ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ትሽዓተ

ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ

ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ

1, 2. (ሀ) ዮሴፍን ስድራ ቤቱን እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ዮሴፍ ንሰበይቱ እንታይ ሕማቕ ወረ እዩ ነጊርዋ፧

ዮሴፍ ኣብ ዝባን ኣድጊ ኻልእ ጽዕነት ጸዓነ። ኣድጉ እናዀብኰበ በቲ ጸልማት መገዲ ቤት-ልሄም ኪጐዓዝ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ናብ ግብጺ ዚገብሮ ነዊሕ ጕዕዞ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ኸኣ፡ ዘይፈልጦም ሰባት፡ ዘይፈልጦ ቛንቋ፡ ዘይፈልጦ ባህሊ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ። ንምዃኑኸ እታ ንእሽቶ ስድራ ቤቱ ነቲ ለውጥታት ትኽእሎዶ ትኸውን፧

2 ዮሴፍ ነታ ዚፈትዋ ማርያም ሰበይቱ ሕማቕ ወረ ኺነግራ ኪኸብዶ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ርእሱ ኣደፋፊሩ ተዳለወ። ኣምላኽ ዝለኣኾ መልኣኽ ብሕልሚ፡ ንጉስ ሄሮድስ ነቲ ንእሽቶ ወዶም ኪቐትሎ ይደሊ ምህላዉ ኸም ዝነገሮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ቀልጢፎም ኪግዕዙ ኸም ዘለዎም ሓበራ። (ማቴዎስ 2:13, 14 ኣንብብ።) ማርያም ነዚ ምስ ሰምዐት ኣዝዩ ኣተሓሳሰባ። እንታዋይ እዩ እሞ ንሓደ ንጹህን ዘይጓዳእን ቈልዓ ኪቐትሎ ዚደሊ፧ እዚ ነገር እዚ ንማርያም ኰነ ንዮሴፍ ኪርድኦም ኣይከኣለን። ኰይኑ ግና፡ ብየሆዋ ተኣሚኖም፡ ንጕዕዞ ኺዳለዉ ጀመሩ።

3. ብዛዕባ እቲ ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ካብ ቤት-ልሄም ነቒሎም ዝገበርዎ ጕዕዞ ግለጽ። (ስእሊ እውን ርአ።)

3 እቶም እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ዘይፈለጡ ተቐማጦ ቤት-ልሄም ደቂሶም ከለዉ፡ ዮሴፍን ማርያምን የሱስን ጸልማት ተጐልቢቦም ካብታ ኸተማ ወጹ። ዮሴፍ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ሸነኽ ደቡብ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዝነበረ ሰማይ ድማ ኪበርህ ከሎ፡ እንታይ ይጽበዮ ኸም ዝነበረ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ጸራቢ እዚ፡ ንስድራ ቤቱ ኻብ ብርቱዓት ሓይልታት ኬዕቍባ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንስድራ ቤቱ ብግቡእ ኪናብያ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዮሴፍ፡ ነቲ ፍሉይ ቈልዓ ዝነበረ የሱስ ኪናብዮን ኬዕብዮን ከቢድ ሓላፍነት ሂብዎ ነይሩ እዩ። እሞኸ ነዚ ሓላፍነት እዚ ብጽንዓት ይዋጽኣሉ ደዀን ይኸውን፧ ብሓቂ እምበኣር፡ ዮሴፍ ከቢድ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንነፍሲ ወከፍ ብድሆ ብኸመይ ከም ዝሰገሮ ንዚገልጽ ጸብጻብ ክንምርምር ከለና፡ ሎሚ ዘለዉ ኣቦታት ይኹኑ ዅላትና፡ ኣስኣሰር እምነት ዮሴፍ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

ዮሴፍ ስድራ ቤቱ ኣዕቈበ

4, 5. (ሀ) ህይወት ዮሴፍ ንሓዋሩ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዮሴፍ ነቲ እተዋህቦ ኸቢድ መዝነት ምእንቲ ኺስከሞ፡ ሓደ መልኣኽ ዘተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

4 ቅድሚ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ዮሴፍ ኣብ ናዝሬት ንጓል ሄሊ ምስ ተሓጸያ፡ ህይወቱ ንሓዋሩ ተቐየረ። ዮሴፍ፡ ማርያም ንጽህትን እምንትን መንእሰይ ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከም ዝጠነሰት ፈለጠ። ካብ ውርደት ኪሰትራ ኢሉ ድማ፡ ብሕቡእ ኪፈትሓ ሓሰበ። * ይኹን እምበር፡ መልኣኽ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ ማርያም ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ነገሮ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ እቲ እትወልዶ ወዲ “ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም” ምዃኑ ገለጸሉ። ብዘይካዚ፡ “ናብ ቤትካ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ።—ማቴ. 1:18-21

