ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ትሽዓተ

ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

1-3. (ሀ) ኣብ ቤት ኣቢጋይል ሓደጋ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እዛ ንፍዕቲ ሰበይቲ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

ኣቢጋይል ኣብ ገጽ እቲ መንእሰይ ስንባደ ኣንበበት። እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ፈሪሁ እዩ ነይሩ፣ ሓቁ ኸኣ እዩ። ከመይሲ፡ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ኣንጸላልዩ ነይሩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ 400 ዚዀኑ ተዋጋእቲ ነቶም ኣብ ቤት ናባል ሰብኣይ ኣቢጋይል ዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ኪቐትልዎም ይመጹ ነበሩ። ስለምንታይ፧

2 እዚ ዅሉ ብሰንኪ ናባል እዩ ኣጋጢሙ። ናባል ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዚገብሮ፡ ጭካነን ድርቅናን ዝመልኦ ስጕምቲ ወሲዱ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንፍቑር መራሒ ሓደ እሙንን ብዚግባእ ዝሰልጠነን ጭፍራ ተዋጋእቲ ብጌጋ ጸሪፍዎ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ኻብቶም ሰራሕተኛታት ናባል፡ ምናልባት ጓሳ ኪኸውን ዚኽእል፡ ንኸተድሕኖም ገለ ነገር ከም እትገብር ብምትእምማን ናብ ኣቢጋይል መጸ። ሓንቲ ሰበይቲ እሞ ኣንጻር ሰራዊት እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧

ሓንቲ ሰበይቲ እሞ ኣንጻር ሰራዊት እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧

3 ፈለማ ግና እስከ ብዛዕባ እዛ ንፍዕቲ ሰበይቲ ቝሩብ ንመርምር። ኣቢጋይል መን እያ ነይራ፧ እቲ ጸገም ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ ዘርኣየቶ እምነትከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

“ኣስተውዓሊትን መልክዐኛን”

4. ናባል እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧

4 ኣቢጋይልን ናባልን ብባህሪኦም ፈጺሞም ኣይራኸቡን እዮም ነይሮም። ናባል ንፍዕቲ ሰበይቲ እዩ ረኺቡ፣ ንሱ ግና ንዓኣ ዚኸውን ሰብኣይ ኣይነበረን። ሓቂ እዩ፡ ናባል ሃብቲ ነይርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ እዩ ዚርእያ ነይሩ። ካልኦት ግና ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ ነይሮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ናባል ገይሩ ብንዕቀት እተገልጸ ሰብ የለን። ስሙ እውን እንተ ዀነ፡ “ዓሻ” ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ ወለዱ ዘውጽኡሉ ይኹን ወይ ደሓር እተዋህቦ ብዘየገድስ፡ ከም ስሙ እዩ ነይሩ። “ጨካን፡ ግብሩ እውን ክፉእ ነበረ።” ጨካንን ሰኽራምን ብምንባሩ፡ ኣዝዩ ይፍራህን ይጽላእን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 25:2, 3, 17, 21, 25

5, 6. (ሀ) ኣዝዩ ተፈታዊ ባህርያት ኣቢጋይል እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣቢጋይል ንሓደ ዘይረብሕ ሰብኣይ እተመርዓወት ስለምንታይ እያ ኽትከውን እትኽእል፧

5 ኣቢጋይል ግና ካብኡ ኣዝያ እተፈልየት እያ ነይራ። “ኣቦይ ተሓጐሰ” ዝትርጉሙ ስም ከኣ እዩ ነይርዋ። ብዙሓት ኣቦታት፡ በተን ምልኩዓት ደቆም ይሕበኑ እዮም። ንሓደ ጥበበኛ ኣቦ ዝያዳ ዘሐጕሶ ግና ጓሉ ውሽጣዊ ጽባቐ ምስ ዚህልዋ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓደ ደጋዊ ጽባቐ ዘለዎ ሰብ ንኸም ምስትውዓል፡ ጥበብ፡ ትብዓት፡ ወይ ከኣ እምነት ዝኣመሰለ ባህርያት ኬማዕብል ከም ዘለዎ ኣይግንዘብን እዩ። ኣቢጋይል ግና ከምኡ ኣይነበረትን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ፡ “ኣስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት” ይብል።—1 ሳሙኤል 25:3 ኣንብብ።

