ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓደ

“ምዉት ክነሱ . . . ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ”

“ምዉት ክነሱ . . . ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ”

1. ስድራ ቤት ኣዳምን ሄዋንን ናብ ገነት ኤድን ከይኣትዉ ዝዓገቶም እንታይ እዩ፧ ኣቤልከ እንታይ ኪርኢ እዩ ሃረር ዚብል ነይሩ፧

ኣቤል ነተን ኣብ ኵርባ ሃዲአን ሳዕሪ ዚበልዓ ዝነበራ ኣባጊዑ ይጥምተን ነበረ። ኣማዕድዩ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ዝነበረ ድሙቕ ዘይኰነ ብርሃን ይርኢ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ቦታ እቲኣ፡ ነታ ናብ ገነት ኤደን እተእቱ መገዲ ንምሕላው፡ ብልሓ ሃልሃል ዚብል እትሽክርከር ሰይፊ ኸም ዘላ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን ወለዱ ኣብኣ ይነብሩ ነይሮም እዮም፣ ሕጂ ግና ንሳቶም ኰኑ ደቆም ናብኣ ኺኣትዉ ኣይክእሉን እዮም። ኣቤል ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ ብዛዕባ ፈጣሪኡ ኺሓስብ ከሎ፡ እቲ ፍሽፍሽ ዚብል ዝነበረ ንፋስ ንጸጕሪ ርእሱ ፈይፈይ ኬብሎ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣቤል፡ ደቂ ሰብ እንደገና ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪዀኑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ኺርኢ ድማ ሃረር ይብል ነይሩ እዩ።

2-4. ኣቤል ሎሚ ብኸመይ እዩ ዚዛረበና ዘሎ፧

2 ኣቤል ሎሚ ይዛረበካ ኣሎ። እሞኸ፡ ክትሰምዖ ትኽእል ዲኻ፧ እዚ ፈጺሙ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከመይሲ፡ እዚ ኻልኣይ ወዲ ኣዳም ካብ ዚመውት ነዊሕ ገይሩ እዩ። ሬሳኡ ናብ ሓመድ ካብ ዚቕየር ድማ ዳርጋ 60 ዘመናት ገይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዉታት፡ “ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ይብለና። (መክ. 9:5, 10) ብዘይካዚ፡ ኣቤል እተዛረባ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተመዝገበትን። ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እሞ ኺዛረበና ዚኽእል፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ ኣቤል፡ “ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ” በለ። (እብራውያን 11:4 ኣንብብ።) ኣቤል ብምንታይ ከም ዚዛረበና ኣስተብሂልካዶ፧ ብእምነቱ እዩ ዚዛረበና። ንሱ ነዛ ብልጽቲ ባህርይ እዚኣ ዘጥረየ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ። ድልድልቲ እምነት ብምርኣዩ፡ ክንስዕቦ እንኽእል ህያው ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ካብቲ ዝሓደገልና ኣብነት እንተ ተማሂርናን ኣስኣሰር እምነቱ ኽንስዕብ እንተ ጽዒርናን፡ ታሪኽ ኣቤል ህያው ኰይኑ ይዛረበና ኣሎ ማለት እዩ።

4 ግናኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቤል ብዙሕ ዘይተጠቕሰ ኽነሱ፡ ካብኡን ካብ እምነቱን እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ እስከ ቐጺልና ንርአ።

ብግዜ “ምስራት ዓለም” ምንባር

5. የሱስ ንኣቤል ምስ “ምስራት ዓለም” ኣተሓሒዙ ዝገለጾ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

5 ኣቤል ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ እዩ ዚነብር ነይሩ። የሱስ ንኣቤል ምስ “ምስራት ዓለም” ኣተሓሒዙ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሉቃስ 11:50, 51 ኣንብብ።) ኣብዚ ዓለም ኪብል ከሎ፡ ነቶም ካብ ሓጢኣት ኪብጀዉ ዚኽእሉ ደቂ ሰብ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቤል ካብ ደቂ ሰብ እቲ ራብዓይ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ካብ በጃ ኺጥቀም ዚኽእል ናይ መጀመርታ ሰብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * ኣቤል ጽቡቕ ጽልዋ ኺገብሩሉ ምስ ዘይክእሉ ሰባት ይነብር ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ።

