ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸሞንተ

‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

1, 2. ብዛዕባ እቲ ማርያም ዝገበረቶ ጕዕዞን ስለምንታይ ዘይምሹእ ከም ዝነበረን ግለጽ።

ማርያም እቲ ተወጢሓቶ ዝነበረት ንእሽቶ መጽዓኛ ስለ ዘይተመሸዋ፡ እንደገና ተመዓራርያ ተቐመጠት። ንሰዓታት ዚኸውን እያ ተጓዒዛ። ዮሴፍ ድማ ኣብቲ ናብ ቤት-ልሄም ዚወስድ ርሑቕ መገዲ ቐቅድሚኣ ዀይኑ ይመርሓ ነበረ። ማርያም እቲ ኣብ ማሕጸና ዘሎ ቘልዓ እንደገና ኺገላበጥ ከሎ ተሰምዓ።

2 ማርያም “ብጽሕቲ ወርሒ” እያ ነይራ። (ሉቃ. 2:5) ዮሴፍን ማርያምን ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ኣብ ግራውቶም ይዘርኡን ይሓርሱን ዝነበሩ ሓረስቶት ምስ ረኣይዎም፡ ወርሓ ዝኣኸለ ጥንስቲ ሰበይቲ ስለምንታይ ትጐዓዝ ከም ዘላ ገሪምዎም ይኸውን እዩ። ማርያም ካብቲ ኣብ ናዝሬት ዝነበረ ቤታ ኣርሒቓ እተጓዕዘት ስለምንታይ እያ፧

3. ማርያም እንታይ ሓላፍነት እያ ተቐቢላ፧ ብዛዕባኣኸ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

3 እዚ ኪኸውን ዝጀመረ፡ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ እዛ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ሓላፍነት ምስ ተቐበለት እዩ። ነቲ ጸኒሑ መሲሕ ዚኸውን ወዲ ኣምላኽ እያ ኽትወልድ። (ሉቃ. 1:35) እትወልደሉ እዋን ምስ ቀረበ፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ኣድለየ። ኣብቲ ጕዕዞ፡ ማርያም ንእምነታ ዚፍትን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጠማ። ብመንፈሳዊ መዳይ ድልድልቲ ኽትከውን ዝሓገዛ እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ጕዕዞ ናብ ቤት-ልሄም

4, 5. (ሀ) ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ቄሳር ዘውጽኦ ኣዋጅ ነየናይ ትንቢት እዩ ኸም ዚፍጸም ገይሩ፧

4 ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሴፍን ማርያምን ጥራይ ኣይኰኑን ዚጐዓዙ ነይሮም። ከመይሲ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ቄሳር ኣውጉስጦስ ኵሉ ሰብ ናብ ዓዱ ኸይዱ ኺጸሓፍ ኣዋጅ ኣዊጁ ነይሩ እዩ። ሰባት ከኣ ነዚ ብምእዛዝ ናብ ዓዶም ኪኸዱ ኣድልይዎም ነይሩ እዩ። ዮሴፍከ እንታይ እዩ ገይሩ፧ እቲ ጸብጻብ፡ “ዮሴፍ ድማ ካብ ቤትን ካብ ዓሌትን ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ፡ ካብ ከተማ ናዝሬት፡ ናብ ይሁዳ፡ ናብታ ቤት-ልሄም እትብሃል ከተማ ዳዊት ወረደ” ይብል።—ሉቃ. 2:1-4

5 ቄሳር ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዋጅ ምውጻኡ፡ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ኣስታት ሸውዓተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ዚገልጽ ትንቢት ተጻሒፉ ነይሩ እዩ። ካብ ናዝሬት 11 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ቤት-ልሄም እትብሃል ዓዲ እውን ነይራ እያ። ይኹን እምበር፡ እቲ መሲሕ ካብ “ቤት-ልሄም ኤፍራታ” ኸም ዚወጽእ እቲ ትንቢት ፈልዩ ይሕብር እዩ። (ሚክያስ 5:2 ኣንብብ።) እቲ ኻብ ናዝሬት ብሰማርያ ኣቢልካ ናብታ ንእሽቶ ዓዲ ዚወስድ ኵርባታት ዚበዝሖ መገዲ፡ 130 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሕቐት ኣለዎ። ዮሴፍ ናብዛ ቤት-ልሄም እዚኣ ኪኸይድ እዩ ትእዛዝ ተዋሂብዎ፣ እዛ ዓዲ እዚኣ ኸኣ ዓሌት ዮሴፍን ዓሌት መርዓቱን ዝዀኑ ስድራ ቤት ንጉስ ዳዊት ዚውለዱላ ዓዲ እያ።