5 እቲ ጻድቕን እዙዝን ሰብኣይ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ከምቲ እተነግሮ ገበረ። ንዕኡ ወዱ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ግና ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ወዲ ኼዕብን ኪናብን ከቢድ ሓላፍነት ተቐበለ። ጸኒሑ፡ ብመሰረት ትእዛዝ መንግስቲ ንኺምዝገብ፡ ነታ ነፍሰ ጾር ዝነበረት ሰበይቱ ሒዙ ናብ ቤት-ልሄም ከደ። ኣብኡ ድማ እዩ እቲ ቘልዓ ተወሊዱ።

6-8. (ሀ) ንህይወት ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ዝለወጠ ፍጻመ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ነቲ “ኰዀብ” ሰይጣን ከም ዝለኣኾ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

6 ዮሴፍ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ናዝሬት ኣይኰነን ተመሊሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ቤት-ልሄም ኪቕመጥ ጀመረ። እታ ስድራ ቤት ድኻ እኳ እንተ ነበረት፡ ዮሴፍ ንማርያምን ንየሱስን ኪናብዮምን ኬዕቍቦምን ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ፡ ዚነብሩላ ንእሽቶ ቤት ረኸቡ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ዓኲኹ እዩ ነይሩ፣ ምናልባት እውን ወዲ ሓደ ዓመት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ፡ ንህይወቶም ዚልውጥ ነገራት እንደገና ኣጋጠሞም።

7 ካብ ምብራቕ፡ ምናልባት ካብ ባቢሎን፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም ናብ እንዳ ዮሴፍን ማርያምን መጹ። ነዞም ሰብኡት እዚኦም፡ “ኰዀብ” እዩ ዚመርሖም ነይሩ፣ ንሓደ ንጉስ ኣይሁድ ዚኸውን ቈልዓ ኸኣ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኣኽብሮት ድማ ነበሮም።

8 እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ንየሱስ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ እዮም ኣእትዮምዎ። ከመይሲ፡ እቲ ዝረኣይዎ “ኰዀብ፡” ፈለማ ናብ ቤት-ልሄም ዘይኰነስ፡ ናብ የሩሳሌም እዩ መሪሕዎም። * ኣብኡ ኸኣ ነቲ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ፡ ንሓደ ንጉስ ኣይሁድ ዚኸውን ቈልዓ ይደልዩ ኸም ዘለዉ ነገርዎ። እዚ ድማ ንሄሮድስ ብሓርቖት ከም ዚግንፍል ገበሮ።

9-11. (ሀ) ካብ ሄሮድስ ወይ ሰይጣን ዚዓብዩ ሓይልታት እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ለ) እቲ ናብ ግብጺ እተገብረ ጕዕዞ ኻብቲ ኣብ ኣቡኸሪፋዊ ጽውጽዋያት ዚግለጽ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

9 እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ካብ ሄሮድስ ወይ ካብ ሰይጣን ዚዓብዩ ሓይልታት ነይሮም እዮም። ብኸመይ፧ እቶም በጻሕቲ ናብ ቤት የሱስ ምስ በጽሑ እሞ ንዕኡ ምስ ኣዲኡ ማርያም ምስ ረኣይዎ፡ ዓስቢ ኸይሓተቱ ህያቦም ኣቕረቡ። ዮሴፍን ማርያምን ከይሓሰብዎ ወነንቲ “ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን” ኪዀኑ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተገሪሞም ኪዀኑ ዚኽእሉ! እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ ንጉስ ሄሮድስ ተመሊሶም፡ ነቲ ዚደልይዎ ዝነበሩ ቘልዓ ኸም ዝረኸብዎ ኺነግርዎ ሓሲቦም እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ኢዱ ብምእታው፡ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ብኻልእ መገዲ ኪኸዱ ብሕልሚ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 2:1-12 ኣንብብ።

