ቈሎሴ 1:1-29

  • ሰላምታ (1, 2)

  • ብዛዕባ እምነት ሰብ ቈሎሴ ዝቐረበ ምስጋና (3-8)

  • መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ እተጸለየ ጸሎት (9-12)

  • ክርስቶስ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ (13-23)

  • ጳውሎስ ምእንቲ እታ ጉባኤ ዝገበሮ ጻዕሪ (24-29)

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ካብ ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡  ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና፣  ከመይሲ፡ ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳት ዘላትኩም ፍቕርን ሰሚዕና ኢና፣  እዚኣ ኸኣ ሳላ እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ እያ።+ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ብመልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት ኣቐዲምኩም ሰሚዕኩም ኢኹም፣  እዚ ድማ ናባኻትኩም መጺኡ እዩ። ከምቲ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ዚፈርን ዚዓብን ዘሎ፡+ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ብልክዕ ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩም እውን ከምኡ ይኸውን ኣሎ።  ካብቲ ፍቑር ብጻይና ባርያ፡ ኣብ ክንዳና እውን ዜገልግል እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝዀነ ኤጳፍራስ፡+ እዚ ኢኹም እተመሃርኩም።  መንፈሳዊ ፍቕርኹም* ዘፍለጠና እውን ንሱ እዩ።  ስለዚ ኸኣ፡ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ኣትሒዝና፡ በቲ ልክዕ ፍልጠት+ ፍቓዱ ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን+ ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን+ ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። 10  ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ+ እናዓበኹምን ንየሆዋ* እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና። 11  ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሉ ብዅሉ ሓይሊ በርትዑ፣+ 12  ነቲ ኻብ ርስቲ እቶም ኣብ ብርሃን ዘለዉ ቕዱሳት+ ክትካፈሉ ዘብቅዓኩም ኣቦ እውን ኣመስግንዎ። 13  ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣+ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። 14  ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ።+ 15  ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡+ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ፣+ 16  ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡+ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ* ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን+ ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ። 17  ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣+ ኵሉ ኸኣ ብእኡ እዩ ቘይሙ፣ 18  ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ።+ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣+ 19  ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ባህ ኢልዎ እዩ፣+ 20  ብእኡ ድማ በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት* ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዀነ ወይስ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዅሉ ምስ ርእሱ የተዓርቕ እዩ።+ 21  ኣቱም ሓሳብኩም ኣብ እኩይ ግብሪ ብምንባሩ፡ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጸላእትን ዝነበርኩም፡ 22  ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን መንቀፊ ዘይብሎምን+ ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቕርበኩም፡ ሕጂ ብስጋዊ ሰብነት እቲ ዝሞተ ገይሩ ተዓሪቕኩም እዩ። 23  እዚ ዚኸውን ግና፡ ካብ ተስፋ እቲ ዝሰማዕኩምዎን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት እተሰብከን ብስራት+ ከይተነቓነቕኩም፡ ኣብታ መሰረት ተሰሪትኩምን+ ጸኒዕኩምን+ ብእምነት እንተ ቐጺልኩም እዩ።+ ኣነ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ብስራት እዚ እየ ኣገልጋሊ ዀይነ።+ 24  ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዘጓነፈኒ መከራ እሕጐስ ኣለኹ፣+ ኣብ ስጋይ ድማ ነቲ ዚተርፈኒ ጸበባ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ሰብነቱ፡+ ማለት ጉባኤኡ፡ አሕልፍ ኣለኹ።+ 25  ኣነ ኣገልጋሊ እዛ ጉባኤ እዚኣ ዝዀንኩ፡ ብመጠን እቲ ቓል ኣምላኽ መሊአ ኽሰብኽ ምእንታኹም ካብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዩ፣+ 26  እዚ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ስርዓታትን*+ ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር እዩ።+ ሕጂ ግና፡ ንቕዱሳት ተገሊጹ ኣሎ፣+ 27  ኣምላኽ ንዓታቶም ነቲ ኽቡር ሃብቲ እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬፍልጦም ፈትዩ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ ክርስቶስ፡ ንኽብሩ እውን ዘሎኩም ተስፋ እዩ።+ 28  ንዅሉ ሰብ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ምሉእ ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብዅሉ ጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድናን ንዅሉ ሰብ እናመሃርናን፡ ንዕኡ ኢና እንሰብኽ ዘለና።+ 29  ነዚ ድማ፡ ኣነ በቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚዓዪ ዘሎ ብርታዐኡ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣለኹ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብመንፈስ ዝዀነ ፍቕርኹም።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብዚ፡ “ኵሉ” ኺብሃል ከሎ፡ ኵሉ ኻልእ ፍጥረት ማለት እዩ። ፍ. 15 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መዋእላትን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።