ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ማርያም

ንሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ

ንሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ

ማርያም ቃላት ኪገልጾ ብዘይክእል ጓሂ ተዀምቲራ ዅርምይ በለት። እተን ወዳ ንሰዓታት ድሕሪ ምስቓዩ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት፡ ገና ኣብ ኣእዛና የቃልሓ ነበራ። ገና ፍርቂ መዓልቲ ኸሎ፡ ሰማይ ጸልመተ። ብሃንደበት ድማ ምድሪ ብሓይሊ ኣንቀጥቀጠት። (ማቴዎስ 27:45, 51) ማርያም፡ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ብሞት የሱስ ክርስቶስ ኣመና ኸም ዝሓዘነ ንዓለም ዜርእያ ዝነበረ መሲልዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ብርሃን ነቲ ንጎልጎታ ወይ ንቦታ ቐረንቀራ ሸፊንዎ ዝነበረ ጸልማት ምስ ቀንጠጦ፡ ማርያም ንወዳ ሓዘነትሉ። (ዮሃንስ 19:17, 25) ቀደም ምስ ወዳ ዘሕለፈቶ ነገራት ድማ ኣብ ኣእምሮኣ ቕጅል በላ። ምናልባት ነቲ ቕድሚ 33 ዓመት ይገብር ዘጋጠማ ነገር ዘኪራቶ ኽትከውን ትኽእል እያ። ንሳን ዮሴፍን ነቲ ኽቡር ወዶም ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ምስ ኣቕረብዎ፡ ሓደ ስምኦን ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ትንቢት ተነበየ። የሱስ ዓበይቲ ነገራት ከም ዚገብር ከኣ ገለጸ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ ማርያም ነዊሕ ሰይፊ ናብ ነፍሳ ኸም ዚኣቱ ሓበረ። (ሉቃስ 2:25-35) ማርያም ኣብቲ ንወዳ ብሞት ዝሰኣነትሉ ዜሕዝን እዋን፡ ንሓቅነት እተን ስምኦን እተዛረበን ቃላት ምሉእ ብምሉእ ተረድኣተን።

ማርያም ብሰይፊ ሓዘን ተወጊኣ እያf

ሞት ውሉድ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዚኸፍአን መዓንጣኻ ዜሕርርን ምዃኑ እዩ ዚንገር። እወ፡ ሞት ኣመና ጨካን ጸላኢ እዩ፣ ብእተፈላለየ መገዲ ድማ ይጐድኣና እዩ። (ሮሜ 5:12፣ 1 ቈረንቶስ 15:26) ኰይኑ ግና፡ ንኸምዚ ዓይነት ጕድኣት ክትሰግሮ ይከኣል ድዩ፧ ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣገልግሎት የሱስን ክንዮኡን ዝነበረ ህይወት ማርያም ክንምርምሮ ኸለና፡ ብዛዕባ እታ ማርያም ንሰይፊ ሓዘን ንኽትጻወሮ ዘኽኣለታ እምነት ብዝያዳ ኽንፈልጥ ኢና።

“ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ”

ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እስከ ንድሕሪት ንመለስ፣ ማርያም፡ ለውጢ ይመጽእ ከም ዝነበረ ተፈሊጥዋ ነይሩ እዩ። ኣብታ ናዝሬት እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ እውን እንተ ዀነ፡ ዮሃንስ መጥምቕን እቲ ንንስሓ ዚምልከት ዜነቓቕሕ መልእኽቱን፡ መዛረቢ ዀይኑ ነይሩ እዩ። ማርያም፡ እቲ ዓብዪ ወዳ ነቲ መዛረቢ ዀይኑ ዝነበረ ጉዳይ፡ ኣገልግሎቱ ዚጅምረሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ዚሕብር ምልክት ገይሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ተረዲእዋ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 3:1, 13) የሱስ ንማርያምን ንስድራ ቤታን ሓዲግዎም እንተ ኸይዱ፡ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ እዩ ዜጋጥሞም። ስለምንታይ፧

ዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ድሮ ሞይቱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ማርያም ብተደጋጋሚ ጸገማት ኣጋጢምዋ ነይሩ ማለት እዩ። * የሱስ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን ኪጽዋዕ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ንስራሕ ኣቦኡ የካይዶ፡ ነታ ድሕሪኡ ንእተወልዱ ሽዱሽተ ቘልዑ እተጠቓልል ስድራ ቤቱ ድማ ይኣልያ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። (ማቴዎስ 13:55, 56፣ ማርቆስ 6:3) ነቲ ኻብኡ ቐጺሉ እተወልደ ያእቆብ ሓዉ ንስራሕ እታ ስድራ ቤት ምእንቲ ኼካይዶ የሰልጥኖ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ በዅሪ ውሉድ ካብ ስድራ ቤቱ ኺፈላለ ኸሎ ግና ከቢድ እዩ። ማርያም ድሮ ጾር ከቢድዋ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ለውጢ ኣፍሪሁዋ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብዝያዳ ዜገድስ ካልእ ሕቶ ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ፡ “የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዚግበረሉ ዝነበረ መሲሕ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ ምስ ኰነ፡ ማርያም እንታይ ክትብል እያ፧” ዚብል እዩ። ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚገልጾ ነገር ኣሎ።—ዮሃንስ 2:1-12

የሱስ ናብ ዮሃንስ ከይዱ ምስ ተጠምቀ፡ ቅቡእ ወይ መሲሕ ኣምላኽ ኰነ። (ሉቃስ 3:21, 22) ድሕሪኡ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኺመርጽ ጀመረ። ዕዮኡ ህጹጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ስድራ ቤቱን ምስ ፈተውቱን ኰይኑ እውን ዜሐጕስ ኣጋጣሚታት የሕልፍ ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን፡ ምስ ኣዲኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኑ፡ ካብ ናዝሬት 13 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ኵርባ ኣብ እትርከብ ከተማ ቃና ናብ እተገብረ መርዓ ኸይዱ ነይሩ እዩ። ኣብ መንጎ እቲ መርዓ፡ ማርያም ገለ ጸገም ከም ዘጋጠመ ፈለጠት። ምናልባት ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት እቶም መርዑት፡ ብስምባድ ኪጠማመቱን ኬሕሸዅሽኹን ከለዉ ርእያቶም ትኸውን። ከምኡ ዘጋጠመሉ ምኽንያት፡ ወይኒ ስለ እተወድአ እዩ ነይሩ። ኣብ ባህሊ ኣይሁድ፡ ንእንግዶት ዚኸውን ወይኒ ተወዲኡ ማለት፡ ነታ ስድራ ቤት ዜሕፍርን እቲ ውራይ ከም ዚበላሾ ዚገብርን እዩ ነይሩ። ማርያም ንስምዒት እቶም ሰብ ውራይ ስለ እተረድኣትሎም ድማ፡ ንየሱስ ገለ ነገር ንኺገብር ክትልምኖ ወሰነት።

ማርያም ንወዳ፡ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ። እንታይ ኪገብር እያ ተጸብያ ነይራ፧ ብርግጽ እንፈልጦ ነገር የልቦን፣ ኰይኑ ግና፡ ወዳ፡ ዜደንቕ ነገራት ኪገብር ዚኽእል ዝዓበየ ሰብ ከም ዝዀነ ትፈልጥ ነይራ እያ። ምናልባት እውን ነቲ ዜደንቕ ነገራት ሽዑ ኺጅምሮ ተስፋ ገይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ስለዚ፡ “ዝወደይ፡ በጃኻ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ገለ ግበር” እያ እትብሎ ነይራ። የሱስ ግና ዜገርም መልሲ ሃባ። “ኣቲ ሰበይቲ፡ እዚ ንዓይን ንዓኽን ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧” በላ። ብዙሓት ሰባት ንቓላት የሱስ ብጌጋ ዚርድእዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ኣዘራርባ እዚ ንዕቀት ዜንጸባርቕ ኣይኰነን ነይሩ። ሓውሲ ተግሳጽ እዩ ግና ነይሩ። የሱስ ንኣዲኡ፡ እቲ ንኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ መገዲ ንዓኣ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣቦኡ ኸም ዚምልከቶ እዩ ዚነግራ ነይሩ።

