ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ምጕዳል ፍትሒ እናሃለወ ኽነሱ፡ ጸንዐ

ምጕዳል ፍትሒ እናሃለወ ኽነሱ፡ ጸንዐ

ኤልያስ ብስንጭሮ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ይጓዓዝ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚርከብ ከረን ሆሬብ ጀሚሩ፡ ንሸነኽ ሰሜን ኣቢሉ ንነዊሕ ሰሙናት እዩ ተጓዒዙ። ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ምስ በጽሐ፡ ለውጢ ኺርኢ ጀመረ። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ድርቂ ዘሕደሮ ጽልዋ በብቝሩብ ኪሃስስ፡ ዝናም ቀውዒ እውን ቀስ ኢሉ ኺዘንም ጀሚሩ ኣሎ። ሓረስቶት ከኣ ንግራቶም ኪሓርስዎ ጀሚሮም ኣለዉ። ነብዪ ኤልያስ፡ እታ መሬት እንደገና ኸተፍሪ ኸም ዝጀመረት ብምርኣዩ ተጸናኒዑ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብቐንዱ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ግና፡ ጕዳይ እቶም ህዝቢ እዩ ነይሩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ገና ብዙሕ እዩ ዚተርፎም ነይሩ። እቲ ኸም ለበዳ ዝዀነ ኣምልኾ በዓል፡ ገና ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይጠፍአ፡ ኤልያስ ብዙሕ ስራሕ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ። *

ኤልያስ ኣብ ጥቓ ኸተማ ኣቤል-ሜሖላ ምስ በጽሐ፡ ብዙሓት ዚሓርሱ ሰባት ረኣየ። ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ብዕራይ፡ ኣብቲ ጠሊ ዘለዎ ሓመድ፡ ነግሒ እናኣውጽኡ ጐድኒ ጐድኒ ዀይኖም ይሓርሱ ነበሩ። ኤልያስ ግና ነቲ ኣብ መበል 12 ጽምዲ ዝነበረ ሰብ እዩ ደልይዎ ነይሩ። ንሱ ኸኣ እቲ የሆዋ ንኤልያስ ኪትክኦ ዝሓረዮ ኤልሳእ እዩ ነይሩ። ኤልያስ ንበይኑ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ስለ ዝሓሰበ፡ ንኤልሳእ ኪረኽቦ ተሃንጥዩ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ነገስት 18:22፣ 19:14-19

ይኹን እምበር፡ ኤልያስ፡ ንእተወሰነ ሓላፍነቱ ንኻልእ ብመዝነት ኪህብ፡ ነቲ ዝነበሮ ፍሉይ መሰል ንኻልእ ኬካፍል፡ ወይ ከኣ ሓደ መዓልቲ ብኻልእ ሰብ ኪትካእ ምዃኑ ብምፍላጡ፡ ሰጋእ መጋእ ከም ዚብል ገይርዎ ድዩ፧ ኣፍና መሊእና ኸምኡ ኽንብል ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ምናልባት ግና ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ዝነበረ።” (ያእቆብ 5:17) ዝዀነ ዀይኑ፡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ [ንኤልሳእ] ኣውደቐሉ” ይብል። (1 ነገስት 19:19) እቲ ኻብ ጸምሪ በጊዕ ወይ ጤል ተሰሪሑ ኪኸውን ዚኽእል ባርኖስ ኤልያስ፡ ከም ካባ ጌርካ እዩ ዚኽደን ነይሩ፣ ካብ የሆዋ ዝመጸ ፍሉይ ሽመት ድማ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ስለዚ፡ ኤልያስ ነቲ ባርኖስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ምድርባዩ፡ ዓብዪ ትርጕም እዩ ነይርዎ። ኤልያስ ነቲ የሆዋ ንኤልሳእ ከም ተካኢኡ መጠን ኪሸሞ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ብፍታው ተኣዘዞ። እወ፡ ኤልያስ ኣብ ኣምላኽ ተወኪሉን ንዕኡ ተኣዚዝዎን እዩ።

