ማርቆስ 6:1-56

  • የሱስ ኣብ ዓዱ ተቐባልነት ኣይረኸበን (1-6)

  • ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብዛዕባ ኣገልግሎት ትእዛዝ ተዋህቦም (7-13)

  • ሞት ዮሃንስ መጥምቕ (14-29)

  • የሱስ ን5,000 መገበ (30-44)

  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ (45-52)

  • ኣብ ጌንሳሬጥ ኣሕወየ (53-56)

6  ካብኡ ነቒሉ ናብ ዓዱ መጸ፣+ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዓብዎ።  ሰንበት ምስ ኰነ፡ ኣብ ምኵራብ ኪምህር ጀመረ፣ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ተገረሙ፣ ከምዚ ድማ በሉ፦ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ኻበይ ረኺብዎ፧+ እዚ ጥበብ እዚ ንዕኡ እተዋህቦን ብኣእዳዉ ኸምዚ ዝበለ ግብርታት ሓይሊ እተገብረንከ ስለምንታይ እዩ፧+  እዝስ እቲ ጸራቢ+ ወዲ ማርያም፡+ ሓው ያእቆብን+ ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን+ ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚ ምሳናዶ የለዋን፧” ብእኡ ድማ ተዓንቀፉ።  የሱስ ግና፡ “ነብዪ ብዘይካ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም።+  ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይካ ንሒደት ሕሙማት ኣእዳዉ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ግብሪ ሓይሊ ኺገብር ኣይከኣለን።  ብዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሃረ ኸኣ ኣብተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኣቝሻት ዞረ።+  ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም፣ በብኽልተ ኺልእኮም እውን ጀመረ፣+ ርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽኡ ኸኣ ስልጣን ሃቦም።+  ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ እንጌራ ዀነ፡ ለቘታ ስንቂ ዀነ፡ ገንዘብ* እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም፣+  ኣሳእኖም ኪወድዩ እምበር፡ ክልተ ቐምሽ* ከይክደኑ ነገሮም። 10  ከምዚ እውን በሎም፦ “ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኣ ተቐመጡ።+ 11  ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ቦታ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።”+ 12  ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ሰባት ምእንቲ ኺንስሑ ሰበኹ፣+ 13  ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፣+ ንብዙሓት ሕሙማት እውን ዘይቲ ለኽዮም ኣሕወይዎም። 14  ስም የሱስ ተወርዩ ስለ ዝነበረ፡ ንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ እዚ ሰምዐ። ሰባት ከኣ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ እዩ ብእኡ ግብርታት ሓይሊ ዚግበር ዘሎ” ይብሉ ነበሩ።+ 15  ካልኦት ግና፡ “ኤልያስ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ከኣ፡ “ከም ሓደ ኻብ ናይ ጥንቲ ነብያት ዝበለ ነብዪ እዩ” ይብሉ ነበሩ።+ 16  ሄሮድስ ግና እዚ ምስ ሰምዐ፡ “እቲ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ፡ ንሱ ተንሲኡ” በለ። 17  ከመይሲ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ፡ ብሰሪ እታ እተመርዓዋ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ልኢኹ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።+ 18  ምኽንያቱ፡ ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ “ሰበይቲ ሓውካ ናትካ ኽትገብራ ኣይተፈቕደልካን” ይብሎ ነበረ።+ 19  ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎ እውን ትደሊ ነበረት፣ ግናኸ ኣይከኣለትን። 20  ሄሮድስሲ ንዮሃንስ፡ ጻድቕን ቅዱስን ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ፣+ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። መምስ ሰምዖ ድማ፡ ዚገብሮ ይጠፍኦ ነበረ፣ ግናኸ፡ ተሓጒሱ ይሰምዖ ነበረ። 21  ሄሮድስ ብመዓልቲ ልደቱ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣኑን ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣውራታት ገሊላን+ ድራር ምስ ገበረሎም ግና፡ ምሽእቲ መዓልቲ መጸት።+ 22  ጓል ሄሮድያዳ ኣትያ ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡን ድማ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ “ዝደለኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ እየ” በላ። 23  “ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ እውን መሓለላ። 24  ንሳ ድማ ወጺኣ ንኣዲኣ፡ “እንታይ ክልምኖ፧” በለታ። ንሳ ኸኣ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ” በለታ። 25  ብኡብኡ፡ ቀልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሸሓኒ ጌርካ ኽትህበኒ እየ ዝደሊ” ኢላ ለመነት።+ 26  እቲ ንጉስ ኣዝዩ እኳ እንተ ሓዘነ፡ ስለቲ ማሕላታቱን ስለቶም ኣጋይሹን* ግና፡ ኪኣብያ ኣይደለየን። 