6, 7. (ሀ) እቲ ናብ ቤት-ልሄም ዚግበር ጕዕዞ ንማርያም ከቢድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ማርያም ሰበይቲ ዮሴፍ ምዃና ኣብቲ እትገብሮ ውሳነ ለውጢ ዜምጽእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

6 ማርያም ነቲ ዮሴፍ ኪምዝገብ ዝገበሮ ውሳነ ደጊፋቶ ድያ፧ እቲ ጕዕዞ ንዓኣ ኣዝዩ ኸቢድ ኪዀና ይኽእል ነይሩ እዩ። ምናልባት እቲ ጕዕዞ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ስለ ዚኸውን፡ ኣብቲ ኸባቢ ፈኲስ ዝናም ኪወቅዕ ይኽእል ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ ቤት-ልሄም 760 ሜተር ኣብ ዚኸውን ብራኸ እያ እትርከብ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ጕዕዞ ድማ ሓያል ዓቐበት ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ናብ ቤት-ልሄም ዚግበር ጕዕዞ ነዊሕ መዓልትታት ዚወስድ እዩ ነይሩ። ኵነታት ማርያም ብዙሕ ግዜ ኸተዕርፍ ዜገድዳ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ጕዕዞ ኻብቲ ልሙድ ዝነውሐ መዓልትታት ወሲዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ዝዀነት ሰበይቲ ኣብ ግዜ ሕርሳ፡ ስድራ ቤታን ፈተውታን ምእንቲ ኺሕግዝዋ ኻብ ቤታ ኸይረሓቐት ክትጸንሕ እያ እትደሊ። ስለዚ እምበኣር፡ ማርያም ነዚ ጕዕዞ እዚ ኽትጐዓዝ ትብዓት ከም ዘድለያ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

እቲ ናብ ቤት-ልሄም እተገብረ ጕዕዞ ቐሊል ኣይነበረን

7 እዚ ዀይኑ እቲ፡ ዮሴፍ ‘ምስ ማርያም ኪምዝገብ’ ከም ዝኸደ ሉቃስ ገሊጹ እዩ። (ሉቃ. 2:4, 5) ሰበይቲ ዮሴፍ ምዃና ኣብቲ እትገብሮ ውሳነታት ዓብዪ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ንሰብኣያ ኸም መንፈሳዊ ርእሳ ገይራ ብምርኣይን ንዚገብሮ ውሳነታት ብምድጋፍን ነቲ የሆዋ ኸም ደጋፊት ክትከውን ዝሃባ ግደ ተቐቢላቶ እያ። * ስለዚ፡ ማርያም ንሰብኣያ ኽትእዘዝ ፍቓደኛ ብምዃና፡ ድልድልቲ እምነት ከም ዝነበረታ ኣርእያ እያ።

8. (ሀ) ማርያም ምስ ዮሴፍ ናብ ቤት-ልሄም ክትከይድ ዝደረኻ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ማርያም ዝሓደገቶ ኣብነት ሎሚ ንዓና ጽቡቕ መርኣያ ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧

8 ማርያም ንዮሴፍ ክትእዘዞ ዝደረኻ ኻልእ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ዚገልጽ ትንቢት ትፈልጦ ነይራ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይሕብርን እዩ። ብዛዕባ እዚ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ሰባትን እውን ከይተረፉ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ማርያም ከም ዘይትፈልጥ ጌርና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። (ማቴ. 2:1-7፣ ዮሃ. 7:40-42) ከመይሲ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሕፋት እኹል ፍልጠት ነይርዋ እዩ። (ሉቃ. 1:46-55) ንሰብኣያ፡ ሰበ ስልጣን ንዘውጽእዎ ኣዋጅ፡ ወይ ንትንቢት የሆዋ ምእንቲ ኽትእዘዝ ኢላ እንተ ዀይና ወይ ንዅሉ ምእንቲ ኽትእዘዞ እንተ ዀይና ብዘየገድስ፡ ክትጐዓዝ ብምውሳና ጽቡቕ ኣብነት እያ ገዲፋ። የሆዋ ነቲ ሰብኡትን ኣንስትን ዜርእይዎ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ማርያም ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ነዞም ተገዛእነት ኣኽቢርካ ኣብ ዘይረኣየሉ እዋን እንርከብ ሰባት ከም መርኣያ እዩ ዚዀነና።