ኤልያስ ብትሕትና ንኤልሳእ፡ ተካኢኡ ኪኸውን ሸሞ

እቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤልሳእ እውን፡ ነቲ ብዕድመ ዚዓብዮ ነብዪ ኤልያስ ኪሕግዞ ተሃንጥዩ እዩ ነይሩ። ብኡብኡ ኣይኰነን ንኤልያስ ተኪእዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት፡ ነቲ ብዕድመ ዚዓብዮ ነብዪ የሰንዮን ይሕግዞን ነይሩ እዩ፣ ጸኒሑ ድማ፡ “እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ” ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (2 ነገስት 3:11) ኤልያስ፡ ክኢላን ንፉዕን ሓጋዚ ብምርካቡ ተጸናኒዑ ኪኸውን ኣለዎ። ክልቲኦም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኰይኖም ኪዀኑ ኣለዎም። ንሓድሕዶም ይተባብዑ ምንባሮም፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዝነበረ መሪር ግፍዒ ብጽንዓት ንኺሰግርዎ ሓጊዝዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ እቲ ንጉስ ኣከኣብ ዚፍጽሞ ዝነበረ እከይ፡ እናሓደረ እዩ ዚገድድ ነይሩ።

ንዓኻኸ ምጕዳል ፍትሒ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ንመብዛሕትና ኸምኡ የጋጥመና እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ዓርኪ ምርካብ፡ ንኽንጸንዕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ግፍዒ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ካብ እምነት ኤልያስ ብዙሕ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

‘ተንስእ እሞ ናብ ኣከኣብ ውረድ’

ኤልያስን ኤልሳእን ነቶም ህዝቢ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምህናጽ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ነቶም ብደረጃ ቤት ትምህርቲ ተወዲቦም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ኻልኦት ነብያት ኣብ ምስልጣን እውን መሪሕ ግደ ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኤልያስ ካብ የሆዋ ሓድሽ ዕዮ ተዋህቦ፣ የሆዋ ድማ፡ “ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዚነብር ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ” በሎ። (1 ነገስት 21:18) ኣከኣብ እንታይ ኰን እዩ ገይሩ፧

ንጉስ ኣከኣብ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት ዝገደደ ኸሓዲ እዩ ነይሩ። ንኢዛቤል ተመርዒዋ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ኣምልኾ በዓል ከም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ፣ ኣብቲ ኣምልኾ እውን ኢድ ነይርዎ እዩ። (1 ነገስት 16:31-33) ኣምልኾ በዓል፡ ናይ ምፍራይን ናይ ምንዝርን ጽምብላት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን መስዋእቲ ቘልዑ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኣከኣብ፡ ነቲ እኩይ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኼጥፍኦ እኳ እንተ ኣዘዞ፡ ኣከኣብ ግና ኣይተኣዘዘን። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ፡ ገንዘብ ንኺረክብ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ነገስት ምዕራፍ 20) እቲ ኣከኣብን ኢዛቤልን ዝነበሮም ስስዐን ፍቕረ ንዋይን፡ ከምኡውን እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ዓመጻ፡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ እዩ በጺሑ ነይሩ።

ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ቤተ መንግስቲ ነበሮ። ኣብቲ ኻብ ሰማርያ ኣስታት 37 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ይዝርኤል እውን እንተ ዀነ፡ ቤተ መንግስቲ ነበሮ። ኣብ ጥቓ እዚ ቤተ መንግስቲ እዚ ድማ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበረ። ኣከኣብ ነዚ ናቦት ዚብሃል ሰብኣይ ዚውንኖ ኣታኽልቲ ወይኒ ተመነዮ። ንናቦት ጸዊዑ ኸኣ፡ ነቲ ቦታ ብገንዘብ ኪዕድጎ ወይ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺህቦ ኸም ዚደሊ ነገሮ። ናቦት ግና፡ “እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በሎ። (1 ነገስት 21:3) ናቦት፡ ነቓጽ ወይ ግዲ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ እዩ ዚመስሎም። ከምኡ ግና ኣይኰነን፣ ሕጊ የሆዋ እዩ ዚእዘዝ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ሕጊ ንእስራኤላውያን፡ ርስቲ ስድራ ቤቶም ንሓዋሩ ኺሸጡ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚእዝዝ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 25:23-28) ስለዚ፡ ንናቦት፡ ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ንኣከኣብ ምቅዋም ሓደገኛ ምዃኑ እናፈለጠ ምእባዩ፡ እምነትን ትብዓትን ከም ዝነበሮ እዩ ዚሕብር።

ይኹን እምበር፡ ኣከኣብ ብዛዕባ ሕጊ የሆዋ ኸበር ኣይነበሮን። ከምቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይኰነሉ ድማ፡ “ጕህዩን ተቘጢዑን” ናብ ቤቱ ኸደ። “ገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራት በጥ በለ፡ እንጌራውን ምብላዕ አበየ።” (1 ነገስት 21:4) ኢዛቤል፡ ሰብኣያ ልክዕ ከም ሓደ በሽቃጥ ቈልዓ ሻንፎቱ ጀሊዑ ምስ ረኣየቶ፡ ዝደለዮ ምእንቲ ኸተውህቦ፡ እግረ መገዳ ኸኣ ንሓንቲ ጻድቕ ስድራ ቤት ምእንቲ ኸተጥፍኣ፡ ውዲት ኣለመት።