ማርያም ኣስተውዓሊትን ትሕትትን ስለ ዝነበረት፡ ንመአረምታ ወዳ ተቐበለቶ። ነቶም ኣብቲ ውራይ ዜአንግዱ ዝነበሩ ድማ፡ “ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” ጥራይ በለቶም። ንወዳ ኸምዚ ግበር፡ ከምቲ ኣይትግበር ክትብሎ ኸም ዘይትኽእል ተገንዚባ ነበረት፣ ከመይሲ፡ ንዓኣ ዀነ ንኻልኦት ሰባት መምርሒ ኺህቦም ዚኽእል፡ የሱስ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ልክዕ ከም ማርያም ነቶም መርዑት ደንጊጹሎም እዩ። ንማይ ናብ ወይኒ ብምቕያር ድማ ናይ መጀመርታ ተኣምር ፈጸመ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “ደቀ መዛሙርቱ . . . ብእኡ ኣመኑ።” ማርያም እውን ብእኡ ኣመነት። ከም ወዳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ጐይታኣን መድሓኒኣን ገይራ ኸኣ ክትርእዮ ጀመረት።

ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብ እምነት ማርያም ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ከም የሱስ ዝበለ ቘልዓ ዘዕበየ ኻልእ ወላዲ ኸም ዘየለ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ዘይፍጹም ቈልዓ ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ምስ በጽሐ ዜጋጥም ለውጥታት፡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወላዲ ነቲ ውሉዱ ኸም ቈልዓ ገይሩ ኺርእዮ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባር ግቡእ ከይከውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:11) እሞኸ ሓደ ወላዲ ነቲ ዚዓቢ ዘሎ ውሉዱ ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ እቲ እሙን ውሉድካ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚትግብሮን ከምኡ ብምግባሩ በረኸት የሆዋ ኸም ዚረክብን ዘሎካ ምትእምማን ብምግላጽ እዩ። ሓደ ወላዲ ብትሕትና ተደሪኹ ኣብ ውሉዱ ዘለዎ ምትእምማን ዚገልጽ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዚዓቢ ዘሎ ውሉድ ብዙሕ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ማርያም ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘይርሳዕ ዓመታት ዝገበረትሉ ደገፍ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

“ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ”

ኣብቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ኣገልግሎት የሱስ፡ ወንጌላት ብዛዕባ ማርያም ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምናልባት ገና ንኣሽቱ ቘልዑ እተዕቢ ንጽል ኣደን መበለትን ምንባራ ኽንርስዕ የብልናን። ንየሱስ፡ ኣብ ብምሉኡ ዓዱ እናሰበኸ ኺዘውር ከሎ ኽትስዕቦ እንተ ዘይከኣለት እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር፡ ነቲ ብዛዕባ መሲሕ ዝፈለጠቶ መንፈሳዊ ነገራት ተስተንትነሉን ነቲ ናይ ኵሉ ሳዕ ልማድ ስድራ ቤታ ብምስዓብ ኣብ ምኵራብ ትእከብን ነበረት።—ሉቃስ 2:19, 51፣ 4:16

እሞኸ ማርያም፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዚርከብ ምኵራብ ኪዛረብ ከሎ ሰሚዓቶ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ የሱስ፡ እቲ ቕድሚ ብዙሕ ዘመናት ብዛዕባ መሲሕ እተነግረ ትንቢት፡ ኣብኡ ኸም እተፈጸመ ኺዛረብ ከሎ፡ ማርያም ኣዝያ ተደኒቓ ኽትከውን ትኽእል እያ። እቶም ካልኦት ደቂ ናዝሬት ንወዳ ኸም ዘይተቐበልዎ ምስ ረኣየት ግና፡ ሓዚና ኽትከውን ኣለዋ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን፡ ኪቐትልዎ ፈቲኖም እዮም።—ሉቃስ 4:17-30