ልደት ክርስቶስ

9, 10. (ሀ) ማርያምን ዮሴፍን ናብ ቤት-ልሄም ኪቐርቡ ኸለዉ እንታይ እዮም ሓሲቦም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ (ለ) ዮሴፍን ማርያምን ኣበይ እዮም ሓዲሮም፧ ስለምንታይከ፧

9 ማርያም ንቤት-ልሄም መጀመርታ ኻብ ርሑቕ ርእይ ምስ ኣበለታ፡ እፎይ ኢላ ኽትከውን ኣለዋ። በቲ እቲ ድሕሪ ዅሉ ዚፈሪ ፍረ ዝዀነ ኣእዋም ኣውልዕ ዘለዎ ዅርባታት ኣቢሎም ኪድይቡ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ታሪኽ እዛ ንእሽቶ ዓዲ ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዛ ነብዪ ሚክያስ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝነኣሰት ምዃና እተዛረበላ ኸተማ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ ዓዲ ቦኣዝን ናእሚን ዳዊትን እያ ነይራ።

10 ማርያምን ዮሴፍን እታ ዓዲ ብሰባት ተጨናኒቓ ጸንሓቶም። ኪምዝገቡ ዚመጹ ሰባት ነቲ መሕደሪ ኣጋይሽ መሊኦምዎ ስለ ዝነበሩ፡ መዕረፊ ዚኸውን ቦታ ኣይረኸቡን። * ስለዚ፡ ኣብ ደምበ ኻብ ምሕዳር ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሑ፡ ማርያም ቅልውላው ሕርሲ ጀመራ። ሽዑ ዮሴፍ፡ ሰበይቱ ቕድሚኡ ኣጋጢሙዋ ዘይፈልጥ እናበኣሰ ዚኸይድ ስቓይ ክትሳቐ ኸላ ምርኣዩ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣጨኒቕዎ ኸም ዝነበረ ኽንግምት ንኽእል ኢና።

11. (ሀ) ኣንስቲ ንማርያም ስምዒታ ኺርድኣላ ዚኽእላ ስለምንታይ እየን፧ (ለ) የሱስ “በዅሪ” ዝዀነ በየናይ መገድታት እዩ፧

11 ኣንስቲ ንማርያም ስምዒታ ኺርዳኣላ ይኽእላ እየን። ኣስታት 4,000 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኵለን ኣንስቲ ብጻዕሪ ኸም ዚወልዳ የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 3:16) ማርያም ካብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ናጻ ኸም ዝነበረት ዚሕብር መርትዖ የለን። ጸብጻብ ሉቃስ፡ “በዅሪ ወዳ ኸኣ ወለደት” ካብ ምባል ሓሊፉ ነቲ ዘሕለፈቶ ስቓይ ኣይጠቐሰን። (ሉቃ. 2:7) ካብቶም ብውሕዱ ሸውዓተ ዚዀኑ ማርያም ዝወለደቶም ውሉዳታ፡ እቲ “በዅሪ” ተወልደ። (ማር. 6:3) እዚ ውላድ እዚ ግና እተፈልየ እዩ ነይሩ። በዅሪ ማርያም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” የሆዋ፡ ማለት ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ።—ቈሎ. 1:15

12. ማርያም ነቲ ሕጻን ኣብ ምንታይ እያ ኣደቂሳቶ፧ እዚኸ ኻብቲ ኣብ ግዜ ልደት ዚቐርብ ምርኢታትን ስእልታትን እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ እዩ እቲ ጸብጻብ፡ “ብዓለባ እውን ጠቕለለቶ፣ . . . ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ” ብምባል ፍሉጥ ዝዀነ ዝርዝር ዚገልጽ። (ሉቃ. 2:7) እቲ ኣብ ግዜ ልደት ዚቐርብ ምርኢታትን ስእልታትን ኣዝዩ እተጋነነን ብዘይክውንነታዊ መገዲ ዚቐርብን እዩ። እቲ ብልክዕ ዘጋጠመ ዅነታት ግና ንርአ። መብልዕ ማል ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ሕርሻ እንስሳታት ዚምገቡሉ ጋብላ እዩ። እታ ስድራ ቤት ጽሩይ ኣየር ኣብ ዘይርከቦን ጽሬት ኣብ ዘይብሉን ቦታ፡ ማለት ኣብ ደምበ ኣዕሪፋ ኸም ዝነበረት ኣይንረስዕ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግና፡ እንታዎት ወለዲ እዮም እሞ ብግዜ ሕርሲ ኻልእ ኣማራጺ ኸለዎም ክነሱ ነዚ ቦታ እዚ ዚመርጽዎ፧ መብዛሕትኦም ወለዲ ንውሉዳቶም እቲ ዝበለጸ ነገር ኪገብሩሎም እዮም ዚደልዩ። እሞ ደኣ ማርያምን ዮሴፍን ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ሕጻን ክንደይ ኣብዚሖም ጽቡቕ ዘይምነዩሉ!