6 ሎሚ ገሊኦም ሰባት፡ እዛ ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ንሓደ ዘይረብሕ ሰብኣይ ምምርዓዋ የገርሞም ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ መውስቦ፡ ወለዲ ብዜማጽእዎ ይግበር ምንባሩ ኣይትረስዕ። ዋላ እውን ወለዲ ኣየማጽእዎ፡ ፍቓዶም ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ወለዲ ኣቢጋይል በቲ ናባል ዝነበሮ ሃብትን ዝናን ስለ እተማረኹ ድዮም እዚ መውስቦ እዚ ኸም ዚፍጸም ገይሮም፧ ድኽነት ድዩ ኸምዚ ኸም ዚገብሩ ገይርዎም፧ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ናባል ዝነበሮ ሃብቲ፡ ንፉዕ ብዓል ቤት ከም ዚኸውን ኣይገበሮን።

7. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ንውሉዳቶም ንመውስቦ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም ምእንቲ ኺምህርዎም እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘይብሎም፧ (ለ) ኣቢጋይል እንታይ ክትገብር እያ ቘሪጻ ነይራ፧

7 ጥበበኛታት ወለዲ ንውሉዳቶም ንመውስቦ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም ይምህርዎም እዮም። ደቆም ንገንዘብ ኢሎም ኪምርዓዉ ወይ ገና ብንእስነቶም ከም በጽሕታት ሓላፍነት ብምስካም ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ኪምስርቱ ኣየተባብዕዎምን እዮም። (1 ቈረ. 7:36) ይኹን እምበር፡ ኣቢጋይል ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ኣይትኽእልን እያ ነይራ። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ንናባል ተመርዕያቶ እያ፣ ነቲ ዝነበራ ኣጸጋሚ ዅነታት ክኢላቶ ኽትነብር ድማ ቈሪጻ ነይራ እያ።

“ዘሊፍዎም”

8. ናባል ንመን እዩ ጸሪፍዎ፧ ከምኡ ምግባሩ ዕሽነት ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

8 ናባል ንዅነታት ኣቢጋይል ዝያዳ ኸም ዚጋደድ ገይርዎ ነበረ። ከመይሲ፡ ነቲ ብነብዪ ሳሙኤል እተቐብአን ካብ ሳኦል ቀጺሉ ዚነግስን እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት እዩ ጸሪፍዎ ነይሩ። (1 ሳሙ. 16:1, 2, 11-13) ዳዊት ካብቲ ቐናእን ቀታልን ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ይሃድም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስቶም 600 ዚዀኑ እሙናት ተዋጋእቱ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ነበረ።

9, 10. (ሀ) ዳዊትን ሰቡን ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጸጋሚ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ (ለ) ናባል ነቲ ዳዊትን ሰቡን ዚገብሩሉ ዝነበሩ ነገራት ኬማስወሉ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 10 ዘላ እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

9 ናባል ኣብ ማዖን እዩ ዚነብር ነይሩ፣ ኣብ ቀርሜሎስ ይሰርሕ፡ ምናልባት እውን ኣብ ጥቓኡ መሬት ይውንን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * እተን ዓድታት ልሙዕን ኣባጊዕ ዚራባሓሉን ቦታታት ነይሩወን እዩ፣ ናባል ከኣ ኣብኡ 3,000 ኣባጊዕ ነበራኦ። ኵሉ ሸነኽ እቲ መሬት ግና ሰብ ዘይነብሮ ቦታ እዩ ነይሩ። ብሸነኽ ደቡብ፡ እቲ ሰፊሕ በረኻ ጳራን ነበረ። ብሸነኽ ምብራቕ ድማ እቲ ናብ ባሕሪ ጨው ዚወስድ መገዲ ብስንጭሮታትን በዓትታትን ዝመልአ በረኻ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኸባቢ እዚ እዮም ዳዊትን ሰቡን ሃዲኖም እናበልዑን ብዙሕ ጸገማት እናሕለፉን ዚነብሩ ነይሮም። ብተደጋጋሚ ኸኣ ምስ ጓሶት እቲ ሃብታም ዝነበረ ናባል ይራኸቡ ነበሩ።

10 እዞም ጻዕረኛታት ተዋጋእቲ፡ ነቶም ጓሶት ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም ነይሮም፧ ሓሓሊፉ ኻባታቶም ኣባጊዕ ኪወስዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምኡ ግና ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ልክዕ ከም ዜዕቍብ መካበብያ ዀይኖም ንመጓሰን ንኣገልገልትን ናባል ይሕልውዎም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 25:15, 16 ኣንብብ።) ጓሶትን ኣባጊዕን ብዙሕ ሓደጋ እዩ ዜጋጥሞም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ኣራዊት ነበሩ። ደቡባዊ ዶብ እስራኤል ከኣ ናብቲ ቦታ ቐረባ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ጭፍራ ኸተርትን ሰረቕትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የውርዱ ነበሩ። *