ካልእ ንማርያም ዘሕዘና ጕዳይ፡ ካልኦት ደቃ ብየሱስ ዘይምእማኖም እዩ ነይሩ። ኣብ ዮሃንስ 7:5 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት የሱስ ከም ናይ ኣዲኦም ዓይነት እምነት ኣይነበረቶምን። ኣብታ ጥቕሲ፡ “ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ” ዚብል ነንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን እንተ ወሓደ ኽልተ ነይረን ኪዀና ዚኽእላ ኣሓት የሱስ ዚገልጾ ነገር የልቦን። * ዝዀነ ዀይኑ፡ ማርያም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ምንባር ንዜምጽኦ ፍሉይ ስቓይ ትፈልጦ ነይራ እያ። ንመለኮታዊ ሓቂ እምንቲ ንኽትከውንን ንልቢ ኣባላት ስድራ ቤታ ንኽትትንክፍን ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ቃልሲ፡ ሚዛና ኽትሕሉ ትጽዕር ነበረት፣ ኰይኑ ግና፡ ጸቕጢ ኽትገብረሎም ወይ ምሳታቶም ክትከራኸር ኣይትፍትንን እያ ነይራ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣዝማድ የሱስ፡ ምናልባት እውን እንተላይ ኣሕዋቱ፡ ንየሱስ “ኪሕዝዎ መጹ።” “ተጸሊሉ” ኢሎም እውን ይዛረቡ ነበሩ። (ማርቆስ 3:21, 31) ማርያም ከምኡ ኢላ ኸም ዘይትሓስብ ፍሉጥ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ደቃ ኻብ የሱስ ገለ ነገር ኪመሃሩን እምነቶም ኬዕብዩን ከም ዚኽእሉ ተስፋ ብምግባር ምሳታቶም ከደት። እሞኸ ደቃ ገለ ነገር ተማሂሮምዶ፧ የሱስ ኣዝዩ ዜደንጹ ነገራት ይገብርን ዜደንቕ ትምህርቲ ይምህርን እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግና ብእኡ ኣይኣመኑን። ማርያም በዚ ተበሳጭያ፡ ልቦም ንምትንካፍ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሓሲባዶ ትኸውን፧

ንስኻኸ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዲኻ እትነብር፧ እምነት ማርያም ብዙሕ ክትምህረካ ትኽእል እያ። በቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማዳ ተስፋ ኣይቈረጸትን። የግዳስ፡ ሳላ እምነታ ሓጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ከም ዝረኸበት ከተርእዮም እያ መሪጻ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ነቲ እሙን ወዳ ትድግፎ ነበረት። ኰይኑ ግና፡ ንየሱስ ናፊቓቶ ደዀን ትኸውን፧ ሓድሓደ ሳዕ፡ ምስኣን ምስ ስድራ ቤታን እንተ ዚህሉ ብውሽጣ ተመንያ ደዀን ትኸውን፧ ከምኡ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ርእሳ ገቲኣ እያ። ንየሱስ ምድጋፍን ምትብባዕን፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይራ እያ እትርእዮ ነይራ። ንስኻኸ ንደቅኻ፡ ንኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ንኺህብዎ ኽትሕግዞም ትኽእልዶ፧

“ናብ ነፍስኺ . . . ነዊሕ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ”

ማርያም ብምኽንያት እታ ኣብ የሱስ ዝነበረታ እምነት ተባሪኻዶ፧ የሆዋ ነቶም እምነት ዘለዎም ዓስቦም ስለ ዚህቦም፡ ንማርያም እውን ባሪኽዋ ኪኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 11:6) ወዳ ኺዛረብ ከሎ ወይ ከኣ ካልኦት ንስብከቱ ዝሰምዕዎ ሰባት ብዛዕባኡ ኺዛረቡ ኸለዉ ኽትሰምዕ ከላ፡ ክሳዕ ክንደይ ክትሕጐስ ከም እትኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ!