13. (ሀ) ማርያምን ዮሴፍን ዓቕሞም ድሩት እኳ እንተ ነበረ፡ ዚከኣሎም ዘበለ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ጥበበኛታት ወለዲ ቀዳምነት ኣብ ዚህብዎ ነገራት ንዮሴፍን ንማርያምን ኪመስልዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ይኹን እምበር፡ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ኼባሳጭዎም ኣይፈቐዱን። የግዳስ፡ ዚከኣሎም ኵሉ እዮም ገይሮም። ንኣብነት፡ ማርያም ብጥንቃቐ ነቲ ሕጻን ብዓለባ ብምጥቕላል ኣብቲ መብልዕ ማል ኣደቂሳ፡ ሙቐትን ዕቝባን ከም ዚረክብ ምግባራ ኣስተብህል። በቲ ዘጋጠማ ዅነታት ተጨኒቓ ነቲ ሕጻን ዚከኣላ ዅሉ ኻብ ምግባር ኣየቋረጸትን። ማርያምን ዮሴፍን፡ ነቲ ሕጻን ኺገብሩሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ ነገር ብመንፈሳዊ መዳይ ምክንኻን ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 6:6-8 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ጥበበኛታት ወለዲ ኣብዛ ብመንፈሳዊ መዳይ ደኽያ ዘላ ዓለም ውሉዳቶም ኬዕብዩ ኸለዉ፡ ወትሩ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ኪህቡ ኣለዎም።

ዜተባብዕ ምብጻሕ

14, 15. (ሀ) እቶም ጓሶት ነቲ ሕጻን ኪርእዩ ተሃንጥዮም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቶም ጓሶት ንየሱስ ኣብ ደምበ ምስ ረኣይዎ እንታይ እዮም ገይሮም፧

14 እቲ ሰላማዊ ዅነታት ብሃንደበት ተረበሸ። ነታ ስድራ ቤት ብፍላይ ከኣ ነቲ ሕጻን ኪርእዩ እተሃንጠዩ ጓሶት ናብቲ ደምበ ህሩግ ኢሎም ኣተዉ። ብታሕጓስ ገጾም በሪሁ ነበረ። ካብቲ ምስ መጓሰኦም ዝነበሩሉ ዅርባታት ቀልጢፎም እዮም መጺኦም። * ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ዜደንቕ ተመክሮ ድማ ነቶም ወለዲ ነገርዎም። ኣብቲ ዅርባ ኸለዉ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ብሃንደበት መልኣኽ ተራእዮም። ክብሪ የሆዋ ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ እቲ መልኣኽ ድማ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም እተወልደ ኣበሰሮም። ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኸም ዚረኽቡ እውን ነገሮም። ድሕርዚ፡ ሓደ መስተንክር ዝዀነ ነገር ኣጋጠመ፣ ሓያሎ መላእኽቲ ንኣምላኽ እናወደሱ ተራእዩ!—ሉቃ. 2:8-14

15 እዞም ትሑታት ሰባት እዚኦም፡ ከይተደናጐዩ ናብ ቤት-ልሄም ምምጻኦም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገሮም፡ እቲ ሕጻን ደቂሱ ኸሎ ኺርእይዎ ተሃንጥዮም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ነዚ ብስራት እዚ ሰሚዖም ጥራይ ስቕ ኣይበሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እተነግሮም መልእኽቲ ኣውረዩ። ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፡ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ” እዩ ዚብል። (ሉቃ. 2:17, 18) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንጓሶት ካብ ካልኦት ሰባት ኣትሒቶም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። የሆዋ ግና ነዞም ትሑታትን እሙናትን ሰባት ኣኽቢሩ ኸም ዝረኣዮም ንጹር እዩ። ይኹን እምበር፡ ማርያም በዚ ምብጻሕ እዚ ብኸመይ ተጸልወት፧