11, 12. (ሀ) ዳዊት ንናባል መልእኽቲ ኺልእከሉ ኸሎ፡ ሜላን ኣኽብሮትን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ናባል ንመልእኽቲ ዳዊት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ጌጋ እዩ ገይሩ፧

11 ንዅሎም እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ሰብኡት ምምጋብ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሓደ መዓልቲ ዳዊት ሓገዝ ንምሕታት ዓሰርተ መልእኽተኛታት ናብ ናባል ለኣኸ። ጽቡቕ እዋን ከኣ እዩ መሪጹ። ከመይሲ፡ ሽዑ ኣባጊዕ ዚቕምቀማሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ልግሲ ምሃብን ድግስ ምግባርን ልሙድ እዩ ነይሩ። ዳዊት ንቓላቱ እውን ተጠንቂቑ ብምምራጽ፡ ትሕትና ዝመልኦ ኣዘራርባ እዩ ተጠቒሙ። ንዕድመ ናባል ኣኽቢሩ ብምርኣይ፡ “ንወድኻ ዳዊት” ኢሉ ተዛረበ። እሞኸ ናባል እንታይ ምላሽ ሃበ፧—1 ሳሙ. 25:5-8

12 ኣዝዩ ተቘጥዐ! እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ንኣቢጋይል ኪገልጸላ ኸሎ፡ “ዘሊፍዎም” በላ። ናባል ኣዝዩ ስሱዕ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እንጌራኡን ማዩን ዝሓረዶ ሕሩዱን ዓጀውጀው በለ። ንዳዊት ከኣ ከም ዘይረብሕ ሰብ ገይሩ ኣላገጸሉ፣ ካብ ጐይታኡ ምስ ዝሃደመ ኣገልጋሊ ድማ ኣመሳሰሎ። እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስ ኣመለኻኽታ እቲ ንዳዊት ዚጸልኦ ዝነበረ ሳኦል ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ኣረኣእያኦም ካብ የሆዋ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዳዊት የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ከም ዓለወኛ ኣገልጋሊ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ከም ዚኸውን ሰብ ገይሩ ኸኣ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—1 ሳሙ. 25:10, 11, 14

13. (ሀ) ናባል ንዳዊት ምስ ጸረፎ፡ ፈለማ ዳዊት እንታይ ምላሽ ሃበ፧ (ለ) እቲ ኣብ ያእቆብ 1:20 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝሃቦ ምላሽ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

13 እቶም ዳዊት ዝለኣኾም ሰባት ተመሊሶም መጺኦም ኵሉ ነገር ምስ ነገርዎ፡ ዳዊት ኣዝዩ ሓረቐ። “ነፍሲ ወከፍኩም ሰሰይፍኹም ተዓጠቑ” ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም። ንሱ እውን ተዓጢቑ ምስ 400 ሰብኡት ከደ። ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት ናባል ዚርከብ ወዲ ተባዕታይ ከም ዜጥፍእ ከኣ መሓለ። (1 ሳሙ. 25:12, 13, 21, 22) ዜሕርቕ ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ፡ እቲ ንሕርቃኑ ዝገለጸሉ መገዲ ግና ጌጋ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ይብል። (ያእ. 1:20) ኰይኑ ግና፡ ኣቢጋይል ብኸመይ እያ ንስድራ ቤታ ኸተድሕን እትኽእል፧

“ልብምናኺ ኸኣ ይባረኽ!”

14. (ሀ) ኣቢጋይል ነቲ ናባል ዝፈጸሞ ጌጋ ንምዕራይ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ዝወሰደት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ካብቲ ናባልን ኣቢጋይልን ዝነበሮም ፍልልይ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

14 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ኣቢጋይል ነቲ እተፈጸመ ዓብዪ ጌጋ ንምዕራይ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ከም ናባል ሰብኣያ ዘይኰነትስ፡ ንምስማዕ ፍቓደኛ እያ ነይራ። እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ብዛዕባ ናባል ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይክእል ዘይጠቅም ሰብ እዩ” በለ። * (1 ሳሙ. 25:17) እቲ ዜሕዝን፡ ናባል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ፡ ዘረባ ሰብ ከም ዘይሰምዕ እዩ ገይርዎ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ትዕቢት ልሙድ እዩ። እቲ መንእሰይ ግና ኣቢጋይል ካብኡ እተፈልየት ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ጸገም ኬካፍላ ናብኣ ዝቐረበ።