27  ብኡብኡ ድማ፡ እቲ ንጉስ ንሓደ ዘብዐኛ፡ ርእሲ ዮሃንስ ኬምጽእ ኣዚዙ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፎ። 28  ርእሱ ኣብ ሸሓኒ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፣ እታ ጓል እውን ንኣዲኣ ሃበታ። 29  ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሰምዑ ድማ መጺኦም ሬሳኡ ወሲዶም፡ ኣብ መቓብር ኣንበርዎ። 30  እቶም ሃዋርያት ድማ፡ ናብ የሱስ ተኣከቡ፣ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ ኸኣ ነገርዎ።+ 31  ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ብዙሓት ይመጹን ይኸዱን ስለ ዝነበሩ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም።+ 32  በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ።+ 33  ኪኸዱ ኸለዉ ግና፡ ሰባት ረኣይዎም፡ ብዙሓት እውን ፈለጡ፣ ካብ ኵለን ከተማታት ድማ፡ ብእግሪ ጐይዮም ቀደምዎም። 34  ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ፣ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ፡+ ደንገጸሎም።+ ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።+ 35  ግዜ ኸይዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ጽምውቲ እያ፡ ግዜ ድማ ከይዱ እዩ።+ 36  ኣብ ከባቢና ናብ ዘሎ ገጠራትን ኣቝሻትን ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ፡ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 37  ንሱ ግና፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኬድናዶ ናይ 200 ዲናር* እንጌራ ዓዲግና ኺበልዑ ኽንህቦም፧” በልዎ።+ 38  ንሱ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ ኪዱ ርኣዩ!” በሎም። ምስ ኣረጋገጹ፡ “ሓሙሽተ፡ ክልተ ዓሳ እውን” በልዎ።+ 39  ንዅላቶም ከኣ በብጕጅለ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ።+ 40  ንሳቶም ድማ በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41  ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ከኣ ጠሚቱ ባረኸ።+ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ነቶም ህዝቢ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ነቲ ኽልተ ዓሳ እውን ንዅላቶም መቐሎም። 42  ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ 43  ብዘይካ ኻብቲ ዓሳታት፡ 12 መሶብ ምሉእ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+ 44  እቶም ካብቲ እንጌራ ዝበልዑ ድማ፡ 5,000 ሰብኡት ነበሩ። 45  ብኡብኡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኸም ዚድይቡ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሰናብቶም ድማ፡ ናብ ስግር ናብ ቤት-ሳይዳ ኸም ዚቕድምዎ ገበረ።+ 46  ምስ ኣሰናበቶም ግና፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ።+ 47  ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፣ ንሱ ግና በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።+ 48  ንፋስ ኣንጻሮም ስለ ዝነበረ፡ ንምቕዛፍ ኪቃለሱ ምስ ረኣዮም፡ ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ኣብ ራብዓይ ክፋል ሓለዋ ለይቲ* ናባታቶም በጽሐ፣ ግናኸ፡ ኪሓልፎም ኢሉ ነበረ። 49  ብባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ “ምትሃት እዩ!” ኢሎም ሓሲቦም ኣእወዩ። 50  ኵላቶም ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ተረበሹ። ብኡብኡ ግና፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” ኢሉ ተዛረቦም።+ 51  ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ደየበ፣ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ። ሽዑ፡ ንሳቶም ኣዝዮም ኣስተንከሩ፣ 52  ከመይሲ፡ ልቦም ተደፊኑ ነበረ እምበር፡ ትርጉም እቲ እንጌራ ኣይተረድእዎን ነበሩ። 53   ናብ ምድሪ ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ኣብኡ መልህቕ ደርብዮም ነታ ጃልባ ኣቘምዋ።+ 54  ካብ ጃልባ ምስ ወረዱ ግና፡ ብኡብኡ ሰባት ኣለለይዎ እሞ፡ 55  ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ ጐይዮም፡ ዝሓመሙ ብቓሬዛ ጾይሮም ናብታ ኸም ዘለዋ እተነግሮም ቦታ ኼምጽእዎም ጀመሩ። 56  ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ኣቝሻት ኰነ፡ ከተማታት ኰነ፡ ወይ ገጠራት፡ ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት ይገብርዎም ነበሩ፣ ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ እውን ይልምንዎ ነበሩ።+ ኵሎም እቶም ዝተንከዩ እውን ሓወዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ነሓሲ።”
ወይ፡ “ቅያር ቀምሽ።”
ወይ፡ “ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩን።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ማለት፡ ካብ ለይቲ ሰዓት 3:00 ቅ.ቀ. ኣቢሉ ኽሳዕ እቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀ. ኣቢሉ።