖህን ካብ ስድራ ቤቱን እንታይ እየን ኪምሃራ ዚኽእላ፧

14 ኖህን ስድራ ቤቱን ግና ዕዮኦም ኣየቋረጹን። እቲ ቐንዲ ዕዮኦም ዝዀነ ህንጸት መርከብ ከም ዘይረብሕ፡ ከም ስሕተት፡ ወይ ከም ዕሽነት ጌርካ ኣብ ዚርኣየላ ዓለም ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ዕዮ እቲ ብተኣማንነት ቀጺሎምዎ እዮም። ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ስድራ ቤታት ካብ እምነት ኖህን ካብ እምነት ስድራ ቤቱን ብዙሕ ኪምሃራ ይኽእላ እየን። ከመይሲ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ስርዓት ዓለም እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1) የሱስ፡ ግዜና ኸምቲ ኖህ መርከብ ዝሰርሓሉ ግዜ ኸም ዚኸውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ዓለም ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ ዘይትግደሰሉን እተላግጸሉን እንተ ዀይና፡ ሕሉፍ ሓሊፋ እውን መስጐጕቲ ተምጽእ እንተ ዀይና፡ ክርስትያናት ንኖህ ኪዝክርዎ ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ብኣታቶም ኣይኰነን ጀሚሩ።

“ናብ መርከብ እቶ”

15. ኖህ ወዲ 600 ዓመት ኪኸውን ቍሩብ ምስ ተረፎ እንታይ ዜሕዝን ነገር እዩ ኣጋጢምዎ፧

15 ሓያሎ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እታ መርከብ በብቝሩብ ናይ መወዳእታ ቕርጻ ኽትሕዝ ጀመረት። ኖህ ወዲ 600 ዓመት ኪኸውን ቍሩብ ምስ ተረፎ፡ ዜሕዝን ነገራት ኣጋጠሞ። መጀመርታ ኣቦኡ ላሜክ ሞተ። * ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ፡ ኣቦ ላሜክን ኣቦሓጎ ኖህን ዝዀነ ማቱሳላ ኣብ 969 ዓመት ዕድሚኡ ሞተ፣ ንሱ ድማ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዚርከቡ ዝነውሐ ዕድመ ዝነበሮ እዩ። (ዘፍ. 5:27) ማቱሳላን ላሜክን ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ብህይወት ከሎ ኣርኪቦምሉ ነይሮም እዮም።

16, 17. (ሀ) ኖህ ኣብ መበል 600 ዓመት ዕድሚኡ እንታይ ሓድሽ መልእኽቲ እዩ ተቐቢሉ፧ (ለ) ኖህን ስድራ ቤቱን እንታይ ዘይርሳዕ ትርኢት ከም ዝረኣዩ ግለጽ።

16 ኖህ ኣብ መበል 600 ዓመት ዕድሚኡ፡ “ንስኻ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ” ዚብል ሓድሽ መልእኽቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ተቐበለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ኣምላኽ ንኖህ ካብ ኵሉ ዓይነት እንስሳ፡ ማለት ንመስዋእቲ ኻብ ዚዀኑ ንጹሃት እንስሳታት ሸሸውዓተ፡ ካብቶም ዝተረፉ እንስሳታት ድማ ከክልተ፡ ናብታ መርከብ ኬእቱ ነገሮ።—ዘፍ. 7:1-3

17 እዚ፡ ዘይርሳዕ ትርኢት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እተፈላለየ መጠንን ቅርጽን ባህርይን ዘለዎም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እንስሳታት፡ እናሰጐሙ፡ እናነፈሩ፡ እናተንፈሓኹ፡ እናተሳለዩ ናብታ መርከብ ወሓዙ። ኖህ ንዅሎም እቶም እንስሳ ዘገዳም ብቓልሲ ወይ ብብልሓት ሒዙ ናብታ መርከብ ከም ዘእተዎም ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ከመይሲ፡ እቲ ጸብጻብ፡ “ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ” እዩ ዚብለና።—ዘፍ. 7:9

18, 19. (ሀ) ተጠራጠርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዛንታ ኖህ ዘሎ ፍጻመታት ንዜልዕልዎ ሕቶታት ብኸመይ ክንምልሶ ንኽእል፧ (ለ) ኣብቲ የሆዋ ነቶም ዝፈጠሮም እንስሳታት ንኼድሕን እተጠቕመሉ መገዲ፡ ጥበቡ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

18 ገሊኦም ተጠራጠርቲ፡ ‘ከመይ ኢሉ ኸምኡ ይኸውን፧ ኵሎም እቶም እንስሳታትከ ኸመይ ኢሎም ኣብ ጸቢብ ቦታ ብሰላም ኪነብሩ ይኽእሉ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረትሲ እንተ ደልዩ ንእንስሳታት ገሪሑ ኺቈጻጸሮምዶ ኣይክእልን እዩ፧ የሆዋ ንእንስሳታት ዝፈጠረ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ድሕሪኡ እውን ንቐይሕ ባሕሪ መቒሉ እዩ፣ ንጸሓይ ከኣ ኣብ ዘላቶ ደው ኣቢልዋ እዩ። እሞኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ዛንታ ኖህ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት ምግባሩዶ ይሰኣኖ እዩ፧ ኣይሰኣኖን እዩ፣ ከምኡ ድማ እዩ ገይሩ!