10 እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ዚኸዱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ፡ “ሄሮድስ ነዚ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፣ ክሳዕ ዝነግረካ ድማ ኣብኡ ጽናሕ” ዚብል መጠንቀቕታ ሃቦ። (ማቴ. 2:13) ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ዝረኣናዮ ድማ፡ ዮሴፍ ብኡብኡ ተኣዘዘ። ንድሕንነት እቲ ቘልዓ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣኽቢሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ፡ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ግብጺ ኸደ። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንእንዳ ዮሴፍ ኣዝዩ ኽቡር ውህበት ስለ ዝሃብዎም፡ እንዳ ዮሴፍ ንጕዕዞ ዚዀኖም ሃብቲ ነበሮም።

ዮሴፍ ንውሉዱ ኼዕቍብ፡ ደኺመ ኸይበለ ቘራጽ ስጕምቲ ወሰደ

11 ኣቡኸሪፋዊ ጽውጽዋያትን ኣፈ ታሪኽን፡ የሱስ ነቲ ጕዕዞ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘሕጸሮ፡ ንሸፋቱ ሰጥ ሰጥ ከም ዘበሎም፡ ከምኡ እውን ኣእዋም ተምሪ ፍሪኦም ንኣዲኡ ምእንቲ ኺህቡ የቕንኖም ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። * ከም ሓቂ ግና፡ ስድራ ቤት ዮሴፍ እትገብሮ ዝነበረት ጕዕዞ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ዓዲ ዚግበር ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ እዩ ነይሩ።

ዮሴፍ ምእንቲ ስድራ ቤቱ ምሾቱ ሰዊኡ እዩ

12. ኣብዛ ሓደገኛ ዓለም እዚኣ ውሉዳት ዜዕብዩ ዘለዉ ወለዲ ኻብ ዮሴፍ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

12 ወለዲ ኻብ ዮሴፍ ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ንስድራ ቤቱ ኻብ ሓደጋ ንምዕቋብ፡ ስራሑን ምሾቱን ሰዊኡ እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ንስድራ ቤቱ የሆዋ ኸም ዝሃቦ ቕዱስ ሕድሪ ገይሩ እዩ ዚርእያ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ንደቆም ኣብዛ ሓደገኛ ዓለም እዮም ዜዕብይዎም ዘለዉ። እዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ፡ ንመንእሰያት ብዚጐድኡን ብዜበላሽዉን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ብዜጥፍኡ ሓይልታት እያ መሊኣ ዘላ። እቶም ንደቆም ካብ ከምዚ ዝበለ ጽልዋታት ምእንቲ ኼዕቍብዎም ልክዕ ከም ዮሴፍ ቈራጽ ስጕምቲ ዚወስዱ ኣዴታትን ኣቦታትን፡ ኪንኣዱ ዚግብኦምዶ ኸይኰነ!

ዮሴፍ ስድራ ቤቱ ናበየ

13, 14. ዮሴፍን ማርያምን ናብ ናዝሬት ተመሊሶም ደቆም ዘዕበዩ ስለምንታይ እዮም፧

13 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ መልኣኽ ንዮሴፍ፡ ሄሮድስ ከም ዝሞተ ስለ ዝነገሮ፡ ስድራ ቤት ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ብዙሕ ዝጸንሐት ኣይመስልን እዩ። ስለዚ፡ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ሒዙ እንደገና ናብ ዓዱ ተመልሰ። የሆዋ ንወዱ “ኻብ ግብጺ” ኸም ዚጽውዖ ዚገልጽ ጥንታዊ ትንቢት ነይሩ እዩ። (ማቴ. 2:15) ዮሴፍ ድማ እዚ ትንቢት እዚ ኸም ዚፍጸም ኣብ ምግባር ሓገዘ። ሕጂ ግና ስድራ ቤቱ ሒዙ ናበይ እዩ ኪኸይድ፧

14 ዮሴፍ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ክንዲ ሄሮድስ ዝነገሰ ጨካንን ቀታልን ዝነበረ ኣርኬላዎስ ፈርሆ። ብመለኮታዊ መሪሕነት ከኣ፡ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ሸነኽ ሰሜን፡ ማለት ናብታ ኣብ ገሊላ እትርከብ ናዝሬት እትብሃል ዓዱ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ማርያም ኰይኖም ደቆም ኣዕበዩ።—ማቴዎስ 2:19-23 ኣንብብ።

15, 16. ዮሴፍ እንታይ ዓይነት ዕዮ ዚዓዪ ነይሩ፧ እንታይ ናውቲኸ እዩ ዚጥቀም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