ኣቢጋይል ከም ናባል ዘይኰነትስ፡ ክትሰምዕ ፍቓደኛ እያ ነይራ

15, 16. (ሀ) ኣቢጋይል ከምታ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ እተገልጸት ክኢላ ሰበይቲ ምንባራ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ (ለ) እቲ ኣቢጋይል ዝወሰደቶ ስጕምቲ ንርእስነት ሰብኣያ ከም ዝነዓቐት ዘየርኢ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣቢጋይል ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምሕሳብ፡ ቀልጢፋ ስጕምቲ ወሰደት። ኣብዛ ጸብጻብ እዚኣ ጥራይ ኣርባዕተ ግዜ “ቐልጢፋ” ስጕምቲ ብዛዕባ ምውሳዳ ዚገልጽ ቃል ንረክብ ኢና። ኣቢጋይል ንዳዊትን ሰቡን ዚኸውን ህያብ ኣዳለወት። እዚ ድማ እንጌራን ወይንን ኣባጊዕን ቆሎን ጐጎ ዘቢብን ጐጎ በለስን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ኣቢጋይል ልክዕ ከምታ ጸኒሓ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ እተጠቕሰት ክኢላ ሰበይቲ፡ ኣብ ቤታ ብዛዕባ ዝነበረ ዅሉ ነገራት ትፈልጥን ትቈጻጸርን ነይራ እያ። (ምሳ. 31:10-31) ነቲ ዘዳለዋቶ ምግቢ ብኣገልገልታ ገይራ ቐቅድሚኣ ለኣኸቶ፣ ንበይና ኸኣ ሰዓበቶም። “ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።”—1 ሳሙ. 25:18, 19

16 ኰይኑ ግና፡ ኣቢጋይል ንርእስነት ሰብኣያ ኣይተኽብርን እያ ነይራ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ናባል ኣንጻር ቅቡእ ኣገልጋሊ የሆዋ እዩ እኩይ ነገራት ገይሩ፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ንጹሃት ኣባላት ስድራ ቤቱ ሞት ኬስዕብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣቢጋይል ስጕምቲ እንተ ዘይትወስድ ነይራ፡ ኣብ ገበን ሰብኣያ ተኻፋሊት ደይኰነትን እትኸውን፧ ስለዚ፡ ካብ ሰብኣያ ንላዕሊ ንኣምላኽ ተኣዘዘት።

17, 18. ኣቢጋይል ንዳዊት ብኸመይ እያ ቐሪባቶ፧ እንታይ እያ ኢላቶ፧ እቲ ዘረባኣ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዝኸኣለኸ ብኸመይ እዩ፧

17 ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ኣቢጋይል ምስ ዳዊትን ምስ ሰቡን ተራኸበት። ቀልጢፋ ኻብ ኣድጊ ወሪዳ ድማ ንዳዊት ሰገደትሉ። (1 ሳሙ. 25:20, 23) ድሕሪኡ፡ ንሰብኣያን ንስድራ ቤታን ምሕረት ኪግበረሎም ሓያል ልመና ብምቕራብ ንዳዊት ናይ ሓቂ ስምዒታ ገለጸትሉ። እቲ ዘረባኣ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

“በጃኻ፡ ገረድካ ትዛረብ”

18 ብዛዕባ እቲ ጸገም ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ንዳዊት ይቕረታ ኺገብረላ ሓተተቶ። ሰብኣያ ልክዕ ከም ስሙ ዓሻ ኸም ዝዀነ ኽትገልጽ ከላ፡ ዳዊት ንኸምዚ ዓይነት ሰብኣይ ምቕጻዑ ንኽብረቱ ኸም ዚትንክፎ እያ እትሕብሮ ነይራ። ዳዊት “ውግእ የሆዋ” ኸም ዚዋጋእ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ከም ወኪል የሆዋ ገይራ ኸም እትርእዮ ገለጸት። ብዘይካዚ፡ ‘የሆዋ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ገይሩ ከም ዝሸሞ’ ብምዝራብ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ዳዊትን ብዛዕባ ንዕኡ ዚህቦ ንግስናን ዝኣተዎ ቓል ከም እትፈልጦ ሓበረት። ብተወሳኺ እውን፡ ዳዊት ደም ከም ዜፍስስ ዚገብሮ፡ ጸኒሑ ድማ ‘ዜጣዕሶ’ ስጕምቲ ኸይወስድ ተማሕጸነቶ። (1 ሳሙኤል 25:24-31 ኣንብብ።) ከመይ ዝበለ ለውሃት ዝመልኦን ልቢ ዚትንክፍን ቃላት ኰን እዩ!