የሱስ እተጠቕመሉ ሓያሎ ምሳሌታት፡ ዮሴፍን ማርያምን ዝሃብዎ ስልጠና ኸም ዝጸለዎ ዜርኢ እዩ ነይሩ

ማርያም ነቲ ወዳ እተጠቕመሉ ምሳሌታት ክትሰምዕ ከላ፡ እቲ የሱስ ኣብ ናዝሬት ኪዓቢ ኸሎ ዘሕለፎ ግዜ ቝልዕነት ትዝ ኢልዋዶ ይኸውን፧ የሱስ ብዛዕባ እታ ንዝጠፍኣታ ሰልዲ ንምርካብ ቤታ እትዅስትር ሰበይቲ፡ ብዛዕባ ንእንጌራ ዚኸውን እኽሊ ምጥሓን፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚቕመጥ መብራህቲ ኺዛረብ ከሎ፡ ማርያም ነቲ መዓልታዊ ስራሓ ኽትሰርሕ ከላ ምስኣ ዝነበረ ንእሽቶ ወዳ ዘኪራቶዶ ትኸውን፧ (ሉቃስ 11:33፣ 15:8, 9፣ 17:35) የሱስ ኣርዑቱ ምሹእ፡ ጾሩ እውን ፈኲስ ከም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ ማርያም ነቲ ዮሴፍ ንየሱስ ብኸመይ ንኣርዑት ብምሹእ መገዲ ኸም ዜዳልዎ ብምምሃር ዜሕልፎ ዝነበረ ባህ ዜብል እዋን ከም እትዝክር ገይሩዋዶ ይኸውን፧ (ማቴዎስ 11:30) ማርያም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃባ ፍሉይ መሰል፡ ማለት ነቲ ኣብ መጻኢ መሲሕ ዚኸውን ወዳ ኸተዕብዮን ከተሰልጥኖን ብዛዕባ ዝረኸበቶ ኣጋጣሚ ብምስትንታን ዓሚቝ ዕግበት ረኺባ እያ። ብዘይካዚ፡ ንየሱስ ብምስማዕ ፍሉይ ሓጐስ ረኺባ እያ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኻብ ኵሎም ሰብኣውያን መምህራን ዚዓብን ልሙድ ንዝዀነ ነገራትን ፍጻመታትን ተጠቒሙ ኣዝዩ ዜደንቕ ትምህርቲ ኺምህር ዚኽእልን መምህር እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ማርያም ትሕትቲ እያ ነይራ። ወዳ እውን እንተ ዀነ፡ ይትረፍዶ ኽትምለኽሲ፡ ዘይግቡእ ናእዳ ኸም ዚውሃባ እውን ኣይገበረን። ሓደ እዋን ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ካብቲ ዚምህሮ ዝነበረ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ፡ ንዕኡ ዝወለደት ኣደ ብሓቂ ሕጉስቲ ምዃና ተዛረበት። ንሱ ግና፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ መለሰላ። (ሉቃስ 11:27, 28) ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ይደልይዎ ኸም ዘለዉ ተነግሮ፣ ንሱ ግና፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ምዃኖም ገለጸ። ማርያም ግና በዚ ኣይተቐየመቶን፣ ከመይሲ፡ ካብ ስጋዊ ዝምድና ንላዕሊ፡ መንፈሳዊ ዝምድና ስለ ዚበልጽ፡ ነቲ የሱስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ነጥቢ ተረዲኣቶ ነይራ እያ።—ማርቆስ 3:32-35