15 ዮሴፍን ማርያምን ቀሊል ናብራ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ድራር ዕለቶም ንምርካብ ግና ኣበርቲዖም ኪዓይዩ ነበሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንዮሴፍ ከም ጸራቢ ገይሩ እዩ ዚገልጾ፣ እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ዕንጨይቲ ምቝራጽን ናብቲ እትደልዮ ቦታ ጐቲትካ ምውሳድን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ጸራቢ፡ ቤትን ጃልባን ንእሽቶ ድልድልን ዓረብያን መንኰራዅርን ኣርዑትን ናውቲ ማሕረስን ምእንቲ ኺሰርሓሉ፡ ነቲ ዕንጨይቲ ጸሪቡ የዳልዎ ነበረ። (ማቴ. 13:55) ብሓቂ ኣድካሚ ናይ ጕልበት ዕዮ እዩ ነይሩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጸራቢ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቱ ወይ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣብ እትርከብ ቤት ዕዮ እዩ ዚሰርሕ ነይሩ።

16 ዮሴፍ እተፈላለየ ናውቲ እዩ ዚጥቀም ነይሩ፣ ገሊኡ ድማ ካብ ኣቦኡ ዝወረሶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቅኑዕ ኵርናዕ ዚልክዕ ንዋት፡ ቢምቦ፡ መስመር፡ ፋስ፡ መጋዝ፡ ምሳር፡ እተፈላለየ ዓይነት መዶሻ፡ መንደል፡ ንቐስቲ ናብ የማንን ጸጋምን እናኣዞርካ እትሰርሓላ ሰርሳሪት፡ እተፈላለየ ዓይነት ኮላ፡ ከምኡ እውን ዋላ እኳ ኽቡር እንተ ነበረ፡ ምናልባት እተወሰነ መሳምር ይጥቀም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

17, 18. (ሀ) የሱስ ካብቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ እንታይ እዩ ተማሂሩ፧ (ለ) ዮሴፍ ብዙሕ ኺዓዪ ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሱስ ብቝልዕነቱ፡ ነቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ኺዓዪ ኺርእዮ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ዮሴፍ ብኣቓልቦ ኺዕዘብ ከሎ፡ በቲ ዮሴፍ ዝነበሮ ተሪር እንግድዓን ድልዱል ኣእዳውን ኰነ ብኽእለቱን ብምስትውዓሉን ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት ዮሴፍ ንየሱስ፡ ሓባጥ ጎባጥ ንዝዀነ ዕንጨይቲ ብዝነቐጸ ቘርበት ዓሳ ገይሩ ኼልምጾ ብምንጋር፡ ቀሊል ዕዮ ይህቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኸም ሳግላን ኣውልዕን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዕንጨይቲ ብዛዕባ ዝነበሮ ፍልልይ ምሂርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዮሴፍ ንወዱ፡ ጸራቢ ኪኸውን ኣሰልጠኖ

18 የሱስ፡ እተን ኣእዋም ዚቘርጻን ዕንጨይቲ ዚጸርባን ኣዕጻው ዚገጣጥማን ዝነበራ ድልዱላት ኣእዳው ዮሴፍ፡ ንዕኡን ንኣዲኡን ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዚደርዛን ዜጸናንዓን ልስሉሳት ኣእዳው እውን ከም ዝዀና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ስድራ ቤት ዮሴፍን ማርያምን፡ ንየሱስን እንተ ወሓደ ንሽዱሽተ ውሉዳትን እተጠቓልል እያ ነይራ። (ማቴ. 13:55, 56) ዮሴፍ ድማ ንዅላቶም ንምክንኻንን ንምምጋብን ኣበርቲዑ ኺዓዪ የድልዮ ነበረ።

ዮሴፍ፡ ልዕሊ ዅሉ ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልያ ዘበለ ኬማልኣላ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ

19. ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልያ ዘበለ ዜማልኣላ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