6. ኣቤል እንታይ ዓይነት ወለዲ እዮም ነይሮምዎ፧

6 እታ ናይ መጀመርታ ስድራ ቤት፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥማ ጀመረ። እቶም ወለዲ ኣቤል ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ምልኩዓትን ሓያላትን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ኢሎም ኣይቀጸሉን፣ እዚ ድማ ተፈሊጥዎም እዩ። ኣብ ፈለማ ፍጹማትን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝነበሮምን እዮም ነይሮም። ጸኒሖም ግና፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ዓለዉ፡ ካብታ ቤቶም ዝነበረት ገነት ኤደን ድማ ተሰጕጉ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ፡ እንተላይ ካብቲ ንዘርኦም ዜድልዮም ነገራት፡ ትምኒት ርእሶም ብምቕዳሞም ፍጽምናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ሰኣኑ።—ዘፍ. 2:15–3:24

7, 8. ቃየል ምስ ተወልደ፡ ሄዋን እንታይ እያ ኢላ፧ እንታይከ እያ ሓሲባ ኽትከውን እትኽእል፧

7 ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ምስ ተሰጕጉ፡ ናብራ ኸቢድዎም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ በዅሪ ወዶም ምስ ተወልደ፡ ቃየል ኢሎም ሰመይዎ፣ ሄዋን ከኣ፡ “ብረድኤት የሆዋ ወዲ ወሊደ” በለት። ሄዋን ከምኡ ኽትብል ከላ፡ ነቲ የሆዋ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ንኣዳምን ንሄዋንን ዘዕለዎም እኩይ ዜጥፍእ “ዘርኢ” ኸም እትወልድ ኣብ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ ዘኪራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ዘፍ. 3:15፣ 4:1) እሞኸ፡ ኣብቲ ትንቢት እተጠቕሰት ሰበይቲ ንሳ ኸም ዝዀነት፡ ቃየል ከኣ እቲ ተስፋ እተኣትወሉ “ዘርኢ” ኸም ዝዀነ ገይራ ሓሲባ ደዀን ትኸውን፧

8 ከምኡ እንተ ሓሲባ፡ ተጋግያ እያ ነይራ። ብዝያዳ ድማ፡ ንሳን ኣዳምን ንቃየል እቲ ዘርኢ ኸም ዝዀነ ነጊሮምዎ እንተ ነይሮም፡ ኣዐብዮምዎ ደኣ እምበር ኣይጠቐምዎን። ድሕሪኡ፡ ሄዋን ካልኣይ ወዲ ወለደት፡ ብዛዕባኡ ግና እቲ ዘርኢ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ሓሳባት ከም ዝሃቡ ኣይተገልጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣቤል ኢሎም እዮም ሰምዮምዎ፣ ትርጉሙ ድማ “ትንፋስ” ወይ “ከንቱነት” ማለት እዩ። (ዘፍ. 4:2) ከምኡ ኢሎም ምስማዮም፡ ኣቤል ካብ ቃየል ከም ዝተሓተ ገይሮም ስለ ዝሓሰቡ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ትጽቢት ከም ዘይነበሮም ዚሕብር ደዀን ይኸውን፧ ክንግምት ጥራይ ኢና እንኽእል።

9. ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብቶም ቀዳሞት ወለዲ እንታይ እዮም ኪምሃሩ ዚኽእሉ፧

9 ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብቶም ቀዳሞት ወለዲ ብዙሕ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ብኣዘራርባኻን ብተግባራትካን ንደቅኻ ትዕቢትን ህርፋንን ስስዐን ዲኻ እተስርጸሎም፧ ወይስ ንየሆዋ ኣምላኽ ኬፍቅሩን ምስኡ ዕርክነት ንምምስራት ኪጽዕሩን ኢኻ እትምህሮም፧ እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ቀዳሞት ወለዲ ሓላፍነቶም ኣይፈጸሙን። ይኹን እምበር፡ ዘርኦም ተስፋ ነይርዎም እዩ።

ኣቤል እምነት ዘጥረየ ብኸመይ እዩ፧

10, 11. ቃየልን ኣቤልን እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ነይርዎም፧ ኣቤልከ እንታይ ባህርይ እዩ ኣጥርዩ፧

10 እቶም ክልተ ቘልዑ ኺዓብዩ ኸለዉ፡ ኣዳም ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ነገራት ኪምእርሩ ዜኽእሎም ስራሕ ኪሰርሑ ኣሰልጢንዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ፡ ቃየል ሓረስታይ፡ ኣቤል ከኣ ጓሳ ዀነ።