ክፍኣት እቲ ኢዛቤል ዝኣለመቶ ውዲት፡ ዜገርም እዩ። ንግስቲ ኢዛቤል፡ ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ፡ ሓደ ኽሲ ኺጸንዕ ዚኽእል ብምስክርነት ክልተ መሰኻኽር ምዃኑ ትፈልጥ ነበረት። (ዘዳግም 19:15) ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ይዝርኤል ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ፡ ናቦት ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ኣምሲሎም ብሓሶት ኪምስክሩ ዚኽእሉ ኽልተ ሰባት ኬዳልዉ እትገልጽ ደብዳበ፡ ብስም ኣከኣብ ጸሓፈትሎም፣ ንኣምላኽ ምጽራፍ ከኣ ብሞት ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን፡ ውዲት ኢዛቤል ተዓወተ። ክልተ “ደቂ ብልያል” ወይ ዘይጠቕሙ ሰባት፡ ኣንጻር ናቦት ብሓሶት መስከሩ፣ ብዳርባ እምኒ ኸኣ ተቐትለ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ደቂ ናቦት እውን እንተ ዀኑ ተቐትሉ። * (1 ነገስት 21:5-14፣ ዘሌዋውያን 24:16፣ 2 ነገስት 9:26) በዚ ኸምዚ፡ ኣከኣብ፡ ሰበይቱ ድላያ ኽትገብርን ንጹሃት ሰባት ከተጥፍእን ከላ ስቕ ኢሉ ብምርኣይ፡ ንርእስነቱ ጠንጠኖ።

የሆዋ ንኤልያስ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ኣከኣብን ንግስቲ ኢዛቤልን ዝገበርዎ ነገራት ምስ ሓበሮ፡ ኤልያስ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እኩያት ንንጹሃት ኪገፍዕዎም ከለዉ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ኣመና ተስፋ ዜቝርጽ እዩ። (መዝሙር 73:3-5, 12, 13) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ግፍዒ ንርኢ ኢና፣ አረ ሓድሓደ ግዜስ እቶም ወኪላት ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ግፍዒ ይፍጽሙ እዮም። እዚ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ካብ የሆዋ ዚሕባእ ነገር ከም ዘየልቦ እዩ ዚሕብረና። የሆዋ ንዅሉ ነገራት ይርእዮ እዩ። (እብራውያን 4:13) እሞኸ ነቲ እኩይ ተግባራት እንታይ ስጕምቲ እዩ ዚወስደሉ፧

“ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ፧”

የሆዋ ንኤልያስ ናብ ኣከኣብ ለኣኾ። ብንጹር ድማ፡ “እንሆ፡ ኣብቲ . . . ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት አሎ” በሎ። (1 ነገስት 21:18) ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቱ ኸም ዝዀነ ምስ ነገረቶ፡ ብኡብኡ ነቲ ሓድሽ ንብረቱ ንኺርእዮ ኸደ። የሆዋ ንዅሉ ነገራት ይርእዮ ኸም ዝነበረ ግና ኣይተገንዘበን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ሸናዕ ኪብል ከሎን ነቲ ቦታ ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ኸም ዚጥቀመሉ ኺሓልም ከሎን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ኰይኑ ግና፡ ብሃንደበት ኤልያስ መጸ። እቲ ሓጐስ ዚንበቦ ዝነበረ ገጽ ኣከኣብ ድማ ብሓንሳእ ተለወጠ፣ ብነድርን ጽልእን ተመሊኡ ኸኣ ንኤልያስ፡ “ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ፧” በሎ።—1 ነገስት 21:20

“ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ፧”