19 ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ፡ ልዕሊ ዅሉ ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልያ ዘበለ ኬማልኣላ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ግዜ ወሲዱ ንደቁ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ሕግታቱን ይምህሮም ነበረ። ንሱን ማርያምን ድማ፡ ንደቆም ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዚርከብ ሕጊ ሙሴ ዚንበበሉን ዚግለጸሉን ምኵራብ ኣዘውቲሮም ይወስድዎም ነበሩ። ምናልባት የሱስ ድሕሪኡ ብዙሕ ሕቶታት ይሓትት፡ ዮሴፍ ድማ ንመንፈሳዊ ጽምኢ ወዱ ንምርዋይ ይጽዕር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ ምስ ስድራ ቤቱ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ሃይማኖታዊ በዓላት ይኸይድ ነይሩ እዩ። ዓመት ዓመት ፋስጋ ንምብዓል፡ ኣስታት 120 ኪሎ ሜተር ኪጐዓዝን ኣብቲ በዓል ግዜ ኼሕልፍን ናብ ቤት ኪምለስን ክልተ ሰሙን ይወስደሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዮሴፍ ምስ ስድራ ቤቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ኣዘውቲሩ ይኸይድ ነበረ

20. ክርስትያናት ዝዀኑ ርእስታት ስድራ ቤት ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

20 ሎሚ ዘለዉ ርእስታት ስድራ ቤት እውን፡ ከምኡ እዮም ዚገብሩ። ንደቆም ኢሎም መስዋእትታት ይገብሩ እዮም። ንመንፈሳዊ ስልጠና ስድራ ቤቶም ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ፡ እንተላይ ካብ ስጋዊ ምሾት ንላዕሊ እዮም ኣኽቢሮም ዚርእይዎ። ኣብ ቤት ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ ንምግባርን ንደቆም ናብ ሰሙናውን ዓበይትን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምውሳድን ኣዝዮም እዮም ዚጽዕሩ። ልክዕ ከም ዮሴፍ፡ ንደቆም፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ምክንኻን ዚበልጽ ነገር ኪገብሩሎም ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም።

“ተሻቒልና”

21. ስድራ ቤት ዮሴፍ ፋስጋ እተብዕል ዝነበረት ብኸመይ እያ፧ ዮሴፍን ማርያምን፡ የሱስ ምሳታቶም ከም ዘየለ እተገንዘቡ መዓስ እዮም፧

21 የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዮሴፍ ከም ልማዱ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ የሩሳሌም ከደ። እዋኑ ግዜ ፋስጋ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ተሰሪዐን በቲ ልሙዕ ገጠር ይጓዓዛ ነበራ። ናብታ ኣብ በሪኽ ቦታ እትርከብ ከተማ የሩሳሌም እናቐረባ ምስ ከዳ ድማ፡ ነቲ ህቡብ ዝዀነ መዝሙር ምድያብ ይዝምራ ነበራ። (መዝ. 120–134) እታ ኸተማ፡ ኣማእታት ኣሽሓት ብዚቝጸሩ ሰባት መልአት። ድሕሪኡ፡ እተን ስድራ ቤታት ናብ ቤተን ንምምላስ ጕዕዞአን ጀመራ። ዮሴፍን ማርያምን ብዙሕ ዚስራሕ ስለ ዝነበሮም፡ የሱስ ምስ ሰብ መገዲ፡ ምናልባት እውን ምስ ኣዝማድ ዘሎ መሰሎም። መገዲ ሓደ መዓልቲ ምስ ከዱ ግና፡ የሱስ ከም ዘየለ ተገንዘቡ።—ሉቃ. 2:41-44

22, 23. ዮሴፍን ማርያምን ወዶም ምስ ጠፍኦም እንታይ እዮም ገይሮም፧ ምስ ረኸብዎኸ ማርያም እንታይ እያ ኢላ፧

22 በዚ ሰምቢዶም ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ደለይዎ። ስም ወዶም እናተደሃዩ በቲ ጐደናታት ኺመላለሱ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሽዑ እታ ኸተማ ጭውጭው ዝበለት ኰይና ተሰሚዓቶም ክትከውን ትኽእል እያ። የሱስ ኣበይ ኰን እዩ ኣትዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ደለይዎ፡ ዮሴፍ ነቲ ብየሆዋ እተዋህቦ ቕዱስ ሓደራ ብዚግባእ ዘይፈጸመ ዀይኑ ተሰሚዕዎዶ ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እናደለይዎ፡ ኣብቲ ምሁራትን ፈለጥቲ ሕጊ ሙሴን ዝነበሩሉ ኽፍሊ በጽሑ። ንየሱስ ድማ ኣብ ማእከሎም ረኸብዎ። ሽዑ ዮሴፍን ማርያምን ክሳዕ ክንደይ እፎይታ ኸም እተሰምዖም እሞ ገምት።—ሉቃ. 2:45, 46