19. ዳዊት ንዘረባ ኣቢጋይል እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡሉ፧ ስለምንታይከ እዩ ኣመስጊንዋ፧

19 ዳዊት እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ነቲ ኣቢጋይል ዘምጽኣቶ ተቐቢሉ፡ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትረኽብኒ ዝሰደደኪ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ! ልብምናኺ ኸኣ ይባረኽ! ንስኺ እውን ናብ ዕዳ ደም ካብ ምእታውን ብኢደይ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ስለ ዝዓገትክኒ፡ ብርኽቲ ኹኒ” በላ። ምስኡ ኽትራኸብ ቀልጢፋ ብምምጻኣ ኣመስገና፣ ናብ ዕዳ ደም ካብ ምእታው ከም ዝኸልከለቶ ድማ ተኣመነ። “ብሰላም ናብ ቤትኪ ደይቢ” በላ፣ ኣስዒቡ እውን ብትሕትና፡ “ሰሚዐኪ” በላ።—1 ሳሙ. 25:32-35

“እነኹ ግዝእትኻ”

20, 21. (ሀ) ኣቢጋይል ናብ ሰብኣያ ምምላሳ ዘንእዳ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣቢጋይል ንናባል እትዛረበሉ ግዜ ኽትመርጽ ከላ፡ ትብዓትን ምስትውዓልን ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

20 ዳዊትን ኣቢጋይልን ምስ ተፈላለዩ፡ ኣቢጋይል ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዝርርብ ትሓስብ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብ መንጎ እቲ እሙንን ሕያዋይን ዝነበረ ዳዊትን እቲ እተመርዓወቶ ጨካን ሰብኣይን ንዘሎ ፍልልይ እውን ከም ዘስተብሃለትሉ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ኣይሓሰበትን። ከመይሲ፡ “ኣቢጋይል ከኣ ናብ ናባል ተመልሰት” ዚብል ነንብብ ኢና። እወ፡ ክሳዕ ዚከኣላ ነቲ ኸም ሰበይቱ መጠን ዘለዋ ግደ ኽትፍጽም ብምቝራጽ ናብ ሰብኣያ ተመልሰት። ብዛዕባ እቲ ንዳዊትን ንሰቡን ዝሃበቶም ህያብ ክትነግሮ የድልያ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ኪፈልጥ መሰል ነይርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ እተወገደ ሓደጋ ኻብ ካልእ ሰብ እንተ ሰሚዑ ዝገደደ ስለ ዚዋረድ፡ ባዕላ ኽትነግሮ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ምስ ተመልሰት ግና፡ ሽዑሽዑ ኽትነግሮ ኣይከኣለትን። ከመይሲ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ድግስ ኣዳልዩን ኣዝዩ ሰኺሩን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 25:36

ኣቢጋይል ንናባል፡ ህይወቱ ምእንቲ ኸተድሕን እንታይ ከም ዝገበረት ብትብዓት ነገረቶ

21 ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ትብዓትን ምስትውዓልን ብምርኣይ፡ ክሳዕ ስኽራኑ ዚወጸሉ፡ ማለት ክሳዕ ንጽባሒቱ ጸንሐት። ስኽራኑ ምስ ወጸሉ ብህዱእ ልቢ ኺሰምዓ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ብዝያዳ ኪቝጣዕ እውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ነገር ነገረቶ። ብሓርቖት ኪግንፍል፡ ምናልባት እውን ኪንድር ከም እተጸበየት ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሱ ግና፡ ተዓኒዱ ተረፈ።—1 ሳሙ. 25:37

22. ንናባል እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ብዛዕባ ዜጋጥም ጭከና ወይ ህስያኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