11 ይኹን እምበር፡ ኣቤል ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ገይሩ እዩ። እወ፡ ድሕሪ ግዜ እምነት ኣጥርዩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ብዛዕባ እዛ ብልጽቲ ባህርይ እዚኣ ጽሒፉ ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ንኣቤል ኣብነት ዝዀኖ ሰብ ኣይነበረን። ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ነታ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ዘጥረያ፧ ነዛ እምነት እዚኣ ንኼጥሪ ዝሓገዞ ሰለስተ ነገር ንርአ።

12, 13. ኣቤል ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ምስትንታኑ፡ ንእምነቱ ዘደልደለሉ ብኸመይ እዩ፧

12 ፍጥረት የሆዋ። የሆዋ ንምድሪ ረጊሙዋ ስለ ዝነበረ፡ እሾኽን ተዀርባን ተብቍል እያ ነይራ፣ እዚ ኸኣ ንሕርሻ ዚዓናቕፍ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ምድሪ ንስድራ ቤት ኣቤል ብህይወት ኪነብሩ ዚሕግዞም ምግቢ ተፍሪ ነይራ እያ። ኣዕዋፍን ዓሳታትን ዚርከብዎም እንስሳታት ከኣ ኣይተረግሙን ነይሮም፣ ኣኽራንን ቀላያትን ኣፍላጋትን ባሕርታትን ኰነ ሰማያትን ደበናታትን ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እውን ኣይተረግመን ነይሩ። ኣቤል ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ነቲ ዜደንቕ ፍቕርን ጥበብን ሕያውነትን እቲ ንዅሉ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ነገራት ኪርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ሮሜ 1:20 ኣንብብ።) ብዛዕባ እዚ ብሞሳ ምስትንታኑ ኸኣ ንእምነቱ ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ።

ኣቤል ካብ ፍጥረት፡ ኣብቲ ፈቃር ፈጣሪ እምነት ኬሕድር ተማህረ

13 ኣቤል ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት የስተንትን ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ንመጓሰኡ ኺጓሲ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ከም ጓሳ መጠን ብዙሕ እዩ ዚጕዓዝ ነይሩ። ልሙዕ ሳዕርን ጽሩይ ማይን ጽላል ዘለዎ መዕረፍን ምእንቲ ኺረክብ፡ ነተን ተኣፈፍቲ እንስሳታት ሒዙ ብጎቦታትን ስንጭሮታትን ቀላያትን ይኸይድ ነይሩ እዩ። ካብ ኵሉ ፍጥረታት ኣምላኽ፡ መሪሕነትን ዕቝባን ሰብ ዜድልየን ዝያዳ ተኣፈፍቲ እንስሳ፡ ኣባጊዕ እየን ነይረን ኪዀና ዚኽእላ። እሞኸ፡ ኣቤል ንሱ እውን ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ዝያዳ ጥበብን ሓይልን ካብ ዘለዎ ኣካል መምርሕን ዕቝባን ሓልዮትን ከም ዜድልዮ ተገንዚቡ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ ጸሎቱ ይጠቅስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ንእምነቱ ኣደልዲሉሉ እዩ።

14, 15. ኣቤል ብዛዕባ እንታይ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት እዩ ኼስተንትን ዚኽእል ነይሩ፧

14 ተስፋታት የሆዋ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ስለምንታይ ከም እተሰጕጉ ንደቆም ኣዘንትዮምሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣቤል ኬስተንትነሉ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ነይርዎ እዩ።

15 የሆዋ፡ ምድሪ ርግምቲ ኸም እትኸውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ኣቤል እሾኽን ተዀርባን ይርኢ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ቓላት እዚ ኸም እተፈጸመ ኼስተብህል ክኢሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሄዋን ብጻዕሪ ጥንስን ሕርስን ከም እትሳቐ የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣቤል ኣሕዋቱ ኺውለዱ ኸለዉ ፍጻመ እዚ ቓላት እዚ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ድማ ሄዋን ፍቕርን ኣቓልቦን ሰብኣያ ኽትረክብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ድሌት ከም ዚህልዋን ኣዳም ከም ዚመልካን ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣቤል ከኣ ነዚ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። እወ፡ ቃል የሆዋ ወትሩ ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን ምዃኑ ተዓዚቡ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ “ዘርኢ” ዘተስፈዎ ተስፋ ኺኣምን ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። እቲ “ዘርኢ” እቲ፡ ሓደ መዓልቲ ነቲ ኣብ ኤደን ዝጀመረ ኽፉእ ነገራት ኬወግድ እዩ።—ዘፍ. 3:15-19