23 የሱስ ነቶም ምሁራት ይሰምዖምን ይሓትቶምን ነበረ። ንሳቶም ከኣ ብምስትውዓልን ብምላሽን እቲ ቘልዓ ኣዝዮም ተገረሙ። ዮሴፍን ማርያምን ግና ሰምቢዶም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ከም እተዛረበ ኣይሕብረናን እዩ። ማርያም ግና ናይ ክልቲኦም ስምዒት እያ ተዛሪባ። ንየሱስ ድማ፡ “ወደየ፡ ስለምንታይ ከምዚ ጌርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን ተሻቒልና ኽንደልየካ ጸኒሕና” በለቶ።—ሉቃ. 2:47, 48

24. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቈልዓ ምዕባይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧

24 ቃል ኣምላኽ በዘን ሒደት ግናኸ ሓያላት ቃላት፡ ቈልዓ ምዕባይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይሕብረና እዩ። ዋላ እውን ውሉድካ ፍጹም ይኹን፡ ወላዲ ምዃን ውጥረት ዜምጽእ እዩ። ኣብዛ ዘለናላ ሓደገኛ ዓለም እሞ ኸኣ ዝያዳ ‘ዜሻቕል’ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ እቲ ዜጋጥሞም ዘሎ ብድሆ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ብምፍላጥ ኪጸናንዑ ይኽእሉ እዮም።

25, 26. የሱስ ንወለዱ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሎም፧ ዮሴፍከ ብዛዕባ እቲ ወዱ እተዛረቦ ቓላት እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ዚኽእል፧

25 እቲ ዜሐጕስ፡ የሱስ ኣብቲ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኺቀራረብ ዚኽእለሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ነቲ ዚምሃሮ ዝነበረ ትምህርቲ ኸኣ ከም ሰፍነግ ብሃንቀውታ ይመጽዮ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ንወለዱ ብቕንዕና፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም።—ሉቃ. 2:49

26 ዮሴፍ ነዘን ቃላት እዚአን ብዙሕ ሳዕ ሓሲቡለን ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን የዅርዓኦ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ከመይሲ፡ ነቲ ኸም ኣቦ ዀይኑ ዜዕብዮ ዝነበረ ወዱ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ኣቦኡ ገይሩ ኺርእዮ ንምምሃር ኣበርቲዑ ጽዒሩ ነይሩ እዩ። የሱስ እውን ሳላ እቲ ምስ ዮሴፍ ዝነበሮ ርክብ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል ኬስተማቕራ ጀሚሩ ነይሩ እዩ።

27. ኣቦ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎካ፧ ነቲ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት ክትዝክሮ ዘሎካኸ ስለምንታይ ኢኻ፧

27 ኣቦ እንተ ዄንካ፡ ደቅኻ፡ ኣፍቃርን ዜዕቍብን ኣቦ ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ኪፈልጡ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ከም ዘሎካ ትግንዘብ ዲኻ፧ ሰብኣይ ኣደ እንተ ዄንካ ወይ እተዕብዮም ቈልዑ እንተ ኣልዮምኻ እውን፡ ነቲ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት ብምዝካር፡ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኸም ፍሉይን ክቡርን ጌርካ ኽትርእዮ ጽዓር። ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኪቐርቡ ድማ ሓግዞም።—ኤፌሶን 6:4 ኣንብብ።

ዮሴፍ ብተኣማንነት ጸንዐ

28, 29. (ሀ) እቲ ኣብ ሉቃስ 2:51, 52 እተመዝገበ ቓላት ብዛዕባ ዮሴፍ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ (ለ) ዮሴፍ፡ ወዱ ብጥበብ ምእንቲ ኺዓቢ እንታይ እጃም እዩ ኣበርኪቱ፧

28 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጾ ነገራት ሒደት እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ሓሳባት ምምርማሩ ግና ጠቓሚ እዩ። የሱስ ንወለዱ “ይእዘዞም” ከም ዝነበረ ነንብብ ኢና። ብዘይካዚ፡ “የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ ነበረ” ዚብል ተጠቒሱ ንረክብ ኢና። (ሉቃስ 2:51, 52 ኣንብብ።) እዘን ቃላት እዚአን ብዛዕባ ዮሴፍ እንታይ እየን ዚሕብራና፧ ብዙሕ ነገራት እየን ዚሕብራና። እቲ ፍጹም ወዲ ዮሴፍ ንስልጣን ኣቦኡ የኽብሮን ይእዘዞን ስለ ዝነበረ፡ ዮሴፍ ኣብ ስድራ ቤቱ መሪሕ ግደ ኸም ዝነበሮ ይሕብራና እየን።