ቃላት ኣከኣብ ክልተ ዓይነት ዕሽነት ዜንጸባረቕ እዩ ነይሩ። ቀዳማይ፡ ንኤልያስ “ረኸብካኒዶ፧” ኺብሎ ኸሎ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዓዊሩ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ከመይሲ፡ ድሮ የሆዋ ‘ረኺብዎ’ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንኣከኣብ፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይ ግቡእ ኪጥቀመሉ ኸሎን በቲ እከይ ዝመልኦ ውዲት ኢዛቤል ኪሕጐስ ከሎን ይርእዮ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ምሕረት፡ ፍትሒ፡ ወይ ርሕራሐ ዘይነበሮ፡ ግናኸ ብፍቕረ ንዋይ እተዓብለለ ልቢ ኣከኣብ ርእይዎ እዩ። ካልኣይ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ “ኣታ ጸላእየይ” ኪብሎ ኸሎ፡ ነቲ ዓርኪ የሆዋ ኣምላኽን ካብ ሓደገኛ ጐደና ንኺምለስ ኪሕግዞ ዚኽእልን ዝነበረ ሰብ ከም ዚጸልኦ ዜርኢ እዩ ነይሩ።

ካብ ዕሽነት ኣከኣብ፡ ኣገዳሲ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ወትሩ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ከም ዚርእዮ ኽንዝክር ኣሎና። ፈቃር ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ መዓስ ካብ ቅኑዕ መገዲ ኸም እንወጽእ ስለ ዚፈልጥ፡ መገድና ንኸነተዓራሪ ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበየና። ንኺሕግዘና ኢሉ ድማ፡ ከም ኤልያስ ዝኣመሰሉ ንብጾቶም ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዚነግርዎም እሙናት ኣዕሩኹ ይጥቀም እዩ። ንኣዕሩኽ ኣምላኽ ከም ጸላእትና ጌርና ኽንርእዮምሲ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ጌጋ ዀን እዩ!—መዝሙር 141:5

ኤልያስ ንኣከኣብ፡ “እወ ረኺበካ” ኢሉ ኺምልሰሉ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እወ፡ ኤልያስ ንኣከኣብ፡ ሰራቕን ቀታልን ዓለወኛን ኰይኑ እዩ ረኺብዎ። ኣብ ቅድሚ እቲ እኩይ ንጉስ ደው ንኺብል፡ ብዙሕ ትብዓት እዩ ዜድልዮ ነይሩ። ኣስዒቡ ኸኣ ንኣከኣብ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ነገሮ። የሆዋ ነቲ ዜጋጥም ዝነበረ ነገራት ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ ካብ ቤት ኣከኣብ ዚምንጭው ዝነበረ እከይ፡ ነቲ ህዝቢ ኣበላሽይዎ ነበረ። ስለዚ፡ ኤልያስ ንኣከኣብ፡ ኣምላኽ ንብምሉኡ እቲ ስርወ ንግስነት ‘ኪዅስትሮ’ ምዃኑ ሓበሮ። ኢዛቤል እውን እንተ ዀነት፡ ኣብ ፍርዲ ምቕራባ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ።—1 ነገስት 21:20-26

ኤልያስ፡ እከይን ግፍዕን ዚፍጽሙ ሰባት ናይ ኢዶም ከም ዚረኽቡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ሰባት ግና፡ ከምኡ ኣይመስሎምን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባ ኣከኣብ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ከም ዚርእዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ግቡእ እዋኑ ፍትሒ ኸም ዚፍጽም እውን ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንብምሉኡ ግፍዒ ዜጥፍኣሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ የረጋግጸልና እዩ። (መዝሙር 37:10, 11) ኰይኑ ግና፡ ‘ፍርዲ ኣምላኽ፡ መቕጻዕቲ ጥራይ ድዩ ዜጠቓልል፧ ምሕረትከ ይገብር ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

“ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዶ፧”

ኤልያስ በቲ ኣከኣብ ንፍርዲ ኣምላኽ ምስ ሰምዐ ዝሃቦ ምላሽ ተገሪሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ “ኣከኣብ እዚ ዘረባ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ስጋኡ ማቕ ከዲኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰ፡ ቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ” ይብል። (1 ነገስት 21:27) ኣከኣብ ካብ ግጉይ መገድታቱ ይንሳሕ ድዩ ነይሩ፧

እንተ ወሓደ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ጽቡቕ ለውጢ ገይሩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ትሕትና ኼርኢ ጀሚሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንሓደ ኵሩዕን ዕቡይን ሰብ ኪኸብዶ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ንስሓ ድዩ ነይሩ፧ ንኣከኣብ ምስቲ ጸኒሑ ንጉስ ዝዀነን ካብ ኣከኣብ ዚገድድ እከይ ዝፈጸመን ምናሴ እስከ ነነጻጽሮ። የሆዋ ንምናሴ ምስ ቀጽዖ፡ ትሕት ኢሉን ሓገዝ የሆዋ ሓቲቱን እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝያዳ እውን ገይሩ እዩ። ነቲ ዘቘሞ ጣኦታት ብምውጋድ ኣነባብራኡ ቐዪሩን ንየሆዋ ኼገልግሎ ጽዒሩን ንህዝቡ ኸምኡ ኺገብሩ ኣተባቢዑን እዩ። (2 ዜና መዋእል 33:1-17) እሞኸ ኣከኣብ ከምኡ ገይሩዶ፧ ኣይገበረን።