16, 17. ኣቤል ካብ ኪሩቤል የሆዋ እንታይ እዩ ተማሂሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

16 ኣገልገልቲ የሆዋ። ንኣቤል ሰናይ ኣብነት ዝዀኖ ማንም ሰብ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ግና ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ምስ ተሰጕጉ፡ የሆዋ ንሳቶም ኰኑ ዘርኦም ናብኣ ኺኣትዉ ኸም ዘይክእሉ ገበረ። መእተዊ ገነት ኤደን ዚሕልዉ ኪሩቤልን—ዝለዓለ ማዕርግ ዘለዎም መላእኽቲ—ብልሓ ሃልሃል ዚብል እትሽክርከር ሰይፍን እውን ኣቐመጠ።—ዘፍጥረት 3:24 ኣንብብ።

17 ኣቤል ብቝልዕነቱ ነቶም ኪሩቤል ኪርኢ ኸሎ እንታይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቶም ኪሩቤል ስጋ ሰብ ለቢሶም ስለ ዝነበሩ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓያላት ከም ዝዀኑ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። እታ ወትሩ ሃልሃል እትብልን እትሽክርከርን ዝነበረት “ሰይፊ” እውን እተፍርህ እያ ነይራ። ኣቤል ኪዓቢ ኸሎ፡ እቶም ኪሩቤል ተመንይዎም ካብ ቦታኦም ኬልግሱ ኸለዉ ርእዩ ደዀን ይኸውን፧ ኣይረኣየን። እዞም ሓያላት መላእኽቲ እዚኦም፡ ንሓያሎ ዓመታት ለይትን መዓልትን ካብ ቦታኦም ምንቕ ኣይበሉን። ስለዚ፡ ኣቤል፡ የሆዋ ኣምላኽ ጻድቃንን ጽኑዓትን ኣገልገልቲ ኸም ዘለዉዎ ተረዲኡ እዩ። ኣቤል እቶም ኪሩቤል ከም ስድራ ቤቱ ዘይኰኑስ፡ ንየሆዋ እሙናትን እዙዛትን ምዃኖም ኪርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። እዚ መላእኽቲ ዝገደፍዎ ኣብነት፡ ንኣቤል እምነቱ ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ።

ኣቤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ኪሩቤል እሙናትን እዙዛትን ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዝነበሩ ኪዕዘብ ከኣለ

18. ሎሚ እምነትና ኼደልድል ዚኽእል እንታይ እኹል ነገራት ኣሎና፧

18 እወ፡ የሆዋ ብፍጥረትን ብተስፋታቱን በቶም ኣገልገልቱ ዝዀኑ መላእኽቱ ዝገደፍዎ ኣብነትን ገይሩ ብዛዕባ ርእሱ ገሊጹ እዩ። ኣቤል ብዛዕባ እዚ ምስትንታኑ ኸኣ ንእምነቱ ኣደልዲሉሉ እዩ። እሞኸ፡ ኣቤል በቲ ዝገደፎ ኣብነት ገይሩ ይዛረበና ደይኰነን ዘሎ፧ ብፍላይ መንእሰያት፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ኬሕድሩ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ እውን ንሕና ንእምነትና ኼደልድለልና ዚኽእል እኹል ነገራት ኣሎና፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ዙርያና ዘሎ ዜደንቕ ፍጥረትን ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስን ብእምነቶም ኣብነት ዝዀኑ ሓያሎ ሰባትን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።

መስዋእቲ ኣቤል ብሉጽ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

19. ድሕሪ ግዜ ኣቤል እንታይ እዩ ተገንዚቡ፧

19 እታ ኣቤል ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ እምነት እናደልደለት ምስ ከደት፡ ንእምነቱ ብተግባር ዚገልጸሉ መገዲ ኺረክብ ደለየ። ይኹን እምበር፡ ሰብ ነቲ ፈጣሪ ዩኒቨርስ ዝዀነ ኣምላኽ እንታይ እዩ እሞ ኺህቦ ዚኽእል፧ ኣምላኽ ካብ ደቂ ሰብ ህያብ ኰነ ሓገዝ ከም ዘየድልዮ ንጹር እዩ። ድሕሪ ግዜ ኣቤል፡ ብቕኑዕ ድራኸ ተላዒሉ ንየሆዋ ኻብቲ ዘለዎ ጥሪት እቲ ብሉጽ እንተ ሂብዎ፡ እዚ ፈቃር ኣቦ እዚ ኸም ዚሕጐስ ተገንዘበ።