22 ንናባል እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ “ልቡ ኸም ናይ ምዉት ሰብ ኰነ፡ ለሚሱ እውን ከም እምኒ ዀነ።” ምናልባት ወቕዒ ኣጋጢምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ድማ ሞተ፣ ብምኽንያት ሕማም ጥራይ ግና ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንናባል ወቕዖ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ” ይብለና። (1 ሳሙ. 25:38) ሳላ እዚ ፍትሓዊ ቕትለት ከኣ፡ ኣቢጋይል ካብቲ ተካል ሓዳር እቲ ተገላገለት። ሎሚ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ብምቕታል ኢዱ ዘየእቱ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ንዜጋጥም ጭከና ወይ ህስያ ዕሽሽ ኢሉ ኸም ዘይሓልፎ ዜርኢ እዩ። ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ፍትሒ ኼውጽእ እዩ።—ሉቃስ 8:17 ኣንብብ።

23. ኣቢጋይል እንታይ ተወሳኺ በረኸት እያ ረኺባ፧ ሰበይቲ ዳዊት ክትከውን ሕቶ ምስ ቀረበላ፡ ንርእሳ ኽብ ዘየበለትከ ብኸመይ እያ፧

23 ኣቢጋይል ካብ ሕማቕ ሓዳር ተገላጊላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ በረኸት እውን ይጽበያ ነይሩ እዩ። ዳዊት ብዛዕባ ሞት ናባል ምስ ፈለጠ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ኪሓትትዋ ኢሉ መልእኽተኛታት ለኣኸላ። ኣቢጋይል ድማ፡ “ገረድ ኰይነ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ክሓጽብሲ እነኹ ግዝእትኻ” ኢላ መለሰትሉ። ብርግጽ እምበኣር፡ ሰበይቲ ዳዊት ክትከውን ሕቶ ምስ ቀረበላ፡ ንርእሳ ኽብ ኣየበለትን። የግዳስ፡ ኣገልጋሊት ገላዉኡ ኽትከውን እያ ሓቲታ። ሽዑ እውን ከምቲ ኣቐዲማ ዝገበረቶ፡ ቀልጢፋ ብምትንሳእ ናብ ዳዊት ክትከይድ ተዳለወት።—1 ሳሙ. 25:39-42

24. ኣቢጋይል ኣብቲ ሓድሽ ሓዳር እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዋ፧ ሰብኣያ ዳዊትን የሆዋ ኣምላኻንከ ብኸመይ እዮም ዚርእይዋ ነይሮም፧

24 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኵሉ ነገር ምሹእ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ዳዊት ኣቐዲሙ ንኣሒኖዓም ተመርዕዩዋ ነይሩ እዩ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣምላኽ ድርብ መውስቦ ፈቒዱ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ንሓንቲ እምንቲ ሰበይቲ፡ ጸገም እዩ ዚፈጥረላ ነይሩ። ዳዊት እውን እንተ ዀነ ገና ንጉስ ኣይኰነን ነይሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንየሆዋ ንጉስ ኰይኑ ቕድሚ ምግልጋሉ፡ ብዙሕ ዕንቅፋትን ጸገምን የጋጥሞ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ዳዊት እናተደጋገፉ ኺነብሩ ኸለዉ፡ ኣኽቢሩ ዚርእያን ካብ ሓደጋ ዜዕቍባን ሰብኣይ ከም ዘለዋ ረኣየት፣ ወዲ ኸኣ ወለደትሉ። ኣብ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ ካብ ጨወይቲ ኣድሒንዋ እዩ! (1 ሳሙ. 30:1-19) በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ነቲ ንኣስተውዓሊትን ተባዕን እምንትን ሰበይቲ ኣኽቢሩ ዚርኢ የሆዋ ኣምላኽ ቀድሖ።

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ቀርሜሎስ፡ ነቲ ብሸነኽ ሰሜን ዚርከብ ነብዪ ኤልያስ ምስ ነብያት በዓል እተራኸበሉ ህቡብ ከረን ዜመልክት ኣይኰነን። (ምዕራፍ 10 ርአ።) የግዳስ፡ ነታ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ በረኻ እትርከብ ከተማ እዩ ዜመልክት።

^ ሕ.ጽ. 10 ዳዊት ነቶም ወነንቲ መሬትን መጓሰኦምን ምሕላው ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ምግልጋል ገይሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብታ መሬት ኪነብሩ ዕላማ የሆዋ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ መሬት ካብ ወረርትን ጭፍራ ኸተርትን ምሕላው ከም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 14 እቲ መንእሰይ እተጠቕመሉ መግለጺ፡ ኣብ ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ተዛሪቡ ኼስምዖ ዘይክእል ነቓጽ ሰብ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ‘ንናባል ምዝራብ ዋጋ ኣይነበሮን።’