የሆዋ ነቲ ኣከኣብ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ዘርኣዮ ንስሓ ኣስተብሂሉሉዶ፧ ብዛዕባ እዚ ንኤልያስ፡ “ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዶ፧ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸምጽኦ እየ” በሎ። (1 ነገስት 21:29) የሆዋ ንኣከኣብ ይቕረ ኢሉሉ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን፣ ናይ ሓቂ ንስሓ ዜርኢ ሰብ ጥራይ እዩ መለኮታዊ ምሕረት ዚረክብ። (ህዝቅኤል 33:14-16) ኰይኑ ግና፡ ኣከኣብ ብእተወሰነ ደረጃ ስለ እተጣዕሰ፡ የሆዋ ኸኣ ብእተወሰነ ደረጃ ምሕረት ገበረሉ። ኣከኣብ፡ ምሉእ ስድራ ቤቱ ኺጠፍእ ከሎ ኻብ ምርኣይ ተሰቲሩ እዩ።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣከኣብ ዚፍጽሞ ፍርዲ ኣይተቐየረን። የሆዋ ጸኒሑ፡ ኣከኣብ ኣብ ውግእ ምእንቲ ኺመውት፡ ብምንታይ ተሓባቢሉ ናብቲ ውግእ ኪኣቱ ኸም ዚኽእል ምስ መላእኽቱ ተመያይጡ እዩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣከኣብ ተፈጸመ። ኣብ ውግእ ምስ ቈሰለ፡ ደሙ ወዲኡ ሞተ። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሰረገላ ኣከኣብ ኪሕጸብ ከሎ፡ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ከም ዝለሓስዎ ይገልጽ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እተን፡ “ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሐሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ኪልሕሱ እዮም” ዚብላ፡ የሆዋ ብኤልያስ ኣቢሉ ንኣከኣብ እተዛረበን ቃላት ተፈጸማ።—1 ነገስት 21:19፣ 22:19-22, 34-38

ሞት ኣከኣብ፡ ንኤልያስን ንኤልሳእን ንኻልኦት እሙናት ህዝቢ ኣምላኽን፡ የሆዋ ንትብዓትን ንእምነትን ናቦት ከም ዘይረስዖ ዜረጋግጸሎም እዩ ነይሩ። እቲ ፍትሒ ዚፈቱ ኣምላኽ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንእኩያት ከይቀጽዐ ኣይሓድጎምን እዩ፣ ምሕረት ንኺገብር ዜኽእሎ መሰረት እንተ ረኺቡ ድማ፡ ካብ ምምሓር ዓዲ ኣይውዕልን እዩ። (ዘሁልቍ 14:18) እዚ ፍጻመ እዚ፡ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ እኩይ ንጉስ ጸኒዑ ዚነብር ዝነበረ ኤልያስ፡ ሓያል ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ። ንስኻኸ ግዳይ ግፍዒ ዄንካዶ ትፈልጥ፧ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ኬተዓራርዮ ትህንጠዶ፧ ኣስኣሰር እምነት ኤልያስ ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ። ኤልያስ ምስቲ እሙን ብጻዩ ዝነበረ ኤልሳእ ኰይኑ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ካብ ምእዋጅ ኣየቋረጸን፣ ምጕዳል ፍትሒ እናሃለወ ኽነሱ፡ ጸኒዑ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 የሆዋ፡ እቲ ኸም ምንጪ ዝናምን ፍርያትን ጌርካ ዚምለኽ ዝነበረ በዓል ሓይሊ ኸም ዘይብሉ ንምርኣይ፡ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝጸንሐ ድርቂ ተጠቒሙ እዩ። (1 ነገስት ምዕራፍ 18) ኣብ ናይ 1 ጥርን 1 ሚያዝያን 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” እትብል ዓምዲ ዝወጻ ዓንቀጻት ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ኢዛቤል፡ ደቂ ናቦት እውን ከም ዚቕተሉ ዝገበረት፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺወርስዎ ኸም ዚኽእሉ ስለ ዝሓሰበት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ንኼጋጥም ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ “ሕቶታት ኣንበብትና” እትብል ዓንቀጽ ርአ።