ኣቤል መስዋእቲ ዘቕረበ ብእምነት እዩ፣ ቃየል ግና ብእምነት ኣይኰነን

20, 21. ቃየልን ኣቤልን፡ ነፍሲ ወከፎም ንየሆዋ እንታይ መስዋእቲ እዮም ኣቕሪቦም፧ ንሱኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

20 ኣቤል ካብ መጓሰኡ ገለ ኣባጊዕ ኪስውእ ተዳለወ። ነተን ብሉጻት ዝዀና በዅራት ሓርዩ ብምሕራድ፡ ነቲ ምሩጽ ኢሉ ዝሓሰቦ ኣካላተን ንመስዋእቲ ኣቕረበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቃየል እውን በረኸትን ሞገስን ኣምላኽ ኪረክብ ደልዩ፡ ካብ ኣታኽልቱ መስዋእቲ ኣቕረበ። ድራኸኡ ግና ካብ ድራኸ ኣቤል እተፈልየ እዩ ነይሩ። እቲ ፍልልይ ከኣ ክልቲኦም ኣሕዋት መስዋእቶም ኬቕርቡ ኸለዉ እዩ ተራእዩ።

21 ክልቲኦም ደቂ ኣዳም፡ ኣብ ቅድሚ ኪሩቤል ኰይኖም ብመሰውእን ብሓውን መስዋእቶም ኣቕሪቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ህያዋን ወኪላት የሆዋ እቶም ኪሩቤል ጥራይ እዮም ነይሮም። ሽዑ ድማ የሆዋ ምላሽ ሂቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ብሞገስ ረኣየ” ይብል። (ዘፍ. 4:4) ኣምላኽ ብኸመይ ሞገሱ ኸም ዘርኣየ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ።

22, 23. የሆዋ ናብቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ብሞገስ ዝረኣየ ስለምንታይ እዩ፧

22 ኣምላኽ ንኣቤል ሞገስ ዘርኣዮ ስለምንታይ እዩ፧ በቲ ዘቕረቦ ዓይነት መስዋእቲ ድዩ፧ ኣቤል እስትንፋስ ዘለዎ ህያው እንስሳ መሪጹ ነቲ ኽቡር ደሙ ብምፍሳስ እዩ መስዋእቲ ኣቕሪቡ። እሞኸ፡ እዚ ዓይነት መስዋእቲ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ዋጋ ኸም ዘለዎ ይግንዘብ ነይሩ ድዩ፧ ኣምላኽ ካብ ግዜ ኣቤል ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ፡ ነቲ “ገንሸል ኣምላኽ” ዝዀነ፡ ንጹህ ደሙ ኸኣ ዝፈሰሰ ፍጹም ወዱ ዘቕረቦ መስዋእቲ ንምምልካት መስዋእቲ ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ተጠቒሙ እዩ። (ዮሃ. 1:29፣ ዘጸ. 12:5-7) ይኹን እምበር፡ ኣቤል ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

23 ሓደ ብርግጽ እንፈልጦ ነገር ግና፡ ኣቤል ካብቲ ዝነበሮ ጥሪት እቲ ብሉጽ ንመስዋእቲ ምቕራቡ እዩ። የሆዋ ናብቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ናብ ኣቤል እዩ ብሞገስ ዝረኣየ። ከመይሲ፡ ኣቤል በታ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕርን ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ ናይ ሓቂ እምነትን ተደሪኹ እዩ መስዋእቲ ኣቕሪቡ።

24. (ሀ) እቲ ቃየል ዘቕረቦ ዓይነት መስዋእቲ ጕድለት ከም ዘይነበሮ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ቃየል ሎሚ ምስ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