19 ኣምላኽ ብኻልእ መገዲ ነቶም እንስሳታት ኬድሕኖም ይኽእል ምንባሩ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ዅሎም ህያዋን ፍጥረታት ኪከናኸኑ ሕድሪ ሂብዎም ስለ ዝነበረ፡ ብጥበቡ ነዚ ዜዘኻኽረና መገዲ ሓረየ። (ዘፍ. 1:28) ስለዚ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም፡ የሆዋ ነቶም ዝፈጠሮም ሰባትን እንስሳታትን ከም ዚሓልየሎም ኪምህርዎም ከለዉ፡ ዛንታ ኖህ ይጥቀሙ እዮም።

20. ኣብታ ቐቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ሰሙን፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ብኸመይ እዮም ትሑዛት ዝነበሩ፧

20 የሆዋ ንኖህ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ከም ዚመጽእ ነገሮ። እቲ እዋን እቲ፡ ነታ ስድራ ቤት ናይ ሃታሃታ እዋን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንዅሎም እቶም እንስሳታትን ምግቦምን ብስርዓት ናብታ መርከብ ኬእትዉ ኸለዉ፡ ንዅሉ ንብረት እታ ስድራ ድማ ናብታ መርከብ ኬደይቡ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሰበይቲ ኖህን ኣንስቲ ሴምን ካምን ያፌትን ነታ መርከብ ከም መንበሪት ቤት ንኺገብራኣ ብዙሕ ዝዓያኦ ዕዮ ነይርወን ኪኸውን ኣለዎ።

21, 22. (ሀ) ዘይተገዳስነት እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ካብ ጐረባብቶም ዝመጾም ዝነበረ ላግጺ መዓስ እዩ ኣቋሪጹ፧

21 እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባትከ፧ የሆዋ ንኖህን ንጻዕርታቱን ኪባርኾ ኸሎን እንስሳታት ናብታ መርከብ ኪውሕዙ ኸለዉን ይርእዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ “ኣየስተውዓሉን።” እቲ ዘይተገዳስነቶም ግና ኬገርመና የብሉን። ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን፡ ነቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣየስተውዕልዎን እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ እተነበዮ ኸኣ፡ ነቶም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዜቕልቡሉ ሰባት ዜላግጹሎም መላገጽቲ ምስ ላግጾም መጺኦም ኣለዉ። (2 ጴጥሮስ 3:3-6 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ንኖህን ንስድራ ቤቱን ብርግጽ ኣላጊጾምሎም እዮም።

22 እቲ ላግጺ መዓስ እዩ ኣብቂዑ፧ እቲ ዛንታ ኸም ዚሕብሮ፡ ኖህ ንስድራ ቤቱን ነቶም እንስሳታትን ኣብታ መርከብ ኣእተወ፡ “የሆዋ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኡ ዓጸዎ።” ኣብ ጥቓ እታ መርከብ መላገጽቲ እንተ ነይሮም፡ እቲ ኣምላኽ ዝወሰዶ ተግባር ኣፎም ኣትሒዝዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኣፎም እንተ ዘየትሒዝዎም ድማ፡ እቲ ዝናም ትም ከም ዘበሎም ፍሉጥ እዩ። ብሓቂ ድማ ኣይሂ እዩ ዘኒሙ! ብዘይምቍራጽ ኣበርቲዑ ስለ ዝዘነመ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ንምልእቲ ዓለም ኣዕለቕለቓ።—ዘፍ. 7:16-21

23. (ሀ) የሆዋ ብሞት እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ባህ ከም ዘይበሎ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ሎሚ ኣስኣሰር እምነት ኖህ ክንስዕብ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

23 የሆዋ ብሞት እቶም እኩያት ባህ ኢልዎ ድዩ፧ ኣይበሎን። (ህዝ. 33:11) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መገዶም ቀዪሮም ቅኑዕ ኪገብሩ፡ ብዙሕ ኣጋጣሚ ሂብዎም ነይሩ እዩ። እሞኸ መገዶም ኪቕይሩ ይኽእሉዶ ነይሮም፧ እቲ ኖህ ዘሕለፎ ህይወት ነዛ ሕቶ እዚኣ ይምልሰልና እዩ። ኖህ ምስ የሆዋ ብምምልላሱ፡ ማለት ንኣምላኹ ብዅሉ ብምእዛዙ፡ ድሕነት ኪርከብ ይከኣል ከም ዝነበረ ኣርእዩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እምነቱ ነታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም ኰኒናታ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ እከይ እውን ኣቃሊዓቶ እያ። ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ከኣ ኣድሒናቶም እያ። ኣስኣሰር እምነት ኖህ እንተ ስዒብካ፡ ንስኻ እውን ንርእስኻን ነቶም እትፈትዎምን ከተድሕን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ኖህ ዝገበሮ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዓርኩ ዄንካ ምስኡ ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዕርክነት እቲ ኸኣ ንዘለኣለም ኪቕጽል ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ዕድሜና ኣዝዩ ዚነውሕ ዕድመ እዩ ነይርዎም። ዕድሚኦም ነዊሕ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ፍጽምና ዝቐረቡ ብምንባሮም ኪኸውን ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 15 ላሜክ ንወዱ፡ ኖህ ኢሉ እዩ ሰምይዎ፣ እዚ ስም እዚ ድማ፡ “ምጽንናዕ” ወይ “ዕረፍቲ” ዚብል ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ላሜክ ኖህ ወዱ ንደቂ ሰብ ኻብቲ ኣብታ እተረግመት ምድሪ ዚገብርዎ ጻዕሪ ናብ ዕረፍቲ ብምምራሕ፡ ከም ትርጉም ስሙ ኸም ዚገብር ተነበየ። (ዘፍ. 5:28, 29) ግናኸ፡ ላሜክ እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ ኣይረኣየን። ኣደ ኖህን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከኣ ብማይ ኣይሂ ጠፊኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።