ነቲ ማርያም ንየሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሳሒጉ ኺመውት ከሎ ብምርኣይ እተሰምዓ መሪር ስቓይ ኪገልጾ ዚኽእል ቃላት የልቦን። እቲ የሱስ ኪመውት ከሎ ኣብኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ጸኒሑ ኸም ዝገለጾ፡ ማርያም “ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት የሱስ” ደው ኢላ ነበረት። ነዛ እምንትን ፈቃርን ዝዀነት ኣደ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ጐድኒ ወዳ ደው ንኸይትብል ዚኽልክላ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይነበረን። የሱስ ንማርያም ምስ ረኣያ፡ ዋላ እኳ ነፍሲ ወከፍ ዚስሕቦ ዝነበረ ኣየርን ነፍሲ ወከፍ ዜውስኦ ዝነበረ ቓልን ስቓይ የስዕበሉ እንተ ነበረ፡ ተዛረበ። ነቲ ዚፈትዎ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ድማ፡ ንኣዲኡ ኺከናኸነሉ ሓደራ ሃቦ። ኣሕዋት የሱስ ገና ዘይኣመንቲ ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ንዓታቶም ዘይኰነስ፡ ንኣዲኡ ኣለይመለይ ምእንቲ ኺብለሉ፡ ነቲ ሓቀኛ ሰዓቢኡ ሓደራ ሃቦ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓደ ናይ እምነት ሰብ ነቶም ናቱ ብፍላይ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪናብዮም ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኣርኣየ።—ዮሃንስ 19:25-27

የሱስ ምስ ሞተ፡ ማርያም ነቲ ነዊሕ እዋን ይገብር እተነግራ ስቓይ ተመከረቶ፣ እወ፡ እቲ ነዊሕ ሰይፊ ሓዘን ናብ ነፍሳ ኣተወ። ዋላ እኳ የሱስ ብሙማቱ ብሓዘን እንተ ተዀምተረት፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እተሰምዓ ሓጐስ ግና ወሰን ኣይነበሮን። ከመይሲ፡ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ብዛዕባ ዚገልጽ ናይ ተኣምራት ተኣምር እያ ሰሚዓ። የሱስ ጸኒሑ ንያእቆብ ሓዉ ምናልባት ብብሕቱ ኸም እተራእዮ ምስ ሰምዐት እሞ ኸኣ፡ ሓጐሳ ድርብ እዩ ዀይኑ። (1 ቈረንቶስ 15:7) ያእቆብን ካልኦት ኣሕዋት የሱስን በዚ ኣዝዮም እዮም ተጸልዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣመኑ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ኣዲኦም ኰይኖም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከቡን ‘ጸሎት የዘውትሩን ነበሩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 1:14) ጸኒሑ ድማ፡ ክልተ ኻባታቶም፡ ማለት ያእቆብን ይሁዳን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መጻሕፍቲ ጸሓፉ።

ማርያም፡ ካልኦት ደቃ እሙናት ክርስትያናት ኪዀኑ ኸለዉ ብምርኣይ ተሓጒሳ እያ

ማርያም ንመወዳእታ እዋን እተጠቕሰት፡ ምስ ደቃ ዀይና ትእከብን ትጽልን ከም ዝነበረት ኣብ ዚገልጽ ሓበሬታ እዩ። እዝስ ነቲ ንሳ ዘሕለፈቶ ህይወት ዚበቅዕ መደምደምታ ደይኰነን፧ ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣብነት ኰን እያ ሓዲጋ! ሳላ እምነታ፡ ንሰይፊ ሓዘን ክትጻወሮ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ክቡር ዓስቢ ኽትረክብ ክኢላ እያ። ንሕና እውን ኣስኣሰር እምነታ ንስዕብ እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ስቓይ ክንዋጽኣሉ ኢና፣ ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ዝዀነ ዓስቢ ድማ ክንረክብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 ድሕሪ እቲ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣደ የሱስን ካልኦት ደቃን እኳ እንተ ተጠቕሱ፡ ዮሴፍ ግና ኣብ ጸብጻባት ወንጌል ተጠቒሱ ኣይንረኽቦን ኢና። የሱስ ኣብ ሓደ እዋን፡ “ወዲ ማርያም” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከሎ፡ ዮሴፍ ኣይተጠቕሰን።—ማርቆስ 6:3

^ ሕ.ጽ. 16 ዮሴፍ ንየሱስ ስለ ዘይወለዶ፡ የሱስ ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብኣደ እዩ ዚዛመድ ነይሩ።—ማቴዎስ 1:20