24 ኵነታት ቃየል ግና እተፈልየ እዩ ነይሩ። የሆዋ “ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን . . . ብሞገስ ኣይረኣየን።” (ዘፍ. 4:5) እቲ ቃየል ዘቕረቦ ዓይነት መስዋእቲ ጕድለት ኣይነበሮን፣ ከመይሲ፡ ጸኒሑ ሕጊ ኣምላኽ፡ ፍረ ምድሪ ንመስዋእቲ ኪቐርብ ፈቒዱ እዩ። (ዘሌ. 6:14, 15) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃየል፡ “ግብሩ እከይ” ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:12 ኣንብብ።) ቃየል ብላዕለ ላዕሊ ንኣምላኽ ተወፋይነት ከም ዘሎካ እንተ ኣርኢኻ፡ እኹል ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ሎሚ እውን ሓያሎ ሰባት ከምኡ እዩ ዚስምዖም። ኣብ የሆዋ ናይ ሓቂ እምነት ኰነ ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘይነበሮ ነዊሕ ከይጸንሐ ብግብሩ ተጋሂዱ እዩ።

25, 26. የሆዋ ንቃየል እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂብዎ፧ ቃየል ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧

25 ቃየል ሞገስ የሆዋ ኸም ዘይረኸበ ምስ ተገንዘበ፡ ካብ ኣብነት ኣቤል ኪምሃር ጽዒሩ ድዩ፧ ኣይጸዓረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዲሩ ንሓዉ ጸልኦ። የሆዋ፡ ልቢ ቃየል እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ረኣየ እሞ፡ ንቃየል ብትዕግስቲ ኼረድኦ ጸዓረ። መገድታቱ ናብ ከቢድ ሓጢኣት ይመርሖ ኸም ዘሎ ኣጠንቀቖ፡ መገዱ እንተ ቐይሩ ኸኣ “ሞገስ” ከም ዚርከብ ኣተስፈዎ።—ዘፍ. 4:6, 7

26 ቃየል ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ በሎ። ነቲ ምንኣሱ ዝዀነ ሓዉ ኣቤል ከኣ ምስኡ ናብ መሮር ኪኸይድ ነገሮ፡ ኣብኡ ድማ ቐተሎ። (ዘፍ. 4:8) በዚ ኸምዚ ኣቤል፡ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ዝበጽሖ ናይ መጀመርታ ሰማእት ኰነ። ዋላ እኳ እንተ ሞተ፡ የሆዋ ግና ኣይረስዖን።

27. (ሀ) ኣቤል ከም ዚትንስእ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሓደ መዓልቲ ምስ ኣቤል ከም እንራኸብ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

27 ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ደም ኣቤል ፍትሒ ደልዩ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጠሪዑ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ እኩይን ገበነኛን ዝነበረ ቃየል ብምቕጻዕ ፍትሒ ኣውጺኡ እዩ። (ዘፍ. 4:9-12) ብዝያዳ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ እምነት ኣቤል ዚገልጽ ጸብጻብ ሎሚ ንዓና ይዛረበና ኣሎ። ዕድመ ኣቤል—ምናልባት ሚእቲ ዓመት ኪኸውን ይኽእል—ምስ ዕድመ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ኪነጻጸር ከሎ ሓጺር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣቤል ንዕድሚኡ ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ እዩ ተጠቒሙሉ። ቅድሚ ሙማቱ ፍቕርን ሞገስን ሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ኸም ዝረኸበ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እብ. 11:4) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ተዘክሮ የሆዋ ምህላዉን ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብ ትንሳኤ ይጽበ ኸም ዘሎን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 5:28, 29) እሞኸ፡ ምስኡ ኽትራኸብ ዲኻ፧ እወ፡ ሕጂ ኪዛረብ ከሎ እንተ ሰሚዕካዮን ነታ ሓለፍ ዝበለት እምነቱ እንተ ቐዲሕካያን ምስኡ ኽትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 5 እታ “ምስራት ዓለም” እትብል መግለጺት፡ ዘርኢ ምዝራእ፡ ማለት ምውላድ ዚብል ሓሳብ ስለ እትሓቍፍ ነቶም ቀዳሞት ዘርኢ ደቂ ሰብ እተመልክት እያ። የሱስ ነቲ ናይ መጀመርታ ዘርኢ ዝዀነ ቃየል ዘይኰነስ፡ ንኣቤል ምስ “ምስራት ዓለም” ኣተሓሒዙ ዝገለጾ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ውሳነታቱን ተግባራቱን ከም ዚሕብሮ፡ ቃየል ደይመደይ ኢሉ እዩ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ዓልዩ። ስለዚ፡ ንሱ እውን ከም ወለዱ ትንሳኤ ኺረክብን ካብ በጃ ኺጥቀምን ዚኽእል ኣይመስልን እዩ።