የሆዋ ነቶም ትሑታትን እሙናትን ጓሶት ኣኽቢሩ ኸም ዝረኣዮም ንጹር እዩ

16. ማርያም ብሓቂ መስተውዓሊት ከም ዝነበረት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ ኣብ ምሉእ ህይወታ ድልድልቲ እምነት ኸተርኢ ዝሓገዛኸ እንታይ እዩ፧

16 ማርያም በቲ ሕርሲ ደኺማ ኸም ዝነበረት ፍሉጥ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ንዅሉ እቲ ዚንገር ዝነበረ ቓላት ብጥንቃቐ ትሰምዖ ነበረት። ካልእ ዝገበረቶ ነገር እውን ኣሎ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት” ይብል። (ሉቃ. 2:19) እወ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብሓቂ መስተውዓሊት እያ ነይራ። እቲ መልኣኽ እተዛረቦ መልእኽቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ ነይራ እያ። የሆዋ ኣምላኻ ብዛዕባ ወዳ ዀነ ብዛዕባ እቲ ወዳ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኽትግንዘብ ይደሊ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ማርያም ካብ ምስማዕ ንላዕሊ እያ ገይራ። ነቲ ቓላት ኵሉ ግዜ ምእንቲ ኸተስተንትነሉ፡ ኣብ ልባ ኣዋህሊላቶ እያ። እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ህይወታ ድልድልቲ እምነት ኸተርኢ ብዙሕ ሓጊዝዋ እዩ።—እብራውያን 11:1 ኣንብብ።

ማርያም ነቶም ጓሶት ተጠንቂቓ ሰምዓቶም፡ ነቲ ቓላቶም ከኣ ኣብ ልባ ኣሕደረቶ

17. ንመንፈሳዊ ሓቅታት ብዚምልከት፡ ኣብነት ማርያም ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንስኻኸ ኣብነት ማርያም ክትስዕብ ዲኻ፧ የሆዋ ነቲ ቓሉ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ብዝዀነ መንፈሳዊ ሓቅታት መሊእዎ ኣሎ። ነዚ ሓቅታት እዚ ብኣቓልቦ እንተ ዘይሰሚዕናዮ ግና ክንጥቀም ኣይንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ምእንቲ ኽንጥቀም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ዓይነት ስነ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብድራኸ መንፈስ ከም እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ጌርና ኣዘውቲርና ኸነንብቦ ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:16) ድሕሪኡ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ማርያም እትገብሮ ዝነበረት ነቲ ዘንበብናዮ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ልብና ኸነዋህልሎን ክንሓስቦን የድሊ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ ምስ እነስተንትነሉ፡ ማለት መምርሒታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእለሉ መገዲ ምስ እንሓስብ፡ እምነትና ኸነደልድል ኢና።

ኣብ ልባ ዘዋህለለቶ ተወሳኺ ነገራት

18. (ሀ) የሱስ ሕጻን ከሎ፡ ማርያምን ዮሴፍን ንሕጊ ሙሴ እተኣዘዙ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቲ ዮሴፍን ማርያምን ኣብ ቤተ መቕደስ ዘቕረብዎ መስዋእቲ ብዛዕባ ቝጠባዊ ዅነታቶም እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

18 እቲ ሕጻን ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ገበረ፡ ማርያምን ዮሴፍን ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ ገዘርዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግሮም ድማ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ። (ሉቃ. 1:31) ኣብ መበል 40 መዓልቱ ኸኣ፡ ካብ ቤት-ልሄም ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ወሰድዎ። ኣብኡ ድማ በቲ ድኻታት “ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ” ኬቕርቡ ዚፈቅድ ሕጊ መሰረት፡ መስዋእቲ ምንጻህ ኣቕረቡ። ከምቲ ኻልኦት ወለዲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ዘይምግባሮም፡ ማለት ካብ ገንሸል ወይ ባሬቶ ዝነኣሰ መስዋእቲ ምቕራቦም ኣሕፊርዎም እንተ ነይሩ፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዕንቅፋት ኪዀኖም ኣይፈቐዱን። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ናብቲ ቦታ እቲ ብምምጻኦም ሓያል መተባብዒ ረኺቦም እዮም።—ሉቃ. 2:21-24

19. (ሀ) ስምኦን ንማርያም ኣብ ልባ እተዋህልሎ እንታይ ተወሳኺ ነገራት እዩ ተዛሪብዋ፧ (ለ) ሃና ንየሱስ ምስ ረኣየቶ እንታይ እዩ ተሰሚዕዋ፧