29 ብዘይካዚ፡ የሱስ ብጥበብ ይዓቢ ኸም ዝነበረ ይሕብራና እየን። የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ዮሴፍ ዓብዪ እጃም ከም ዘበርከተ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብግዜ ዮሴፍ፡ ንነዊሕ እዋን ዚንገር ዝነበረ ህቡብ ምስላ ኣይሁዳውያን ነይሩ እዩ። እዚ ምስላ እዚ፡ ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣብ ጽሑፍ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። እቲ ምስላ፡ እቶም ንዕረፍቲ ዚኸውን ግዜ ዘለዎም ሰባት፡ ጥበበኛታት ከም ዝዀኑ፡ ብኣንጻሩ ግና ከም ጸረብትን ሓረስቶትን ሓጓዶን ዝኣመሰሉ ሸቃጦ፡ ‘ብዛዕባ ፍትሕን ፍርድን ፈልዮም ኪገልጹ ኸም ዘይክእሉ፡ ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታታት ዚዝረበሉ ቦታ ኸኣ ከም ዘይርከቡ’ እዩ ዚገልጽ። የሱስ ጸኒሑ፡ እቲ ምስላ ጌጋ ምዃኑ ኣርኣየ። ከመይሲ፡ ቈልዓ ኸሎ፡ እቲ ትሑት ጸራቢ ዝነበረ ኣቦኡ፡ ብዛዕባ “ፍትሕን ፍርድን” የሆዋ ብዜእምን መገዲ ኺምህር ከሎ ብተደጋጋሚ ሰሚዕዎ እዩ። ዮሴፍ ብተደጋጋሚ ኸምኡ ይገብር ከም ዝነበረ ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

30. ዮሴፍ ሎሚ ንዘለዉ ርእስታት ስድራ ቤት ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

30 ዮሴፍ ኣብ ኣካላዊ ዕቤት የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ እጃሙ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ የሱስ ብቝልዕነቱ ጽቡቕ ክንክን ስለ ዝረኸበ፡ ምስ ዓበየ ድልዱልን ጥዑይን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ ንየሱስ ኣብ ዕዮኡ ኽኢላ ኪኸውን ኣሰልጢንዎ እዩ። ምኽንያቱ፡ የሱስ ከም ወዲ ጸራቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። (ማር. 6:3) ስለዚ፡ እቲ ዮሴፍ ንየሱስ ዝሃቦ ስልጠና፡ ዕዉት እዩ ነይሩ። ርእስታት ስድራ ቤት እውን ንደቆም፡ ዜድልዮም ነገራት ዜማልኡሎም እንተ ዀይኖም፡ ደቆም ርእሶም ኪኽእሉ ድማ ዜሰልጥንዎም እንተ ዀይኖም፡ ንኣብነት ዮሴፍ ይቐድሕዎ እዮም።

31. (ሀ) መርትዖታት ብዛዕባ ሞት ዮሴፍ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ( ሳጹን እውን ርአ።) (ለ) ዮሴፍ ክንስዕቦ እንኽእል እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

31 ካብቲ የሱስ ወዲ 30 ዓመት ኰይኑ ኸም እተጠምቀ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንነጀው፡ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይንረክብን ኢና። መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ማርያም መበለት እያ ነይራ። (“ ዮሴፍ መዓስ እዩ ሞይቱ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ ክሳዕ መወዳእታ ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ እዩ ነይሩ፣ በዚ ኸምዚ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣቦ፡ ዝዀነ ይኹን ርእሲ ስድራ ቤት፡ ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ ኣስኣሰር እምነት ዮሴፍ ኪስዕብ ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሕጸ ዳርጋ ኸም መርዓ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 8 እዚ “ኰዀብ” እዚ፡ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ወይ ኣምላኽ ዝለኣኾ ኣይነበረን። ሰይጣን ንየሱስ ንምጥፋእ ኣብ ዝኣለሞ ውዲት ነዚ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ኸም እተጠቕመ ንጹር እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ የሱስ ናይ መጀመርታ ተኣምር፡ ማለት “መጀመርታ ትእምርትታቱ” ዝገበረ፡ ድሕሪ ጥምቀቱ ምንባሩ እዩ ዚገልጽ።—ዮሃ. 2:1-11