19 ስምኦን ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ናብኦም ቀሪቡ፡ ንማርያም ኣብ ልባ እተዋህልሎ ተወሳኺ ነገራት ተዛረባ። ቅድሚ ሙማቱ ነቲ መሲሕ ከም ዚርእዮ ኣምላኽ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ እቲ ሕጻን የሱስ ብትንቢት እተነግረሉ መድሓኒ ምዃኑ ሓበሮ። ስምኦን ንማርያም ብዛዕባ እቲ ኽትጻወሮ ዘለዋ ስቓይ እውን ኣጠንቀቓ። ኣብ ነፍሳ ሰይፊ ኸም ዝኣተወ ዀይኑ ኺስምዓ ምዃኑ ገለጸላ። (ሉቃ. 2:25-35) እዚ ዜሰምብድ ቃላት እዚ፡ ነቲ ልዕሊ 30 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ዘጋጠማ ጽንኩር ኵነታት ክትዋጽኣሉ ሓጊዝዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ስምኦን፡ ሃና እትብሃል ነብዪት ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ረኣየቶ፡ ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።—ሉቃስ 2:36-38 ኣንብብ።

ማርያምን ዮሴፍን ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ሓያል መተባብዒ ረኸቡ

20. ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምውሳዶም ጽቡቕ ውሳነ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

20 ዮሴፍን ማርያምን ንወዶም ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ የሆዋ ምውሳዶምሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጽቡቕ ውሳነ ዀን እዩ ነይሩ! እቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸይተፈልየ ዘገልገለ ወዶም ናብዚ ኺመጽእ መጀመርታኡ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቤተ መቕደስ ከለዉ፡ ብዚከኣሎም ኵሉ ንኣምላኽ ኣገልጊሎም፡ መምርሕን ምትብባዕን ድማ ረኺቦምን እዮም። ማርያም ካብቲ ቤተ መቕደስ ክትወጽእ ከላ፡ እምነታ ደልዲሉ፡ ከተስተንትነሉን ንኻልኦት ከተካፍሎን ብእትኽእል መንፈሳዊ ነገራት ከኣ ልባ መሊኡ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

21. ንሕና እውን ከም ማርያም እምነትና ኸነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

21 ሎሚ፡ ወለዲ ነዚ ኣብነት እዚ ኪቐድሕዎ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ሒዞምዎም እዮም ዚኸዱ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ፡ ብዚከኣሎም ኵሉ ንኣምላኽ የገልግሉን ንኣመንቲ ብጾቶም ዜጸናንዕ ቃላት የካፍሉን እዮም። ካብቲ ኣኼባታት ድማ፡ ደልዲሎምን ተሓጒሶምን ንኻልኦት ብዜካፍልዎ ጽቡቕ ነገራት ተመሊኦምን እዮም ዚወጹ። ምሳታቶም ክትእከብሲ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ እምነትና ልክዕ ከም እምነት ማርያም ብዝያዳ ኽትድልድል እያ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ መንጎ እቲ ኣብዚ እተገልጸ ሓሳብን ኣብ መንጎ እቲ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ኣቐዲማ ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞ ዚርከብ “ማርያም ተንሲኣ . . . ኸደት” ዚብል ኣገላልጻን ዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ። (ሉቃ. 1:39) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ማርያም ሕጽይቲ ዮሴፍ ደኣ እምበር ገና ዘይተመርዓወቶ ስለ ዝነበረት፡ ንዕኡ ኸየማኸረት ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ነይራ እያ። እዞም መጻምድቲ ምስ ተመርዓዉ ግና፡ እቲ ብሓባር ዚገብርዎ ጕዕዞ ብማርያም ዘይኰነስ፡ ብዮሴፍ እዩ ኺውሰን ነይርዎ።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብቲ ግዜ እቲ ንተጐዓዝትን ንቓፍላይን መሕደሪ ቦታ ምሃብ፡ ኣብተን ሽዑ ዝነበራ ዓድታት ልሙድ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቶም ጓሶት ምስ መጓሰኦም ኣብ መሮር ምንባሮም፡ እቲ ክርስቶስ ኣብቲ መጓሰ ኣብ ጥቓ ኣባይቲ ኺሰፍራሉ ዚግባእ ወርሒ ታሕሳስ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከባቢ መጀመርያ ጥቅምቲ ኸም እተወልደ ዚሕብር መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ።